እንቋዕ ናብ ዘመነ ማቴዎስ 2013 ዓ.ም.ግ. ኣብጽሓና።

Sep 10, 2020

“ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኸምዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፤ኣብ መንግሥተ ሰማያት እቲ ዚንእሶ የዓብዮ” ማቴ፡11፥11

 ሄሮድስን ሄሮድያዳን ኣብ በዓሎም ንዮሓንስ ኪኣስርዎ ኸምዚተማኸሩ

ንጉሥ ሄሮድስ ከኣ ዕለት ክብሪ በዓል ልደቱ ዘኽብረሉ፡ ምስ በጽሐ፡ ንሱ ድማ መቐየሪ ዓመት መጀመርታ ዅሉ በዓላት መስከረም ዕለት ክልተ ነበረ፤ ንሞት ዮሓንስ ብምኽንያት ቄሳር ንጉሥ ገይሮም ምስ መሰጋገሪ ዓመት ሓደ ኾነ፤ ኣሕዛብ ዚተወልዱሉ ዕለት የኽብሩ እዮም፤ “ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ስለዝተወለድና ኣብዚ ማዕርግ እዚ በጺሕና፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ጸቢብ ናብ ርሒብ ዝወፃእናላ ዕለት እያ” ኢሎም የኽብሩ ነበሩ፤ ንጉሥ ሄሮድስ ድማ ንበዓል ልደቱ ኼኽብሩሉ ንመኳንንቱን መሳፍንቱን፡ ወይዘራዝርቱን፡ ንዅሎም ሰብ እቲ ሃገር ኣኪቡ ናብ ቤት መንግሥቱ ኣምጽኦም፤ ንጉሥ ሄሮድስ ዕለት በዓል ልደቱ ኣመልኪዖም ብተድላን ሓጐስን ኬኽብሩሉ ኣዘዘ፤ ሄሮድስ ንመኳንንቱን ንመሳፍንቱን፡ ንዅሎም ሰብ እቲ ሃገር ዓቢይ ግብጃ ገበረሎም።

ሄሮድያዳ ኣብ ምኽራ ንሄሮድስ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፤ “ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣይትጕሀ፡ እቲ ዕለት ልደትካ እተኽብረሉ መዓልቲ እንሆ ቐሪቡ ኣሎ፡ ሽዑ ቕድሚ እቲ በዓል ምብጽሑ ንዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኺኣስርዎ ወተሃደራትካ ነጊርካ ኸምዚእሰር ትገብር፤ ሽዑ ኣብቲ ዕለት በዓል ልደትካ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መኳንንትኻ ጓለይ መጺኣ ኽትስዕስዓልካ እያ፤ ንስኻ ድማ ኽሣድ ዮሓንስ ቈሪጽካ ኣብ ጻሕሊ ገይርካ ሃባ፤ ድኅር’ዚ ንሕና ኻብ ዘለፋኡ ዓሪፍና ዝደለናዮ ግልጺ ብግልጺ ፈጺምና ብሓደ ብተድላን ብሓጐስን ንነብር” በለቶ፤ ዳግም ከኣ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ንጉሥ ሄሮድስ ንሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉ ብሕይወቱ ኸሎ ኺፈትሓ ደኣ እምበር ከይምርዓዋ ዝብል መልእኽቲ ለኣኸሉ። ንጉሥ ሄሮድስ ከኣ እናኣላገጸ ነቲ ዮሓንስ ዚለኣኸሉ ቓል ኣይተቐበሎን፤ ዮሓንስ ከኣ፡ ሄሮድስ ንምኽሩ ኸምዘይተቐበሎ ርእዩ፡ ኣብቲ ኸተማ እናተዘዋወረ “ኦ ሄሮድስ ንሰበይቲ ፊልጶስ ኃውኻ ሄሮድያዳ ኸተእቱ ኣይግብኣካን እዩ፤” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኪምህሮን ኪዘልፎን ኪግሥፆን ጀመረ።” ማር.6፥18።

