ቤተ ክርስቲያን
ኪንዮ ድምፂ፡ እህህታ ትሰምዒ
ካብ ዓይኒ ኃሊፍኪ ንብዓት ልቢ ትርኢ
ተዕርግዮ’ውን ነቲ ዘይጠቅም ኣሊኺ
ከም ዝሰማዕክና ክንፈልጥ’ውን ጸሎትና ተሥምሪ
ቤተ ክርስቲያን
ኣብ ምድሪ ዄይንኺ መሳዅቲ ሰማያት ትኸፍቲ
ምስ ዝማሬ መላእክት ስብሐታት ቅዱሳን ትሓብሪ
ኦ ሥሉስ ቅዱስ እናበልኪ ወትሩ ትተግሂ
ሰብ ዓፀደ ሥጋ ምስ ዓፀደ ነፍስ ተራኽቢ
ቤተ ክርስቲያን
ረቂቅ ኃይልኺ ንኃይሊ ዕቡይ የድክሞ
ጸጋ ረድኤትኪ ንድኻም ትሑት የልዕሎ
ጻዊዕትኪ ሰሚዑ ኣሜን ኢሉ ዝሰዓቦ
ተዘክርዮ ስሙ የዕቢኺ ንውሉድ ወለዶ
ቤተ ክርስቲያን
ጻዊዕትኪ ንዝሰምዐ ናብራኡ ትባርኺ
ደገኺ ንዘጽንዐ ብሣህለ ምሕረት ትኽልሊ
ንጥሙይ ጽሙእ ብበረከትኪ ትዕንግሊ
ልዕሊ ኣደ፡ ንስኺ‘ኾ ትጥውሪ
ቤተ ክርስቲያን
ፍልጠት ምስ ርቀቱ ዕቑር ኣብ መዝገብኪ
ምሥጢራት ሰማያት ይስበኽ ብልሳንኺ
መንገዲ ብርሃን ፍና ሕይወት ንስኺ ትመርሒ
ደገ ሰላም ቤተ ቅድስና ኢኺ መርሐ ጽድቂ
ቤተ ክርስቲያን
ብድጓ ዝማሜ ሕልና ትምስጢ
ብቅዳሴ ስብሐታት ልቢ ምእመናን ተፈሥሒ
ብቅኔ ብሰዋስው ሃይማኖት ተጽንዒ
ብራና ፊሑቕኪ ታሪኽ ትውፊት ትዕቅቢ
ቤተ ክርስቲያን
ብጸሎተ አኰቴት ግብረ ክህነት ፈትቶ
ብአልባስ ክርስቶስ ናይ ምእመናን ተሳትፎ
አማናዊ ሥጋ ክቡር ደም መጊብኪ
ደዌ ሥጋ ቍስለ ነፍስ ንስኺ ተሕውዪ
ቤተ ክርስቲያን
ንስኺ ምዕራገ ጸሎት ኢኺ መሥመሪተ መሥዋዕት
ንስኺ ቤት ጸሎት ኢኺ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት
ንዘለዓለም ኣይክትኾንን ኢኺ በዓቲ ጉሓላሉ
ንጉሥኪ እግዚአብሔር እዩ ቀናእ ብአምላኽነቱ
ጌና ክሰጐልኪ እዩ ጸላእትኺ ጭጉራፍ ተቲዑ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!