ሓጺር መግለጺ ታሪኽ ሕይወትን ኣገልግሎትን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ

Jun 18, 2021

`` ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር / እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ኣትኂዙ ኣተዓባብያኡ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እዩ ``

ካብ ዕለተ ልደት ክሳብ ማዕርገ ዱቁና

ሠሉስ ዕለት 16 መስከረም ኪዳነ ምሕረት መዓልቲ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ለይቲ እዩ፡ ኣብ ዘመነ ዮሐንስ 1920 ዓ.ም.ግ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ከባቢ ሩባ ናጻ እንዳ ዳሽም ቅዱሳን ባዕሎም ኣብ ዝሰመይዎ እንዳ ጻድቃን ባረክናሃ ዐፅመ ቅዱሳን ኣብ ዝርከበሉ ቦታ፡  ካብ ዝነበሩ መፍቀርቲ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ወለዲ ኣቦይ ቀሲስ ተስፋሥላሴ ተኽለን ወ/ሮ ወለተመድኅን ሓጐስን ሓደ ሕፃን ተወልዱ። ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቶም ብካህነ እግዚኣብሔር ኃይለ ማርያም ዝብል ስም ተዋህቦም። ንሶም ኣብ ጊዜ ሕፃንነቶም ብጠባዮም ምስጉንን እዙዝን ወለዶም ዘኽብሩን ነበሩ ።

ወላዲኦም ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ብሞት እኳ እንተ ተፈለይዎም፡ ምስ ስድራቤቶም ብፍቕሪ ዓበዩ፡ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ናብ ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ብምኻድ፡ ኣብ እግሪ የኔታ ዜና ገብርኤል ግብረ ዲቁና ተማህሩ፡ ብዕለት 09 ግንቦት 1936 ዓ.ም.ግ ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማዊ ጳጳስ ኤርትራ ማዕርገ ዲቁና ተቐበሉ።

መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምቕጻል ብ1937 ዓ.ም.ግ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ ገዳም ደብረ ኣባይ ብምኻድ ኣብ ትሕቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ የኔታ ኋላሸት ቃል ትምህርቲ፡ ሰዓታትን፡ ዳዊትን ኣጠናቒቖም ንዓዶም ተመልሱ፣ ክሳብ ወዲ 24 ዓመት ብግብረ ዲቁናን ብልዙብ ትሕትናን ተኣዝዞን ንዓዶምን ነታ ፊደል ዝቖጸሩላ ቅድስቲ ገዳሞምን ኣገልገሉ።

ኣቦና ገና ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም እግዚኣብሔር ኣቦይ፡ እመ ብርሃን ኣደይ ኢሎም ብጸሎት ቅዱሳን ተማኅፂኖም ብጾምን ጸሎትን እናተሰነዩ ኣብ መዓልቲ 15 መልክዐት ብምጽናዕ፡ ነቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይዘልቅዎ ነበሩ። ካብቲ ፍሉይ መለለይኦም ለውሃቶምን ጣዕመ ዜምኦምን ኮይኑ፡ ከም ኣብነት ካብ ዕለታት ሓደ እዋን ገልዒ ስለዘይረኸቡ ነቶም ዝረድእዎም ዝነበሩ ኣረጋዊ መነኮስ ሓዊ ብነጸላኦም ዘብጽሕሉ እዋን ዘይርሳዕ ኣብነታዊ ተግባር ለውሃቶም ክኸውን ከሎ፡ እግዚኣብሔር ብዝዓደሎምን ዓፅሚ ዘጥልል ድምፂ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኽብረ በዓላትን ኣድባራትን ገዳማትን ካብ ሃገርና ወፃኢ ኸይተረፈ ኣብ ጐረቤት ሃገር ተዓዲሞም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህቡ ነበሩ። እዚ ተግባር’ዚ ኻብ ዲቁና ክሳብ ሊቀ ጵጵስና ናይ ወትሩ ዝደጋገም ዕዮኦም ነበረ።

“ወሶበ እንዘ ኣነ እንከ ሊቅክሙ፡ ወእግዚእክሙ፡ ሓፀብኩክሙ እገሪክሙ፡ ከማሁኬ ኣንትሙኒ ይደልወክሙ ትሕፅቡ እግረ ቢጽክሙ” ዮሐ፡ 13፡14

