ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2013 ዓ.ም.

May 01, 2021

ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ፳፻፲፫(2021 ) ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚአብሔርን ኣብ ምክልኻል ሃገረን ምክልኻል ሕማማ ኮርና ተዋፊርኩም ዘለኹም ኣባላት ሠራዊትን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ማየ ጸሎታትን ሆስፒታላትን እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሡራትን ኣንኳዕ  ናብዚ ክቡር በዓል ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን። ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት "ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፀሩ ውይጒየዩ ጸላእቱ እምቅድመ ገጹ ፥ ከመ የኅልቅ ጢስ ከማሁ የኅልቁ  ወከመ ይተመሰው ሰምዕ እምቅድመ ገጸ እሳት ከማሁ ይትሀጐሉ ኃጥኣን እምቅድመ ገጹ ለእግዚአብሔር ( መዝ ፷፯ 68) "እግዚአብሔር ይትንሥእ ጸላእቱ ፋሕ ይብሉ እቶም ዝጸልእዎ ከኣ ካብ ገጹ ይሃድሙ ትኪ ከም ዝብተን ከምኡ ይብትኖም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከም ዝመክኽ ከምኡ’ውን ሓጥኣን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይጠፍኡ" ይብለና ። እዚ ትንቢት እዚ ዘረድእና ዲያብሎስ ተሳዒሩ ዝተኣስረሉ፥ ኣዳም ነጻ ወጺኡ ፍጹም ሓጐስን ደስታን ዝተጓነጸፈሉ፥  ሲኦል ዘእወየትሉን ፡ ገነተ ትፍስሕት ዝተኸፍተትሉን ኣዳምን ዘርኡን ክብሪ ዝረኸብሉን ዘይነጽፍ ፈልፋሊ መንፈሰ ሕይወት ሰላም ክርስቶስ ዚተኣወጀሉ፥ ክቡር  በዓል እዩ ።

ስለዝኾነ ድማ እዩ ቅድስት ቤተክርስቲያንና በብዓመቱ "ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን ኣሠሮ ለሰይጣን ኣግዓዞ ለኣዳም ሰላም እምይእዜሰ ይኩን ፍስሐ ወሰላም እናበለት ናይ ሓጐስን ሰላምን ብሥራት ብዓውታ ድምጻ እተስምዕ። ኲሉ ዝከኣሎ መስፍን ሰላም መድሃኔዓለም ክርስቶስ ንሃገርና ንጐሮብባትናን ንምላእ ዓለምን ሰላሙን ምሕረቱን ከውርደልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና እናበልና ንልምምን ንጽልን።

ክቡራን ሕዝበ እግዚአብሔር

ናይ ሎም ዘመን ኣከባብራ በዓለ ትንሣኤ ካብ ናይ ዓሚ ፍሉይ ዝገብሮ  ሕማም ኮርና ኣብ ሃገርና ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ መንግስቲ ንድሕነት ሕዝቡ ኪብል ምትእኽኻብ ንምጉዳል  ንዘውጸኦ መምርሒ መሠረት ዝገበረ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ከይተዓጽወ ኣገልግሎት ከይተባተኸ ብውሱን ቁጽሪ ኣገልግለልትን ተገልገልትን ኪፍጸም ዝጽነሐ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ብምፍዃስ ፥ ቤተክርስቲያን ንኹሉ ኣማኒ ርሕው ኮይኑ ሕዝቢ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኪረክብ ኣብ ዋዜማ ሆሳዕና ዝሃቦ መመሓየሺ መምርሒ ብመራኸቢ ብዙሓን ምስተመሓላለፈ ሕዝቢ ዓቢ ሓጐስ ከምዝተሰመዖን ንእግዚአብሔርን ንመንግስቱን ከምዘመስገነ ከይጠቐስናዮ ኣይንሓልፍን ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሕታት ኮሮና  ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ከከም መምርሒ ናይቲ ዝነብርሉ ሃገር ጥንቃቐ እናገበሩ ቤተክርስቲያን ከይደፈኑ ብትግሃት ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ዝጸንሑ ሥዩማን ካህናትን ዲያቆናትን መራሕቲ መንፈሳውያን ኣብያተ ጽሕፈትን ከምኡውን ምእመናን ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዘርኣይዎ ትዕግስቲ  ቅዱስ ሲኖዶስ ምስጋናኡ የቕርብ ።

ተገይሩ ዘሎ ናይ ቤተክርቲያን ፍታሕ ለበዳ ሕማም ኮሮና ጠፊኡ ማለት ስለዘይኮነ እግዚአብሔር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ እዚ ሕማም እዚ ካብ ገጽ ምድሪ ክሳብ ዘጥፍኣልና  ኣብ ቤተክርስቲያን ይኹን  ካብ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ኣብ  እንገብሮ ምትእኽኻብ ንገዛእ ርእስናን ስድራ-ቤትናን ክንብል  መምርሕታት ሚኒስትሪ ጥዕናን  ቅዱስ ሲኖዶስን ብምኽታል ጥንቃቐ ክንገብር  ቤተክርስቲያን ደጊማ ተማሕጽን።

