“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

Dec 09, 2019

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም፡ ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ኣተዉ። ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም፡ ሕልናኦም ሰቒሎም ልቦናኦም ጠርኒፎም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ። (ነህ. 10፡39)

ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ሓዲስ ኪዳን “ቤት ኣምላኽና” ዝተባህለት እግዚአብሔር ዝምስገነላ፤ ምእመናን ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙላ፤ ምሕረትን በረኸትን ትዕድል፣ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ ንሕና በታ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ናይ ሓዋርያት ንኣምን” እንብላ፣ ጐይታ ብኽቡር ደሙ ዝመሥረታ፡ ሓዋርያት ዝሰበኽዋ፡ ሰማዕታት ዝተሰየፉላን ጻድቃን ዝተጋደሉላን፡ ንደቂ ሰባት ብዛዕባ ሰማያዊ መንግሥቲ እትሰብኽ ብሥራት፡ ምስ እግዚአብሔር እተራኽብ መሳልል፡ ናብ ሓቀኛ ጐደና ጽድቂ እትመርሕ መንገዲ፣ ፈልፋሊት ማየ ሕይወት፤ ርትዕትን ኣጽናፋዊትን ዘለዓለማዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን እያ።

እስራኤላውያን እቲ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን ኃይሊ ረኺቡ ንጸላእቱ ከምዝስዕር ብግህዶ ስለዝተዓዘቡ “ኣምላኽ ሰማይ ኬቅንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮት ተንሢእና ክንዓዪ ኢና’ ብምባል ዕዮኦም ከስልጡ ከለዉ፡ ነቶም ካብ ውሽጦም ዝኾኑ ተፃረርቶም ድማ ‘ንስኻትኩም ግና ኣብ ዛንታ ኢየሩሳሌም ክፍልን መሰልን የብልኩምን” (ነህ. 2፡20) ክብሉ ኣኅፈሩ። 

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኅብሮ፡ ብተመሳሳሊ ንቤተ ክርስቲያን ዘሳቐይዋን ዘድመይዋን ዘንብዕዋን ዝያዳ ዓመፅቲ ነገሥታትን ዓለማውያንን እቶም ኣብ ሕቍፋ ዝተሓፅኑ ናታ ሓሊብ ሕይወት ተመጊቦም ዝዓበዩ እሞ ደኃር ተፃረርቲ ዝኾኑ መናፍቃን እዮም። ብናይ ጐይታ ኣገላልጻ “ፀራዊ”፣ ብናይ ሓዋርያት ኣዘራርባ “ቢጸ ሓሳውያን”፣ ብናይ ሊቃውንቲ ኣገላልጻ ድማ “መናፍቃን” ተባሂሎም ዝጽውዑ እቶም ቀንዲ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘይክንሶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተመሲሎም ዝኣትዉ፣ ነቲ ቅኑዕ ትምህርቲ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኾን ኃዲጎም ብኣንጻሩ ትምህርቲ ክሕደትን ጥርጥርን ዝሰብኩ፡ ወይ ድማ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምነትን ትምህርትን ብከፊል ዝተመሃሩ ሕፁፃነ ፍልጠት እዮም። ኣብታ ናይ ጐይታ ዓፀደ ወይን ቤተ ክርስቲያን ከም ክርዳድ ጽሩይ ሥርናይ መሲሎም ዝበቘሉን ዝዓበዩን መስሓትያን እዮም። በብጊዜኡ ዝተለዓሉ መናፍቃን ብዙኃን እዮም። ንኣብነት፦ ቅድም ካህን ዝነበረ ኣርዮስ፡ ቅድም ኤጲስ ቆጶስ ዝነበረ መቅደንዮስ፡ ቅድም ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ዝነበረ ንስጥሮስ፡ ኣበምኔት ገዳም ቍስጥንጥንያ ዝነበረ ኣውጣኪ . . . ። እዞም መናፍቃን በብጊዜኡ ስልትታት ኣብ በቦታኡ እናለወጡ፡ ነታ ሓመረ ኖህ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በቲ መናፍቓዊ ማዕበላቶም ዘናወጹን ዘናውጹ ዘለዉን ማየ ኣይኅ እዮም። ቤተ ክርስቲያን፥ ንርቱዕ ትምህርታ ኣብ ኵሉ ንከይተብጽሕ ዕንቅፋት ኮይኖም ነቶም ዘይጽኑዓትን ዘይተማህሩን ምእመናን ዝተፈላለየ ክሕደት እናሰበኹ ዝምንጥሉ እዮም። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብዚ ናይ ክሕደት ትምህርቶም ኃሊፎም ውን ነቶም ንከብዶም ዝተገዝኡ ሽጉራት ሰባት ‘ናይ ዕለት ቍርሲ ናይ ዓመት ልብሲ ክንህበኩም ኢና’ እናበሉ ዝሰልቡ እዮም።

