ንኡስ መረግድ ክፍጸም ከሎ ካህናትን ዲያቆናትን ዕጣን ይዓጥኑ። ካህናት ናይ ኢድ መስቀል ኣብ መንኰቦም ተሸኪሞም፡ ብጸጋማይ ኢዶም ጽንሐሕ ይኅዙ፡ ዲያቆናት ድማ ብጸጋማይ ኢዶም መስቀል፡ ብየማን ድማ ጥዋፍ ኂዞም ይኽተልዎም።
ምሳሌኡ ድማ ክነግህ ከሎ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣይሁድ ተታኂዙ፡ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንፍርዲ ምቕራቡ ዘመልክት እዩ። (ማቴ. 27፡11) ንኡስ መረግድ ህድእ ኢሉ ምብጽሑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ፡ ኣይሁድ ብሓሶት እናኸሰስዎ ምንም መልሲ ናይ ዘይምሃቡ ምሳሌ እዩ።
7. ዓቢይ መረግድ፥ ድኅሪ ንኡስ መረግድ ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ቅልጥፍን ምውቅን ብዝበለ ኣተሃራርማ ከበሮ ይዝመር። ብዜማኡን ብከበሮ ኣተሃራርማኡን ብጸናጽል ኣወራርዳኡን ፍሉይ እዩ። ብተወሳኺ ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝግበር ምንቅስቃስ ኣለዎ። ናይ ጸናጽል ምንቅስቃስ’ውን ከም ከበሮኡ ቅልጡፍ እዩ። እዚ ድማ ጲላጦስ፡ ጐይታ ንኽግረፍ ብቕልጡፍ ውሳኔ ምሃቡን፡ ወተሃደራቱ ድማ ናብ የማንን ጸጋምን እናደፍኡ ናብ መቀጥቀጢ ቦታ ምውሳዶምን፡ ሕዝቢ ከኣ ‘ብቅልጡፍ ብሞት ይወገድ” እናበሉ ዓው ኢሎም ናይ ምጭዳሮም ምሳሌ እዩ። ኣይሁድ ኣብ ሕጎም፡ ዝገርፍዎ ኣይሰቅልዎን፡ ዝሰቅልዎ ድማ ኣይገርፍዎን እኳ እንተነበሩ ካብ ዝተኣዘዘ ሕጊ ወፃኢ ዕጽፍን ድርብን እናገበሩ 40 ጭጕራፍ ክግረፍ ዝግብኦ፡ ቊጽሪ ተደናጊርና እናበሉ 6,666 ጊዜ እዮም ገሪፎሞ። እዚ ናይ ከበሮን ጸናጽልን ፍጥነት ንግርፋት ጐይታ ምሳሌ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ዓቢይ መረግድ፡ እቲ ሰፊሕ ክፋል ከበሮ ብተደጋጋሚ ይህረም። መዘምራን ድማ ናይ ኣካል ምንቅስቃሶም የቀልጥፍዎ። ምሳሌኡ ከኣ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነገረ መስቀል ዘመልክት እዩ።
8. ጽፍዓት፥ እዚ ክፍሊ ማኅሌት’ዚ ጸናጽልን ከበሮን ብፍጥነት ዝህረሙሉ እዩ።
ጽፍዓት ድኅሪ ዓቢይ መረግድ መዘምራን ከበሮኦምን ጸናጽሎምን እናቀልጠፉ ምዝማሮም፡ ኣይሁድ ገጽ ጐይታ ብጨርቂ እናሸፈኑ ደጋጊሞም ብጽፊዒት ምህራሞም የመልክት።
