ከምዛ መርከብ ዘጥፍአት መኣዝን
ኣብዛ ባሕሪ ዓለም ትም ኢለ እቓዝን።
ቊሩብ ክፈዂሰኒ ከይነገርኩ ንሰብ
መመሊሱ ሽግር ኣብ ልዕለይ ይእከብ
በቃ!
ብሰንኪ እቲ ጭንቀት ዘንጠጠዮ ደመና
ጩራ ብርሃን ስኢነ ኣዕሪበ ሕልና፡
ደኃር ግን ዘኪረ ሓሲበ ሓሲበ
ዝናም ከምዝወርድ ሰማይ ምስ ሰረበ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!
በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡
ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ
ከምዛ መርከብ ዘጥፍአት መኣዝን
ኣብዛ ባሕሪ ዓለም ትም ኢለ እቓዝን።
ቊሩብ ክፈዂሰኒ ከይነገርኩ ንሰብ
መመሊሱ ሽግር ኣብ ልዕለይ ይእከብ
በቃ!
ብሰንኪ እቲ ጭንቀት ዘንጠጠዮ ደመና
ጩራ ብርሃን ስኢነ ኣዕሪበ ሕልና፡
ደኃር ግን ዘኪረ ሓሲበ ሓሲበ
ዝናም ከምዝወርድ ሰማይ ምስ ሰረበ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!