ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

Sep 25, 2021

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤ ብዛዕባ ነገረ መስቀል ብሕብረ ኣምሳል ካብ ዝተመስጠሩ ገለ ውኁዳት ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

* “ወአስተኃለፈ እደዊሁ፡ ወባረኮሙ” ማለት “ያዕቆብ ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ” ዘፍ. 48፡14፤ እዚ ድማ ኢዱ ኣመሳቒሉ ምብራኹ፡ ትእምርተ መስቀል ንፍጹም ቡራኬ ኸም ዝተጠቕመሉ ንርኢ።

*ሊቀ ነቢያት ሙሴ ብኣምሳለ ትእምርተ መስቀል ኢዱ ኸልዕል ከሎ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ይዕወቱ ነበሩ፡ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ ከሎ ድማ ኣማሌቃውያን ጸላእቶም ይዕወቱ ነበሩ፤ ዘፀ. 17፡11 በዚ ድማ ቕዱስ መስቀል ትእምርተ ዓወትና ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥን ንርዳእን።

*ነቢይ ሙሴ ኻብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላ(ኔስታሊ)ውን ሰቐሎ፡ ብመርዛማት ኣትማን ዝተነኽሱ፡ ናብቲ መርዚ ዘይብሉ ኣብ ባላ(ኔስታሊ) ዝተሰቕለ ተመን ኣስራዚ ይጥምቱ ነበሩ እሞ ይሓውዩ ነበሩ፡ ዘኍ. 21፡9 ስለዚ ቕዱስ መስቀል ትእምርተ ድኅነትና እዩ።

*“ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓል ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዓላማ ሃብካዮም” መዝ. 59/60፡4 “ካብ ቅድሚ ቀስቲ/መንትግ ምእንቲ ኸምልጡ፡ ንዚፈርሁኻ ምልክት ሃብካዮም” ክብል ከሎ ምእመናን ብክርስቶስ ኣሚኖም ካብ ኀጢኣት፡ ካብ ኣምልኾ ጣዖት ካብ ኣጋንንትን መናፍቓንን እኩያት ፍትወታትን ብሰንደቕ ዓላማ ወይ ምልክት ዝተባህለ ትእምርተ ቅዱስ መስቀል ከም ዜምልጡ ኺነግር ከሎ እዩ።

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ሐዲስ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዓቢኡ ኣብ ወንጌላት ከምኡውን ኣብ ቈሎ. 1፡19 ኤፌ.2.13-16 ገላ.6፡14, 1ይ ቆሮ. 1፡18. ፊልጲ . 3፡18 . . . ኪጥቀስ ይከኣል፤

ኣብ ታሪኽ ከም እነንብቦ፡ ቅዱስ ቈስጠንጢኖስ ንጉሥ ባይዛንታይን፡ ምስ ጸላእቱ ዂናት ኪገጥም ምስ ተዳለወ፡ ብኸመይ ኪስዕሮም ከምዚኽእል ኪጭነቕ ከሎ፡ “… አስተርአየ ሎቱ መስቀል ክቡር ውስተ ሰማይ” ስንክሳር 12 ነሓሴ፡ ማለት ኣብ ሰማይ ክቡር መስቀል ተራእዮ ከም ዝብል፡ “በዚ ትእምርተ መስቀል እዚ ንጸላእትኻ ኸተሰንፎም ኢኻ” ዚብል ራእይ ስለ ዝረኣየ፡ ንትእምርተ መስቀል ኣብ ኣፍራሱ፡ ኣብ ኣልባስ ወተሃደራቱ፡ ኣብ ኣርማ ሰራዊቱ ብምቕባእ ናብ ኲናት ምስ ኣተወ ቈስጠንጢኖስ  በዚ ኃይሊ መስቀል እዚ ነቲ ዓርሞሽሽ ኃይሊ ዝነበሮ መክስምያኖስ ሥዒሩ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ብሓቅን ብርትዕን ነገሠ፡ እምበኣር ቅዱስ መስቀል ምስጢር ዓወትና እዩ፡

* ከምኡውን ኣደኡ ቕድስቲ እሌኒ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ቕዱስ መስቀል ንምርካብ ብዙኅ ከም ዝተግሀትን ብተኣምራት ከም ዝተኸሥተላን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ነንብብ፤ (እቲ ነዊኅ ታሪኽ ቅዱስ መስቀል ኣብ ውሽጢ እዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉልና ኣሎ)።

