Print this page

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2012 ዓ.ም.

Jan 06, 2020

“ኢትፍርሁ እስመ ናሁ እዜንወክሙ ዓቢየ ዜና ፍሥሓ ዘይከውን ለኵሉ ዓለም/ እንሆ ንዅሉ ዓለም ዝከውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።” ሉቃ. 2፡10

እግዚአብሔር ዘፍቅረኩም ንእግዚአብሔር እተፍቅርዎ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከቡ ሕዝበ ኤርትራ፡ ሰላመ እግዚአብሔር ምሳኹም ይኹን።

ብቀዳምነት መንፈሳውን ሃገራውን በዓላትና፡ ብሓድነትን ሓጐስን ከነኽብር ዘብቅዓና ልዑል እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

ከምኡ’ውን ስለ ሰላም ኢሎም መተካእታ ዘይብላ ብዋጋ ዘይትትመን ክብርት ሕይወቶም ዝወፈዩ ሰማእታትና ዕረፍተ ነፍሲ ይሃቦም።

ብምቕጻል ኣብ ሓለዋን ሕንፃን ሃገር እትርከቡ ኃይልታት ምክልኻል ልዑል እግዚአብሔር ኃይልን ጽንዓትን ይሃብኩም። ከምኡ’ውን ብሕማም ምኽንያት ኣብ ማየ ጸሎታትን ሕክምናን ኣብ ገዛኹምን ዘለኹም ልዑል እግዚአብሔር ፈውሰ ምሕረቱ ይሃብኩም እናበልኩ ብሓፈሻ ንዅልኩም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ብርሃን ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና እብል።

1. በዓል ልደት ናይ ምስጋና በዓል እዩ።

እዚ ነቢያት ዝተነበይሉ ክቡር በዓል፡ ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ገጽ አምላኽ ከይንርእን፡ ድምፂ ምስጋና ሰማያውያን መላእክቲ ከይንሰምዕን ን5500 ዓመታት ከልኪልና ዝነበረ ጸልማት ናይ ኃጢኣት መጋረጃ ዝተቐንጠጠሉ እዩ። “ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ/ ነቲ ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ዝነብር ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ወፀሉ።” (ትንቢት ኢሳይያስ 9፡2) ከም ዝተባህለ በዚ ዕለት’ዚ ቅዱስ መልኣኽ ናብቶም ጓሶት መጺኡ፥ “እንሆ ንዅሉ ዓለም ዝከውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ። ሎሚ መድኃኒት ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ” በሎም። እቶም ጓሶት፡ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ ምስ ረአዩ፡ ብሓጐስ ምስ መላእክት ኮይኖም ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር/ ኣብ ሰማያት ንእግዚአብሔር ምስጋና ኣብ ምድሪ ድማ ሰላም ይኩን’ ኢሎም ኣመስገኑ። (ሉቃ. 2፡14) ስለዚ እዚ ዕለት እዚ እንበኣር ከምቶም ጓሶትን መላእክትን ብሓድነትን ጸሎትን እነመስገናሉ ዕለት እዩ።

2. በዓል ልደት ናይ ሓድነት በዓል እዩ።

እዚ ዕለት እዚ ሓድነት መላእክትን ደቂ ሰባትን ዝተገልጸሉ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ይ ቆሮ. 1፡10 ‘ኣኅዋተይ ሓደ ልብን ሓደ ቃልን ክትኾኑ እምበር ኣብ ማእከልኩም ምፍልላይ ከይህሉ ብስም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አመኅጸነኩም ኣለኩ’ ዝበሎ ስለዚ ክቡራን ምእመናን፡ ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ ንሕና ንኸብረሉ ንቤተ ክርስትያናን ሃገርናን ዝጠቅም ሠናይ ሓሳባት ክንሓሰብ ናይ’ዚ ዕለት መልእክቲ እዩ።

ዝኸበርኩም ሕዝበ እግዚአብሔር፡ ካብ ኵሉ ጽንጽዋያት ርኂቅና ኣብ ሓድነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክንጸንዕ፣ ነዛ ኣምላክ ባሪኹ ዝሃበና ቅድስት ሃገርና ድማ ብሓድነትን ፍቅርን፡ ብቃል ኪዳን ቀዳሞት ኣቦታትናን ሕድሪ ሰማእታት ደቅናን እናሓለና፣ ፍትሒ ዘለዋ ብልጽግቲ፡ ልምዓት ዘለዋ ምዕብልቲ፡ ቅኑዕ ባህሊ ዘለዋ ክብርቲ ሃገር፣ ክትከውን ሎሚ’ውን ከም ትማሊ በቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ኃይሊ ግቡእና ከነበርክት ሓደራ እብል።

3. በዓል ልደት ናይ ምትሕግጋዝ በዓል እዩ።

ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12፡9-13 “ፍቅሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን፡ ንክፍኣት ፈንፍንዎ ንሠናይ ሰዓብዎ ኣብ ነሓድሕድኩም ፍቅሪ ኣኅዋት ይሃልኩም። ነሓድሕድኩም ተከባበሩ፡ ንእግዚአብሔር ኣገልግሉ፣ ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሡ ፣ ከየቋረጽኩም ጸሎት ኣዘውትሩ። ንዝተሸገሩ ኣማቕሉ፣ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኩኑ።” ከም ዝብለና በዚ ዕለት ንጥሙያት ከንብልዕ ንዕሩቃት ክንከድን ንዝሓመሙ ክንበጽሕ ንዝኃዘኑ ከነጸናንዕ ትእዛዝ ኣምላኽና እዩ። ከምዚ እንተገበርና ኢና ድማ ውሉድ ኣምላኽ ክንበሃል ንኽእል።

ኣብ መወዳእታ፦ ንመንግሥትን ሕዝብን ኤርትራ ርሑስ በዓል ልደት እናበልኩ፡ ነዚ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ዝወረስናዮ ቅኑዕ ሃይማኖታዊ ባህልናን፡ ከምኡ’ውን ኤርትራዊ መንነትና ዝኾነ ሓድነትናን ፍቕርናን ምትሕግጋዝናን ኣባና ተወሲኑ ከይተርፍ ንዝመጽእ ወለዶ ከነውርሶ ሓደራ እብል።

ደጊመ ብሩክ በዓለ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና እብል።

ልዑል እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ይባርኽ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!