እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

Sep 13, 2021

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም ብሰላም ዘብጽሓና ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር ስሙ ይኽበር ይመስገን።
ወርኀ መስከረም፡ ደመና ተኣልዩ ሰማይ ዝተወልወለ መስተያት መሲሉ ፀሓይ ተብርሃሉ፡ ብላዕሊ ዝናም ብታሕቲ ጭቃ ኮይኑ ሰብ ምስ ሰብ ንከይራኸብ ፈልይዎ ዝጸንሐ ጊዜ ኃሊፉ፡ ዝተፈላለዩ ዝራኸብሉ ዝረሓቑ ዝቐርብሉ፡. . . ወርኂ እዩ። በዚ ጊዜ’ዚ ተፈላልዮም ዝነበሩ ተቐራሪቦምን ተራኺቦምን “እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት ኣብጽሓናን ብሰላም ኣሰጋገረናን” ይበሃሃሉ።

ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእ ዓመት መሰጋገሪት ናይ መጀመርታ ዕለት ሓደ መስከረም፡ ንኽብርን መዘከርታን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ትበሃል። ዕለተ ዕረፍቱ 02 መስከረም ክኸውን ከሎ ሊቃውንት ብምሥጢር ኣብ ዕለት ሓደ መስከረም ኣምጺኦሞ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ሓዲስ ኪዳን ጀማሪ ኮይኑ፡ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሓዲስ፡ ካብ ነቢያት ናብ ሓዋርያት መሰጋገሪ ድልድል ስለዝኾነ እዩ፡፡

ስም ዓመታት ድማ ንኽብሪ ኣገልግሎቶምን መዘከርታ ገድሎምን ሰማዕትነቶምን ብኣርባዕተ ወንጌላውያን ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሓንስን ኣብ ኣርባዕተ ዓመት እናተዘዋወረ ይጽዋዕ። ዓመት ኃሊፉ ብሓድሽ ክትካእ ካብ ሓደ ወንጌላዊ ናብ ካልእ ወንጌላዊ እናተዘዋወረ ይጽዋዕ። እዚ ዝኣተናዮ ዘመን፡ ዘመነ ማርቆስ እዩ። ዘመነ ማርቆስ 365 መዓልታትን 15 ኬክሮስ (3 ሰዓትን) ይኅዝ።
ዓመት መጸ ዘመን ብዘመን ክትካእ፡ ዘመናት ክቀያየር ከሎ፡ ዘመን ምቝጻር ወይ’ውን ካብ ዝኃለፈ ዓመት ናብዚ ሓድሽ ዓመት “እንቋዕ ኣሰጋገረና” ጥራሕ ምባል ብቑዕ ኣይኮነን። ምስኡ ኃቢሩ’ውን ሕይወትናን ኣረጊት ኣተሓሳስባናን ብሠናይ ክቕየር ስለዘለዎ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ‘ ወሐድሱ መንፈሰ ልብክሙ/ ኣእምሮኹምን ኣተሓሳስባኹምን ሓድሱ’ ይብል። ሮሜ 12፡2
ምኽንያቱ ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር ንኣና ዘመናትን ጊዜያትን ዝሃበና ሓድሽ ሥራሕ ክንሠርሓሉን ንርእስና ክንልውጠሉ እዩ።

ዓለም ካብ ዝፍጠር ዘመን እንተተቘጽረ 7514 ዓመት እዩ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን 5500 ዓመት ዘመነ ኵነኔን ዓመተ ፍዳን ክኸውን ከሎ፡ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ዘመን ድማ 2014 ዓመት ዘመነ ሥጋዌ ዓመተ ምሕረት እዩ። ኣብዘን ዝኃለፋ ዓመታት፡ ብዙኃት ቅዱሳን ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም፡ መንፈሳዊ ሥነ ምግባር ፈጺሞም፡ ኣክሊለ ክብር ተሠሊሞም ንርእሶም ኣድኂኖም፡ ንካልኦት ምክንያተ ድኂን ክኾኑ ከለዉ፡ ብኣንጻሩ ገሊኦም ግና ነቲ ዝተዋህቦም ጊዜ ብኃጢኣትን ዕሽነትን ኣኅሊፎም ተጐዲኦም እዮም። ንምሳሌ፦

• ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት (6፡5-7፡24) ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ናይ ሰብ ኃጢኣት ተመልኪቱ ኣብ ዝተቈጥዓሉ ጊዜ፡ ዋላ እኳ ንንስሓ ዝኸውን 120 ዓመት እንተሃቦም፡ ሰብአ ትካት ግን ንጊዜኦም ብዕሽነትን ኃጢኣትን ኣኅለፍዎ። እቲ በይኑ ጻድቕ ኮይኑ ዝተረኽበ ኖኅ ግና ንፈጣሪኡ ተኣዚዙ ንሱን ሥድራ ቤቱን ዝድኅኑላ መርከብ ሠርሐ። ማይ ኣይኂ ብዘይ ተጸበይዎ ጊዜ መጺኡ፡ ንሰብአ ትካት ከጥፍኦም ከሎ፡ ኖኅን ሥድራ ቤቱን ግና ትእዛዝ እግዚአብሔር ስለ ዘኽበሩ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ማይ ደኃኑ ። (ማቴ. 24፦38-40)

• ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ዓሠርተ ደናግል ዝመሃረና ንጊዜ ዝህቦ መረዳእታ ኣለዎ። (ማቴ. 25፦1-12) ዓሰርተአን ደናግል ኣብ ሓደ ጊዜ ዝነበራ፡ ሓደ ዓይነት ዕላማ ዝነበረን እየን። ዕላማአን ድማ ንመርዓዊ ዝተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዳግማይ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ መብራህተን ኣብሪሀን እናዓጀብኦ ሓቢረን ምስኡ ንምእታው እዩ። እተን ኃሙሽተ ለባማት ደናግል በቲ ዝተዋህበን ጊዜ መብራህተን ኣዳልየን (እምነተን ኣጽኒዐን) ብዘይቲ ክመልእኦ (ብግብሪ ከሰንይኦ) ከለዋ፣ እተን ዓያሱ ኃሙሽተ ደናግል ግና ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ ስለዘየዳለዋ (ንእምነተን ብግብሪ ስለዘየሰነይኦ) መርዓዊ ምስ ደንጐየ ኵለን ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ግና መርዓዊ ጐይታ መጺኡ እዩ እሞ ውፁ ተቐበሉ ዝብል ኣዋጅ ተነግረ። እተን ደናግል ካብ ድቃሰን ተንሢአን መብራህተን ኣዳልየን ንምቕባሉ ወፃ። እተን ዓያሱ ደናግል መብራህትና ስለዝጠፍኣና ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና በልአን። እተን ለባማት ደናግል ግና ናብቶም ዝሸጡ ኬድክን ደኣ ተሻየጣ እምበር ንኣናን ንኣኻትኽንን ዚኣክል የብልናን ኢለን መለሳለን። እተን ዓያሹ ኃሙሽተ ደናግል ዘይቲ ክገዝኣ ኣብ ዝኸዳሉ ጊዜ ከይተመልሳ ከለዋ መርዓዊ ጐይታ መጺኡ በተን ለባማት ደናግል ተዓጂቡ ናብ ቤት መርዓ (መንግሥተ ሰማያት) ኣተወ ፣ እተን ዓያሱ ደናግል ምስ ተመልሳ ማዕፆ ናይ መርዓ ተዓጺወን ካብ ሓጐስ መርዓዊ ተፈልየን፡ ‘ኪዳ ኣይፈልጠክንን እየ’ ተባህላ።