                                              መርኣያ ትሕትና

“እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን ከሎዂ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብክኹም፡ ንስካትኹም ውን ከምኡ ኣእጋር ብጾትኩም ክትሓፅቡ ይግብኣኩም እዩ።”

ኣስኬማ ምንኲስና

ብፁዕ ኣቡን ቄርሎስ ካብ 1936–1944 ዓ.ም.ግ ንሾሞንተ ዓመታት ብተወፋይነትን ትሕትናን ንኣረጋውያን መነኮሳት ብምርዳእ ዕንፀይቲ ብምጉራት ግርሁ ገዳም ብምሕራስን ብተልእኮ ማህረጽን ቅዳሴን ብግብረ ዲቁናን ድኅሪ ምግልጋል 09 የካቲት 1944 ዓ.ም.ግ ኣስኬማ ምንኲስና ብመምህር ዕቁበ ሚካኤል ብፅዓይ ለበሱ። ብዕለት 21 ሚያዝያ 1944 ዓ.ም.ግ ማዕርገ ክህነት ብብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ተቐብኡ። ብማዕጠንትን ቅዳሴን ኣብ ገዳሞምን ከባቢ ገዳሞምን ንዘለዋ ዓድታት ብምብጻሕ ንሕዝቢ ኣገልገሉን ካብ ሕዝቢ ኸኣ ነቲ ገዳም ዘድሊ ንዋየ ቅድሳት ብምምጻእ ንገዳሞምን ኣቦታቶምን ረድኡ።

 

 ብተወሳኺ ቃል ትምህርቲ፡ ጾመ ድጓ ከምኡ`ውን ኣቋቋም ኣብ እግሪ የኔታ ዋካ፡ የኔታ ኣሰፋው፡ የኔታ ይኄይስ ኣጠናቒቖም ተማህሩ። ዳግማይ ናብ ደብረ ኣባይ ብምምላስ መዝገብ ቅዳሴ ኣመስከሩ፡ ብዝነበሮም መንፈሳዊ ትሕትናን ትምህርታዊ ጣዕመ ዜማን መምህሮምን ገዳማውያን ኣቦታትን ኣብ ደብረ ኣባይ ከትርፍዎም እኳ እንተጻዓሩ ብዝነበሮም ፍቕሪ ሃገሮምን ገዳሞምን ብንብዓት ተፋንዮም ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ብሓፈሻ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ብተኸታታሊ ብቀሺ ገበዝ፡ መጋቢ፡ ሊቀ ኣርድእት፡ ኣፈ መምህርን ጸሓፍን ኮይኖም ነቲ ገዳም ኣገልገሉ ።

ኃላፍነት ኣበምኔት

     ካብ 1944–1957 ዓ.ም.ግ ብማዕርገ ክህነት ን13 ዓመታት ድኅሪ ምግልጋል ብዝነበሮም መንፈሳዊ ጥብዓትን ትሕትናን ትግሃትን ጥበብን ብቕዓቶም ስለዝተመስከረሎም ገዳም ንኽመርሑ ብምልኣት ገዳማውያን “ይደልዎ” (ይግብኦ) ተባሂሎም 14-04-1957 ዓ.ም.ግ ንኣበምኔት ተመርጹ ። “እስመ መምህረ ሕግ መምህር ኃይለማርያም ኣበምኔት ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ” ዝብል መጸውዒ ኂዞም መሪሕነት ገዳም ተረከቡ ።

ኣበምኔት ኣባ ኃይለማርያም

 