ብዘይካ’ዞም መናፍቓን ድማ ውልቃዊ ረብሓኦም ዘቐድሙ፡ ሥጋዊ ጥቅሞም ጥራይ ዝሓስቡ፡ ብጥዑመ ልሳንን ውዳሴ ከንቱን ልቢ ምእመናን ዝሰልቡ ኣብ ኣገልግሎት ሲሞንነት ዝተጨማለቑ፡ ምስ መናፍቓንን ዓለማውያንን ንከብዶም ክብሉ ዝተዓስቡ፡ ‘እፈልጥ እየ፡ ብቑዕ እየ ይግብኣኒ እዩ’ እናበሉ ሽመት ሃሪፎም ዝካሰሱ፡ . . . ፈተና ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚኦም ዋላ እኳ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እንተ ሃለዉ፥ ልዕሊቲ ዘገልግልዎ ንድሌታቶምን ሥጋዊ ረብሓኦምን ባይታ ክፈጥሩን መንገዲ ክጸርጉን ነቶም ብቅንዕና ዘገልግሉ ኣቦታት ካህናት ዲያቆናት ምእመናን ብሓፈሻ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ዕንቅፋት ዝኾኑ እዮም።

ብሰንኪ ፈተና ናይዞም መናፍቃን፡ ውልቃዊ ረብሓኦም ዘገድሶም ሰባትን ካልኦት ፈተናታትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘውርዶ ሓደጋታትን ዘስዕቦ ሽግራትን ጠቒስካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብቀንዱ ግና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምክፍፋል ይስዕብ። ብዙኃት ካብ ምእመናን ተሰናቢዶም ሃይማኖቶም ክኽሕዱን ቤት ኣምላኾም ክኃድጉን ይርኣዩ። ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ “ሕዝበይ ክልተ ክፋእ ገበሩ፡ ንዓይ ንፈልፋሊ ሕያው ማይ ኃዲጎምኒ፤ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት ማይ ዘየዕቍር ነቃዕ ሓጽብታት ኵዒቶም እዮም እሞ ኣቱም ሰማያት በዚ ተገረሙ፡ ሰንብዱ ኣዚኹም’ውን ራዕራዕ በሉ ይብል እግዚአብሔር” (ኤር. 2፡12-13) “ሓጽብታት” ዝተባህለ ኣምልኾ ባዕድ፡ ክሕደት፡ መናፍቕነት፡ ፍትወት ዓለም፡ ትምኒት ሰብነትን ተግባረ ሥጋን እዩ።