• ጥጦስን ዳክርስን ክልተኦም ንጊዜኦም ብሽፍትነት ዘኅለፉ ኣዕሩኽ እዮም፣ በቲ ብሓባር ዝፈጸምዎ ገበን፡ ምስቲ በደልና ክድምስስ ብዘይ በደል ዝተሰቕለ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብየማንን ጸጋምን ተሰቕሉ። ተሰቒሎም ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ግና ናይ ክልተኦም ሓሳብ ዝተፈላለየ ነበረ፣ ብጸጋም ዝተሰቀለ ዳክርስ፡ ንላግጺ ኣይሁድ ስዒቡ ኣብ ጐድኑ ንዝተሰቕለ ኣምላኹ ‘ንስኻ ክርስቶስ ዶ ኣይኮንካን ኢኻ፡ ንባዕልኻን ንኣናን ኣድኅን’ እናበለ ንጊዜያዊ ድኅነት ጸለየ፣ ኣብቲ ሰዓት’ቲ ብየማን ዝተሰቕለ ጥጦስ ግን ናይ ሽዑ መከራ ዘይኮነስ ድኅረ ሞት ዘሎ ፍጻሜ ኣተሓሳስቦ፣ ምሉእ ዘመኑ ኣብ ምንታይ ዓይነት ሕይወት ከምዘኅለፎን ምእንቲዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓለም ዝጽበዮ ዘሎ መከራ ዝኸፍአ ምዃኑ ኣስተንተነ፣ በዛ ኣጨናቂት ጊዜ ብዝቐደመ ሥራሑ ኃዘነ፣ ንስሓ ኣተወ፣ ንዝተጋገየ ብጻዩ መኸሮ፣ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኢሉ ድማ ‘ጐይታ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ’ በለ፣ ነታ ሓፃር ጊዜ ተጠቐመላ፣ ዳክርስ ግን ነታ ዝተዋህበቶ ጊዜ ስለዘይተጠቐመላ ተጐድአ።

• ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ይሁዳ ኣስቆሮታውን ታሪኽ ነዚ የረድኣና። ይሁዳ ንጐይታ ብ30 ቅርሺ ኣኅሊፉ ምስ ሃቦ፡ ንንስሓ ዝኸውን ጊዜ እኳ እንተተዋህቦ ንጊዜኡ ከይተጠቕመሉ ርእሱ ንምጥፋእ ኣውዓሎ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ብናይ ደርሆ ምንቃው ካብ ጌጋኡ ተመሊሱ ንስሓ ንምእታው በቕዐ።

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን! ሎሚኸ ንሕና ዝኃለፈ ዘመን እንታይ ሠሪሕናሉ፧ እንታይ ታሪኽ ኣመዝጊብናሉ፧ . . .ንዝመጽእ ወለዶ እንገድፎ ሠናይን ጽቡቕን ዘሐብን መንፈሳዊ ታሪኽ ኣሎና ዶ፧
ምኽንያቱ፡ ዝኃለፈ ጊዜ ተመሊሱ ስለዘይመጸና ኣይናትናን እዩ፣ ዝመጽእ ጊዜ ድማ ንመን ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ። ዘሎ ጊዜ ግና ኣብ ኢድና ዝርከብ ናትና ስለዝኾነ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ትማሊ ንተግሣጽ እያ፡ ሎሚ ንትምህርቲ እያ፡ ጽባሕ ግና እንታይ ትኸውን ኣይንፈልጣን ኢና።“ጊዜ ሰኣልኩከ ጸግወኒ ፍታ፡ እስመ ኢየአምር ሰብእ ዘትወልድ ሳኒታ/ ሰብ ጽባሕ እትወልዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ኣብዛ ጊዜ እዚኣ ዝለመንኩኻ ሃበኒ” እናበልና ብዝኃለፈ ዘመን ተሞኪርና ሎሚ ነቲ ኣረጊት ሓሳብና ብንስሓ ቀንጢጥና ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ክንለብስ (ሕዝ. 11፡20)፣ ኣስር ጽድቅን ሓድነትን ፍቕርን ሰላምን ክንስዕብ ይግባእ። 2ይ ጢሞ. 2፡22

ስለዚ እዚ ዓመት’ዚ፡- ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝሰፍሓሉ፡ ጕስነት ምእመናን ዝኅይለሉ፡ ቅርስን ታሪኽን ጥንታውያን ገዳማትና ዝዕቀበሉ፡ ኣብ ከተማን ገጠርን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ዝብርትዓሉ ዓመት ይግበረልና።
እንሆ እንጅምሮ ዘለና ዘመነ ማርቆስ፦ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ክኾነልና ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...