   ከም ባሕታዊ ብዓል ዓቕሊ / ባሕታዊ ዘበህድኣት / ንዂሉ ፈተና እናተሰከሙ ፡ ንዝገጥሞም ጸገም ከም ኣመስጋኒ ብዓል ተስፋ /ድዉይ ዘበኣኰቴት/ ብምስጋና እናተግሁን ፡ ከም ተባዕ ኣገልጋሊ /ረድእ ዘበጥብዓት/ ንዂሉ ጐዕዞኦም ንእግዚኣብሔር ኣምሪሖም ብትብዓት ፡ ብቐዳምነት ውስጠ ደንብ ማኅበር /መምርሒ/ ኣርቒቖም ኣቕረቡ። ቆርበት ፍሒቖም፡ ቀለም በጽቢጾም፡ ብርዒ ጠሚዖም፡ ዝተፈላለዩ ናይ ብራና መጻሕፍቲ ብዘደንቕ ኣገባብ ጸሓፉ። ንገድሊ ጻድቅ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ዘገዳመ ደብረ ምዕዋን ክልተ ጊዜ ብናቶም ወፃኢ ኣኅቲሞሞ፣ ማለት ቀዳማይ ግእዝ ብግእዝ፡ ኣብ ካልኣይ እዋን ከኣ ሓደ ዓምዲ ብግእዝ ሓደ ዓምዲ ትግርኛ ብምሉእ ናቶም ሓልዮት ከምዝኅተም ገበሩ። ንደቒ ዓድን ሰብ ጸጋን ኣወሃሂዶም መደባት ብምሕንጻጽ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሃገርና ንገዳም ዝጠቕሙ ዓበይቲ ሥርሓት ሠርሑ። ከም ኣብነት ኣብ ኣሥመራ፡ ከባቢ ገጀረት ብዓል 15 ክፍሊ ከምኡ`ውን ብዓል 10 ክፍሊ መንበሪ ኤምባሲ ጥልያን፡ኣብ ከባቢ ኣልፎሮማዮ ብዓል 3 ክፍሊ ምስ መጸገኒ መካይን (ጋራጅ)፡ ኣብ ማእከል ከተማ ደቀምሓረ ብዓል 24 ኽፍሊ፡ ኣብ ማይ ዕዳጋ ኸኣ ብዓል 3 ኽፍሊ መዕረፊ መነኮሳት ዝኾኑ ኣባይቲ ሃነጹ። ክሳብ ሕጂ ከኣ መዕረፍን ምንጪ ኣታዊ ገዳምን ኮይኖም የገልግል ኣለው ።  

  ኣብ ውሽጢ ገዳም ጠሓኒት መኪና ብምእታው ንገዳምን ሕዝብን፡ ኣብ ግዜ ሰውራ ከኣ ንውድብ ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ መጥሓን ኣገልግሎት ከምእትህብ ገበሩ። ነቲ ዝነበረ ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ንምፍታሕ ምስ ናይ’ቲ እዋን ዝነበሩ ሹሞኛታት ብምርድዳእ ነቲ ገዳም ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣእተዉሉ። ገበርቲ ሠናይ ብምውሕሓድ ከኣ እቲ ገዳም ናይ መብራህቲ ኣገልግሎት ከምዝረክብ ገበሩ ።

  ነቲ ኣብ ሃገርና ብባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕን ኣደራዕን ንኸብቅዕ ካብ 1976 ዓ.ም.ግ ጀሚሮም ንፍትሒ ብጸሎትን ተልእኾን ብተወሳኺ ኻብኦም ዝሕተት ዕዮን ተቓለሱ። ብደረጃ ኣበምኔት ከኣ ካብ 1957–1986 ዓ.ም.ግ ን30 ዓመታት ንገዳምን ሃገሮምን ብቕንዕና ኣገልገሉ።

ማዕርገ ጵጵስና

ድኅሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቃልስን ጽንዓትን ተወፋይነትን ኤርትራ ናጽነታ ምስ ተጐናጸፈት፡ ነጻን ልዑላዊትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንምምሥራት ኣብ ዝተገብረ መሥርሕ ብጊዜያዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንምምራጽ ምስ ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ብምርድዳእ ካብ 20 ገዳማት ካብ ዝተዋፅኡ 15 መነኮሳት ካብቶም ብዝለዓለ ድምፂ ዝተረቚሑ ኃሙሽተ ኣበምኔታት ሓደ ኾይኖም ኣቡነ ቄርሎስ ተኃርዩ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ምስግጋር ሥልጣን ኣቦና ብንብዓትን “ኣይግብኣንን” እዩ ብምባልን ነቲ ብኣቦታት ዝተዋህቦም ሥልጣን ይኣብዩ እኳ እንተ ነበሩ ብማእሰርትን ሱባኤን እዮም ነቲ ሥልጣን ዝቕበልዎ ኔሮም። 

    ኣብ 1986 ዓ.ም.ግ ንግብጺ ብምኻድ ንሽዱሽተ ወርኂ ዝኣክል ተኸታታሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ተማህሩ። ብ12 ሰኔ 1986 ዓ.ም.ግ 60 ሊቃነ ጳጳሳት መጥሮጶሊስ (ሜትሮፖሊታን)ኣብ ዝተረክብሉ ፡ ብኢድ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ ቤተክርስቲያን ግብጺ  ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዓልቲ ሥርዓተ ሢመትን ጸሎተ ተቀብኦ ጵጵስና ተፈጸመሎም ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ተባህሉ። ካብቲ ጊዜቲ ጀሚሮም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኮኑ። በቲ ኣቐዲሙ ጊዜያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መዲብዎ ዝጸንሐ ምደባ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ኣድያመ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ (ዞባ ደቡብ) ኮይኖም ከገልግሉ ተመደቡ ።