ከምኡ’ውን ጐይታ ፦ “ግናኸ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ኃዲግካያ ኢኻ’ሞ ረኺበልካ ኣለኹ። እምበኣርሲ ካበይ ከምዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቀዳማይ ግብሪ’ውን ግበሮ። . . .” ይብል። (ራእ. 2፡4) ከም እስራኤላውያን ካብ ስሕተት ተመሊስና፡ ካብ ዝወደቕናዮ ተንሢእና ካብ እግሪ ኣቦታትና ካህናት ኃጢኣትና እናተኣመንና፡ እናተናዘዝና ንብከ። (ነህ. 8፡9) “ቀዳመይቲ ፍቕረይ ኣይኃድግን” ንበል። ኵሉ ጕዕዞ ቤተ ክርስቲያን ብፈተና ዝተሓጽረ እኳ እንተኾነ ግናኸ ፍጹም ከምዘይትሰዓር ኣሚንና፡ ነቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘኅድጎ ከምዘየለ ዝተናገሮ፡ ሎሚ ነዚ ቃል እዚ ንድገሞ፧ “መኑ ያኅድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ . . . /ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧ . . . መከራ’ዶ ፧ ጸበባ’ዶ፧ ስደት’ዶ፧ ጥሜት’ዶ፧ ዕርቃን’ዶ፧ ድንገት’ዶ፧ ወይስ ሞት፤ . . . ሞት ኮነ ሕይወት መላእኽቲ ኮኑ ገዛእቲ፡ ዘሎ ኾነ ዝመጽእ ወይ ኃይልታት፡ ላዕለዋይ ኮነ ታሕታዋይ ካልእ ፍጥረት’ውን እንተኾነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኪፈልየና ዚኽእል ከምዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ” (ሮሜ 8፡35-39) ብምባል ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ፡ ካብ እምነትናን ሠናይ ተግባርናን ኪፈልየና ዝኽእል ከምዘየልቦ ብተግባር ነረጋግጽ። ቃል ኪዳንና ነሐድስ! ከመይ! ኵሉ ጊዜ እቲ ቤት ኣምላኽ ዘይኃድግ ክብርን ጣዕሚን መንግሥተ ሰማያትን፤ ምረትን ስቃይን ገሃነመ እሳትን፤ ኣብ ሕይወቱ እናሠኣለ እዩ ዝነብር። ቅዱሳን ኣቦታትና ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ክብሉ ጸብኢ ኣጋንንቲ ተዓጊሶም ደሞም ዘፍሰሱ ክብራ ስለዝረኣዩ እዮም። “ሥቃይ’ዚ ዘመን’ዚ ነታ ኣባና ክግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረይ እኣምን እየ።” (ሮሜ 8፡18) ከምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ።

እዚ ዘመንዚ ‘ካብቲ ውግእ ዝኣወጀስ፡ ወረ ዝነዝሐ’ ከም ዝበሃል ሓሶት ገኒኑ ሓቂ ዝተዓብጠሉ ክፉእ ጊዜ ስለ ዝኾነ ፡ ኣቦታት ካህናት ነቲ ሥርናይ ካብ ክርዳድ ብምፍላይ፡ ንመጓሰ ሕዝቦም ብግቡእ ክጓስዩ ይግባእ። ብወገን መንእሰያትን ፡ ምእመናንን ድማ ፡ ንኣቦታት ምእዛዝ ማለት ንቤተ ክርስቲያን ምግልጋል ስለ ዝኾነ ነቶም ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዉ ኣቦታት ፡ ብትሕትና ኽእዘዙ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ።

እግዚአብሔር ብረድኤቱ፡ እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎታ ከምኡ ውን ኵሎም ቅዱሳን ብኣማላድነቶም ኣይፈለዩና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 19 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Tuesday
28
ዝክር፦ ርክበተ ሥጋሆሙ ለአባ ብስራ ወዝኁራ ወእሞሙ ኔራ፡ ወበልስጢና፡ ወያፈቅረነ እግዚእ፡ ወቅዳሴ ቤቶሙ ለሰማዕታተ እስና። ዘቅዳሴምንባብ፦ ቆላ. 1፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 5፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 17፡5-12። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ዮሐ. 10፡34-ፍጻሜ። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ንሣልሳይ ጊዜኡ ብክብ…

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ብድምቀት...

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

እቶም ብምኽንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጡብ ኣደኦም ጸጊቦም ዘይጠበዉ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝኾኑ 144,000 ሕፃናት ብርጉም...

ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ

ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ።...

11 ጥር 2012 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ…

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዓለ ጥምቀት ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ...

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር በዓል ቃና ዘገሊላ እናተባህለ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን...

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...