እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

Sep 25, 2020

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓናን!

ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ነቢያት ኃዲሩ ብመሠረት ዝሃበና ተስፋ ድኅነት፣ ፍጻመ ዘመን ምስ ኮነ ምእንታና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ በጃ ኵሉ ዓለም ብምዃን ዘድኃነና ከምኡ’ውን መንደቕ ጽልኢ ኣፍሪሱ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ኵነኔ ናብ ጽድቅ፣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ መርገም ናብ በረከት፣ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ፣  ክንሰጋገር ዝኸኣልና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብዝፈጸመልና ቤዛነት እዩ። (መዝ 60፣4፣ ኤፌ 2፣11-18)

ድኅሪ ትንሣኤኡ ንገባሬ ተኣምራት መስቀሉ ተመቝንዮም፣ ሰባት ክቐብርዎን ካብ ገጸ ምድር ክኽውልዎን እኳ እንተፈተኑ ድኅሪ 300 ሚእቲ ዓመታት ብመንገዲ እሌኒ ንግሥት ዝተረኽበሉን ናብ ዓለም ዝተገልጸሉን ወትሩ ዓመት መጸ 17 መስከረም፡ ብስብሐተ ማኅሌትን ውዳሴን ቅዳሴን፡ ብብርሃን ዳሜራን ሆየ ሽግን፡ ብዓቢይ ሓጐስ ከነኽብሮ ንነብር ኣሎና።

እዚ በዓል’ዚ ወርኀ ክረምት እዋን ልምላሜ ኃሊፉ ወርኀ ጽጌን ፍሬን ዝትክኣሉ፡ ብርሃን ፀሓይ ዝደምቀሉ፣ ሰባት ብሓድሽ ሰዊት፣ እንስሳታት ብሸኻታት ዝጸግቡሉ፣ ምድሪ ብዕምባታት ዘጊጸሉ፣ ኩሉ ፍጥረተ እግዚአብሔር በብፍጥረቱ ንኣምላኹ ዘመስግነሉ ኣብ ቀዳማይ ወርኂ ናይ ሓድሽ ዓመት ዝብዕል በዓለ ተስፋን ብርሃንን እዩ።

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመት፣ ብኃይለ መስቀሉ ካብ ኵሉ ፈተና ክሕልወና፣ በዓልና ክቕድሰልናን ሃገርና ክባርኸልናን፣ በረኸቱ ከብዝኃልና፣ ፍረ ምድሪና’ውን ናብ ቆፎና ከእትወልና፣ ዓመተ ቅሳነትን ጸጋን ክገብረልና፣ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

መስቀል ኃይልነ፣ መስቀል ጽንዕነ፣ መስቀል ቤዛነ፣ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ማቴዎስ 18 ጥቅምት 2013 ዓ.ም…

October
Wednesday
28
ዝክር፦ ቴዎፍሎስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወሮማኖስ ሰማዕት፡ ወዮሐንስ፡ ወአድላ፡ ወአርቴማዎስ፡ ወኤርስጦስ፡ ወሉዲኖስ፡ ወሠለስቱ ደቂቅ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ቲቶ. 1፡7-13 1ይጴጥ. 1፡3-9 ግብ. ሐዋ. 20፡31-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 35/36 ወንጌል፦ ማር. 12፡13-18 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘባስልዮስ። ***
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብወለንተኛታት ሓካይም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕክምና ዓይኒ ዘተኮረ ናይ…

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብወለንተኛታት ሓካይም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንተማሃሮን ሠራሕተኛታትን ናይቲ ኮሌጅ ኣብ...

ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ

“ዓለምን እቲ ኵሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ።” (1ይ ዮሓ. 2፡17) ብዝብል ቅዱስ ቃል ዝምራሕ ሰብ ሥጋዊ ሹመትን ዓለማዊ ሥልማትን፡ ፍቅረ ንዋይን...

ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ

‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. 91፡13)   ኣብ...

ተመሃሮን ዲያቆናትን ብመዓረገ ዲቁናን ክህነትን ተቐቢኦም

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ማእከልን ንመዓርገ ዲቁናን ካህናትን ዝሓለፉ ተመሃሮን ዲያቆናትን ብብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ብፁዕ...

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ሕንጸት መንበሪ መነኮሳይያት ይካየድ…

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ንመኮሳይያት (ደቂ ኣንስትዮ) ብሓድነት እናተደጋገፋ ዝነብራሉ ሕንፀት መንበሪ ኣባይቲ መነኮሳይያት ይካየድ ኣሎ። ነዚ ኣብ...

መነቓቕሒ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ቤት ጽሕፈጥ መንበረ ፓትርያርክ ዝወደቦ፡ 39 ኃለፍቲ ክፍልታት፡ ሊቃነ ካህናትን ካልኦትን ኣባላት ክሳተውዎ ዚጸንሑ መነቓቕሒ ሥልጠና ብዓርቢ ዕለት 06 ጥቅምት...

ኣብ ህልው ኩነታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝዝቲ ጉባኤ ተኻይዱ

05 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ (16 ጥቅምት 2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ድማ ኣብ ባጀታዊ ኣሰራርሓን እዋናዊ ጽልዋ...

“ብጸሎት ጻድቕ፡ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” - ቅዱስ…

ቅዱስ መጽሓፍ “ብጸሎት ጻድቕ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” ከምዝብል ንሕዝበ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ጻድቃን መንፈሳዊ ፍቕርን ጽንዓት ሃይማኖትን ፍጹም ትዕግሥትን...

ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፂሩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡...

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ገዳምን...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥቅምት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ጥቅምት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ኅዳር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥቅምት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፩ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ወ፫ቱ...

ቅዱስ ኣቦ አቡነ አብሳዲ

ዘደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ዳብሽ እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...