ጽፍዓት፡ ቃለ እግዚአብሔር እናኣመላላስካ ብዜማ እናቀልጠፍካ፡ ብከበሮን ጸናጽልን ምዝማር ማለት እዩ። ጽፍዓት ልክዕ ከም ካልእ ናይ ሥርዓተ ማኅሌት ደረጃታት ብከበሮን፡ ጸናጽልን ተዓጂቡ ዝዝመር ኮይኑ፡ ካብቶም ካልኦት ናይ ሥርዓተ ማኅሌት ደረጃታት ዝፈልዮ ግን ጽፍዓት ምስ ኣመላላስ ተተኃኂዙ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ።
9. ድርብ ጽፍዓት፥ ብጸናጽል ኣወራርዱኡን፡ ብዜማ ቃናኡን፡ ብከበሮ ኣተሃራርሙኡን ካብ ተራ ጽፍዓት ፍልይ ዝበለ ናይ ማኅሌት ክፍሊ እዩ።
ብናይ ሥርዓተ ማኅሌት ኣገልግሎት፡ መረግድ ድኅሪ ምምርጋዱ፡ ብከበሮ ይጽፋዕ፡ ካብኡ ቀጺሉ ጽፍዓቱ ድርብ ይኸውን። ድርብ ጽፍዓት ክበሃል ከሎ ክልተ ጊዜ ተመላሊሱ ምጽፍዑ ዘመልክት እዩ። ብርግጽ ጽፍዓቱ ሠለስተ ጊዜ ኾይኑ፡ መዘምራን ከበሮ ይቊርቊሩ ይጸፍዑ፡ ከበሮ ይቊርቊሩ ይጸፍዑ፡ ከበሮ ይቊይቊሩ ይጸፍዑ። እዚ ምድግጋም ቤተ ኣይሁድ፡ ንጐይታ ብዘይ ርኅራሄ ብተደጋጋሚ ናይ ምጽፍዖም ምሳሌ እዩ።
ድርብ ጽፍዓት ከም ካልኦት ክፍልታት ማኅሌት ብጸናጽልን ከበሮን ዝዝመር እኳ እንተኾነ ብተደጋጋሚ ሠለስተ ጊዜ ብምቊርቋርን፡ ብምጽፋዕን ዝፍጸም ሥርዓተ ኣገልግሎት ብምዃኑ ግን፡ ካብ ካልኦት ናይ ሥርዓተ ማኅሌት ደረጃታት ፍሉይ ይገብሮ።
10. ናይ ኢድ ጽፍዓት(ጭብጫቦ)፥ እዚ ክፍሊ እዚ ናይ መወዳእታ ደረጃ ማኅሌት ኮይኑ፡ ፍጥነት ብዝመልኦ ኣገባብ ይፍጸም። ናይ ጭብጨባ ጽፍዓት ካብ ተራ ጽፍዓት ብመጠኑ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ብምባል ኣብ ክንዲ ጸናጽል፡ ማኅሌታዋያን ብኢዶም እናጣቅዑን ከበሮ እናሃረሙን ዝዝምርዎ እዩ። ምሳሌኡ ከኣ ኣይሁድ ንጐይታ ብጽፍዒት ደጋጊሞም ናይ ምህራሞም እዩ።
ክሳብ ናይ ጭብጨባ ጽፍዓት ዘለዉ ክፍልታት ሥርዓተ ማኅሌት፡ ብከበሮን፡ ጸናጽልን ተዓጂቦም ይፍጸሙ። ኣብዚ ክፍሊ ግን ኣብ ክንዲ ጸናጽል ናይ ኢድ ጭብጨባ ይግበር። እዚ ጭብጨባ ብኣገልገልቲ ዝፍጸም እዩ። በዚ ድማ ካብ ካልኦት ደረጃታት ማኅሌት ይፍለ።
ኣብ ሥርዓተ ማኅሌት ናይ ክብረ በዓል፡ ንዕለቱ ዝምልከት ቀለም ካብ ድጓ ብብምራጽ ተዳልዩ፡ እቲ ቀለም ብኣገባብ ተመርጊዱ፡ መልዓሊ ከም ሥርዓቱ ተጸፊዑ ምስ ወድአ፡ ብድኅሪኡ መዘምራን ኣከታቲሎም ዝፍጽምዎም ዘይተርፉ ኣገልግሎታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ኣመላላስ፡ ወረብ፡ ኣጽሕሶ ይበሃሉ።
