ሎሚ ቡሩኽ ወርኂ ነሐሴ ብሒትልና ኣሎ እሞ ናብ ብሩኽ ወርኂ ጳጕሜን ብሰላመ እግዚአብሔር የብጽሓና! ቡሩኽ ወርኂ ነሐሴ፡ ናይ መዓልቲ 13 ሰዓት ኮይኑ ብድኅር’ዚ እናጐደለ ይኸይድ።
ፀአትኪ እምቅድመ ሃይማኖት እምርእሰ ሳኔር ወኤርሞን፡
ዘተወለድኪ ማርያም እምከርሠ ሐና መካን፡
አንቲ ውእቱ ምክሐ ደናግል ኵሎን፡
ዘፆሩኪ እደወ ኃይል በመዋዕለ መስፍን፡
ማርያም ሐረገ ወይን ፍሬኪ ቍርባን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!