ሄሮድስ ንፊልጶስ ኃዉ ምእንቲ ሄሮድያዳ ኺረክብ ኢሉ ብኅቡእ ከምዝቐተሎ።

 ሄሮድያዳ ድማ ንንጉሥ ሄሮድስ“ምእንቲ ምሳይ እቲ ዅሉ እትደልዮ ብግልጺ ኽትፍጽም ንዮሓንስ እንምልሰሉ መልሲ መኺርና ኽሳዕ እንረክብ ዋላ ሓደ ሰብ ከይፈለጠ ብኅቡእ ንፊልጶስ ሰብኣየይን ኃውኻን ቅተሎ፤”ኵሎም ሰባት ስለምንታይ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃውኻ ተእቱ፧ ኢሎም እንተሓቲቶምኻ ንስኻ ድማ ፊልጶስ

ኃወይ ዘርኢ ኸይገደፈ ስለዝሞተ እዩ” ትብሎም ዜሌ 18፥16፤ ንዮሓንስ መጥምቅ እንገልጸሉ መንገዲ ኽሳዕ እንረክብ ኣብ ውሽጢ እዛ ሃገር እዚኣ ዚዛረበካ የብልካን፤” ንጉሥ ሄሮድስ ከኣ ፍቕሪ ናይዛ ዘማዊት ስለ ዘገደዶ ኸይወዓለን ከይኃደረን ንፊልጶስ ኃዉ ብኅቡእ ቀተሎ፤ ድኅር’ዚ ምእንቲ እቲ ምስክርነት ዮሓንስ መጥምቅ ኪፍጸም ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ብግሁድ ኣውሰባ፤ ሄሮድስ ድማ ንሄሮድያዳ ኸምዚ በላ፣ “እቶም ሕዝቢ ንዮሓንስ ከም መምህሮም ገይሮም ስለዘኽብርዎ፡ ንኣይ ስለምንታይ ኣሰርካዮ፧ ኢሎም ብጸላእነት ናብ ልዕሌይ  ከይትንሥኡን ብዛዕባኡ ኣዝየ እፈርህ ኣሎኹ፤ ስለምንታይ  ኣሰርካዮ፧ እንተበሉኒ’ኸ እንታይ ኢለ ኽምልሰሎም እየ፧” በላ፤ እዛ ርግምቲ ሄሮድያዳ ኸምዚ ኢላ ምኽሪ ኣቕረበትሉ “ብዛዕባኡ እቶም ሕዝቢ ናባኻ ቐሪቦም እንተሓቲቶምኻ “ኣነ ብፍቓደይ ኣይኣሰርክዎን፡ ጥፍኣት ስለዝረኸበሉ እቲ ኣብ ልዕሌይ ዘሎ ንጉሥ ቄሳር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኸእትዎ ትእዛዙ ስለዝበጽሓኒ እየ ኣሲረዮ ኽትብሎም ኢኻ” በለቶ፤ ምኽሪ ናይዛ ዘማዊት ስለዘሐጐሶ ኣብታ እዋን እቲኣ ንጉሥ ሄሮድስ መንገዲ ኽሳዕ ዚረክብ ንጭፍራታቱ ሰዲዱ ንመጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኣትኂዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፤ ሄሮድያዳ ኸኣ ንኃላፊ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ንዮሓንስ ነፍሱ ኻብ ሥጋኡ እትፈልዮ ንኸሣቕዮን ንኸጨንቖን ኣዘዘቶ፤  እታ ርኽስቲ ሄሮድያዳ ኸኣ ንጓላ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን መሳፍንትን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሕዝብን መጺኣ ኸተሐጕሶ ንኽትስዕስዓሉ ሸሊማ ሸላሊማ፡ በዓል ጌጻ ጌጽ ክዳን ከዲና፡ ጥዑም ሽቱ ቐቢኣ ናብ ንጉሥ ለኣኸታ፤ ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሕዝቡን ብሳዕስዒታ ንንጉሥ ሄሮድስ ኣዝያ ባህ ኣበለቶ፤ ንጉሥ ከኣ ኻብ ጣዕሚ ቓላ ዚተላዕለ ኣዝዩ ተሓጐሰ፡ “እንታይ ዓይነት ሃብቲ ኽህበኪ፡ እንሆ ዝደለኺዮ ነገር ለምንኒ፡ እንታይ ከምዚህበኪ ውን ንገርኒ፧ ፍርቂ መንግሥተይ እንተኾነ ውን ክህበኪ እየ” በላ፤ ኣቐዲማ ኣደኣ ናብ ንጉሥ ክትልእኻ ኸላ “ንጉሥ እንታይ ክህበኪ እንተ ኢሉኪ፡ ናባይ ተመሊስኪ መጺእኪ ንገርኒ፡ እቲ ዚህበኪ ኣነ ኽነግረኪ እየ” ኢላ ነገረታ።  