ትንሣኤ ክርስቶስ ሰንበት

Apr 18, 2020

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ፡ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ፡ ከይበለ፡ ኻብ ሕቱም መቓብር ተንሢኡ፡ በዅሪ ትንሣኤና ዚኾነሉ ዕለት እዩ። ማቴ፦ 28፡1, ዮሓ፦ 20፡1።

ነቲ ንኣና ብነፍስን ሥጋን ዚቐትለና ዚነበረ ሞት፡ ንዘለዓለም ዚሰዓረሉን ዘሰነፈሉን። ነቲ ንወዲ ሰብ፡ እሱር ኃጢኣት ገይሩ ኺገዝኦ ዚጸንሐ፡ ጸላኢ ዅሉ ወዲ ሰብ ዝኾነ ዲያብሎስ ንዘለዓለም ዚተኣሰረሉ ዕለት እዩ።

ኣዳም ነጻ ዚወፅኣሉን፡ ፍጹም ሓጐስ ዚተጐናጸፈሉን። እቲ ንዘለዓለም ዘይነጽፍ ዘለዓለማዊ ፈልፋሊ መንፈሳዊ ሕይወት ሰላም ክርስቶስ ዚተኣወጀሉ። ሲኦል ጥራሓ ዚተረፈትሉ። ሲኦል ዓው ኢላ ዘእወየትሉ። ገነት ዚተኸፍተሉ፡ ገነት መንበሪ ቕዱሳን ዚኾነሉ፡ ጥሜት ዚጠፍኣሉ፡ ዕለት እዩ። 1ቆሮ፦ 15፡1-ፍጻሜ, 1ጴጥ፦ 3፡18-19። እዚ ዅሉ ድኅነት ሰብ ከምዚተፈጸመ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ፡ ነቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ ንወወድስ ትንሣኤ ኣመልኪቱ ዘዝየሞ፡ ብዜማን ብድጋምን ከምዚ ዚስዕብ እናበልና፡ ካህናትን ሕዝብ እንቀባበሎ ዘሎና።

ግእዝ

ትግርኛ

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

በዐቢይ ኀይል ወስልጣን

ክርስቶስ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን

ካብ ምዉታን ተፈልዪ ተንሥአ

አሰሮ ለሰይጣም

አግዐዞ ለአዳም

ሰላም

እምይእዜሰ

ይኩን

ፍሥሓ ወሰላም

ንሰይጣን ኣሰሮ

ንኣዳም ነጻ ኣውፅኦ

ሰላም

ካብ ሎሚ ንደኃር

ይኹን

ፍጹም ሓጐስ

ብምጥቕላል ኪትርጐም ከሎ፦ ኻብ ሎሚ ንደኃር ፍጹም ሓጐስ ምእንቲ ኺኸውን፡ ክርስቶስ፡ ንሰይጣን ኣሲሩ፡ ንኣዳም ነጻ ኣውፂኡ፡ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ። (መወድስ፡ ቅኔ ያሬድ)

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ እዝን ነዚ ዚመስሉ ኻልኦትን ሰላምታ ኣገልግሎታት፡ መዝሙርን ጸሎትን ዓወት ትንሣኤ ትሰብኽ። ምኽንያቱ እቲ ዅሉ ብነቢያት ኪንገር ዚጸንሐ ተስፋ ድኅነትና፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ እዩ ተረጋጊጹ። ጐይታና ኣብዚ ምድሪ ሠላሳን ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን፡ ኣብ ዝጸንሓሉ ጊዜታት፡ ዘከናወኖም ግብርታት ምድኃን፡ ዝያዳ ኸኣ እቶም ኣብ ሰሙነ-ሕማማት ዚተቐበሎም ዓይነታት መከራን ስቓይን፡ ውፅኢቶም ትንሣኤ እዩ። “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ሲኦል ተበርበረ፡ ዲያብሎስ ተሳዕረ፡ ኣዳም ነጻ ወፅአ” ዚብሎ፡ ብሥራታት ዓወት ናብ ዓለም ዚተኣወጁ፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ እንተዘይትንሥእ ነይሩ፡ ሕማሙን ሞቱን ትርጒም ኣይምሃለዎምን። ስለዚ “ሞት ዚተሳዕረሉ፡ ትንሣኤና ዚተበሠረ ብምትንሣእ ክርስቶስ እዩ” 1ቆሮ፦ 15፡54። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኻብቲ ዓሚቚ ለውሃቱ ዚተላዕለ፡ ን5500 ዓመታት፡ ንሥጋና ኣብ መቓብር፡ ንነፍስና ኣብ ሲኦል፡ እናተቘራነየ ኪገዝኣና ኻብ ዚጸንሐ ጸላኢና ዲያብሎስ ኣላቒቑ፡ ንምልኣተ ኃጢኣት፡ ብኽቡር ደሙ ሓጸበና፡ ሎሚ እቲ ሰብ ብግሉ ዚፍጽሞ ኃጢኣት ደኣ እምበር፡ ሰብ ብምዃኑ ጥራይ ኃጢኣተኛ ምዃን ተረፈ። ኣርዑት ጸላኢ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ሰቢሩ ምእንቲ ብነጻነት ክንነብር ነጻነት ኣጓናጺፍና።

