ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

Jun 27, 2020

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ ክርስቲያን ወይ ቤተ እግዚአብሔር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቤተ እግዚአብሔር ንኽሕነፅ ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ሕዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወፅኡ፡ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ እሞ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሕዝቡ ዝመርሓሉ ዓሰርቱ ቃላት ሕጊ ኣብ ጽላት ጽሒፉ ሃቦ። ነዚ ጽላት’ዚ ዘቐምጠሉን ሥርዓተ ኣምልኮ ዝፍጸመሉን ስመ እግዚአብሔር ዝምስገነሉን ድንኳን ክሓንፅ እግዚአብሔር ኣዘዞ። ነቢይ ሙሴ ምስ ባስልኤልን ኤልያብን ዝበሃሉ ጥበበኛታት ድማ ነቲ ድንኳን ሠሪሖም ፈጸሙ።

እቲ ዝተሠርሐ ድንኳን ዙሪያኡ ክቢ ኾይኑ ሠለስተ ክፍልታት ነበሮ። እቲ ናይ መጀመርታ ክፍሊ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝጽልይሉ፡ እቲ ካልኣይ ክፍሊ ድማ ካህናተ እግዚአብሔር ኣገልግሎት ዝፍጽሙሉ እዩ። እቲ ሣልሳይ ድማ ዓሠርቱ ትእዛዛት ዝኃዘ ጽላት ዝቕመጠሉ ክፍሊ ኮይኑ ሓንሳብ ኣብ ዓመት እቲ ሊቀ ካህናት ናብኡ እናኣተወ፡ ቅድም ስለ ርእሱ፡ ደኃር ድማ ምእንቲ ኵሉ ሕዝቢ መሥዋዕቲ አቕርብ ነበረ።

ብዛዕባ ኣሠራርሓን ንዋያትን ናይዚ ድንኳን ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል፥ “እታ ቐዳመይቲ ኪዳን’ውን ናይ ኣገልግሎት ሥነ ሥርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ። ድንኳን ተተኺሉ ነበረ፡ እታ ‘ቕድስቲ’ ተባሂላ እትጽዋዕ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ ቀዋሚ ቐንዴልን ሰደቓን ኅብስተ ቍርባንን ነበራ። ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋራጃ ዘላ ክፍሊ ድማ ‘ቅድስተ ቅዱሳን’ ትብሃል ነበረት። ኣብኣ ብወርቂ ዝተሠርሐ መዕጠንን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። እዛ ታቦት እዚኣ መሶበ ወርቅን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዝኃዘት ነበረት። ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ከኣ ነቲ ኅድገት ኃጢኣት ዚርከበሉ ቦታ ዜጽልሉሉ ናይ ክብሪ ኪሪቤል ነበሩ።” (ዕብ. 9፡1-5|)

እዚ ድንኳን እዚ’ውን ኣገልግሎት እናተፈጸመሉ ካብ ዘመነ ነቢይ ሙሴ ክሳብ ዘመነ ንጉሥ ዳዊት ጸንሐ። ንጉሥ ዳዊት ንጸላእቱ ኢያውሴዎን ስዒሩ ኣብ ደብረ ጽዮን ዝተባህለ ቤተ መንግሥት ተቐሚጡ ከሎ ነቢይ ናታን ናብኡ መጽአ። በዚ ጊዜ ዳዊት ኃዚኑን ተኪዙን ረኸቦ እሞ “እንታይ ዄይንካ ኃዚንካ ኣሎኻ በሎ። ዳዊት’ውን እንታይ ኴይነ ዘይኃዝን ኣነ ጽቡቕ ቤት ተቐሚጠ፡ ታቦተ ጽዮን ግና ኣብ ድንኳን ትነብር ኣላ” በሎ። ነቢይ ናታን ድማ “እንታይ እሞ አኅዘነካ ጸላእትኻ ጠፊኦሙልካ ኣለዉ፡ ንምንታይ ቤተ መቅደስ ዘይትሠርሕ” በሎ። እዚ ብዘይ ፈቃደ እግዚአብሔር ኣይከውንን እዩ ኢሎም ክልቲኦም ሱባኤ ኣተዉ። ብድኅሪ ሱባኤ ንዳዊት ዝበለጸ ነገረ ሥጋዌ ክግለጸሉ ከሎ፡ “ወረከብናሁ ውስተ ኦመ ገዳም ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ / ሰብ ኮይኑ ሥጋ ለቢሱ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ ጎል ብጨርቂ ተጠቅሊሉ ከም ሕፃናት ክበክይ ሰሚዕናዮ” ኢሉ ተዛረበ። ንነቢይ ናታን ድማ ብዛዕባ ቤተ መቅደስ ተገልጸሉ እሞ ንዳዊት “ንስኻ ቤተ መቅደስ ብስመይ ክትሓንፀለይ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ እቲ ካብ ኣብራካ ዝወፀ ወድኻ ሰሎሞን ግና ሽመይ ዝምስገነሉ ቤተ መቅደስ ክሠርሐለይ እዩ” በሎ። ንጉሥ ዳዊት ቤተ መቕደስ ንምሥራሕ ዝነበሮ ሓሳብ በዚ ተቛረጸ። ብድኅሪኡ ግና ወዱ ሰሎሞን ቤተ መቅደስ ክሠርሕ እግዚአብሔር ስለ ዝፈቐደሉ፡ ኵሉ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ ኣዝዩ ግሩም ቤተ መቅደስ ሓነፀ። ብድኅር’ዚ እግዚአብሔር ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፡ “ጸሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ’ውን ቤት መሥዋዕቲ ኽትኮነኒ ሓርየያ ኣሎኹ። . . . ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዕይንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛረይውን ጽን ኪብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት መቅደስ እዚኣ ሕዝበይ ንዘለዓለም ኣብኣ ኼምልኹኑ ሓርየያን ቀዲሰያን ኣሎኩ፡ ኣነ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኽሕልዋን ክሓልየላን እየ። (1ይ ነገ. 6-9 ፣ ግብ.ሓዋ. 7፡44-47)