*መስቀል ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ኵሉ ጊዜ ተኣምራት ዚግበረሉ ምልክት ምዃኑ እቲ ተኣምራት ድማ ኽሳዕ እዚ ዘሎናዮ ወለዶ ይቕጽል ከም ዘሎ ኽንፈልጥ ከሎና፡ ኃይሊ መስቀል፡ ክብሪ መስቀል እዩ ዚገሃደልና፤ ስለዚ ቕዱስ መስቀል ዝቕድሰናን ኃይሊ ኣጋንንቲ ዘጥፍኣልናን እዩ።

ግናኸ ንምንታይ መስቀል፧

ኣብ ድኅነት ወዲ ሰብ መደብ ሰማያዊ ፈጣሪና፡ መስቀል ዓሚቝ ምስጢር ድኅነትና ስለዝነበረ እዩ፤ ንጉሠ ሰላም መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ብተወርዋሪ ዂናት ወይ ብሓዊ ወይውን ብሰይፊ ሙማት ብመስቀል ሙማት ዝመረጸ፡ እዚ ድማ ረቂቕን ዓሚቝን ምስጢር ድኅነትና እዩ፡ ሓደ ሓደ ኣብ መስቀል ሙማት ዘለዎም ምስጢራት ንምርኣይ፦

  • “ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ርጉም እዩ” ዘዳ. 21፡23፡ ከም ዝብል ንመርገምና ኺጸውር ስለ ዝመጽአ፡ ንርጉም ዝተሠርዐ ሞት ኪቕበል ድማ ኺስቀል ኃረየ፡ ገላ. 3፡13፡፡
  • ናባይ ንዑ ዝብል ኣምላኽና፡ ንኽቕበለና ኢዱ ዘርጊሑ ዝሞተላ ኣገባብ መስቀል ስለ ዝኾነት እዩ፡ በዚ ድማ ምስጢራውነት ሞት ኣብ መስቀል ክንርኢ ንኽእል፡ ማለት ነቶም ናይ ጥንቲ ሕዝቡን ኣብ እምነት ዘይነበሩ ኣሕዛብን ብሓደ ኺእክብ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝቕበለላ ሞት ብመስቀል እያ፡ በዚ እዩ ድማ ኸምዚ ዝበለ “ኣነ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” ዮሓ. 12፡32፡፡
  • ኣብ ራእይ ቅዱስ ዮሓንስ ከምዚ ረኣየ “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋን ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል ገንሸል ደው ኢሉ ረኣኹ” ራእ. 5፡6፤ ስለዚ ንጉሠ ሰላም መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዓይነት ሞት ዝሞተላ ብመስቀል ክትከውን ስለ ዘለዋ እያ፡፡
  • ቀዳማይ ኣዳም ፍረ ዕንፀይቲ በሊዑ ስለ ዝሞተ፡ ንጉሠ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዳግማይ ኣዳም ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ተሰቒሉ ንኣዳም ካብ ሞት ኣድኃኖ፡ እዚ ዕንፀይቲ እዚ ድማ መስቀል እዩ፡ ስለዚ ንድኅነትና እቲ ብዝበለጸን ዝተኃርየን መስቀል እዩ፡ በዚ ድኅነት እዚ ድማ፡ መስቀል ቅዱስ ደም ጐይታ ዝፈሰሰሉ፡ ክቡር ሥጋ ጐይታ ዝተቘርሰሉ ስለዝኾነ ቅዱስ መስቀል ኢልና ብምጽዋዕ ከነኽብሮን ከነፍቅሮን ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ፡ ነዚ እዮም ድማ ቕዱሳን ኣቦታትና “መስቀል ኃይልና እዩ። መስቀል ጽንዓትና እዩ። መስቀል በጃና እዩ። መስቀል መድኃኒት ነፍስና እዩ” ብምባል ዚጽውዕዎ፡ ኣብ ዝኾነ ጕዕዞ ናብቲ እንደልዮ ቦታ ኽንበጽሕ እንተኾይንና ቕኑዕ ካርታ ኸም ዘድልየና፡ ኣብ ጕዕዞ ኽርስትና ድማ ናብታ እንምነያን እንትስፈዋን ሰማያዊት ሃገር ክንበጽሕ እንተኾይንና ቕዱስ መስቀል የድልየና እዩ፡፡

