Print this page

ዕለታት ጾመ ነነዌ

Feb 10, 2020

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘሎ ካብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ ይጽወም። ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. ካብ 02 የካቲት ክሳዕ 04 የካቲት ይጽወም።

ጾመ ነነዌ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወም ዝኣዘዘትሉ ምኽንያት ከምቲ ንሰብኣ ነነዌ እግዚእብሔር በቲ ፍጹም ንስሓኦምን ጣዕሳኦምን ካብ መዓቱ ተመሊሱ ምሕረት ዝገበረሎም፡ ንኣና ከኣ ጾመ ንስሓን ጾመ ምሕረትን ምእንቲ ክኾነና እዩ።

ኣብ ጾመ ነነዌ ዝንበቡ ንባባት፦

1. ሰኑይ፦ 

መልእክታት፦ ገላ. 2፡6-16 ፣ 1ይ ዮሐ. 1፡1-ፍጻሜ ፣

ግብ.ሓዋ. 3፡12-16

ምስባክ፦ መዝ. 102/103 ሣህሉሰ ለእግዚአብሔር እምዓለም ወእስከ ለዓለም፡ ዲበ እለ ይፈርህዎ፡ ወጽድቁኒ ዲበ ትውልደ ትውልድ።

ወንጌል፦ ዮሐ. 1፡6-18

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ።

2. ሠሉስ፦

መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 11፡1-12 1ይ ዮሐ. 3፡13-17 ግብ.ሓዋ. 17፡4-12

ምስባክ፦ መዝ. 111/112 ሠረቀ ብርሃን ለራትዓን በውስተ ጽልመት፡ መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር፡ ወጻድቅ አምላክነ።

ወንጌል፦ ማቴ. 25፡1-13

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእ።

3. ረቡዕ፦ ዕብ. 3፡7-14 ፣ 1ይ ዮሓ. 2፡3-8 ፣

ግብ. ሓዋ. 5፡35-39 ፣

ምስባክ፦ መዝ. 142/143 ወመንፈስከ ቅዱስ ይምርሐኒ በምድረ ጽድቅ፡ በእንተ ስምከ እግዚኦ አሕይወኒ በጽድቅከ፡ ወአውፅአ እምንዳቤሃ ለነፍስየ።

ወንጌል፦ ማር. 3፡21-30

ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።