ንምፍቃድ ነቲ ንጉሥ ዝበላ ንሄሮድያዳ ኽትነግራ ተመሊሳ ናብ ኣደኣ ኸደት፤ “ንጉሥ ኵሉ ዝደለኺዮ ለምንኒ፡ ዋላ ፍርቂ መንግሥተይ እንተኾነ ኽህበኪ እየ” ኢሉ ብቓል ማሕላ፡ ቃል ኣትዩለይ እዩ እሞ እቲ ኽብሎ ዘሎኒ እንታይ ክህበኒ ኸምዘለዎ ኽሓቶ ንገርኒ” በለታ። ሄሮድያዳ ድማ ንጓላ “ኣነ ኣደኺ ሰበይቲ ንጉሥ ኮይነ ንግሥቲ እንተኾይነ ንስኺ ድማ ጓል ንግሥቲ እንተዄንኪ ኣሽምባይ ፍርቂ መንግሥትስ ምሉእ መንግሥቲ ውን መን’ዶ ኽወስደልና እዩ፧” እምበኣርከስ ንጉሥ ኣይከድዓክን እየ፡ ለምንኒ፡ ኣነ ድማ እቲ ዅሉ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ ኢሉ ቓል ካብ ኣተወልኪ ክሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኣቝሪጽካ ኣብ ጻሕሊ ጌርካ ሃበኒ በሊዮ፤ ካልእ እንደልዮ ነገር የልቦን” ኢላ ንጓላ ናብ ሄሮድስ ለኣኸታ፤ ከምብሓድሽ ድማ እዛ ርግምቲ ጓላ ናብ ንጉሥ ከይዳ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ሳዕስዓትሉ፡ ንጉሥ ከኣ ሳዕስዒታ ምስ ኣለባብስኣ ኣሐጕስዎ ጽቡቕ ኮነሉ፤ ንሳ ድማ ናብ ሄሮድስ ተመሊሳ “ኽሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ብሴፍ ኣቝሪጹ ኣብ ጻሕሊ ገይሩ ኺህባ ለመነቶ፤ ንጉሥ ሄሮድስ ከኣ ነዚ ልመና እዚ ኻብ ኣፋ ምስ ሰምዐ ዝደለኺዮ ኽህበኪ እየ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ስለዝመሓለን ንሰብ ንይምሰል ጐሃየ፤ ጓሂኡ ብዛዕባ ሞት ዮሓንስ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ፍርሂ እቶም ሕዝብን ምሒሉ ጠሊሙ ንኸይበሃልን እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን፡ ከመይ እቶም ሕዝቢ ንዮሓንስ ከም ነቢይ ይርእዎ ነበሩ፤ እቲ ዘጕሃዮ ብዛዕባ ኽቡር መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ እንተዚኸውን ነይሩ ኣቐዲሙ ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸምዚእሰር ኣይምገበረን ነይሩ፤ ሽዑ ሰብነት ሄሮድስ፡ ከምታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዘላ መርከብ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ፍርሃት ሕዝቢ ዚተላዕለ ብማዕበል ፍርሃት ራዕራዕ በለ፤ እዛ ሕስርቲ ዘማዊት፡ ካብ ርእሲ ዮሓንስ እትልምን፡ እቶም ኣብዚ ዓለም እዚ ዚርከቡ ኻልኦት ዕድላት ገንዘብ እንተትልምን ምሓሻ ነይሩ፤ ኣንቲ ርኽስትን ሕስርትን ንዕቕትን ምንንትን ንሰይጣን ናይ ግብሪ ጓሉ ወላዲት ኵሉ ኽፍኣትን ምንጭን ጓል ሄሮድያዳ ኽንደይ ወርቅን ብሩርን ኣብ ቤት መንግሥቲ መሊኡ ኸሎስ ክሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ደኣ ኻብ ክፍኣትኪ ዝተላዕለ ለመንኪ እምበር ወርቅን ብሩርንሲ ኣይለመንክን፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኡ ኢዱ ኣንቢሩ ዘጥመቐ ጀማሪ ጥምቀት፡ መመክሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ርእሲ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ እትልምኒ ወርቅን ብሩርን ዕንቍን እንተትልምኒ ምሓሸኪ ነይሩ፤  ድኅሪኡ ንቓላ ምእንቲ ኸይክሕድ ንጉሥ ሄሮድስ ክሣድ ዮሓንስ መጥምቅ ቈሪጾም ኣብ ጻሕሊ ገይሮም ንጓል ሄሮድያዳ ንኺህብዋ፡ ሴፍ ዚኃዙ ሰባትን ወተሃደራትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ሰደደ፤ ደጊም ካብ ሕጂ ንደኃር “ኦ ኣኅዋትና ኻብዚ ሓሳር እዚ ዘክሩ፡ ካብ ማሕላ ዚተላዕለ ውን ፍርሁ፤ ኦ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ካብ ማሕላ ዚተላዕለ ኽንፈርህ ይግብኣና፤ “ኵሉ ዚለመንኪዮ ኽህበኪ እየ” ኢሉ