ጸላእቲ መስቀል።

ፊልጵ. ፫:፲፯-፳፩/3፡17-21 “ከምቲ ብዙኅ ጊዜ ዝነገርኩኹም፡ ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘሎኹ፡ ብዙኃን ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ኣለዉ፤” ከምዝበሎ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዚርከቡ ሓደ ሓደ ኸሓድቲ፡ “መስቀል ክንሳለም፡ ከነማዕትብ፡ ንመስቀል ክንሰግድ ኣይግባእን” ዚብል ጓና ትምህርቲ ኺምህሩ ይርከቡ። እቲ ሓቂ ግና እንታይ እዩ፧

ኣሕዛብ ኣብ ጥንቲ ነናቶም ዓይነት መቕጽዒ ኣገባብ ነይርዎም እዩ፡ ንኣብነት ሮማውያን ብምስቃል ኪቐጽዑ እንከለዉ፤ ባቢሎናውያን ድማ ናብ ጕድጓድ ብምድርባይ ይቐጽዑ ነበሩ፡ ከምኡውን ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ይቐጽዑ ነበሩ።

ቅድሚ ጐይታና ምስቃሉ፡ መስቀል ናይ መቕጽዒ መሳርሒ እዩ ነይሩ፤ ንሰብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተጀመረ ኣብ ፋርስ እዩ። ናይ ሰብ ፋርስ ኣምልኾት ናይ መሬት ኣምላኽ ኦርሙዝድ ይበሃል፤ ኣብ ሃገሮም ገበነኛ እንተ ተረኺቡ ኣብ መሬት እንተተቐቲሉ “ኣምላኽና ኸይረክስ” ብምባል፡ ንዅሉ ገበነኛ ኣብ መስቀል ይሰቕልዎ ነበሩ፤ ነዚ ተግባር እዚ ኸም ልማድ ኮይኑ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ሮማ ልሙድ ሕጊ ኾነ። ኣብ ሥርዓት ኦሪት ኣብ መስቀል ብምስቃል ዝተቐጽዑ ርጉማንን ውጉዛትን ነበሩ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማውያን ስለዝነበሩ፡ ነቲ ብባሕርዩ ኃጢኣት ይኹን በደል ዘይበሉ ኣምላኽና በደለኛ ኢኻ ንኽብሉ ኣብ መንጎ ክልተ በደለኛታት ሸፋቱ ብሥርዓት ሮማውያን ሰቐልዎ፤ ግናኸ፡ ሰማያዊ ኣምላኽና ኣብ መስቀል ሞይቱ ድኅነት ስለ ዘበሠረና ቕዱስ መስቀል ምልክት ድኅነትናን ዓወትናን ኮነ። መስቀል ድኅሪ ስቕለት ጐይታ ኣዋጅ ነጻነትና ዝተነግረሉ ሰላማዊ ዝፋን ስለ ዝኾነ፡ ንዅሉ ኽርስቲያን ምልክት ነጻነትን ዓወትን እዩ፤ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላምን ማዕርነትን ኣብ መስቀል ስለ ዝገበሮ እዩ፤ እዚ ናይ መስቀል ኣማናውን ምስጢራውን ኃይልን ከምቲ ቕዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ንዚኣምኑ እዩ እምበር ንዘይኣምኑ ኣይብጽሖምን እዩ፤ አረ መስቀል ኃይሊ እግዚኣብሔር እዩ ምባል ዋዛ ይመስሎም፤ መስቀል መድኃኒ ዘይኮነ መቕጽዒ ጥራይ ጌሮም ዚርእይዎ ብዙኃን እዮም፤ ብርግጽ’ውን መስቀል ንሞትን ንኣጋንንትን መቕጽዒ እዩ።

“መስቀል  ምጽዋር” ጻውዒት ጐይታ ኸምዝኾነ።

መልእኽቲ ቕዱስ መስቀል ካብ ቃላት ጐይታ ምስ እንርእዮ፤ “ኪስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን ። መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ፡” ማቴ. 16፡24፡ “እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ፡” ማቴ.10፡38፡ “መስቀሉ ፀይሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ዘበለ ወደ መዝሙረይ ኪከውን ኣይክእልን እዩ፡” ሉቃ. 14፡27።

