ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Oct 30, 2019

"ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ኸኣ ወንጌል ስበኹ" (ማር. 16፥15)

ቅድመ ዓለም ብሓድነቱን ሠለስነቱን ጸኒዑ ብልቢ ዝሓሰቦ፡ ድኅሪ ዓለም ድማ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያት ዘናገሮ ንምፍጻም ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ፡ 3ተ ዓመትን 3ተ ወርኅን ኣብዚ ምድሪ ክሰብኽ ከሎ "ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ኸኣ ወንጌል ስበኹ" (ማር. 16 ፥15/ ፲፮፥፲፭) ክብል ሓደራን ኃላፍነትን ንቅዱሳን ሓዋርያት ሃበ። ልዕሊ ኵሉ እዚ ኃለፍነት እዚ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ነቲ ንጹሕ ክርዳድ ዘይብሉ ትምህርተ ሃይማኖትን ስብከተ ወንጌልን ናብ ኵሉ ዓለም ምብጻሕ፣ ኵሉ ሰብ ብሃይማኖት ክነብርን ብእኡ ክጸንዕን ንሠናይ ፍሬ ጽድቅ ክተግህን በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ጥንታዊት መንገድን ቅንዕቲ ጐዳናን ተመላሊሱ ዕረፍቲ ነፍሲ መንግሥተ ሰማያት ንኽወርስ ክትምህርን ክትጓስን ኃላፍነታ'ዩ። (ይሁዳ ፥3፣ ኤር. 6፥16)

በዚ መሠረት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገዲ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ብምሃብ ኃላፍነታ ክትፍጽም ጸኒሓ እያ፡ ሕጂ ውን ኣላ፡ ንመጻኢ ድማ ክሳዕ ዳግማይ ምጽኣተ ክርስቶስ ክትቅጽል'ያ። ኣብ ቀረባ ንዘለዉ ጉባኤ ሠሪዓ፡ መንበር ዘርጊሓ፡ ብቑዓት መምህራን መዲባ ኣብ ዓውደ ምሕረት እናሰበኸት፡ ኣብ ርኁቅ ዘለዉ ኸኣ ብብዙኅ ጻዕርንን ድኻምን ብጽሑፍ እናገበረት መልእኽታት ትሰድድ ነበረት።

ነዚ ድኻምን ጻዕርን ዘቃልል ቤት ማኅተም ምስ ማዕበለ'ውን ነቶም ካብ ቀደሞት አበው ዝተሰጋገሩ ናይ ቃል ትምህርታትን ኣብ ብራና ተጻሒፎም ዝነበሩ ጽሑፋትን ኣብ ኅትመት ኣብቂዓ ብብዝኂ ተኃቲሞምን ብሰፊሑ ተዘርጊሖምን ኣብ ኢድ ምእመናን በጺሖም እዮም። ናይ ሃይማኖት መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ጋዜጣ፡ ሓጸርቲ ጽሑፋት . . . እናኣኅተመት ንጽምኢ ምእመናን ብጽሑፋት ከተርዊ ክኢላ'ያ።

እንተኾነ ግና ኣብዚ ዓለም ብቴክኖሎጅን ሓበሬታን መራኸቢታትን (ICT) ተወንጪፋትሉ ዘላ እዋን፡ እዚ ጥራሕ ኣኻሊ ኾይኑ ኣይተረኽበን። ሎሚ ደቂ ሰባት በቲ ወሃቤ ጥበብ እግዚኣብሔር ዝገለጸሎም ጥበብ፡ ኣብ ዝኃፀረ ጊዜን ናብ ዝረኃቐ ቦታን ብቀሊሉ መልእኽቲ ዝበጽሓሉ ረቂቕ ኤሌክትሮኒካዊ ምዕባለ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ቅድም ኣብ ቃልን ብጽሑፍን ተወሲኑ ዝነበረ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ሎሚ ብጽሑፍ ኮነ ብምስልን ድምፅን ክትፍጽመሉ ዘኽእል ደረጃ እዩ ዘሎ።