ስለዝመሓለ ንጉሥ ሄሮድስ ክሣድ ዮሓንስ ከም እትቝረጽ ገበረ፤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ብቕዱስ ወንጌል ኪምህር ከሎ “ፈጺምኩም ኣይትምሓሉ” ኢሉ እዩ፤ ማቴ.5፥33፤ ድኅር’ዚ ወተሃደራት ሴፍ ኂዞም፡ ክሣድ ዮሓንስ ኪቘርጹ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዱ፤ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ጭፍራታት ሄሮድስ ኪቐትልዎ ኸምዚመጽኡ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዝፈለጠ ኻብ ውሽጢ እቲ ጸልማት ቤት ክሣዱ ብመስኮት ኣውፂኡ ኸምዚጥዕሞም ገይሩ ተጸበዮም፤ ኦ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ክሣድ ዮሓንስ ንምቝራጽ ተጋግያ ዚደፈረት ኢድ ከመይ ዝበለት እያ፧” ንኽሣድ ሰባኺ ወንጌል ዮሓንስ ንምቝራጽ ዚተኣዘዘት ኢድ ከመይ ዝበለት እያ፧ ኣብ ክሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ዓሪፋ ዚቘረጸት ሴፍከ ኽንደይ ትገርም፧” እቶም ኵሎም ንሰብ ዚሰብሩ ኣናብስ፡ ዚውሕጡ ገባብል ንዚፈርህዎ፡ እዞም ኵሎም ኣራዊት በረኻ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወዲቖም ንዚሰግድሉን፡ ሣዕርታትን ዕፀዋት በረኻን ብጠለለት ጸሎቱ ለምሊሞም ዚዕንብቡ፡ ክሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ክትስይፍ ዚደፈረት ኢድ ከመይ ዝበለት ትኸውን፧. እታ ኸይፈርሀትን ከይረዓደትን ንኽሣድ ዮሓንስ መጥምቅ ንምቑራጽ ዚደፈረት ኢድ ክንደይ ትጸንዕ! ክንደይ’ከ ትጭክን፧  ንቓል ንጉሥ ምእንቲ ኸይንዕቁ ጭፍራታት ክሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ስለ እቲ ማሕላ ቘረጹ፤ ሄሮድስ ብምኽንያት መሓላ እንተ ዘይከውን ነይሩ ንመጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኣይመቕተሎን ነይሩ፤ ስለዚ ዅላትና ሕዝበ እግዚአብሔር ካብ መሓላ ዚተላዕለ ኽንፈርህ ይግብኣና ፈጺምና ውን ኣይንምሓል፤ ንጉሥ ሄሮድስ ድማ ብሓሶት ምሒሉ፡ ድኅሪ ንዮሓንስ መጥምቕ ምቕታሉ እታ ኣብ ማእከል እቶም ኮፍ ኢሎም ዚነበሩ ሕዝቢ ተቐሚጣ ዝሓሰወት ልሳኑ ዳግም ሓቂ ኣይረኣየትን፡ ምኽንያቱ መፈጸምታ መሓላ ጥፍኣትን ሓሣርን መከራን እዩ።