ሥርዐተ ተቀብኦ ማዕርገ ጵጵስና

   ኣብ መዋዕለ ሢመቶም ንነፍሶምን ሃገሮምን ብርሃን ብምዃን ንሃገረ ስብከቶም ብልዑል መንፈሳዊ መሪሕነት ኣገልገሉ። ውጥን ሕንጻ ኣዳልዮም ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኣብ ምስራሕ ዓቢይ ኣበርክቶ ገበሩ፡ ን10 ቆሞሳት፡ 1249 ካህናት፡ 5539 ዲያቆናት፡ ብጠቕላላ 6798 ውሉደ ክህነት ቐቢኦም። ንኽልተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ቤት ጽሕፈታት ኣስሪሖም፡ ብመኪናን ብበቕልን እናተጓዕዙ ልዕሊ 80 ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾም፡ ነቲ ብወራር ዝዓነወ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መንክራት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብፍሉይ ዲዛይንን ቅርጽን ብዝለዓለ ወፃኢታት ባጀትን ምስ መንግሥቲ ብምርድዳእ ኣብ ሃገርና ብፍሉይ ካብ ተሃንጹ ዓበይቲ ኣድባራት ሓደን ታሪኻውን ከምዝኸውን ጌሮም፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ንዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ መሳርሕቶምን ምስ መንግሥታዊ ኣካላት ብምምኽኻርን ብምርድዳእን ማዕዳን ተግሳፅን ብምሃብ ኣብ መንጎ ቶርዓን ጽንዓ ደግለን፡ ሓሬነን ገደለን ዝነበሩ ክርክር ብሰላም ከም ዝዓርፍ ገይሮም። በዚ ኸኣ ቅዱስ ሲኖድስ ንሃገረ ስብከቶም ከም ኣብነታዊ ሃገረ ስብከት ብምርኣይ ወትሩ ይምጒሶም።

    ነዚ ዂሉ መንፈሳዊ ገድሊ ብምፍጻሞም ከኣ ካብ ማዕርግ ጵጵስና ተሰጋጊሮም ብ21 ሐምለ 1990 ዓ.ም.ግ ካብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ተቐበሉ። ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቐብኦ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ  ፓትርያርክ ብናይ ብፁዕነቶም መሪሕነት ተኻየደ።

ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ላዕለዋይ ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት ከም ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ኅቡራት ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያ ዓለም ተሳቲፎም፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ጉባኤታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃኢን፡ ግብጺ፡ ኣሜሪካ፡ ጥልያን፡ ጀርመን፡ ስዊድን፡ ስዊዘርላንድ፡ ነርወይ፡ ኬንያ፡ ዱባይ፡ ኣቡዳቢ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጎላ፡ እስራኤል፡ በጺሖምን ሕዝቦም ኣገልጊሎምን ባሪኾምን።

                                                                                                                ምቛም ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቓ

ዑደት ኣብ ቅድስት ሃገር ኢዮሩሳሌም

ርክብ ምስ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም                           

(ጄኔቫ)

ማዕርገ ፓትርያርክ

ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ቅዱስ ሲኖዶስ ምርጫ 5 ቅዱስ ፓትርያርክ ኪካየድ ብዝወሰኖ መሠረት ብዕለት 05 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ግ ወከልቲ ኣበምኔታት ገዳማት ኤርትራ ፡ መራኅቲ ስራሕን (ሊቃነ ካህናት) ተወከልቲ ኲለን ኣድያማተ ስብከታትን ኣድባራትን፡ ኣህጉረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን ወፃኢ፡  ተወከልቲ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዝተረኽብሉ ብነጻን ርትዓውን ፍትሓውን ምርጫ ካብቶም  ዝተመርጹ ኃሙሽተ ሕጹያት ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳት ብዕቤቶምን ተመኲሮኦምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ርእሲ ድምጺ መረጽቲ ብምልኣት ድምፂ ንብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ 5 ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኾይኖም ከገልግሉ ብሥሙር ድምፂ ሓርዩ ንሕዝቢ ብወግዒ ኣበሰረ።