ግናኸ ንምንታይ መስቀል ምጽዋር የድሊ፧

መስቀል ምጽዋር ንመረዳእታና ዝኣክል ኣብዚዚስዕብ ንርኣ፣

  • “መስቀለ ሞቱ ፁሩ፡ ዘተአዘዝክሙ ግበሩ” መስቀል ሞቱ ፁሩ፡ ዝተኣዘዝክምዎ ድማ ግበሩ”፡ ከም ዝበለና ቅዱስ ያሬድ፡ መስቀል ምፃር ማለት ምስ ምፍጻም ትእዛዝ ጐይታ ኸም ዚዛመድ ንርኢ ኣሎና፡ ስለዚ መስቀል ክንጸውርውን ትእዛዝ ጐይታ እዩ፡ እምበኣር መስቀል ምጽዋር ማለት፦

* ምእንቲ ስም ጐይታ መከራ ምቕባል ማለት እዩ፡

* ኣብ ሕማማት ጐይታ ምስታፍ ማለት እዩ፡

* ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ምስ ጐይታ ዄንካ ምቅላስ ማለት እዩ፡

* ንዝተፈላለዩ ፈተናታት ከም ሕማም፡ ሓዘን፡ ተመስገን ኢልካ ምቕባል ማለት እዩ፡

ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣብ ዘለዓለማዊ ሓጐስ ምስ ጐይታ ምእንቲ ኽንሕጐስ ሎሚ ቕዱስ መስቀል ክንጸውር ብሕማሙ ኽንመስሎ ይግባእ፡ “ወቦቱ አአምሮ ለኢየሱስ ወለኀይለ ተንሥኦቱ ወእሳተፎ በሕማሙ ወእትሜሰሎ በሞቱ፡” ማለት “ከምኡ ኸኣ ንክርስቶስን ንሥልጣን ትንሣኤኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኣብ ሥቓዩ ኽካፈል፡ ብሞቱ ኽመስሎ እሞ፡ ኣብ ትንሣኤ ሙታን ገለ ምስታፍ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ፡” ፊል. 3፡10፡ ኢሉ ኸም ዝመሃረና ቕዱስ ጳውሎስ ኣሰሩ ክንስዕብ ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ፡፡

ጐይታ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኣብ ዝተመሳቐለ ዕንፀይቲ መስቀል እምበር ኣብ ትኽ ዝበለ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ።

“ጐይታ ኣብ ትኽ ዝበለ ዕንፀይቲ እዩ ተሰቒሉ” ዚብሉ ሰባት ኣለዉ። ገለ ንመረዳእታ ኢሎም ካብ ዘቕርብዎ ድማ ኣብ ግብ. ሓዋ. ፭፡፴/5፡30ን ግብ. ሓዋ. ፲፡፴፱/10፡39 ንዘሎ እዩ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንፀይቲ መስቀል ከም ዝተሰቕለ እምበር፡ ኣብ ትኽ ዝበለ ዕንፀይቲ ተሰቒሉ ኣይብልን እዩ። ኣብ ናይ ዕንፀይቲ መስቀል ከም ዝተሰቕለ ንሕናውን ንኣምን ኢና። ኣብ ናይ ሓጺን መስቀል ተሰቒሉ ዝበለ የልቦን። እንተኾነ ግና ጐይታ ኣብ መስቀል ከም ዝተሰቕለ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ኸምዚ ኢሎም የረድኡና።

ቈላ. ፩፡፳/1፡20 “. . . ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ” ይብል። ትኽ ዝበለ ዕንፀይቲ እንተረጐደ ጒንዲ፡ እንተቐጠነ ኸኣ በትሪ ወይ ስላዕ ይበሃል እምበር መስቀል ኣይበሃልን እዩ።

ማቴ ፳፯፡፴፪ /27፡32 “ስምዖን ዚስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ኪጸውር ኣገደድዎ” መስቀሊ ጥራይ ኢሉ ነይሩ እንተዝኸውን ትኽ ዝበለ’ውን ኪኸውን ይኽእል እዩ ምስተባህለ፡ ኣብዚ ግና ቕርጹ ፈልዩ “ንመስቀል” እዩ ዝበለ።

ማር . ፲፭፡፳፱-፴/15፡29-30 “. . . ርእስኻ ኣድኅን ካብ መስቀልውን ውረድ . . . “ ካብቲ ዝተሰቐልካሉ ዕንፀይቲ ኣይበልዎን። ኣይሁድ ዚሰቐልዎ ኣብ ዝተመሳቐለ ዕንፀይቲ ስለ ዝነበረ ኻብ መስቀል’ውን ውረድ” በልዎ።

