ቃሉ ብራኬ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን አምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2012 ዓ.ም.

Apr 18, 2020

 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን ብሓፈሻ ኵልኹም ደቂ ሃገር እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓናን ኣብጽሓኩምን ።

በብዓመቱ ነዚ በዓለ ትንሣኤ እነኽብረሉ ምኽንያት አምላከ አማልክት ጐይታ ጐይቶት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብኃይለ መለኮቱ ንሞት ስዒሩ ዝተንሥኣሉ ዕለት ስለዝኾነ እዩ።

ንሕና ኃጥኣን ከሎና ብገዛእ ፍቓዱ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ብምትንሣእ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ኢሉ ነቲ ዘይውዳእ ሰላሙ ሃበና። ዮሓ. 20፡21 

ሰብኣዊ ፍጡር ሞይቱ ፈሪሱን በስቢሱን ከምዘይተርፍ ንከረድኣና፡ ንሱ በዅሪ ትንሣኤ ኾይኑ ትንሣኤን ሕይወትን፣ ፍጹም ድኅነትን ምሕረትን ዓደለና። ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 15፡22 ።     

ነዚ ዝገበረልና ኣምላኽና ድማ ክብርን ምስጋና ይብጽሓዮ!

ፍቁራን ሕዝበ ክርስቲያን!

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም እናተላብዐ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዘሕምም ዘሎ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐትል ዘሎ ድማ እዋናዊን ሓደገኛን ሕማም ኣብ ሃገርና’ውን ብምእታዉ ቍጽሪ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ዜጋታትና እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ብመራኸቢ ብዙኃን ንሰምዖ ዘሎና እዩ።

ፈዋሴ ድዉያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና በዚ ሕማም ንዝተለኽፉ ፈውሰ ምሕረቱ ይልኣኸሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን፡ “ልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ” እዩ። (ዮሐ. 14፡1)።

ከምዚ ዓይነት ሕማማት፡ ኣቐዲሞም ደቂ ሰባት ካብ ፍቓድን ትእዛዝን ፈጣሪኦም ወፂኦም፡ ብኃጢኣት ኣብ ዝወድቕሉ ጊዜያት ብሥጋኦም ዝቕጽዕሉ መቅሠፍተ እግዚአብሔር ይወርዶም ከምዝነበረ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምልኣትን ስፍሓትን ይገልጹልና። ግና’ኸ መፍትሒኡ እንታይ እዩ፧ ምስ ንብል ቅድሚ ኵሉ ናብ ፈጣሪና እግዚአብሔር ምምላስ ይግባእ። ንሱ ውን ከምዚ ይብለና፦ ኣብ መንጎ ሕዝበይ ከኣ ፌራ (ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም) እንተሰደድኩ፡ እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ሕዝበይ ትሕት ኢሎም እንተ ለመኑ ገጸይ’ውን እንተ ደለዩ ካብ ክፉእ መንገዲ’ውን እንተ ተመልሱ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ኃጢኣቶም ይቕረ ክብለሎም ንምድሮም’ውን ክፍውሰሎም እየ።” ይብለና። 2ይ ዜና. መዋ. 7፡13-14

ብምኽንያት እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ቤትና ስለ እንርከብ፡ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ምባል እምነትካ ምጉዳል ከምዘይኮነ ተረዲእና ከይተሸበርና ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ክንጽመድ ሓደራ ንብል ። ነቲ ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ፦ ተኃባእ ኅዳጠ ምዕረ እስከነ የኃልፍ መዓቱ ለእግዚአብሔር ማለት ኣቱም ሕዝበይ ኪዱ ናብ ገዛውትኹም እተዉ፣ ማዕጾኹም ድማ ብውሽጢ ዕጸዉ ቊጠዓ እግዚኣብሔር ክሳብ ዝኃልፍ ንቁርብ ጊዜ ተኃብኡ” ዝበሎ ቃል ከነስተውዕሎ ይግባእ። (ኢሳ. 26፡20) ጻድቕ ኖኅ ምስ ሥድራ ቤቱ ካብ ጥፍኣት ማይ ኣይኂ ዝደኃነ ትእዛዝ ኣምላኹ ፈጺሙ ኣብ መርከብ ስለዝኣተወ እዩ። ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ ሾብዓተን ሾመንተን ነንብብ።

ፍቁራን ሕዝበ ክርስቲያን! ነቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝህቡና ምኽሪ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘቕርበልና መምርሒ ከነተግብር ክርስቲያናዊ ግቡእና እዩ። ኣብቲ እዚ ሕማም ከይላባዕ ዝገበር ዘሎ ኃያል ጻዕሪ፡ በብሞያና ዓቅምና ከከምዝፈቐዶ ብጉልበት ኮነ ብሃብት ኢደይ ኢድካ ክንብል እጃምና ከነበርክት ዝያዳ ኵሉ ብመገዲ ጽድቂ ክንመላለስ ብሃይማኖትን ፍቕርን ጸኒዕና ነሓድሕድና ክንተሓላለይ ሓደራ ንብል።

 ‘እለ ውስተ ሲኦል ፃኡ ወእለ ውስተ ጽልመት ተከሠቱ” ማለት “ኣቱም ኣብ ሲኦል ዘለኹም ውፅኡ፡ ኣብ መግዛእቲ ጸልማት ዘለኹም ናብ ብርሃን ተገለጹ” ኢሉ ከምዘድኃኖም፣ ሎሚ’ውን ብክቡር ትንሣኤኡ ካብዚ ኣስጊኡና ዘሎ ድነ ሞት ኣውፂኡ ብርሃኑ ክልእኸልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና ።

ንዅሎም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ወገናትና ፍጹም ትዕግስቲ ጽንዓትን ምሕረትን ክህቦም ንጽልይ። 

ሰብ ሞያ ሓካይምን ካልኦት ኵሎም ዝምልከቶም መንግሥታዊ ኣካላትን ንድኅነት ሕዝብን ሃገርን ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ኃያል ጻዕሪ እግዚኣብሔር ኃይሉን ጥበቡን ክህቦም ጸሎትና ነቕርብ ።

ልዑል እግዚአብሐር መዓቱ ናብ ምሕረት፡ መቅሠፍቱ ናብ ለውሃት፣ ቁጠዓኡ ናብ ትዕግሥት  ይመልሰልና።

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

                                                       ፲፩ ሚያዝያ ፳፻፲፪

                              

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...