“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ ጾምን ጸሎትን ኣይወፅእን እዩ” (ማቴ. ፲፯፡፳፩/17፡21)

Mar 19, 2020

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ ምሕረት ወርኁቀ መዓት ኣምላኽና ምሕረትን በረኸትን፣ ሰላምን ፈውስን ምእንቲ ኽንረክብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝኣወጀትልና ዓቢይ ጾም ኢና ዘሎና። (ማቴ. ፬፡፩-፲፩/ 4፡1-11)

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብዛ ብርሃንን ጸልማትን፡ ጥዕናን ሕማምን ዝፈራረቐላ ምድራዊት ዓለም ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እዩ። እዚ ሕማም’ዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 166 ሃገራት ንዝነብሩ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ከሕምም ከሎ ልዕሊ ሾመንተ ሽሕ ድማ ቀቲሉ ኣሎ። ጠቢባነ ዓለም፡ ፈውሲ ኣብ ምምርማርን መከላኸሊ መንገዲ ኣብ ምሕባርን ይጓየዩ እኳ እንተ ሃለዉ ብኣንጻሩ ለበዳኡ እናስፋሕፍሐ፡ ቍጽሪ ሕሙማንን ምዉታንን ድማ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ስለዚ እግዚአብሔር ንመዓቱ ናብ ምሕረት ክልውጥ፡ ኃይሊ ሕማም ስዒሩ ፍጹም ጥዕና ክህብ፣ ብሰቂለ ሕልና ብንጽሐ ልቦና ብሰፊሐ እድ “ አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር፡ እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ፡ ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር ዘገብረ ሰማየ ወምድረ / ኣዕይንተይ ናብ ኣኽራን ጠመትኩ፡ ረድኤተይ ካበይ ኮን እዩ ዝመጸኒ፧ ረድኤተይሲ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ” መዝ. ፻፳፡፩ (121፡1) ብምባል ብጾምን ጸሎትን ዝያዳ ኽንጽመድ እዋኑ ዝጠልቦ እዩ።

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕሙማነ ነፍስ ብትምህርቱ፣ ንሕሙማነ ሥጋ ከኣ ብተአምራቱ ኣብ ዝፈወሰሉ መዋዕለ ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ “ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት ማለት እዚ ከምዚ ዝበለ ጋኔን ብዘይ ጾምን ጸሎትን ኣይወፅእን” ክብል መሃሮም።

ስለዚ ድምፁ ብዘይምስማዕና፣ ትእዛዙ ብዘይምኽባርናን ፍቓዱ ብዘይምፍጻምናን ዝስዕብ መዓት ናብ ምሕረት፣ መቅሠፍት ናብ ድኅነት፡ ሕማም ናብ ጥዕና ዝቕየር ናብኡ ብጾምን ጸሎትን ምስ ንቐርብ እዩ። ባዕሉ’ውን ከምዚ ይብለና፦ “ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓጸኽዎ፣ . . . ኣብ መንጎ ሕዝበይ ከኣ ፌራ እንተሰደድኩ፣ እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ሕዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በሉ፡ እንተ ለመኑ፣ ገጸይ’ውን እንተ ደለዩ፣ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመልሱ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ኃጢኣቶም ከኣ ይቕረ ክብለሎም፡ ምድሮም’ውን ክፍውሰሎም እየ። (2 ዜና. መዋ. ፯፡፲፫-፲፬/ 7፡13-14)

በዚ መሠረት፡ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ብዕለት ፱ የካቲት ፳፻፲፪ ዓ.ም. (17/02/20 ፈ.) ዝኣወጆ ጸሎተ ምህላ ከምኡ’ውን ዕለታዊ ዝበጽሕ ዘሎ ኣገልግሎት ከም ዘለዎ ኮይኑ ብተወሳኺ ድማ ከምቲ “ አንሥአ እደውየ መሥዋዕተ ሠርክ/ ” መዝ. ፻፵፡፪ (141፡2) ዝብል፡ ኣብ ሰዓታተ ሠርክ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ኵለን ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ምህለላን ኣስተምህሮን ክግበር ንኩለን ኣብ ትሕቴኹም ዘለዋ ክሕበር በዚ ደብዳቤ’ዚ ነፍልጥ።

እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያንን ሃገርናን ኵሉ ዓለምን ይባርኽ!

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - አሥመራ።

 

ዘመነ ዮሐንስ 24 ግንቦት 2012 ዓ.…

June
Monday
1
ዝርክ፦ ቦአ እግዚእነ ውስተ ምድረ ግብጽ፡ ወዕንባቆም ነቢይ፡ ወአብቍልታ መስተጋድል፡ ወዕረፍቱ ለአልአዛር፡ ወአርከሌድስ፡ ወቲፍላስ፡ ወበዓለማርዩ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ፊል. 3፡7-12 1ይጴጥ. 1፡6-12 ግብ. ሐዋ. 12፡20-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 98/99 ወንጌል፦ ዮሐ. 12፡30-34 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም…

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ፡ ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ፡ ነቲ ዘይኸውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚአብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ...

ደብረ ምጥማቅ (21-25 ግንቦት)

ደብረ ምጥማቅ  ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ምድረ ግብጽ ምስ ተሰደ በኪደተ እግሩ ካብ ዝረገጸን ቦታታት...

"ናብ ሰማይ ዓረገ " ማር. 16፡19

  ዓመት መጸ ብዓቢይ መንፈሳዊ ኽብሪ ካብ እነኽብሮም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ በዓለ ዕርገት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን...

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

  

latest articles

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...