እንታይ ወሪዱና እስከ ነስተውዕሎ
ለብዒ ሕማም ኣቲና ኃይሊ ሰብ ዘይክእሎ
ንእግዚአብሔር ንለምኖ ይቕረ በለልና ንበሎ።
ሡር ሲኦል ዲያብሎስ እምብዛ ሰዊዱ
ኣብ መንጎና ኣስፋሕፊሑ ኣዝዩ ገዲዱ።
ከጥፍኣና ካብ ኣምለኽና ከርሕቀና
ኣብ ግዝኣቱ ክንቁረን ርእስና ደፊእና
ምሩኻቱ ጌሩና ናብ ድላዩ ኣማእዚኑ
ጽድቂ ኣልቦ ኾይና ዝቃወሞ ስኢኑ።
ጠሊ ዝናም ምሕረት ከዝንም ናባና
አኅዋት ንጸሊ በብዘለናዮ ኮይንና።
ጽላሎት ሞት እንሆ መጺኡ
ተላባዒ ሕማም ዓለምና ኣቲዩ
በዚ ደቂቅ ፍጥረት ጊዜ ዓቕላ ጸቢቡ።
ሎሚ ግና ሕዝቢ ተበራቢሩ ፈሊጡ ፈጣሪኡ
እግዚአብሔር ከም ዘሎ ፈጣሪ ኣብ ልዕሌኡ
ዝምሕር ዘሕዊ ንዝቐረበ ናብኡ።
ትውልክቱ ዝነበረ ኣብ ግምጃ ዓለምና
ኵሉ ተነሲሑ ብቀዛፊ ኮሮና።
ጭካነ ጠፊኡ ተጀሚሩ ልግሲ
ይምጽወት ኣሎ ንጽድቂ መበገሲ።
ርኅራኄ ነጊሱ ኣብ ምሉእ ዓለም
ብሩኽ ኮይኑ ዝነበረ ርጉም
ገንዘብ ሂቡ ክረድእ ጽጉም።
ሳላ ኮቪድ 19 ሰሲኑ ወፈያ
ስኡን ንምሕጋዝ ዘብዘብ ኮይኑ ጉያ።
ሕማም ኮሮና ተረኺብዎ ጥቕሚ
ኣርእይዎ ንሰብ ከም ዘይብሉ ዓቕሚ
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
ተስፋ ቈሪጹ ሥጋና ደኻሚ
በርቲዓ ነፍስና ተዓዊታ ሎሚ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!