  እንሆ በዚ ሎሚ ዕለት 6 ሰኔ 2013 ዓ.ም.ግ (13-06-2021 ዓ.ም.ፈ) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺምሎም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ 5 ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኮኑ፡ እዚ ኣብ ጒዕዞ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ መድረኻት ቃልስን ውህደትን ዝኃለፎ መሥርሕ ብምዃኑ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ እናተዘከረ ኽነብር እዩ ።

እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኽ ።

መንበረ ፓትርያርክ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቃል ቅዱስ ሲኖዶስ

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ክቡር መሥዋዕቲ ድኅሪ ዝተኸፍሎ ናጽነት ሃገር፡ ኣብ ወርኃ ግንቦት ፲፱፻፺ ዓ.ም (1998) ሓዋርያዊ ሰንሰለቱ ብዝዓቀበ ሕጋዊ ኣገባብን ፕሮቶኮላዊ ስምምዕን፡ ናጻን ልኡላዊትን ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዘረጋገጸትሉ ቅዱስ መንበራ ከምዝተኸለት ይፍለጥ። በዚ መሠረት ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓጋጊን ወሳኒን ኣካል ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብዚ ቅዱስ መንበር ተሰይሞም ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ኣርባዕተ ፓትርያርካት ኣብ ገጊዜኡ ክምረጹ ከምዝገበረን ከምዝሾመን ይዝከር። እንሆ ድማ ኣብዚ ክቡርን ታሪኻዊን መዓልቲ መበል ፭ ፓትርያርክ መሪጹ ይርከብ።

እንተኾነ እዚ ምርጫ’ዚ ካብ ካልኦት ቅድሜኡ ዝነበሩ ምርጫታት ዝፈልዮ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከምዘለዉዎ ኵልና ንስሕቶ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ምርጫ’ዚ ድኅሪ ዕረፍቲ ራብዓይ ፓትርያርክ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቤተ ክርስቲያንና ጽላል ዝኾና ኣቦ ከይመረጸት ንኃሙሽተ ዓመት ብምድንጓይ ዝተገብረ ምዃኑ ድማ ሓደ ካብቲ ዝጥቀስ ፍሉይነት እዚ ምርጫ እዩ።

