ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዚሩ ድዩ፧

Jan 15, 2020

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ፈጺሙ’ዩ። ሓደ ካብ ሕጊ መጽሓፋዊ ድማ ‘ግዝረት’ እዩ።

በዚ መሠረት ከኣ ከምቲ ሕጊ ኦሪት ዝእዝዞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽግዘር፡ ካብ ዝውለድ ኣብ 8ይ መዓልቱ እግዝእትነ ማርያም ንኣረጋዊ ዮሴፍ ‘ዝገዝር ጥበበኛ ኣምጽእ’ በለቶ። እቲ ዝገዝር ሰብኣይ መጺኡ ክገዝር ኢሉ መላጸኡ ስሒሉ ምስ ቀረበ ብኡ ብኡ ከይገዘሮ ከሎ ናውቲ ግዝረቱ መኸኸ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅድሚ ዕለተ ዓርብ ደሙ ኣይፈስስን እዩ እሞ ብኣምላካዊ ግብሪ ተገዚሩ ተረኽበ። ከምቲ ጐይታ ልደቱ ብኅቱም ድንግልና ዝኾነ፡ ግዝረቱ ኸኣ ኢድ ሰብ ከይቀረቦ ብኣምላኻዊ ምሥጢር ተፈጸመ። ብዛዕባ'ዚ ቅዱስ ወንጌልን መጽሓፍ ሃይማኖተ አበውን ነቲ ብኣምላካዊ ግብሪ ምግዛሩ ንምግላጽ 'ተገዝረ' በሉ። ( ሉቃ. 2፡21 ፣  መጽሓፈ ስንክሳር ድማ ነቲ ብኢድ ሰብ ዘይምግዛሩ ንምግላጽ 'ኢተገዝረ/ ኣይተገዝረን' በለ። (ስንክሳር 6 ጥር) 

ብሓፈሻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዝረት ክልተ ትርጕም ኣለዎ፦ 

1. ሥጋ ዕልቦ ምቝራጽ ግዝረት እዩ። እዚ ዓይነት ግዝረት እዚ ምልክት ኪዳን ኮይኑ ብእግዚእብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዝተዋህበ’ዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ‘እቲ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ኪዳን ምልክት ኪኸውን’ዩ፡ ኣባኻትኩም 8ተ መዓልቲ ዝገበረ እቲ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዘበለ ይገዘር። . . . ዘይተገዝረ ተባዕታይ ማለት ሥጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ ዅሉ፡ ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ’ሞ ካብ ሕዝቡ ይፈለ’ በሎ። (ዘፍ. 17፡11-14)

2. ከምኡ’ውን ካብ ግብሪ ኃጢአት ምፍላይ ግዝረት ይብሃል’ዩ። ነቢይ ኤርምያስ ግዝረት ማለት ካብ ልቢ ዘሎ ኃጢኣት ምርሓቕ ምዃኑ ኪገልጽ ከሎ፦ ‘. . . ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኬጥፍኦ ከም ዘይኽእል ኮይኑ ሃል ሃል ከይብልሲ ነቲ ምሳይ ዝኣቶኹምዎ ቓል ኪዳን ሓልዉ፡ ንኣይ ንእግዚኣብሔር ሕይወትኩም ወፍዩ፡ ልብኹም ግዘሩ” ይብል። (ኤር. 4፡4)

ግዝረት ኣብ ብሉይ ምልክት ኪዳን ደኣ ይኹን እምበር ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝህቦ መንፈሳዊ ጥቕምን ሃይማኖታዊ ትርጕምን የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ቦታ መሥዋዕተ እንስሳ ሥጋኡን ደሙን ከምዝኣተወ፣ ግዝረት ድማ ብጥምቀት ተተኪኡ’ዩ። እንተኾነ ግና ከምቲ ኣቐዲሞም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ጉባኤኦም ፡ “ ንሕና ዘይኣዘዝናዮም ገለ ካባና ወፂኦም ኽትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም ብቓሎም ከም ዝሃወኹኹም ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ሰሚዕና ኣሎና። (ግብ. 15፡24)” ዝበልዎ ሎሚ’ውን ገለ ገለ ሰባት ጥምቀት እንበለ ግዝረት (ጥምቀት ብዘይ ግዝረት) ብነፍሲ ኣይጠቅምን’ዩ እንተበሉ እዚ ካብ መንፈሳዊ መንገድን ካብ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንን ወፃኢ’ዩ። ነዚ ኺገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረት’ውን ፍረ የብሉን። (1ይ ቆሮ. 7፡19) ከምኡ’ውን ‘ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ እንተ ደኣ ኣሊና፡ እታ ብፍቕሪ እትሠርሕ እምነት እምበር ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ጥቕሚ የብሉን።’ ይብል። (ገላ. 5፡6)

ሰላም ለግዝረትከ በመዋዕል ሰሙን፣
ከመ ትፈጽም ለሊከ ሥርዐተ ኪዳን፣
እንተ ወሀብከ እግዚኦ እምቀዳሚ ዘመን፣
ግዝረተ መጥባሕት ለወልደ ታራ ምእመን፣
ወበእብነ እዝኅ ለአውሴ መስፍን። (ስንክሳር 6 ጥር)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 23 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Wednesday
1
ዝክር፦ ዳንኤል ነቢይ፡ ወተማከሩ ሊቃነ ካህናት ከመ ይቅትልዎ ለእግዚእነ፡ ወረገማ ለበለስ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ዕብ. 11፡32-ፍጻሜ 2ይ ጴጥ. 1፡19-ፍጻሜ  ግብ. ሐዋ. 7፡48-54 ምስባክ፦ መዝ. 104/105 ወንጌል፦ ማቴ. 24፡10-19 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም።             *   *   *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...