“ምእንቲ ብሓርነት ክንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ” ገላ፦ 5-1። ኣርዑት ባርነት ዚተባህለ፡ ኃጢኣት እዩ።

እዚ ሓርነት እዚ ኺርኸብ፡ ዚኽእል፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣሚንካ፡ ንዓለም፡ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ንምድኃን ኢሉ፡ ዚተቐበሎ ጸዋትወ መከራ፡ ንምእማን፡ ብስም ሥላሴ ብምጥማቕን እምበር፡ ኣብ ድኅነታዊ ሕይወት ምግዛርን ዘይምግዛርን፡ ዋላ ሓደ ቦታ ኸም ዘይብሉ፡ እቲ እቶም ቢጽ ሓሳውያን “ጥምቀት ብዘይግዝረት ኣይጠቅምን እዩ’ እናበሉ ዘደናግርዎ ዚነበሩ። ክርስቲያን ቦታ ኸምዘይህብዎ ድኅነት ብዛዕባ ሕግታት ኃጢኣት ብዙኅ እኳ እንተ ተደንገገ። መንፈሳዊ ድኅነት ብዘየውህብ ኣርዑት ሕጊ ብሉይ ኪዳን ከምዘይተኃዙ ንሰብ ገላትያ ቅዱስ ጳውሎስ ምሂሩ እዩ። ገላ፦ 6፡15, 1ቆሮ፦ 7፡19።

እዚ ጒዕዞ ምድኃን ዓለም፡ ደቂ ሰብ፡ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስን፡ ሓዊ ሲኦልን ተላቒቖም፡ ኣብ ሕቚፊ እግዚኣብሔር፡ ንዘለዓለም ዚነብርሉ ምስጢር ሕይወት እዩ። ወልደ ኣብ፡ ወልደ ማርያም ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ኣብ ጸቢብ ደረትን ሃጺር ቊመትን ተወሲኑ ኻብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ኣብቲ ናይ ሕፃንነት ዕድሚኡ ኻብ በረኻ ናብ በረኻ ተንከራተተ፡ ንኣዝማዱ እናተኣዘዘ በብቚሩብ ዓበየ፡ ብኢድ ዮሓንስ ኣገልጋሊኡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ኣብ ገዳመ-ቆሮንቶስ ካብቲ ደው ዚበሎ ኾፍ ከይበለ፡ ኻብቲ ኢዱ ዚዘርግሖ፡ ኸይዓጸፈ፡ ጸለየን ጾመን። ዓሠርተው ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ተቐበለ፡ ንዘርኢ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ መግዛእቲ ናብ ሓርነት፡ መለሰና፡ ንዅሉ ኸኣ ብትንሣኤኡ ኣካወኖ። ሉቃ፦ 2፡6, ማቴ፦ 4፡2, ዮሓ፦ 19፡1።

“እሙታን ተንሢኦ ሲኦለ ከይዶ በሞቱ ለሞት ደምሰሶ ወእምድኀር ተንሥአ እሙታን በሣልሰት ዕለት አእኰቶ ለአብ እንዘ ይብል ዘአምላክ ቃል ጥዕጡዕ ከመዝ”፡ ትርጒሙ፡ “ካብ ምዉታን ተፈልዩ ተንሢኡ፡ ንሲኦል ብእግሩ ረጊጹ፡ ብሞቱ ንሞት ደምሰሶ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ምስ ተንሥአ ንእግዚኣብሔር ኣብ ኣመስግነካ ኣሎኹ” እናበለ ሥግው ቃል ኣመስገነ። (ሃይ.ኣበ.ገጽ 26፡ ትምህርተ-ኅቡኣት)