ቤተ ክርስቲያንና ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኃሙሽተ ዓመታት ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝጸንሓ ሓጓፋት መሊኣ ብዙኅ ዓበይቲ ስርሓት ክትዓምምን ሓዋርያዊ ግቡኣ ክትፍጽምን እኳ እንተጸንሐት፡ ኣቦ ዝኾና ፓትርያርክ ኣብ እዋኑ ብዘይምሻማ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብዝተዋደደ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ሓድነታን ልዑላዊነታን ብዘየቋርጽ ጸለመታት ዝተሰነየ ተጻብኦታት ክፍነወላ ምጽንሑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ብሓፈሻ ድማ ሓድነታ ብምዝራግ ካብ ምድኻም እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝረኽብዎ ነናቶም ረብሓ ጸብጺቦም ዘይቅዱስ ሕብረት ዝፈጠሩ በበይኖም ኣካላት ኣብዚ እኩይ ተልእኾ ተዋፊሮም ንዓመታት ክሰርሑ ምንጽሖም’ውን ርእሰ ግሉጽ ሓቂ እዩ። ንዓውደ ምሕረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም መሰጋገሪ መድረኽ ብምጥቃም ንክልተ ወለዶታት ደቃ ክዘምቱ ዝጸንሑ መናፍቓዊ ጉጅለታት በቲ ሓደ፡ምድኻም ቤተ ክርስቲያን፡ ‘ምድኻም ሓድነት ሕዝብን ሃገርን እዩ’ ካብ ዝብል ቀመር ዝተበገሱ ሥጋዊ ዕላማ ዝሓዙ በበይኖም ዓለማውያን ኣካላት ድማ በቲ ካልእ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ቅሉዕ ተጻብኦታት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። ብተወሳኺ’ውን ደረት ዘይብሉ ግራት ዝረኸቡ መሲልዎም ልዑላዊነትና ብምግሃስን ክብሪ ናጽነትና ብምድፋርን ብገለ ኣካላት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን፡ ምስዝተፈላለዩ ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ኣጻራር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ጉጅለታት ብምሥማርን ታቦታት ብምዕዳልን ማዕርጋት ብምቕባእን ኣብ ልዕሊ ሓድነትን ማእከልነትን ቤተ ክርስቲያንና ክፍጽምዎ ዝጸንሑ በደላት ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ቅዱስ ሲኖዶስ ግና ንዅሉ ተጻብኦታት ኃይሊ እግዚአብሔርን ደገፍ ሕዝቡን ሒዙ ዝግባእ ምላሽ እናሃበ ንዅሉ ብትዕግስትን ብምጽዋርን ሰጊሩ ኣብዚ ደረጃ እኳ እንተበጸሐ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ስዩማን ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያናን ኣብ ዝረኸብዎ ዅሉ ኣጋጣሚታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣጋጢምዋ ንዘሎ ፈተና ንምስጋር፡ ቅድም ቀዳድም ዕዮ ቤታ ክትሰርሕን ብዝቐልጠፈ ፓትርያርካ ክትሸይም ከተሓሳስቡን፡ ብቃልን ብጽሑፍን ድማ ክምሕጸኑን ጸኒሖም እዮም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ክሓስበሉን ክመኽረሉን ምስ ዝጸንሐ ጉዳይ ዝሰማማዕ ለበዋ ብምዃኑ ድማ ንዝሓለፉ ሠለስተ ዓመታት ብእወታ ምላሽ ክህበሉን ብዓቕሙ በበይኑ ምድላዋት ክገብርን ጸኒሑ እዩ። ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ክርስቲያንን ድማ ክጸርን ክንጽርን ዘለዎ ዝተሓላለኸ ጉዳያትን ሕዱር ሕማማትን ኣብ ምጽራይን ምርዳእን ድማ ብዙሕ ጽዒቱ እዩ፡ ብዙኅ መጻወድያታት’ውን ሰጊሩ እዩ። እዞም ጻዕርታት ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ከባቴ ኣበሳ ብምዃን ሸፊንዎም ዝጸንሑ ድጉላትን ስዉራትን ሓቅታት ኣብ ምቅላዕን፡ ዝነበሩ ምድንጋራት ኣብ ምጽራይን ኣገዳሲ ታራ እኳ እንተነበሮም፡ ብኣንጻሩ ድማ ምስ ምንዋሕ ጊዜ ንቤተ ክርስቲያን ናብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከምዘመርሓ ክውን ነገር እዩ። 

ቅዱስ ሲኖዶስ ቅድም ቀዳድም ድኅነትን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕቃብ፡ ምሻም ቅዱስ ፓትርያርክ ዘለዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ብምእማን እዚ ምርጫ ዝሰልጠሉ መገዲ ኣብ ውሽጡን ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ክዘራረበሉ ጸኒሑ እዩ። ዋላ እኳ ጊዜ ዝወሰደን፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ’ውን ልዕሊ ሓደ ዓመት ብምኽንያት ሕማም ኮቪድ-19 ተደናጒዩ እንተጸንሐ’ውን እግዚአብሔር ንዅሉ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፈተናታት ኣሕሊፉ ኣብ ጊዜኡ ዝገበሮ ብምዃኑ ቅዱስ ሲኖዶስ ንልዑል እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ ይብል።

እምበኣር እዚ ምርጫ’ዚ ንዅሎም ዝተሓልፉ መድረኻትን ንህልዊ ኩነታት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኪኖ ልሙድ ምርጫ ፓትርያርክ ብዙኅ ትርጉምን ኣገዳስነትን ዘለዎ ምዃኑ ቅዱስ ሲኖዶስ ይኣምን።

በዚ መሠረት ንኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ፈታኒ ዘመንን እዋንን ዘሰጋገር ፓትርያርክ ምምራጽን ምሻምን ብምቕጻል ድማ ጳጳሳት ብብዝሒ ብምሻምን ተካእቲ ብምርካብን፡ምድልዳልን ምኅያልን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስን ሃገረ ስብከታትን ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሠለስተ ዓመት ክንቀራረበሉን ክንዘራረበሉን ጸኒሕና ኢና። “ቦ ጊዜ ለኵሉ” ከምዝተባህለ እግዚአብሔር ስለዘይወደኦ ግና ምልዛብና እናቐጸልና ብጸሎትን ልማኖን ንእግዚአብሔር ኣምላኽ እናመልከትና ብትዕግስቲ ክንጽበ ጸኒሕና። ጎኒ ጎኒ ድማ ሕገ ቃለ ዓዋዲ መሠረት ብምግባር፡ ጥንታውያን ሕግጋት ቤተ ክርስቲያን ብምምርማር፡ ተሞክሮ ዝቐደሙ ምርጫታትና ብምግምጋምን ተሞክሮ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት  ብምጽናዕን ኣርቃቒ ኮሚቴ ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ ብምስያምን ክንገብሮ ዝጸናሕና ምድላው እቲ ካልእ ኣገዳሲ ስራሕ ነበረ።

ዋላ እኳ ብኸምዚ ኣገባብ ንሰማማዕ እምበር ሕጂ’ውን ዅልና ኣብዚ ምርጫ ክንምረጽ ፍቓደኛ ብዘይምዃንና፡ ጉባኤ ተኣኪቡ ብዘይ ፍረ ከይተርፍ፡ ዳግማይ ብምልዛብ ንድምጺ መረጽቲ ክብሪ ብዝህብ፡ ልማድን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንናን ብተኸተለን ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ምርጫ ማለት ጸጋ ዕድመን ቀዳምነት ማዕርግን ብዝሓለወን ኣገባብ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ልዑላዊ ሥልጣን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝገበርናዮ ክፉትን ሕውነታዊን ልዝብ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸልና ኣብ ሓደ ውሳነ ከምዝወደቕና ብኣኽብሮት ንሕብረኩም።

በዚ መሠረት ካብ ቀደም’ውን ክበሃጉ ዝጸንሑ፡ ብዝሓለፉን ብዘለዉን ፓትርያርካት፡ ጳጳሳት፡ ገዳማውያን ኣበው፡ ስዩማን ኣገልገልቲ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ብሓፈሻ ብሕዝበ ኤርትራን ተፈታዊን ተኸባርን ዝኾኑ፡ ብብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሲኖዳ ሣልሳይ ጵጵስና ዝተቐብኡ፡ብማዕርገ ብሊቀ ጵጵስ ነዊሕ ዓመት ዘገልገሉ፡ ንኵሉ ብትዕግስቲ ዝጾሩ ወላዲ፡ ሓቛፊ ኵሉ ዝኾኑ፡ ብመንፈሳዊ ፍሪኦምን ትግሃት ስርሖምን ኣብ ሃገረ ስብከቶም ዝተመስከረሎም፡ ማዕድን መኻርን፡ ብትምህርቶምን መንፈሳዊነቶምን ምሉእን ብቝዕን ዝኾኑ፡ ጸጋ ዕድመን ጥዕናን ዝሃቦም፡ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ዘለዎምን ብግብሪ ዘመስከሩን ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ መበል ፭ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ክመርሑናን ክጓስዩናን ኣብ ርእሲ መረጽቲ ዝሃብዎ ድምጺ ንሕና ቅዱስ ሲኖዶስ ብሥሙር ድምጺ ብምልኣት ከምዝመረጽናዮም ብሓጐስ ነበስርኩም።

ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ በጺሖሞ ምስ ዘለዉ ጸጋ ዕድመ፡ ነዚ ምርጫ ንምቕባሉ ፈጺሙ እንተኸበዶም’ውን ድኅሪ ብዙኅ ልመና ንዓናን ንኩነታት ቤተ ክርስቲያንን ጉባኤተኛን ክርእዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ታሪኽን ከይንሕተት ኣብ እግሮም ወዲቕና ድኅሪ ምልማንና፡ “ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ንምምላእን፡ ነዚ እዋን ንምስግጋርን ቅዱስ ሲኖዶስ መሪጹ ዝሃበኒ ሕጹያት ንምብራኽን እንተዘይኮይኑ፡ ዝሰርሓሉ ጊዜን ዕድመን ኣይኮነን” ብምባል ብንብዓት ተሰንዮም ከምዝተቐበልዎ ብኣኽብሮት ንሕብረኩም።

እዚ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ትሕትና ዝተመልኦ መንፈሳዊ ኣገባብን ልማድን ኮይኑ ኵልና ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲኮይና ዝተሰማማዕናሉ ጉዳይ ምዃኑ ነረጋግጽ።

