ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

May 02, 2020

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ እዩ። ዮሓ. 21፡1-3።

“ባሕረ ጥብርያዶስ”፡ ባሕረ ገሊላ’ውን ይበሃል እዩ። ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ገሊላ ዝርከብ ጥቓ ናዝሬት ብምዃኑ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሕፃንነቱ ጀሚሩ ዝተዘዋወረሉን ተኣምራት ዝገበረሉን ምሳሌ እናገበረ ትምህርተ ወንጌል ዝመሃረሉን ኣዝዩ ዝፈልጦን ዝዓበየሉ ቦታን እዩ።

ኣብ መዋዕለ ስብከቱ፡ ንባሕረ ገሊላ (ጥብርያዶስ) ከም ዓለም፣ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ዓሣታት ከም ደቂ ሰባት፡ ንሓዋርያት ከም ገፈፍቲ ዓሣ፡ ንመረቦም ድማ ከም ቃል ወንጌል ምሳሌ ገይሩ ምሂሩ እዩ። ማዕበልን ነፋስን ብምግሣጽ’ውን ኣብዚ ባሕሪ ብዙኅ ተኣምራት ገይሩ እዩ። ማቴ 8፡23

ጐይታ ንመጀመርታ ጊዜ ንሓዋርያት ዝጸውዓሉ ቦታ ባሕሪ ጥብርያዶስ እዩ። ሉቃ. 5፡11 ካብዚ ተበጊሶም ድማ ኣብ መላእ እስራኤል ንሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን፡ ንሱ ኣብ ዝወዓሎ እናወዓሉ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ይስዕብዎ ነበሩ። 

ድኅሪ ስቅለቱን ትንሣኤኡን ግና ሓዋርያት ብኃዘንን ፍርሕን ሕልናኦም ተናዊጹ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ስለዝወደቑ፣ “ቅድም ምስኡ እናኃደርናን እናወዓልናን ናይ ኣእዳዉ በረኸት ንበልዕን ናይ ቃሉ ትምህርቲ ንሰምዕን ነበርና። ድኅሪ ሕጂ ግና ኣይሁድ ሰቒሎም ስለዝቀተልዎ፣ ንሕና ተስፋ የብልናን፣ ናብ ቀደም ናብራና ንመለስ” ኢሎም ዓሣ ክገፉ ናብ ባሕረ ገሊላ፡ ባሕረ ጥብርያዶስ ከዱ። ኣብ ጃልባ ኮይኖም በታ ለይቲ እቲኣ ክደኽሙ ኃዲሮም ፍጹም ኣይረኸቡን።

“እምኵሉ የአኪ ቀቢጸ ተስፋ” ማለት ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ተስፋ ምቝራጽ እዩ ከምዝበሃል ብሓቂ ቀቢጸ ተስፋ ንምሕረትን መጋቢነትን እግዚአብሔር ኣረሲዑ አልቦ ሠራዒ ወአልቦ መጋቢ ክሳብ ምባል ዘብጽሕ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ተስፋሰ ኢያስተኃፍር/ እታ ተስፋ ኣይተኅፍርን እያ” ሮሜ 5፡5 ከምዝበለ ተስፋ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ምድሪ ምስ ወግሐ፡ ኣብ ገምገም ባሕረ ጥብርያዶስ ቆይሙ ተገልጸሎም። እቶም ሓዋርያት ግና ኣይፈለጥዎን።

ኣቐዲሙ ናብ ሓዋርያነት ኣብዛ ባሕሪ ከም ዝጸውዖም፡ ሕጂ’ውን ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ምስ ወደቑ ንሱ ምዃኑ ምእንቲ ክፈልጡ በቲ ኣቐዲሙ ዝጸውዖም መንገዲ ተገሊጹ ኣዘራረቦም። “ደቀይ ንምገቦ መግቢ‘ዶ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጀልባ ኣቢልኩም እሞ ደርብይዎ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ምሉእ ለይቲ ክንደክም ኃዲርና ኢና ግና ከም ቃልካ ነውርዶ” ብምባል ከም ትእዛዙ ገበሩ። መርበቦም’ውን ብዓሣ መሊኡ ስሒቦም ክሳብ ምውፅኡ ዝስእኑ ኮኑ።

