" ወዲበ ዛቲ ኰኵሕ አሐንፃ ለቤተ ክርስቲያንየ/ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብዛ ከውሒ ክሓንፃ እየ።” (ማቴ. 16፡18)

Dec 27, 2019

እግዚአብሔር ሓደ እዩ፣ ብእኡ እንኣምና ሃይማኖትን ካብኡ እንውለደላ ጥምቀትን፣ ተስፋ እንገብራ መንግሥተ ሰማያትን ሓንቲ እያ፣ እንቕበሎ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ሓደ እዩ። ነዚ እትኣምንን እተስተምህርን ቤተ ክርስቲያን ድማ ሓንቲ እያ።

ቤተ ክርስቲያን፥ ቅድሚ ፍጥረተ ሰብ ኣብ ዓለመ መላእክት ብእምነት ቅድስት ሥላሴ ህልውናኣ ዝጀመረት፣ ንቅዱሳን መላእክት፡ ነቶም ጕዕዞኦም ብዓወት ዝፈጸሙ ብዓፀደ ነፍስ ዘለዉን፡ ገና ጕያኦም ዘይወድኡ ብዓፀደ ሥጋ ዘለዉን ምእመናን እትሓቍፍ ሓንቲ ናይ ሓድነት ጉባኤ እያ።

ኣብ ሰማይ፡ ገነት፡ ብሔረ ሕያዋን፡ ብሔረ ብፁዓን፡ ኣብዚ ዓለም ዘላ ሓድነት እያ። ርእሳን ሓድነታን ክርስቶስ ዝኾነላ፡ ብደሙ ዝጸንዐት ናቱ ኣካል እያ። (ዕብ. 12:22-24)

ሕዝበ ክርስቲያን ኣብዛ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ጊዜ ከይደረቶም ቦታ ከይወሰኖም ምስ እግዚአብሔር ሓድነት ይህልዎም። መላእክት ኮኑ ሰባት ብክሕደት ወይ ውን ብኃጢኣት ካብኣ ወፂኦም ካልእ ቤተ ክርስቲያን ክምሥርቱ ኣይክእሉን እዮም። ክንምሥርት እንተበሉ’ውን ቤተ ክርስቲያን ተባሂሎም ክስመዩ ኣይክእሉን። ቤተ ክርስቲያን ተከፋፈለት ምባል’ውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ እታ ካብ ዓለመ መላእክት ዝጀመረት፡ ብክርስቶስ ዝተመሥረተት ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ስለዝኾነት። ብዙኃት ካብ ኣይሁድ ብኣምላክነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይንኣምን ኢሎም እኳ እንተወፅኡ እታ ጉባኤ ግን ኣይተበተነትን ኣይተኸፍለትን። ዋላ እኳ ሰብአ ኣይሁድ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገሊኦም ዮሓንስ ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ኤርምያስን ካብ ቀዳሞት ነቢያትን እንተ በልዎ እዚ ጊጉይ ስያሜ ነቲ ናይ ባህርየ ኣምላክነቱ ዝልውጦ ኣይኮነን። ነዚ እዩ ድማ በቲ ኣማናዊ ቃሉ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ "ወዲበ ዛቲ ኰኵሕ አሐንፃ ለቤተ ክርስቲያንየ ወአናቅጸ ሲኦል ኢይኄይልዋ/ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብዛ ከውሒ ክሓንፃ እየ፡ ኣፍ ደገታት ሲኦል ድማ ኣይክኅይልዋን እዮም” (ማቴ. 16፡18) ብምባል ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሓድነት ጉባኤ ኣጽንዓ።

ኣብ ዘዘመናቱ ዘጋጠማ ነፋስ ፈተና፡ ዝናም መከራ፣ ውኂዝ መናፍቅነት፡ ካብ ኔሮን ክሳብ ዲዮቅልጥያኖስ፡ ካብ ይሁዳ ክሳብ ኣርዮስ፣ ካብ ልዮን ክሳብ ሉተርን ተሓድሶን ዝተላዕሉ ጸላእታ ኣናዊጾም ከውድቕዋ ኣይተኻእሎምን። ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከውሒ ዝተሠረተት፡ ኣብ መስቀል ብዝፈሰሰ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸንዐት፡ መከራ ዝመንገዳ፣ መስቀል ዝምርኵዛ፣ እግዚአብሔር ዝመራሒኣ፣ ሓቂ ዝሥርሓ፣ መንግሥተ ሰማያት ዝዕላማኣ ስለዝኾነት እዩ። በዚ ኸኣ ንኵሉ ሥዒራ ንሕና ኣብ ዘለናዮ ዘመን በጺሓ ኣላ፡ ንመጻኢ’ውን ኽትነብር እያ።