ሀ. ኣመላላስ፥ ኣመላላስ ብሓደ፡ ብክልተ ወይ ብሠለስተ መዘምራን ጣዕመ ልሳን፡ ብህድኣትን፡ ብምስሓብን እናለዘቡ ብምምልላስ ናብ ፍጥነት ምኻድ ማለት እዩ። ናይ ከበሮኡ ኣተሃራርማ ድማ፡ ናይ ጣዕመ ልሳኑ ምንዋኅን፡ ምሕፃርን ተኸቲሉ ይኸይድ።
ኣመላላስ ዝበሃል፡ መዝሙር ወይ ድማ እስመ ለዓለም ወይ ውን አቡን ብኸምዚ መንገዲ ዝኸይድ ቀለም፡ ቁምን መረግድን ብኣገባብ ምስ በጽሐ፡ ናይ መልዓሊ ቀለም ከም ሥርዓቱ ተጸፊዑ ይበጽሕ እሞ ብሓደ፡ ብኽልተ ወይ ብሠለስተ መዘምራን ጣዕመ ልሳን ዝዝመር ኣመላለስ እዩ።
ኣመላላስ ማለት ወዝ ብዘለዎ ድምፂ ካብቲ ሊቃውንቲ ኣንቢሮሞ ዘለዉ ምልክት ከይወፃእካ እናመላለስካ ምዝያም ማለት እዩ። መዘምራን ነቲ ዜማ ጣዕሚ ብዘለዎ መልክዕ የመላልስዎ፡ የዚምዎ። ይኹን እምበር ከበሮ ከይተጠቀሙ’ውን፡ ኣብ ክንዲ ዘመላልስዎ፡ ብጐረሮ ጥራይ ዝኃልፍዎ ኣለዎ። እዚ ማለት ጣዕሚ ብዘለዎ ድምፅን ብዘሐጒስ ኣፈጻጽማን ይዝይሙ።
ኣመላላስ፡ መቈምያኦም ኣብ መንኰቦም ብምሽካም፡ ብምርጋጽ; ብጭብጨባን ዕልልታን መጀመርያ ህድእ ብዝበለ ኣተሃራርማ ቀጺሉ ድማ ዝሽብሸብ እዩ። እዚ ድማ ጲላጦስ ንኣይሁድ ብምእማን፡ ንጐይታ ከድኅን ደልዩ፡ መላሊሱ እንታይ ጌሩ እናበለ ምሕታቱ የመልክት። ድኂሩ ምሽብሻቡ ከኣ፡ ጲላጦስ ኣብ መወዳእታ ከም ሕጉኹም ፍረድዎ ኢሉ ኣኅሊፉ ምሃቡን፡ እቶም ሕዝብን ወተሃደራትን ደስ ኢልዎም ቀልጢፎም እናረገጹ፡ እናሃረሙ፡ መስቀሉ ኣሰኪሞም ክሰቅልዎ ናብ ቀራንዮ ምውሳዶም ዝገልጽ እዩ።
ኣብ ጊዜ ለዘብ ካህናትን መዘምራንን ከምቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስፍሓትን፡ ከም ናይ ሊቃውንቲ ቊጽርን ብቅኔ ማኅሌት፡ እናርገጹ ይዝምሩ። መዘምራን ከርግጹ ከለዉ፡ ነቲ ቀለም መሠረት ብምግባር ምስ ጸናጽሉን፡ ከበሮኡን እናወሓዱ እዮም። መዘምራን የማንን ጸጋምን ብምዃን ከርግጹ ከለዉ ብእግሮም ንመሬት ይሃርሙ። የማንን ጸጋምን ኮይኖም ምርጋጾም፡ ኣይሁድ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ን340 ጊዜ ንጐይታ ናይ ምርጋጾም ምሳሌ እዩ። ትርጓሜኡ ድማ ብናይ ክርስቶስ ቤዛነት፡ መከራ፡ ስቅለትን ሞትን ጸላኢና ዲያብሎስ ናይ ምርጋጹ ምሳሌ እዩ።