ዋዜማ ዕብየትን ትንሣኤን ቤተ ክርስቲያንና ዘመላኽቱ ብዙኃት ዓበይቲ መንፈሳዊ፡ ምሕደራዊ፡ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምስልሳል ዝርከቡሉ፡ ብምኽንያት ምክልኻል ኣብ ዓለም ዝተራእየ ለበዳዊ ሕማም ልዕሊ ሓደ ዓመት ተደሪቱ ዝጸንሐ ኣገልግሎትን ኣፍ ደጌታትን ቤተ ክርስቲያን ዝተራኅወሉ፡ ኣብ ዓለም ንሰምዖን ንርእዮን ዘሎና መቅሰፍቲ ብምሕረት እግዚአብሔር ሃገርና ተዓቂባ ሕዝባዊ ኣገልግሎታ ዝህቡ ትካላት ንግድን ትምህርትን ብምኽፋቶም ሕዝቢ ተስፋ ዝገበረሉ፡ መስርሕ ምርጫ ፓትርያርክ ካብ ዝተኣወጀሉ ኣትሒዙ ጠሊ ዝናም ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለሉ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ጽቡቕ ተስፋታት ዝስምዓሉ ጊዜ ዝተመርጹ ኣቦ ብምዃኖም፡ ምልክት ናይቲ ሰናይ ዘመንን መሪሕነት ቤተ ክርስቲያንን ክኾኑልና ተስፋናን እምነትናን ምዃኑ ድማ ንገልጽ።

እግዚአብሔር ጉባኤና ብሰላም ኣጀሚሩ ዘፈጸመና ክብርን ምስጋናን ይብጸሓዮ።

፭ ግንቦት ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም. (13/03/2021) 

ቅዱስ ሲኖዶስ

ኣሥመራ - ኤርትራ

 

 

 

 

 

 

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም.…

August
Wednesday
4
እንድራኒቆስ ወብእሲቱአትናስያ፡ ወተዝካረ አብርሃም ይስሓቅ ወያዕቆብ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይቆሮ. 7፡1-9 1ይጴጥ. 3፡1-9 ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 27፡26-32 ምስባክ መዝ. 103/104 ወንጌል ማቴ. 13፡1-9 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ርደተ ግሥ ዘ ‘ቀተለ”

 ርእሰ አዕማድ ቀተለ- ሠራሒ/ገቢር፡ሰጋሪ (Active) transitive             ቀተለ - He killed/ he has killed ሠራዊተ አዕማድ አቃተለ- ኣሥራሒ(ሓጋዘ)/ገቢር፡ሰጋሪ (Active) transitive             ምስ ካልእ ኮይኑ ቀተለ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

ሰማዕት ቅድስት መሪና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! "ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም!" ሉቃ. 21፡19  ቅድስት መሪና፡ ካብ መምለኽቲ ጣዖት ስድራ እያ ተወሊዳ።...

“ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ” (2ይ ጢሞ. 4፡13) - ቅዱሳት መጻሕፍተ…

ጥንታውያን መጻሕፍተ ብራና፦ ብኽኢላታት ሰብ ሞያ ብኢድ ኣብ ብራና ዝተጻሕፉ፣ ናይ ሃይማኖት፡ ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ምኅደራ፡ ቊጽሪ፡ ሥነ ፍልጠት፡ ሕጊ፡ ሥነ...

ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅ/ድንግል ማርያም ዓዲ ዃላ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዕቃበ…

ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅ/ድንግል ማርያም ዓዲ ዃላ ኣብ ዕቃበ ንብረት ( ንዋያተ ቅዱሳት) ኣብነታዊ ሥርሓት ከም ዝተኻየደ ኣመኃዳሪ ደብረ ጽዮን ቀሲስ የማነ...

ብዛዕባ ልምዓታዊ ንጥፈታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ዝምልከት መብርሂ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ንፋይናንሳውን ምምኅዳራውን ከምኡ ድማ ንዝተፈላለዩ ንጥፈታት እቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት...

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት…

13 ሐምለ 2013 ዓ.ም.ግ (20 ሐምለ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ...

ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ተኻይዱ!

10 ሓምለ 2013 ዓ.ም.ግ (17 ሓምለ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብክፍሊ ትምህርት ሰንበት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተማእከለ ጉባኤ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ...

ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 7 ሓምሌ ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ገዳም ቅድስት ሥላሴ ደብረ መድኃኒት ባምቡቆ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጽኡ መነኮሳት፡...

ጸሎት በሰፊሐ እድ

በቲ ዓለም ባሕሪ ንኣይ ዘፍርሓኒእና’ኣሳገምኩ ናብ ጐይታ መድኃኒ

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...