Print this page

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

Jan 16, 2020

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ።

 * ዕለተ ምዝገባ፦  8 - 15 ጥር 2012 ዓ.ም. (ካብ ዕለት 18 ጥር ክሳብ ዕለት 23 ጥር 2019 ዓ.ም.ፈረንጂ)

 * ቦታ ምዝገባ፥-

1. ነባርነትኩም ኣብ ኣሥመራን ዞባ ማእከልን ዝኾንኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ሃገረ ስብከት ማእከልን (ካምቦቦሎ ግምጣል ጎልደን ፎርክ)
2. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ዓዲ ቀይሕ
4. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ መንደፈራ
5. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ድባርዋ
6. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ከረን
7. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ባረንቱ
8. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ባጽዕ
9. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ዓሰብ

* ንምዝገባ ዘድሊ መምዘኒታት

1. ፓስፖርት - ክሳዕ 2021 ዓ.ም.ፈ. ዝተሓደሰ 

2. ዕድመ - ደቂ ተባዕትዮ ካብ 50-80 ዓመት

             ደቂ ኣንስትዮ ካብ 50 - 75 ዓመት

             ምሉእ ጥዕና ሃልይዎ ናይ መውፅኢ ፍቓድ ክወሃቦ ዝኽእል ኤርትራዊ

* ተወሳኺ ሓበሬታ

- ነጋድያን ተመዝጊቦም ምስ ኃልፉ ናይ መኽፈሊ ደብዳቤ ካብ ዝወሰድሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ንመጓዓዝያ፡ ንመግቢ፡ ንመደቀሲ፡ ብጠቕላላ ብቤት ጽሕፈት ዝተሰልዐ ናይ ኵሉ ወፃኢታት ገንዘብ ብወፃኢ ባጤራ ኣታዊ ይገብሩ።

- ነጋድያን በጺሖም ክሳብ ዝምለሱ ዋሕስ ዝኸውን ብጥረ ገንዘብ ልዕሊ 2 ሚልዮን ናቕፋ ወይ ድማ ናይ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ኦሪጅናል ንብረት ከትኅዙ ኣለዎም። 

ብቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሎም ንግደቶም ዘቃንዑ ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳዕ ሰሙነ ትንሣኤ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ዝቐንይሉ፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ክሳተፉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቅዱሳት መካናት ድማ ክሳለሙ ከለዉ ከምኡ’ውን ጸሎቶም ኣብጺሖምን መብጽዓኦም ፈጺሞምን ብምሉእ መንፈሳዊ ዕግበትን ሓጐስን ከምዝምለሱ ይፍለጥ።