ናይ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም፦ ሰኑይ 16 የካቲት ክሳዕ ሰንበት ትንሣኤ 11 ሚያዝያ ግእዝ እዩ። ዓቢይ ጾም፡ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነተ ዓለምን ኣርኣያ ንኣና ክኾነና ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ ቅዱስ ወንጌል ‘ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ’ ይብል። ማቴ. 4፡1-2
ዓቢይ ጾም፡ ሥጋን ነፍስን ዝዕረቕሉ ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ እንረኽበሉን፡ ንፍቓድ ሥጋ ብፍቓደ ነፍስ እነግዝኣሉ እዋን ስለዝኾነ፡ ጾም ክኣቱ ከሎ ብምፍራሕን ብምምራርን ዘይኮነስ፡ ብሃንቀውታን ሓጐስን ክንቕበሎ ይግባእ።
ስለዚ ነዚ ጐይታናን ኣምላኽናን ድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም ብጥንቃቐ ክንጾሞ ኣሎና።
ንዓቢይ ጾም ብሰላም ከጀምረና፡ ኣጀሚሩ ድማ ኣብ በዓለ ትንሣኤ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን፡ ኣሜን!
1. ኣብ ዓቢይ ጾም ዘለዉ ዓበይቲ በዓላት |
2. ካብ ንኡሳን በዓላት |
ሆሳዕና ሰንበት 04 ሚያዝያ |
ደብረ ዘይት ሰንበት 29 መጋቢት |
ስቅለት ዓርቢ 09 ሚያዝያ |
|
ትንሣኤ ሰንበት 11 ሚያዝያ |
|