በዚ ጊዜ’ዚ ወንጌላዊ ዮሐንስ ዓይነ ልቡናኡ በሪህሉ፡ ነታ ንሓዋርያነት ዝተጸውዓላ መዓልቲ በዚ ናይ ሎሚ ተኣምራት ኣስተውዒሉ፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ “ጐይታ እምበር እዩ፡” ኢሉ ቀስ ኢሉ ተናገሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ከም ዮሐንስ እቲ ዝኃለፈ ሕይወቱ ተዘኪርዎ፡ ዕርቃኑ ስለዝነበረ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ኣትዩ ናብ ጐይታ መጽአ። ዝኃዝዎ ዓሣ እናሰሓቡ ኣብቲ ወደብ ምስ በጽሑ ገሃጽሃጽ ዝብል ሓውን፡ ጥቡስ ዓሣን ሥሩዕ እንጌራን ተዳልዩ ረኸቡ። ጐይታ ድማ ባሪኹ ሃቦም። 

እዚ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝተገልጸሎም፡ ድኅሪ ትንሣኤኡ ንሣልሳይ ጊዜ እዩ። ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ ተገሊጹ ንሓዋርያት ዝረድአ፡ ተስፋኦም ዝመለሰ፡ ምግቦም ባሪኹ ዝሃበ ልዑል ኣምላኽ በረኸት ትንሣኤኡ የሳትፈና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 23 ሓምለ 2013 ዓ.ም.…

July
Friday
30
መሪና ቅድስት፡ ወለንጊኖስ ሰማዕት ዘረገዞ ለእግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይቆሮ. 7፡6-14 ያዕ. 2፡12-20 ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 9፡36-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 102/103 ወንጌል ዮሐ. 19፡31-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሰማዕት ቅድስት መሪና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! "ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም!" ሉቃ. 21፡19  ቅድስት መሪና፡ ካብ መምለኽቲ ጣዖት ስድራ እያ ተወሊዳ።...

“ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ” (2ይ ጢሞ. 4፡13) - ቅዱሳት መጻሕፍተ…

ጥንታውያን መጻሕፍተ ብራና፦ ብኽኢላታት ሰብ ሞያ ብኢድ ኣብ ብራና ዝተጻሕፉ፣ ናይ ሃይማኖት፡ ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ምኅደራ፡ ቊጽሪ፡ ሥነ ፍልጠት፡ ሕጊ፡ ሥነ...

ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅ/ድንግል ማርያም ዓዲ ዃላ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዕቃበ…

ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅ/ድንግል ማርያም ዓዲ ዃላ ኣብ ዕቃበ ንብረት ( ንዋያተ ቅዱሳት) ኣብነታዊ ሥርሓት ከም ዝተኻየደ ኣመኃዳሪ ደብረ ጽዮን ቀሲስ የማነ...

ብዛዕባ ልምዓታዊ ንጥፈታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ዝምልከት መብርሂ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ንፋይናንሳውን ምምኅዳራውን ከምኡ ድማ ንዝተፈላለዩ ንጥፈታት እቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት...

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት…

13 ሐምለ 2013 ዓ.ም.ግ (20 ሐምለ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ...

ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ተኻይዱ!

10 ሓምለ 2013 ዓ.ም.ግ (17 ሓምለ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብክፍሊ ትምህርት ሰንበት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተማእከለ ጉባኤ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ...

ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 7 ሓምሌ ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ገዳም ቅድስት ሥላሴ ደብረ መድኃኒት ባምቡቆ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጽኡ መነኮሳት፡...

ጸሎት በሰፊሐ እድ

በቲ ዓለም ባሕሪ ንኣይ ዘፍርሓኒእና’ኣሳገምኩ ናብ ጐይታ መድኃኒ

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን...

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት ይህቡ ስለዝነበሩ፡...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...