ደጊሙ ኸኣ “ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ” ከም ብሓድሽ ውን፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሔር ኣብ ዝሃበኒ ውሉድን እኔና” ይብል። እቶም ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዚኾኑ፡ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዚነበሮ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር። ነቶም ብፍርሃት ሞት ዕድሚኦም ምሉእ ባራዪ ኾይኖም ዚነበሩ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ። ከመይ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ኼድኅን ኣይመጽአን፡ “ከምኡ ድማ፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሔር ዝሃበኒ ውሉድን፡ ከምኡ ውን ኣነ ብእኡ እኣምን እየ” በለ። እቶም ውሉድ ብሥጋን ብደምን ተኃባቢሮም እዮም እሞ፡ ንሱ ድማ ተኃባበሮም። ከም ብጻዮም ውን ኮነሎም። እዚ ኸኣ ንሞት ብሞቱ ምእንቲ ኺስዕሮ እዩ። እቲ ሞት ከኣ ሰይጣን እዩ። እቶም ብዘሎ ሕይወቶም ንሞት ብፍርሂ ተሰዲዶም፡ ንባርነት ተገዚኦም ዚነብሩ፡ ንዅላቶም ምእንቲ ኼዕርፎም እዩ። ከመይ ባህርይ እቲ ዚወለዶ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እምበር ካብ መላእኽቲ ኣይኮነን። ዕብ፦ 2፡13-16።

ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተነግረና፡ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚነበረ ሊቀ ካህናት፡ ገዛእ ርእሱ ውን ኃጢኣተኛ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ብምጽላይ ካብ ሥጋዊ መቕሠፍቲ የምሕር፡ ካብ ፍጹምነቱ ዚተላዕለ፡ ክህነቱ፡ ንኽህነት መልከጼዴቅ ዚተመሰለ ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ግና፡ “ዘአልቦ ኀጢአት’ ስለ ዝኾነ። ምእንቲ ንኃጥኣን ኪምሕርን ይቕረ ኺብልን ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን እዩ። ዘፍ፦ 1፡1, ዮሓ፦ 1፡4, ኦብ፦ 7፡16-ፍጻሜ።

ቅድሚ ዓለም ዚነበረ፡ ዓለም ኣኅሊ ንዘለዓለም ዚነብር፡ ንኩነተ ሥጋ ዚመጽአ፡ ከምብሓድሽ ከኣ ነዚ ዓለም እዚ ንምኅላፍ ዚመጽእ። ዚሓመመ፡ ዚሞተ፡ ዚተቐብረ፡ ዚተንሥአ፡ ጻዕሪ ሞት ዘጥፍአ፡ ብሕይወትነት መንፈስ ቅዱስ ንኣዳም ዘኽበረ፡ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። እቲ ንመዋቲ ሥጋ ተዋሒዱ ዘተንሥኦ፡ ናብ ሰማያት ዘዕረጎ፡ ንሞት ብሥጋ ዚሰዓሮ፡ ነቲ 5500 ዘመን፡ ነጊሡን ሰልጢኑን ዚነበረ ዲያብሎስ ዚሰዓሮ፡ ንሱ እዩ። ነታ ኃይሊ ዲያብሎስ ዚግለጸላ ዚነበረ ኃጢኣትን ፍዳን ደምሲሱ፡ ቁራኝነት ኣጥፍአ። ነቲ ገጹ ብጸልማት ዚተሸፈነ ዲያብሎስ፡ ኣብ ልደት ስልጣን ዘለዎ፡ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ምስ ሥጋ ድንግል ማርያም ተዋሒዱ፡ ናብ ሲኦል ወሪዱ ምስ ረኣዮ፡ ፈሪሁ ረዓደ። “ብዘይፍለ ምኽሩ ብሓንቲ ፍቓድ፡ ምስ ኣቦኡ ሰማያት ዚፈጠረ”፡ ሃይ. ኣበ. ገጽ. 21።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናብ ሲኦል ዚወረደ፡ ብነፍሱ እዩ እምበር ብሥጋ ኣይነበረን። ካብታ እትኃልፍ ጊዜ፡ ኣቐዲሙ ምእንቲ ኸይትኃልፍ፡ ንምድሪ ኣጽንዓ። ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ምእንቲ ኼጽንዕ ደሙ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣፍሰሰ። ፍጥረታት ንምሕላው፡ ንሥጋ ኣብ መስቀል ብሰቑሉ ኃደጎ። ብኣካል ነፍሲ ድማ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብኡ ዚነበሩ ነፍሳት ኣድኃነ። ንሲኦል ውን በርበራ። ሥጋ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸሎ። ሽዑ መቓብራት ተኸፍቱ፡ ፈጣሪኦም ምስ ረኣዩ ድማ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ሲኦል ሃዲሞም ፋሕ በሉ። ነቲ ብማዕጾ ሓጺን ዚተመሰለ ፍዳ፡ ሰበሮ። ነቲ ብመፍትሕ ሓጺን ዚተመሰለ ጽንዓት ፍዳ ቐጥቀጦ። መዝ፦ 106፡14።