ርእሲ ዮሓንስ ክንፊ ኣውፂኣ ነፊራ ኸም ዝኸደት።

ሄሮድያዳ ኸኣ ንርእሲ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ጻሕሊ ተቐሚጣ ብሕይወት ከምዘላ ኣዕይንቱ ቛሕ ኢለን፡ ገጹ ኻብ ፀሓይ ሾብዓተ ኢድ ኣብሪሃ ምስ ረኣየታ፤ ከምዚ ኢላ ኽትዛረብ ጀመረት “ሥልጣን ዘለዎ ምድራዊ ንጉሥ እናረኣያ ዘይፈርሃ ዝነበራ ኣዕይንቱ ብመስፈ ኣውፂአ ኣነ ብኢደይ ክድርብየን እየ፣ ከምኡ ውን ነታ ኸይፈርሀትን ከይሓፈረትን ንሰበይቲ ፊልጶስ ኃውኻ ኸተእቱ ኣይግባእን እዩ” እናበለት ብሕይወታ ኸላ ኣብ ቅድሚ ንጉሥን ንግሥትን እትዘልፍ ዝነበረት መልሓስ ኣነ ብኢደይ ቈሪጸ ናብ መሬት ክድርብያ እየ፤ ነቲ ኣብ ርእሱ ዚበቘለ ጸጕርን ኣብ ገጹ ዚበቘለ ጭሕሙን ላጽየ ኣብ ትሕቲ ምንጻፍ ዓራተይ ኣንጺፈ ናብ ምድቃሰይ ኣብ ዝዓርገሉ መርገጺ እግረይን መወልወልን ክገብሮ እየ”፤ኢላ ንገጽ ዮሐንስ ብጽፍዒት ንምህራም ኢዳ ዘርግሐት፡ ሽዑ ርእሲ ዮሓንስ ክንፊ ኣውፂኣ ንመካበብያ ናይቲ ቤት ሰንጢቓ ኸም ንስሪ ነፊራ “ኣንቲ ርግምቲ ሄሮድያዳ ንኃው ፊልጶስ ሰብኣይኪ ዝኾነ ሄሮድስ ከተእትዊ ኣይግብኣክን እዩ እቲ ቕድም ዝዘለፍኩኺ ሕጂ ውን ዝዘልፈኪ ዘሎኹ ኣነ እየ” እናበለት ርእሲ ዮሓንስ ንሰንቀ ናይቲ ቤት ሰንጢቓ ኸም ንስሪ ኣብ ኣየር ነፊራ ኸደት።

ኣእዳው ሄሮድያዳ እናተመትራ ናብ መሬት ከምዝወደ

ኣብታ እዋን እቲኣ ኣእዳው ሄሮድያዳ ኻብ መንኵባ እናተቘርጻን ኣናተሰልዓን ናብ መሬት ወደቓ፤ ንሰብነታ ድማ መሬት ተኸፊታ ኽሳዕ ክሣዳ ወሓጠታ፤ እዛ ርኽስትን ርግምትን ዘማ ብሕይወታ ኸላ ብዛዕባ ዓመጻኣን ክፍኣታን ናብ ዕመቀ ዕመቃት ቍልቍል ወረደት፤ ብሳዕስዒት ጓላ ንልቢ ንጉሥ ሄሮድስ ባህ ኣቢላ ንርእሲ ዮሓንስ ዚለመነት ኣብ ልዕሊ ጓላ ሰይጣን ኃዲርዋ ዓበደት፤ ንዅሉ ንብረት ቤት መንግሥቲ እናኣልዓለት ክትሰባብር ጀመረት፤ ኣብቲ እዋን እቲ ኻብ ወተሃደራት ሄሮድስ ሓደ ሰብ ከምቲ ብሓዊ ዚተለብለበ ጕንዲ ንዚመስል ኣእዳው ሄሮድያዳ ብኽዳኑ ሸፊኑን ኃቢኡን ናብ ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ማእከል እቶም እኩባት ኂዝዎ ኸደ እሞ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ደንጊፁ ደው በለ፤ ሄሮድስ ድማ ነቲ ወተሃደሩ “ስለምንታይ ኢኻ መጺእካ ፈሪህካ እርእየካ ኣሎኹ እንታይ ዲኻ ዄንካ፧” በሎ፤ እቲ ወተሃደር ከኣ   ንሄሮድስ “ኦ ንጉሥ ወይለና ፡ ናይዚ ንጹሕ፡ ጻድቕ ነቢየ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ርእሲ ናብ  ቤትና ብምእታውና ጥፍኣት ተጐናጺፍና፡ ሓፍረት ደፊእና ብሓዘን ተመሊእና ናብ ልዕሊ ርእስና ድማ ጥፍኣት ኣምጻእና፤ እንሆ እታ ብዅናት ፍቕራ ተነዲፍካ፡

