ርክበ ካህናት

May 14, 2020

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ።

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ኣብ መበል 25 መዓልቲ ኣብ ፍርቂ በዓለ ኃምሳ ብዕለተ ረቡዕ ዝዝከር በዓል “ ርክበ ካህናት” ይበሃል። ዓመታዊ ዕለተ ረቡዕ ዝውዕል ኮይኑ ዝውዕለሉ ወርኅን ዕለትን ብቀመር በዓላትን ኣጽዋማትን ይድይብን ይወርድን እዩ።

ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. በዓለ ትንሣኤ ካብ ዝኸበረሉ ዕለት (11 ሚያዝያ) ጀሚርና እንተቈጺርና መበል 25 መዓልቲ፡ 5 ግንቦት ይውዕል። ስለዚ ርክበ ካህናት 5 ግንቦት ይውዕል ማለት’ዩ።

ክህነት ዝብል ቃል ካብ ጵጵስና ጀሚሩ ክሳዕ ዲቁና ዘለዉ መዓርጋት ዘጠቃልል ስያሜ ክኸውን ከሎ፣ ንቀሳውስት ዝውክል ኮይኑ ብካልእ ወገን ድማ ናይ ጳጳሳት፡ ኤጲስ ቆጶሳት፡ ቀሳውስት፡ ዲያቆናት ናይ ኃባር መጸውዒ ኮይኑ የገልግል። ርክበ ካህናት ትርጕም ቃሉ ከምዘረድኦ ናይ ኣቦታት ካህናት ማለት ናይ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት (ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ) ጉባኤ ማለት እዩ።

ክህነት ዝተጀመረ በቲ መጀመርታ ሰብ ብኣዳም እዩ። እግዚአብሔር አምላኽ ንኣዳም ፈጢሩ ብውልድነት ኣኽቢሩ ነቢይ፡ ንጉሥን ካህንን ገይሩ ስለ ዝሸሞ፡ ሕጊ ኦሪትን ወንጌልን ተወሲኑ ክሳዕ ዝንገር ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳዕ ሙሴ ዝነበሩ አበው፡ ብሕገ ልቡና ብበረከተ አበው ብእግዚአብሔር እናተሸሙ፣ ትንቢትን ክህነትን ካብ መንፈስ ቅዱስ እናተቐበሉ፡ ብነቢይነቶም መጻእያት ክገልጹን ክምህሩን ከለዉ፡ ብክህነቶም ድማ መሥዋዕቲ ከቕርቡን ብጸሎት ንኣምላኾም ክጽውዑን ቃል ብቓል ይዘራረቡን ነይሮም።

ካህን ዝብል ስም ኣብ ጊዜ ኦሪት ቅድሚ ምግላጹ፡ ዓቢይ ሊቀ ካህናት ዝኾነ እግዚአብሔር ወልድ ቅድሚ ብተዋሕዶተ ሥጋ ኣብዚ ምድሪ ምምልላሱ፡ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ምሳሌ ኮይኑ ብእግዚአብሔር ተመሪፁ ዝተሾመን ዝተላእከን ዓቢይ ካህን መልከጼዴቅ እዩ። (ዘፍ. 14፡10)። መልከጼደቅ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ምሳሌ ከም ምዃኑ መጠን ሌዋውያን ካህናት ዘይመዓራረይዎ መዓርገ ክህነቱ ምጡቕ፡ ምሥጢረ ክህነቱ ረቂቕ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣቦ ሌዋውያን ዝኾነ ኣብርሃም ሌዊ ገና ኣብ ሕቖኡ ከሎ ገጸ በረኸት ኣቕረበሉ፤ ዐሥራት ኣውፀኣሉ። መልከጼድቅ ድማ ኅብስተ አኰቴት፡ ጽዋዐ በረከት ባሪኹ ቀዲሱ ብምሃብ ንኣብርሃም ባረኾ። (ዕብ. 7፡1-4)።

ኣብ ዘመነ ኦሪት (ካብ ሙሴ ክሳዕ ልደተ ክርስቶስ) ድማ ክህነት ብነገድ ተሓፂሩ (ነገደ ሌዊ ጥራይ) ብጽሑፋዊ ሥርዓተ ሢመትን ናብራን ኣገልግሎትን ተማእዚኑ ይኸይድ ነበረ። (ዘኍ. 3፡6)።

ኣብ ዘመነ ወንጌል (ሓዲስ ኪዳን) ግና ዓቢይ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ካህናተ ብሉይ ናይ እንስሳ መሥዋዕት ዘይኮነስ፡ መሥዋዕቲ ደሙ ኂዙ ባዕሉ ሠዋዒ፣ ባዕሊ መሥዋዕት፣ ባዕሉ ተቐባሊ መሥዋዕት ኮይኑ ናብ መቕደስ ኣተወ። ቅዱስ ኤፍሬም፡ “ዘአዕረገ ለአቡሁ ርእሶ ዕጣነ ወመሥዋዕተ ሥሙረ፤ ንገዛእ ርእሱ ምዑዝ መሥዋዕት ገይሩ ዘቕረበ፤" ከምዝበሎ። (ውዳሴ ማርያም ዘሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት)።

ብድኅሪኡ ቅዱሳን ሐዋርያት ክትክኡ ብአንብሮተ እድ ሸሞም። (ሉቃ. 24፡50)። ቅዱሳን ሐዋርያት’ውን ንሰዓብቶም ብአንብሮተ እድን ብንፍሓትን እናኣተኃላለፉ ክሳዕ ሎሚ በጺሑ ኣሎ። ንቐጻሊ’ውን ናይ እግዚአብሔር መንፈሳዊ ጻውዒት ንዘለዎ ኵሉ ተማሂሩን በቒዑን እንተ ተረኽበ ብኸም’ዚ ዓይነት ሥርዓት ክሳዕ ዕለተ ምጽኣት እናቐጸለ ክነብር እዩ።

ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ኪዳን፡ ናይቶም ብደም ክርስቶስ ዝተዓደጉ ምእመናን ናይ ምምጋብ (መግቦት) ሥልጣን ተዋሂቡዋ ብመንገዲ ካህናት ኣገልግሎታ ትፍጽም። እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ቃለ እግዚአብሔር ብምምሃር ኮይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ብመንገዲ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ጸጋ ምዕዳል እዩ። ብምሥጢረ ጥምቀት፡ ውሉድ ሥላሴ ምዃንን ብሓድሽ ሕይወት ምንባርን (ዮሐ. 3፡3-8)፣ ብምሥጢረ ሜሮን መንፈሳዊ ዕቤትን ጽንዓትን (ሉቃ. 1፡80)፣ ብምሥጢረ ቍርባን ኅድገት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን (ዮሐ. 6፡52-58)፣ ብምሥጢረ ክህነት ናይ ምምሃርን ምጥማቕን ምቕዳስን ኃጢኣት ምስትሥራይን (ዮሐ. 20፡23)፣ ብምሥጢረ ንስሓ ኅድገት ኃጢኣትን ምሕዳስ ሕይወትን (ግብ. ሓዋ. 3፡19-21)፣ ብምሥጢረ ተክሊል፡ ጽንዓት ቃል ኪዳንን ቅድስና ናብራን (ሚልክ. 2፡14-16፣ ኤፌ. 5፡21-33፡ ማቴ. 19፡1-9)፣ ብምሥጢረ ቀንዲል መንፈሳዊ ኃይልን ጥዕናን (ያዕ. 5፡14-17፡ ማር. 6፡13) ትዕድልን ተኅድርን።

ሊቀ ኖሎት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “አነ ውእቱ ኖላዊ ኄር። ወኖላዊሰ ኄር ይሜጡ ነፍሶ ቤዛ አባግዒሁ። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ሕያዋይ ጓሳ ንነፍሱ በጃ ኣባጊዑ ይህብ።” (ዮሐ. 10፡11) ከምዝበለ፡ ናቱ ኣርኣያ ብምውሳድ ካህናት እናመሃሩን ወንጌል እናኣበሠሩን ንሕዝቢ ስለ ዝጓስዩ፡ ኖሎት (ሓለውቲ/ጓሰይቲ) ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም።

ካህናት፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ኣብታ ጥንታዊት፡ ሓዋርያዊት፡ ታሪኻዊትን ርትዕትን ዝኾነት ሃይማኖትን ቅዱስ ሥርዓታን ክጸንዑን፡ ብኑፋቄያዊ ትምህርቲ ከይውሰዱን፡ ንጹሕ ዘርኢ ወንጌል ብምምሃር ናብ ንስሓን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን የብቅዕዎም፤ ብፍቕርን ብትሕትናን እናኣገልገሉ ድማ ኣርኣያ (ኣብነት) ይኾኑዎም።

ካህን ንሰብ ምስ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሰብ ምስ እግዚአብሔር’ውን ዘተዓርቕ እዩ። (2ይ ቆሮ. 5፡18-20) ኣገልግሎተ ካህን ብምምሃር፡ ብምምካር፡ ኣብነት ብምዃን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ እውን ብቅዳሴ፡ ብመዝሙር፡ ብማኅሌት፡ ብስብሐታት፡ ብጸሎት፡ ብሓፈሻ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብጥንቃቐ ብምፍላጥ ኣብ ኅብረተ ሰብ ዝንበብ ወንጌል ክኸውን ይግበኦ። “ወአንተሰ ንቃሕ ወጥበብ በኵሉ፤ ወፃሙ ወግበር ምግባረ ወንጌላዌ ወፈጽም መልእከተከ። ንስኻ ግና ብዅሉ ንቓሕን ጥበበኛ ኩንን። ተጋደል፣ ናይ ወንጌል ዕዮ ዕየ፤ ኣገልግሎትካ ድማ ፈጽም።” (፪ይ ቆሮ. 5፡18)። 

ኵሉ ጊዜ ብቓልን ብግብርን “ተመሰሉ ኪያየ በከመ አነ እትሜሰሎ ለክርስቶስ። ከም’ቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰልክዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ንኣይ ምሰሉ፤” ከምዝበለ (1ይ ቆሮ. 11፡10)፣ ካህን ናይ እግዚአብሔር ምሳሌ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ንርእሱ ኣኅሊፉ ኣብ ምሃብ እንተ በጺሑን ነባጊዑ ነቂሑን ተጊሁን እንተ ሓልዩን፡ ጽባሕ ካብ ውሽጢ’ተን ኣባጊዑ ሃይማኖት ምስ ምግባሩ፣ ታሪኽ ምስ ምሉእ ክብሩ፡ ጽሑፋት ምስ ፊደሉ ሓልዩ ዘሐሉ ፓትርያርክ (ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት)፡ ኤጲስ ቆጶሳት፡ መነኮሳት፡ ቀሳውስት፡ ዲያቆናት፡ ኣናጐንስጢሳውያን፡ መዘምራን፡ ዲያቆናውያት፡ ምእመናን፡ . . . ከፍሪ ይኽእል እዩ። ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ናይ ሃገር ኃደራ ብዝበለጸ ኣብ ልዕሊ ካህን ስለ ዝኾነ፡ ንክርስቶስ መሲሉ ኣብነት ኮይኑ፣ መኽሊቱ ኣርቢሑ ክርከብ ይግበኦ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

 

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...