ለ. ወረብ፥ ወረብ ማለት ምቅባል ወይ ድማ ምድግጋም ማለት እዩ። እዚ ድማ ብምቅብባልን ደጋጊምካ ብምምልላስን ዝዝመር እዩ። ወረብ ልክዕ ከም ኣመላላስ መቈምያ ኣብ መንኰብካ ብምሽካም፡ መሬት ብምርጋጽ፡ ብጭብጨባን ብዕልልታን ዝበሃል እዩ። ምሳሌኡ ድማ ጐይታ መስቀሉ ተሸኪሙ ናብ ቀራንዮ ክጓዓዝ ከሎ ናይ ገሊላ ኣንስቲ ብዘይ ምቊራጽ እናልቀሳ ምኽታለን፡ ኣይሁድ ግና ደጋጊሞም እናረገጹ፡ እናሃረሙ ደስ ኢልዎም ክሰቅልዎ፡ መስቀሉ ኣሸኪሞም ናብ ቀራንዮ ናይ ምውሳዶም ምሳሌ እዩ።
ኣብ ኣመላላስን ወረብን ኣበሃሃህላ ኃዘንን ሓጐስን ብሓንሳብ ዝረኣይሉ ገጽ ዘለዎ እዩ። ኃዘን ናይ መስቀል ምሳሌ ዝኾነ መቈምያ ምሽካም ኮይኑ፡ ጭብጨባን ዕልልታን ድማ ናይ ሓጐስ መግለጺ እዩ። እዚ ዝኾነሉ፡ ሞት ጐይታ ዋላ’ኳ መኅዘኒ እንተኾነ፡ ድኅነት ስለዘውህብ ግን ናይ ምእመናን ሓጐስ ንምግላጽ ዝግበር ሥርዓት እዩ።
ወረብ ምስጋና ኮይኑ ንመዘምራንን ምእመናንን ሓደ ዝገብር እዩ። ጣዕመ ዜማኡ ብዘይ ከበሮን ጸናጽልን፣ ብየማንን ጸጋምን ድኅሪ ምምልላሱ ብዘርግጹ መዘምራን ተዓጂቡ ዝፍጸም ሥርዓት እዩ። እዚ ብህድኣት ዝጅመር ክፍሊ፡ እናደመቐን እናፈጠነን ብምኻድ ኣብ መወዳእታ ይሽብሸብ። ሊቃውንቲ ክዝምሩ ከለዉ፡ ምእመናን ከኣ ብእልልታን ብጭብጨባን ይዕጅቡ። ስለዚ ብኸምዚ ኣገባብ ሥርዓተ ኣገልግሎቱን ኪደቱን ሓልዩ ይፍጸም።
ሐ. አጽሕሶ፥ ኣጽሕሶ ካባ (ጥንግ ልብስ)፡ ብዝለበሱ እናተዓጀበ ዝዝመር ጣዕመ ዝማሬ፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ብምባል ብእግሪ ዝግበር ምንቅስቃስ ዘለዎን እዩ።
ኣጽሕሶ ብምሥጢር ዝተመልአ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ዘዘክር ኮይኑ መዘምራን መዓንጣኦም ብመዕጠቂ ተዓጢቆም፡ ናብ ቅድሚትን ድኅሪትን እናበሉ ብእግርን ብኢድን ዝፍጽምዎ ናይ ኣካል ምንቅስቃስ ብምሳሌ ንምርዳእ ተባሂሉ ዝፍጸም ሥርዓተ ኣገልግሎት እዩ።
መዘምራን ሓደ ቀለም እናመላለሱ ምዝያሞም፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዞም ናብ ሐና፡ ካብ ሐና ናብ ቀያፋ፡ ካብ ቀያፋ ናብ ጲላጦስ ከምኡ’ውን ናብ ሄሮድስ ከመላልስዎ ናይ ምኅዳሮም ምሳሌ እዩ። ኣብ ጊዜ አጽሕሶ መዘምራን መቈምያ ኣብ መንኰቦም ምስካሞም፡ ጐይታ መስቀሉ ተሸኪሙ ካብ ሊቶስጥራ ናብ ቀራንዮ ናይ ምጒዓዙ ምሳሌ እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ እግሮም ናብ ላዕሊ እናልዓሉ መሬት ምርጋጾም ድማ፡ ጐይታ ናብ ቅድሚትን ናብ ድኅሪትን እናጐተቱ ኣብ መሬት እናውደቁ ናይ ምርጋጾም ምሳሌ እዩ።