እዚ ኸኣ ኣብ ዕዮ ስብከተ ወንጌል ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 'ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ' (ሆሴ. 4፥6) ብምባል ነቲ ሓዋርያዊ እምነታን ሥርዓታን ጥንታዊ ታሪኻን ስብከታን ናብ ኵሉ ዓለም እትዝርግኃሉ፡ ናታ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ (ዌብ ሳይት) www. lisantewahdo.org (ልሳን ተዋሕዶ) ከፊታ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ። ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝርከቡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ኣርእስቲታት ዘተኮሩ ሥሩዕ ሓበሬታን ትምህርትን ንምሃብ ተዳልያ ኣላ። ንገለ ካብቲ ኂዛቶ ተበጊሳ ዘላ ኣርእስታት፦ ትምህርተ ሃይማኖት፡ ስብከተ ወንጌል፡ ነገረ ቅዱሳንን ደሃይ ገዳማትን፡ ሃብትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን … እዮም። ብዘይካዚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡ መርበብ ሓበሬታ ልሳን ተዋሕዶ በብእዋኑ ንሕዝበ ክርስቲያን ይሓንፁ እዮም ዝበለቶም ጕዳያት፡ ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ተቕርብ ኣላ። ሰሙናዊ ዜና ቤተ ክርስቲያን ስብከተ ወንጌልን እዋናዊ ጉዳያትን ዘጠቓልል ብቪድዮ ዝመሓላለፍ ዌብ ቲቪ (web tv) ከምኡ'ውን ብድምፂ ጥራሕ ዝፍኖ መርሐ ግብር ኣካል ናይዛ ዌብ ሳይት እዮም።

በዚ መሠረት ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ነዛ መርበብ ሓበሬታ'ዚኣ ንምዕባይን ምስፋሕን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንረድእ፡ ተገልገልትን ተሳተፍትን ኽንከውን ከምኡ'ውን ዘለኩም ሕቶን ርእይቶን ኽትልእኹልናን ንሕብር። ከምኡ'ውን ከምቲ "ሕጂ ድማ ኣኅዋትና ከምቲ ኣባኻትኩም ዝኾነ ቃል እግዚአብሔር ክባጻሕን ክኸብርን ጸልዩልና።" 2ይ ተሰ. 3፡1 ዝብል ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩናን ብትሕትና ንምሕፀን።

ነዚ ንምፍጻም ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና! እግዝእትነ ማርያም ብረድኤታ፡ ቅዱሳን ብጸሎቶም ኣይፈለዩና!

እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያና ይባርኽ!

ዘመነ ዮሐንስ 28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.

December
Sunday
8
ዝክር፦ ተዝካረ አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ፡ወአባ ሰረባሞን፡ ወሊቃኖስ ዘእም፱ቱ ቅዱሳን። ዘቅዳሴምንባብ፦ ገላ. 3፡1-9። ያዕ. 2፡21-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.3፡12-17። ምስባክ፦ መዝ. 96/97። ወንጌል፦ ማር. 12፡25-28። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ትግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

: :
Queue is empty
-- / --

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ። ኣብ በዓል...

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

“ሊቀ መዘምራን፡ መልኣከ ገነት፡ ደራስን ተመራማርን፡ ኣቦ ሰላም፡ . . . ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት…

ካብ 22-26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (2-6/12/2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝተቓንዐ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (ALL...

ሥልጠና ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተዋሂቡ!

ካብ 15-23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሜላ ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ ሥልጠና  {tip title="ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል" content=""}ንተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ...

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ…

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

እምነ ሰሎሜ

ወለዲ እዛ ቅድስቲ ኣደ እዚኣ ኣቦኣ ሕይወትብነ፡ ኣዲኣ ከኣ እምባመሪና ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ሰብ ቃል ኪዳን ውላድ ብምስኣኖም ብጸሎት ንእግዚኣብሔር...

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኅዳር ጽዮን 2012 ዓ.ም ብክብ ዝበለ ድምቀት…

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብብዝኂ ዓበይትን ናኣሽቱን በዓላት እተኽብረላ ወርኂ ኅዳር እያ። ብስፍሓትን ዕብየትን ዝብዓለሉ...

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ጋርካን ድባርዋን…

ዕለት 9 ኅዳር ክሳዕ 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ዝተቓንዐ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዮሐንስ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ዝመርሕዎን ሕጂ...

ኅዳር ጽዮን

ተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንፈቅድ...

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

ኣብ ዕሥራ ክፍለ ዘመን ብሩህ ኮከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘምድረ አግዓዚ ዝኾኑ ብፍሉይ ካብ ዝዝከሩ ኣቦታት ሓደ ብፁዕ ወቅዱስ...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...