ካብቲ ዘመን ኣትኂዙ ኣብ ደብተራ ኦሪት(ድንኳን) ዝነበረ ዓሠርቱ ቃላት ዝተጸሓፈሉ ታቦት ናብ ቤተ መቅደስ ኣተወ፡ ኵሉ ኣገልግሎት’ውን ኣብኡ ዝፍጸም ኮነ። ክሳዕ ዘመነ ሓዲስ ድማ ኣብዚ ቤተ መቅደስ እዚ መሥዋዕተ ኦሪት ይቐርብ ነበረ።

እንተኾነ ግና ኣብዚ ቤተ መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መሥዋዕት ፍጹም ድኅነት ዘውህብ ስለዘይነበረ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ከም ሕፃናት በብቑሩብ ዓቢዩ፡ ኣብ ሠላሳ ዘመኑ ተጠሚቑ፡ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾይሙ፡ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኂን ምሂሩ፡ ንደቂ ኣዳም ዅሎም ካብ ፍዳን መርገምን ናፃ ንምውፃእ ባዕሉ መሥዋዕቲ ኾይኑ ኣብ ቀራንዮ ተሰቒሉ፡ ሞይቱ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ብምትንሣእ ኣድኃነና፡ በረኸት ሥጋን ሕይወተ ነፍስን ዘውህብ ሓድሽ ሥርዓት ድማ ሠርዓልና።

ኣብ ቀራንዮ ዝተሠወዐ ሥጋኡን ዝፈሰሰ ደሙን ፍጹም ድኅነት ዘውህብ ስለዝኾነ ብድኅር እዚ መሥዋዕተ እንስሳ የለን። መሥዋዕቲ ሥጋኡን ደሙን ክህብ ዝጀመረ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዋዜማ ስቕለቱ እዩ።  ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈርሉ ጊዜ ጉባኤ ዝሠርዕሉ ጸሎተ ቅዳሴ ኣብጺሖም ቅዱሱ ቍርባን ዘዳልውሉን ንኣማንያንን ዘቝርብሉ ፍሉይ ቦታ ኣይነበሮምን።

ጐይታ ካብ ዝዓርግ ኣብ መበል 8ይ ዓመት፡ ብዛዕባ ምሕናፅ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ በርናባስን ናብ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን መልእኽቲ ለኣኹ።  ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን ድማ ፈቃደ እግዚአብሔር ምዃኑ ተገልጸሎም። ንቅዱሳን ሓዋርያት ብደመና ጽዒኑ ናብ ‘ፊልጵስዩስ’ እትበሃል ዓዲ ኣብጽሖም እሞ ኣብኡ ምስ ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ በርናባስን ተራኸቡ። ብድኅር’ዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣብዚ ቦታ ብስም ኣደይ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ክሕነፅ ፍቓደይ እዩ” ኢልዎም ናይቲ ቤተ መቅደስ ቦታ ዓቂኑ ለኪዑ ሂብዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።

ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ምሕናፅ ቤተ ክርስቲያን ጀመሩ። ብሠለስተ እምኒ ምሕናፅ ጀሚሮም ክሳብ ዝፍጸም ባዕሉ እናዓበየ ተሓንፀ። ብዕለት 21 ሰኔ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተፈጸመ ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያት ቀዲሱ ኣቝረቦም። (መጽሓፈ ስንክሳር 21 ሰኔ) ብድኅር’ዚ ‘እምይእዜሰ አንትሙኑ ከመዝ ግበሩ/ ካብ ሕጂ ከምዚ ግበሩ” በሎም።

እታ ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ሥሉስ ቅዱስ፡ ወልድ ዋሕዲ ኢላ እተኣምን፣ ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ሓንቲ ምእመን ቤተ ክርስቲያን እያ። በዚ እምነት’ዚ ዝተመሥረታ ምሥጢረ ሥጋኡን ደሙን ተሠሪዑ ዝወሃበለን ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝፍጸመለን ቤተ ንጽሕ ቤተ በረከት ኣብ ኣርባዕተ መዓዝነ ዓለም ብስም እግዚአብሔር፡ ብስም ወላዲተ አምላክ፣ ብስም ቅዱሳን መላእክትን ሰብን ኣብያተ ክርስቲያን እናተሓንፃ ይነብራ ኣለዋ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...