ዮሓ. ፲፱፡፲፯-፲፱/19፡17-19 “መስቀሉ ጸይሩ . . . “ ንመስቀሊኡ ዕንፀይቲ ዘይኮነ፡ ፈልዩ መስቀሉ ምባሉ ነስተውዕል።

ዕብ. ፲፪፡፩-፪/12፡1-2 “ . . ..  ኣብ መስቀል ምምዋት ዝተዓገሠ . . . “ ኣብ መስቀሊ ዕንፀይቲ ዘይኮነ ኣብ መስቀል በለ።

ኤፌ. ፪፡፲፬-፲፯/2፡14-17 “ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምምዋት”

ገላ. ፮፡፲፬/6፡14 “ኣነ ግና በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ።” ብመስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ኻልእ መመክሒ የብለይን ምባሉ፡ መመክሒ ክርስቲያን መስቀል ምዃኑዶ ኣይኮነን ዝገልጽ ዘሎ፧ እሞ ደኣ ጸረ መስቀል ዝኾኑ “ኣቦኻ ወይ ኣኮኻ ንዝተቐትለሉ ሽጉጥ ትፈትዎን ተኽብሮን ዲኻ፧” እናበሉ ዘይኮነ ምሳሌ ዝምስሉ ንምንታይ ኮን ይኸውን፧ ንገርህታት ንምትላልዶ ይኸውን፧

ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም ቅዱስ ጳውሎስ “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽና እዩ” (፩ ይ ቆሮ ፩፡፲፰/1፡18)። ጐይታ ባዕሉ’ውን ንመስቀለይ ጽልኡ ኣይኮነን ዝበለና “እቲ ደድኅረይ ኪስዕብ ዝደሊ፡ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ፡ መስቀለይ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒ” ማር. ፰፡፴፬/8፡34።

ንመስቀል ምስጋድ ከምዝግባእ።

ንመስቀል እንሳለሞ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ፍቕሪ ንምግላጽን በረኸት ክርስቶስ ንኽንቅበልን እዩ። ቅዱስ መስቀል ኣርማ መንግሥተ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ኣብ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ፍቕሪ ኽንገልጽን በረኸትን ረድኤትን ክንረክብን ኢልና ኢና፣ ከመይ፦

-“ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት፡ ነቶም እንድኅን ግና ኀይሊ እግዚአብሔር እዩ” (1ይ ቆሮ. 1.18)

-“ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘሎኹ  ብዙኃን ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ” ፊልጲ. 3.18

-“ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንእቶ ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ኸኣ ንስገድ” መዝ. ፻፴፪፡፯/132፡7 ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ኽሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱሳን ኣእጋሩ ኣብ መስቀል ተሸንኪረን ውዒለን እየን እሞ ቅዱስ ዳዊት ኣእጋር ጐይታና ዚቖመሉ ቦታ (መስቀል) ክንሳለም ከም ዘሎና ይገልጸልና።

-“እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ሞቱ፡ ነተን እግዚኣብሔር ዘተስፈዎም ነገራት ኣይረኸብወንን፡ ግና ብርኁቕ ርእዮም ብሓጐስ ተቐበልወን“ ዕብ. 11፡13