ኣብ ጊዜ አጽሕሶ ብሓደ ወገን ዘለዉ ኣርገጽቲ ናብ ቅድሚት ክኸዱ ከለዉ፡ ኣንጻሮም ዘለዉ ድማ ናብ ድኅሪት ይምለሱ፣ እዚ ኸኣ ናይ ኣይሁድ ጭፍራ ክኅዝዎ ኣብ ናይ ኣትክልቲ ስፍራ ጌቴሴሰማን ክበጽሑ ከለዉ፡ ማንም ከይነገሮ ጐይታ ንእኡ ንምኃዝ ከምዝመጹ ፈሊጡ ናብኦም ቀሪቡ ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧ በሎም፡ ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ናዝራዊ በልዎ፡ ንሱ ድማ ኣነ እየ በሎም እሞ፡ ግርማ ናይ ቃሉ ኣፍሪህዎም ናብ ድኅሪት እናድኃርኃሩ፡ ብተደጋጋሚ ሠለስተ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ምውዳቖም ምሳሌ እዩ።
ከበሮኡ መጀመርያ ብህድኣት፡ ደኃር ብፍጥነት ምህራሙ ነቢይ ኢሳይያስ “ሕቆይ ንግርፋት፡ ገጸይ ድማ ንጽፍዓት ሃብኩ።” ክብል ብዛዕባ ጐይታ ዝተነበዮ ትንቢት ንኽፍጸም፡ ገጹ ብሻሽ ሸፊኖም “ኣምላኽ እንተ ዄንካ ብጽፍዒት ዝሃረመካ መን’ዩ ንገረና” እናበሉ መላሊሶም ብጽፍዒት ናይ ምህራሞም ምሳሌ እዩ። መዘምራን መቈምያ ካብ መንኰቦም ኣውሪዶም ንካልእ ምቕባሎም(ምሃቦም)፡ ናይ ጐይታ መስቀል ረዚንን፡ ከቢድን ብምዃኑ ከይሰቀልዎ ምእንቲ ከይሞቶም ንሓደ ኃላፊ መንገዲ (ስምዖን ቀሬናዊ) መስቀል ጐይታ ክስከም ናይ ምግዳዶም ምሳሌ እዩ። ብሓፈሻ ኣመላላስ፡ ወረብን አጽሕሶን ብዘለዎም ምሳልያዊ ውክልና ኣብ ክብረ በዓላት ወሰንቲ ኮይኖም ኣይተርፉን እዮም።
ኣብ ኣገልግሎት ማኅሌት ንዋያተ ቅዱሳት ከበሮ፡ መቈምያን፡ ጸናጽል ከምኡ’ውን ከም ዕጣን፡ ጥዋፍ፡ ጽንሐሕ፡ ደወል፡ ጽላል፡ መስቀል፡ ጥንግ ድርብ(ካባ)፡ ቀሚስን፡ . . . ዝኣመሰሉ’ውን ኣለዉ።
ኵሎም ድማ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነገረ መስቀል፡ ጸዋትወ መከራ ከምኡ’ውን ምስ ቅዱሳን ዝተተኃዘ ምሳሌያዊ ውክልና ኣለዎም።
ብናይ ማኅሌት ሥርዓተ ኣፈጻጽማ፡ እግዚአብሔር ይምስገን፡ ንሱ ዘኽበሮም ቅዱሳን ይዝከሩ፣ ብሓፈሻ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ንድኅነት ደቂ ሰብ ዝገበሮ ብመንፈሳዊ ሥነ ጥበብ ይግለጽ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!