ነዛ ቤተ ክርስቲያን ምሁራነ መጻሕፍትን ሰባክያነ ወንጌልን ኣብ ዓውደ ምሕረት ንእምነታን ሥርዓታን ትውፊታን ይምህሩ እኳ እንተኾኑ ምእመናን ግና ናይ ቀረባ ሓተትቲ ዘይኮነስ ናይ ርኁቅ ተዓዘብቲ ብምዃኖም፡ ንኣጽራረ ሃይማኖት ካብኡ ኃሊፉ’ውን ናታ ካባ ዝተከድኑ ቋንቋኣ ዝናገሩ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ “ንቤተ ክርስቲያን ክንሕድሳ” ኢሎም ክለዓሉ ምኽንያት ኮይንዎም እዩ።

ብቅዱስ ሲኖዶስ ብውግዘት ካብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልዩ እኳ እንተኾኑ “ ኦርቶዶክሳውያን ኢና፣ ሰዓብቲ ቀዳሞት ኣቦታት ኢና” እናበሉን ብስመ መዓርግ ቀሺ፡ ዲያቆን፡ መምህር፡ መሪጌታ፡ . . . እናተጸውዑን፣ ከምቲ “ዕግርግር ዕዳጋ ንሰራቒ ዝጥዕም” መርዚ ዝተለኸየ ባኒ ነቲ ቀንዲ ኣካል ሕብረተ ሰብ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ እናኮለሱ ንኣቦታቱ ከም ዘይማዕበሉ ድሑራት ጌሩ ክሓስብ፣ “ቤተ ክርስቲያን ካባይ እንታይ ትጽበ፧” ኢሉ ክንዲ ዝሓትት ንኑፋቄን ክህደትን ከም ምዕባለ ብምርኣይ ጸገማት ብምዝርዛር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝርኅቕ ምግባር፣ ብፍሉይ ድማ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ ኣካል፡ ላዕላዋይ ሓጋጊ፡ ላዕላዋይ ወሳኒ ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ዕላማ ብምግባር ውሳኔታቱ ጊጉይን ዘይሕጋውን እዩ ኣብ ርእሲ ምባሎም ብድፍረት ቤተ ክርስቲያን እትምራሕ ዘላ ብመንፈስ ቅዱስ ዘይኮነስ ብግለ ሰባት እያ እናበሉ ንምእመናን የደናግሩ ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ።

እዚ ክርዳድ ፈተና’ዚ ንግራት ቤተ ክርስቲያን ዘየባድማ እኳ እንተኾነ ካብ ሥሩ ንምምሓዉ ግና ከምቲ መስፍን እስራኤል ኢያሱ ምስ ሕዝቡ ኾይኑ ብዘስምዖ ኣውያት ንመንደቅ ኢያሪኮ ዘፍረሰ፡ ኵልና ደቂ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ካብ ደቂቅ ክሳብ ልኂቅ ድማ ብእግዚአብሔር ዝተጸዋዕናሉን ዝተሓረናሉን ጸጋ ውልድነት ዝረከብናሉን ዕላማ ብምጽናዕ ስለ ኵሉ ነገር ብጸሎትን ምህላን ናብ እግዚአብሔር ከነመልክት ይግባእ። (ኢያ. 6፡20፣ ዳን. 9፡7)

ተወካፌ ጸሎት እግዚአብሔር ይቀበለልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

 

ዘመነ ዮሐንስ 19 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Tuesday
28
ዝክር፦ ርክበተ ሥጋሆሙ ለአባ ብስራ ወዝኁራ ወእሞሙ ኔራ፡ ወበልስጢና፡ ወያፈቅረነ እግዚእ፡ ወቅዳሴ ቤቶሙ ለሰማዕታተ እስና። ዘቅዳሴምንባብ፦ ቆላ. 1፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 5፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 17፡5-12። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ዮሐ. 10፡34-ፍጻሜ። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ንሣልሳይ ጊዜኡ ብክብ…

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ብድምቀት...

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

እቶም ብምኽንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጡብ ኣደኦም ጸጊቦም ዘይጠበዉ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝኾኑ 144,000 ሕፃናት ብርጉም...

ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ

ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ።...

11 ጥር 2012 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ…

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዓለ ጥምቀት ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ...

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር በዓል ቃና ዘገሊላ እናተባህለ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን...

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...