ንቓላ ተገዚእካ፡ ፈቓዳ ፈጺምካ፡ ንኽሣድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ዘቝረጽካላ ሄሮድያዳ ንገጽ ሰማዕቲ ዮሓንስ ብጽፍዒት ንኽትሃርማ ኣእዳዋ ምስ ዘርግሐት ብተኣምር ሰይፊ እሳት ዮሓንስ፣ ከም ዚተለብለበ ጕንዲ መሲለን ካብ መንኵባ እናተቘርጻ ኽልቲአን ኣእዳዋ ናብ መሬት ወደቓ፤ ንሰብነታ ድማ መሬት ኣፋ ሃህ ኣቢላ ኽሳዕ ክሣዳ ወሓጠታ፡ ጓላ ኸኣ ዓቢዳ ንዅሉ ኣቚሑ ቤት ሰባቢራ ወድኣቶ” በሎ።

ንሄሮድያዳ መሬት ኣፋ ኸፊታ ኸም ዝወሓጠን፡  ጓላ ዓቢዳ ኣቚሑ ኸምዝሰባበረትን።

ንጉሥ ሄሮድስ ከኣ ነቲ ወተሃደር ሓሪቑ “ኣንታ ሓሳዊ፤ እዚ ዅሉ ኣብ  ቤት መንግሥተይ ኣይተገብረን” በሎ፤ እቲ ወተሃደር “ንቓለይ ብእምነት እንተ ዘይተቐቢልካኒ እሞ ‘ንኣባይ ብምስክር ኣሰኒፎም ስለ ዚረትዕዎ’ በል እንካ ርኢኻ እመን” በሎ፤ ነቲ ብሓዊ ዚተለብለበ ዚመስል ካብ ትሕቲ መንኵባ ዚተቘርጸ ኣጻብዕታ ብቐይሕ ቀለምን ብወርቂ ብሩርን ዘጌጻ ኣእዳው ሄሮድያዳ ኻብ ውሽጢ ኽዳኑ ኣውፂኡ ኣብ ማእከል እቶም እኩባት መኳንንቲ ወርዊሩ ሰንደወሉ፤ ንጉሥ ሄሮድስ ንኣእዳው ሄሮድያዳ ዝኾናኦ ርእዩ ብዓቢይ ሕፍረት ተንሢኡ ናብቲ ሄሮድያዳ ዘላቶ ኸደ፤. ንሄሮድያዳ መሬት ኣፋ ኸፊታ ኽሳዕ ክሣዳ ውሒጣታ ረኸባ፤. ነቶም ኣገልገልቱ “ድማ እንሆ ቚሩብ ንታሕቲ ስለ ዝወረደት በሉ ነቲ መሬት ኵዒትኩም ኣውፅእዋ” ኢሉ ኣዘዞም፤. እቶም ኣገልገልቲ ድማ ዅዒቶም ኬውፅእዋ፡ ነቲ መሬት ኪዅዕቱ ጀመሩ፤እንተኾነ ኣሽምባይ ኬውፅእዋስ፡ ሓንቲ ዓፅሚ ኺረኽቡ ውን ኣይተኻእሎምን፣ እቲ ንሳቶም ንመሬት ኪዅዕቱ ኸለዉ ኸም ሓደ ኃያል መንእሰይ ብታህዋኽ ንታሕቲ ገጻ ትወርድን ትስሕቦምን ነበረት፡ ከመይ እዛ ርግምቲ ብኃይሊ ኣምላኽ ዮሓንስ መጥምቅ ብሕይወታ ኸላ ናብ እንጠርጦስ ወረደት፤ኣብታ እዋን እቲኣ ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሕልዋ ዝነበረ ኣገልጋሊኣ፡ “እዚ ዅሉ መከራ ኽሳዕ ዚበጽሓ እንታይ ትሕሉ ነይርካ፧” ኢሉ ተቘጢዑ፡ ኣብ ማእከል እቶም እኩባት ክሣዱ ብሴፍ ንኺቘርጹ ኣዘዘ፤ እቶም ጭፍራታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም መኳንንቲ ኽሣዱ ቘረጽዎ፤ ንጉሥ ሄሮድስ ድማ ሓፊሩ ዚገብሮ ጠፊእዎ ናብ መኳንንቱ ተመሊሱ “ኣብ ቤት መንግሥተይ ዚተገብረ ነገር ኣይትንገሩለይ” ኢሉ ብፅኑዕ መሓላ ኣማኅፀኖም፤ እታ ርእሲ ኅሩይ ዮሓንስ መጥምቅ ግና ኸም ንስሪ ኣብ ሰማይ እናበረረት ኣብ ኵሉ ሃገር እናተዘዋወረትን ኣብ ከተማ ንጉሥ ሄሮድስ እናተመላለሰትን ኵሎም ሕዝቢ እናሰምዕዋ “ኦ ሄሮድስ ንሰበይቲ ፊልጶስ ኃውኻ ሄሮድያዳ ኸተእትዋ ኣይግብኣካን እዩ” እናበለት ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ምሸት ክትምህር ወዓለት፤ ኵሉ ሕዝቢ ቓላ እናሰምዑ “ኦ ጐይታናን ፈጣሪናን ክሣድ ድኅሪ ምቝራጽ እቲ ኻልእ ሥጋ ኣብ መሬት ወዲቑ ነፍስ ኣብ ርእሲ ኣቐሚጥካ ኸም ዚዛረብ ትገብር፤” ኦ ጐይታና፡ ኦ ምስጉን ኣምላኽ ኵሉ ግብርኻ ምስጉን እዩ፣ ኢሎም ንእግዚኣብሔር ኣምላኾም ኣመስገኑ፤ ዓው ኢላ እናተናገረት ክትምህር ነፍስ ወከፍ ዚሰምዕዋ ሰባት ንበይኑ ተኣምርን መንክርን ዚገብር እግዚኣብሔር ኣመስገኑ፡ ኦ ጐይታና ብዘይ ሥጋ ርእሲ ንበይና ኸም እትዛረብ ትገብር፤ ኦ ጐይታና ዅሉ ግብርኻ ዕጹብ እዩ፤ ይብሉ ነበሩ።ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧ ካብ ቅትለት፣ዝሙት፣ማሕላ ኸንጥንቀቅ ከምዘሎና ንመሃር፣ ካብዚ ተማሂርና ኸምቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን  እትእዝዞ ብጾምን ጸሎትን፣ ብፍቕርን ሓድነትን፣ክንነብር ኃደራነታ ተመኃላልፍ፣ ቡሩኽ ኣውደ ዓመት ይግበረልና እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ኻብዚ ንዓለም ዘንጸላልዋ ዘሎ ሕማም ነጻ ገይሩ ንዓመታ ብደኃነ ሰላም የብጽሓና።

ስብሐት ለእግዚብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

መንበረ ፓትርያርክ

 

 

 

ዘመነ ማቴዎስ 18 ኅዳር 2013 ዓ.ም.…

November
Friday
27
ዝክር፦ ዮና ቅድስት፡ ወአጥኑራንኒስ ድንግል፡ ወፊልጶስ ሐዋርይ፡ ወኤላውትሮስ።።               ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ቲቶ. 2፡1-8 ይሁ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ.  8፡5-13 መዝ. 64/65 ወንጌል፦   ዮሐ. 6፡5-14 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘአበዊነ ሐዋርያት።     * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...