ብቕዱስ መስቀል ምምዕታብ።

ዐተበ፡ አማዕተበ ኣመሳቐለ፡ ኣጻብዕቲ ኢዱ ገይሩ ኣማዕተበ ባረኸ ዚብል ቃል ኮይኑ፡ ትርጒሙ ምልክት ገበረ፡ ባረኸ ማለት እዩ።  ምእመናን ብኣምሳል መስቀል ካብ ግንባሮም ናብ ኣፍ ልቦም፡ ድኅሪኡ ናብ ጸጋማይ መንኵቦም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ የማናይ መንኵቦም ከመልክቱ ኸለዉ፡ ንኣጻብዖም ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲቦም ንማእከለይቶ ኣብ ኣመልካቲቶ ኣጻብዖም ኣልጊቦም ዓጺፎም ትእምርቲ መስቀል ብምስራሕ እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ምውራዱ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ነቶም ብጸጋም ዝነበርና ናብ የማን ምምላሱን ዘርኢ ምልክት እዩ።  ከምኡውን ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዚርእዩሉ/ዚኣትዉሉ እዋን፡ ጸሎቶም ኪጅምሩ ኸለዉ፡ ነገረ መስቀል ዘልዕል ቃል ከንብቡ ኸለዉ፡ ቅድምን ድኅርን ምምጋቦም፡ ቅድምን ድኅርን ምድቃሶም፡ ስራሕ ክጅምሩ ኸለዉ፡ ክፉእን ዘሰንብድን ዜና ኺሰምዑ ኸለዉ ትእምርቲ መስቀል ይገብሩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ንትእምርተ መስቀል ንሰብ ይኹን ንቦታ ኺባርኹ ኸለዉ፡ ንማይ ይኹን ንመግቢ ኺባርኹ ኸለዉ፡ ኸምኡውን ኣጋንንቲ ንምርኃቕ ይጥቀሙሉ ምንባሮም ኣብ ገድላትን ድርሳናትን ተገሊጹልና ኣሎ። ስለ ዝኾነ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ወትሩ ጸሎታ “መስቀል ኀይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ፡ አይሁድ ክሕዱ፡ ንሕነሰ አመነ፡ ወእለ አመነ በኀይለ መስቀሉ ድኅነ” ኢልና ኽንጽሊ ትምህረና።

ኃይሊ ቕዱስ መስቀል ክንካፈል ማዕዳ ኻብ ቀዳሞት ሓዋርያት ኣቦታትና

* “ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ነቶም እንድሕን ግና ኃይሊ እግዚኣብሔር እዩ” 1ቆሮ. 1፡18። ከም ዝበለ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ክንድኅን ኃይሊ ቕዱስ መስቀል ክንኣምን ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ።

* ሊቅ ቅዱስ ዮሐንስ አፈ ወርቅውን “ወኮነ ዝንቱ ዕፀ መስቀል ለሰይጣን ሞተ ወሀጕለ፡ ወለነሰ ለእለ አመነ ዕፀ ሕይወትነ ወደምሳሴ አበሳነ ወተከደነ ቦቱ ልብሰ ዕረፍት።”  መጽሐፈ ግብረ ሕማማት ዘሰኑይ በነግህ። ማለት “እዚ ቅዱስ መስቀል ንሰይጣን ጥፍኣትን ሞትን ኪኸውን ከሎ ንኣና ነቶም እንኣምን ግና ዕፀ ሕይወትን ደምሳሲ ኣበሳናን እዩ። ብእኡ ድማ ልብሲ ድኅነት ተኸደንና”፡ ቅዱስ መስቀል ንኣና ትእምርተ ድኅነትና እዩ። ኣስዒቡ ድማ እዚ ሊቅ፡ ኵሎም ኣጋንንቲ ዝርዕዱሉን ዝጐይሉን ስለ ዝኾነ፡ ኸምኡውን ኵሎም ነገሥታትን መሳፍንትን መኳንንትን ዘኽበርዎ ቅዱስ መስቀል ኪንሰግደሉ ይግባእ። ንዅሉ ፍጥረት መጽንዒ ዝኾነ፡ መላእኽትን ሓዋርያትን ሰማዕታትን ዘመስገንዎ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እትሽለሞ ቕዱስ መስቀል እዩ” ብምባል ምሂሩና ኣሎ። እምበኣር ንቕዱስ መስቀል ምኽባር ማለት ሕይወትካ ምኽባር ማለት እዩ።

ቅዱስ መስቀል ኣብ ሃገርና።

ሀ. ኣብ ሃገርና ብዓቢይ ጽምብል ካብ እነብዕሎም በዓላት ሓደ ቕዱስ መስቀል ኮይኑ ኣብ መስከረም 17 ሽግን ዳሜራን ብምድላው ነብዕሎ።