“ወአውየዉ ኀበ እግዚአብሔር ሶበ ተመንደቡ። ወአድኀኖሙ እምንዳቤሆሙ። ወአውፅኦሙ እምጽልመት ወጽላሎተ-ሞት። ወሰበረ መዋቅሕቲሆሙ። ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመ ሕያው። እሰመ ሰበረ ኖኃተ ብርት። ወቀትቀጠ መናስግተ ዘሐጺን” ፡ ትርጒሙ፡ “ምስ ተሸገሩ ናብ እግዚኣብሔር ኣእወዪ። ንሱ ኻብ ሽግሮም ኣድኃኖም፡ ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውፅኦም። መቚሖም ድማ ሰበረ። ስለ እቲ ንወዲ ሰብ ዚገበሮ ተኣምራት ምሕረቱን ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ” መዝ፦ 106፡14, ማቴ፦ 27፡5, 1ቆሮ፦ 15፡53። “ማዕጾ ሓጺን ከፊትካ ነቲ ኣብ መቓብር ዚጠፍአ ሥጋኦም ተተንሥኦ። ነቶም ብሕይወቶም ዚተታኸሱ ተንቅሖም። ነቶም ኣብ መሬት ዚደቀሱ ድማ ተተንሥኦም። ንኃጥኣን ባሮትካ ነጻ ትገብሮም። ነቶም ዚረስሑ ኸኣ ብምሕረትካ ተኽብሮም” (ቅዳሴ ቄርሎስ) እዚ ማለቱ፡ ብሥጋ ናብ መቓብር ብምውራዱ፡ ኣካል ሙታን ከም ዘተንሥአ፡ ብኣካለ-ነፍስ ናብ ሲኦል ብምውራዱ ኸኣ ነፍሳተ-ሙታን ነጻ ኣውፅአ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።

 

 

ዘመነ ዮሓንስ 6 ነሓሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

August
Wednesday
12
ዝክር፦ ኢየሉጣ፡ ወማርያም መግደላዊት፡ ወአባዊፃ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 7፡12-20 1ይ ጴጥ. 3፡1-7 ግብረ ሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 16፡13-18 ምስባክ፦ መዝ. 44/45 ወንጌል፦ ማር. 16፡9-18 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም ዓዲ ዘ፫፻ት። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ፅንሰታ ለማርያም - 7 ነሐሴ

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ። ምስ ተወልደት’ውን ኣደ አምላኽ...

'ትእምርተ ጽንዓት ሃይማኖት - ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን'

ገዳም ደብረ ቢዘን ‘ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን...

ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ምስ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ርክብ ተኻዪዱ!

ዕለት 27 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (03/08/2020 ፈ.) ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ምስ ምምኅዳር ሰበካ...

ቤተ መዘክር (ሙዝየም) ዘመንበረ ፓትርያርክ ንጥፈታቱ የዕቢ ኣሎ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብዓይኒ ዝርአ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ከምኡ’ውን ግዙፍነት ዘይብሉ ናይ ነዊኅ ዓመታት፡ ብቝጽሩ ብዙኅ፡ ብዓይነቱ ዘደንቕ ቅርስን...

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !

ካብ 1 ነሓሴ ክሳዕ 16 ነሓሴ 2008 ዓ.ም.ግ. ዘሎ መዓልታት ብጸሎትን ውዳሴን ቅዳሴን ከምኡ’ውን ዝጽወም ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ...

መቅድም ውዳሴ ማርያም

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም...

አሥርቆት ዘወርኀ ነሐሴ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ነሐሴ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጳጕሜን በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ነሐሴ ቡሩክ መዓልቱ ዓሠርቱ ወሠለስቱ ወእምዝ የሐፅፅ።

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኅቡራት…

ዕለት 24-25 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (31/07 – 01/08 2020 ፈ.)፣ “ብጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ጽናዕ” (2ይ ጢሞ 4፡2) ብዝብል መሪሕ ኃይለ...

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

  

latest articles

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...