በዚ ኣጋጣሚ ኦርቶዶስክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያንና እተመሓላልፎ መልኽቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘለዎ ል ዑላዌ ሥልጣን ሕግን መምርሕን  ቤተክርስቲያን ብምኽታል  5ይ ፓትርያሪክ  ቀቢኡ ኪሸይም ምድላዋት ይገብር ስለዘሎ ኲልኹም ገዳማውያን ውሉደክህነትን፡ ምእመናንን መንእሰያትን  እዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓቢይ ውጥን እግዚአብሔር ኣብ ፍጻሜ ከብጽሓልና ብጸሎት ክትድግፉ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣባታዊ መልእኽቱ የመሓላልፍ  ።

ኣብ መደምደምታ ፥

እግዚአብሔር ኣምላክ ሰላሙ ኬብዝሓልና ሓድነትና ኬጸንዓልና ብዓቢኡ ርስቲ መንግስተ ሰማያት ክንወርስ ትእዛዛተ እግዚአብሔር ክንፍጽምን ሃይማኖትናን ወለድናን ዘውረሱና መንፈሳዊ ክብርታት ብምዕቃብ ንዝሓመሙ ብምጻሕ ንዝዓረቑ ብምልባስ ብሓፈሻ ዘለዎ ንዘይብሉ ብምምቃል በዓልና ብሓባርን ብሓጐስን ከነብዕል ቅድስት ቤተክርስቲያን ተዘኻኽር።

ቡሩኽ በዓለ ትንሣኤ ይግበረልና እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ ፳፫ ሚያዝያ ፳፻፲፫( 01/05/2021)

ኣቡን ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 30 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም…

May
Saturday
8
ማርቆስ ወንጌላዊ በኵረ ፸ወ፪ቱ አርድእት፡ ወሊቀ ጳጳሳት ዘሀገረ እስክንድርያ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት 2ይ ጢሞ. 4፡5-18 1ይ ጴጥ. 5፡6-ፍጻሜ ግብረሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 15፡36-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 115/116 ወንጌል ሉቃ. 10፡1-11 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘአበዊነ ሐዋርያት። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝውክሉ 7ተ ኣባላት ተመሪጾም!

26 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. 5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝውክሉ 7ተ ኣባላት ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብዝተገብረ...

ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2013 ዓ.ም.

ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ፳፻፲፫(2021 ) ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን...

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ዝተወደበ…

ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ዕለት ፳፩ ሚያዚያ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (29/04/2021) ኣብ ዝወደቦ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ልዕሊ 40 ዝኾኑ...

ጽልዋ ኮቢድ 19 ኣብ ክርስቲያናዊ ተልእኮ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለዋ…

ጽልዋ ዓለምለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ኣብ ሓፈሻዊ ክርስቲያናዊ ተልእኮን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዕዞ ሰላም ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘኸተሎን...

“ነሥአ ደዌነ ወፆረ ሕማመነ/ብሓቂ ንሱ ሕማምና ተቀበለ፡ ንሥቓይና ተሰከመ” …

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ዕለተ ዓርብ (ስቅለት) ኣብ ሥነፍጥረት ብዕለት ዓርቢ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” ፡ ከም መልክዕና ብምስልና...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ክልተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ማንዛዊ (zoom) ኣኼባ…

ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ወጻኢ ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት፡ ብዕለት 21/04/2021 ምስ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃን...

ከም መቐጸልታ ፯ ሚያዚያ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (15/04/2021) ዘውጽኦ መግለጺ ቅዱስ…

ከም ኣካል ሕግ ወሥርዓት ምርጫ መበል ፭ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መስርሕ ንምክትታል ምፍጻምን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመዘዞ ፯ተ...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ክልተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ማንዛዊ ኣኼባ ኣካይዱ!

ብዕለት 13 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ወፃኢ ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት፡ ምስ ንኡስ...

ንኣፈጻጽማ ስትራቴጂክ ውጥን ዝምልከት ሥልጠና ይቕጽል ኣሎ!

ብስትራቴጂካዊ ውጥን ኽትምራሕ ምኽኣል ርኁቅ ከተማዕድውን ናብ ሓደ መኣዝን ዓወት ክትጥምትን ዘክእል ብምዃኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ክሰርጽን...

ቤተ ማኅተም ማኅበር ሐዋርያት መሠረታዊ ለውጢ ንምግባር ይሥራሕ ኣሎ!

ቤተ ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሐዋርያት መሠረታዊ ለውጢን ሓፈሻዊ ምሕዳስን ንምግባር ይሥራሕ ኣሎ።

ገብር ኄር ወኒቆዲሞስ መምህር ተስፋሥላሴ ዘርአ እግዚእ

ቀደምት ሊቃውንት አበው ካብ ዕምቈት ፍልጠትን ምልከት ቋንቋን ዝተላዕለ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ንስብሐተ እግዚአብሔር፡ ንነገራት፡ ንጊዜ ፡ ንኵነታት፡ ንሥነ ፍጥረት፡...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...