ቅዱስ መስቀል ብዙኅ ተኣምራት ማለት ለምጻማት ኬንጽሕ፡ ዕዉራት ኣዕይንቶም ከብርህ ምዉታን ኬተንሥእ ስለ ዝረኣዩ። ኣይሁድ ንመንቀኝነት ኣይዓርፉን እዮም እሞ። ከምኡውን ኣብ ሕጎም “ኢትቅትል ብእሴ ጻድቀ” ማለት ጻድቕ ሰብ ኣይትቕተል ዝብል ስለ ዘሎ፡ ጻድቕ ሰብ ቀቲሎም ተባሂሎም ኣብ ታሪኽ ከይውቀሱ ስለ ዝፈርሁ ንቕዱስ መስቀል ንምጥፋእ ኣብ ጕድጓድ ቀቢሮም፡ ተዃዒቱ ንኸይወፅእ ድማ ዅሉ ሕዝቢ ኣብ ርእሲኡ  ንኺጒሕፍ ኣዋጅ ኣወጁ፡ እቶም ሕዝቢ ድማ ንኣስታት 286 ዓመታት ዝኣክል ኣተግቢሮምዎ፡ ወዮ ጐሓፍ ድማ ናብ ጎቦ ተቐየረ፡፡

 ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ዅሎም ክርስቲያን ዝሕጐሱላ ቕድስቲ መዓልቲ መጽአት፡ ንሳ ድማ ንግሥቲ እሌኒ ንቕዱስ መስቀል ካብ ዘለዎ ኸተውፅኦ ዝብል መብጽዓኣ ኽትፍጽም ናብ ኢየሩሳሌም ከደት እሞ ኣበይ ከም ዘሎ ዝሕብራ ሰኣነት፡ ሽዑ ንኪራኮስ ዝተባህለ ሽማግለ ጨው ዝበዝኆ መግቢ ኣብሊዓ ማይ ከልኣቶ እሞ ማይ ኪሰቲ ደልዩ ካብዘን ሠለስተ ጎቦ ሓዲአን እያ ኢሉ እናመልከተ ነቲ ሓቂ ነገራ፡ ንሳ ድማ ኻህናት ኣኪባ፡ ዳሜራ ገበረት እሞ ዕጣን እንተ ኣዕረጉ “ሰገደ ጢስ በጎልጎታ” ከም ዝብል እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ወፂኡ ናብታ መስቀል ዘለዋ ቦታ ተመሊሱ ሰገደ፡ ስለዚ ኣብዛ ቕድስቲ መዓልቲ መስከረም 17 እዚኣ ነቲ መስርሕ ምዅዓት ጀመረቶ፡ እቲ ገዚፍ ጎቦ ድማ ብዕለት 10 መጋቢት ኵዒታ ወድኣቶ እሞ ብርሃን ቅዱስ መስቀል ረኣየት፡ ንሱ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድማ ኸም ቀደሙ ለምጻማት ኣሕወየ። ዕዉራት ኣዕይንቶም ኣብርሀ። ሕሙማት ፈወሰ፡ መጋቢት 10 ግና ዅሉ ጊዜ ኣብ ጾም ስለ ዝውዕል። ዝተቐብረሉ ቦታ ዝተረኽበሉ ። ከምኡውን ኵዕታ ዝተጀመረሉ ዕለት መስከረም 17 ስለ ዝኾነ ኣብዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣ ንኽኽበር ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሠሪዓትልና፡

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ፓትርያርክ 17 መስከረም 2014 (28-09-2014 ዓ.ም)

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኣብ ሀገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ፡ ኣብ ፋይናንስን ምኅደራን ከምኡ ድማ ንጉዳይ ጥሮታን መምርሒታቱን ዝምልከት ስልጠና፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ብድሙቕ…

“ኀበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” ዓመት መጽአ 30 መስከረም ክብረ በዓል አቡነ አብሳዲ ኣብ ገዳሞም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ...

“ኦ አርሴማ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥአን ቤዛነ” ብዝብል ድምቀት ክብረ በዓል…

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ደብረ...

“ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ . . . እቲ መሪር ስደታ”

ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ቅንያት’ዚ ንስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ...

ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ…

ብዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. (30/09/2021.ፈ) ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ ምትኅልላፍ ክተግሁ ኣብ ቤት...

ትምህርቲ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ!

ቀዳማይ ዕላማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ቃለ ወንጌል ንሰባት ብምምሃር ናብ ርቱዕ እምነት ከምዝመጹን ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ከምዝነብሩን ብምግባር ንዘለዓለማዊ መንግሥተ...

'ብዙኃን ማርያም'

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል። ኣብ ራብዓይ...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 2ይ ክፋል

ነገረ ጉባኤ እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ፣ ተኸሳሲ ንስጥሮስ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ትምህርቱ ከቕርብ ተሓተ። ጉባኤ ብምልኣት እንተዘይተአኪቡ ኣይመጽእን በለ። ሠለስተ ጊዜ...

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...