ትንሣኤ ክርስቶስ (ዕለተ እሑድ ሰንበት)

May 01, 2021

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ፡ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ፡ ኻብ ሕቱም መቓብር ተንሢኡ፡ በዅሪ ትንሣኤና ዚኾነሉ ዕለት እዩ። ማቴ፦ 28፡1, ዮሓ፦ 20፡1።

ነቲ ንኣና ብነፍስን ሥጋን ዚቐትለና ዚነበረ ሞት፡ ንዘለዓለም ዚሰዓረሉን ዘጥፍኣሉን፤ እቲ ንወዲ ሰብ፡ እሱር ኃጢኣት ገይሩ ኺገዝኦ ዚጸንሐ፡ ጸላኢ ዅሉ ወዲ ሰብ ዝኾነ ዲያብሎስ ንዘለዓለም ዚተኣሰረሉ ዕለት እዩ።

ኣዳም ናጻ ዚወፅኣሉን፡ ፍጹም ሓጐስ ዚተጐናጸፈሉን፤ እቲ ንዘለዓለም ዘይነጽፍ ዘለዓለማዊ ፈልፋሊ መንፈሳዊ ሕይወት ሰላም ክርስቶስ ዚተኣወጀሉ፤ ሲኦል ጥራሓ ዚተረፈትሉ፤ ሲኦል ዓው ኢላ ዘእወየትሉ። ገነት ዚተኸፍተሉ፡ ገነት መንበሪ ቕዱሳን ዚኾነሉ፡ጥሜት ዚጠፍኣሉ፡ዕለት እዩ፤ 1ቆሮ፦ 15፡1-ፍጻሜ,1ጴጥ፦ 3፡18-19። እዚ ዅሉ ድኅነት ሰብ ከምዚተፈጸመ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ፡ ነቲ ቕዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ መወድስ ንትንሣኤ ኣመልኪቱ ዘዝየሞ፡ ብዜማን ብድጋምን ከምዚ ዚስዕብ እናበልና፡ ካህናትን ሕዝብን እንቀባበሎ እንጽልዮን እንዝምሮ ዘሎናን።

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፡ በዐቢይ ኀይል ወሥልጣን፡አሰሮ ለሰይጣን፡ አግዐዞ ለአዳም፡ ሰላም፡ እምይእዜሰ፡ ይኩን፡ፍሥሐ ወሰላም፤ብምጥቕላል ኪትርጐም ከሎ፦ ኻብ ሎሚ ንደኃር ፍጹም ሓጐስ ምእንቲ ኺኸውን፡ ክርስቶስ፡ ንሰይጣን ኣሲሩ፡ ንኣዳም ናጻ ኣውፂኡ፡ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ። (ቅኔ፡መወድስ ናይ ያሬድ)

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ እዝን ነዚ ዚመስሉ ኻልኦትን ሰላምታ ኣገልግሎታት፡ መዝሙርን ጸሎትን ዓወት ትንሣኤ ትሰብኽ። ምኽንያቱ እቲ ዅሉ ብነቢያት ኪንገር ዚጸንሐ ተስፋ ድኅነትና፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ እዩ ተረጋጊጹ። ጐይታና ኣብዚ ምድሪ ሠላሳን ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን፡ ኣብ ዝጸንሓሉ ጊዜ፡ ዘካወኖም ግብርታት ምድኃን፡ ዝያዳ ኸኣ እቶም ኣብ ሰሙነ-ሕማማት ዚተቐበሎም ዓይነታት መከራን ሥቓይን፡ ውፅኢቶም ትንሣኤ እዩ፤ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ሲኦል ተበርበረ፡ ዲያብሎስ ተሳዕረ፡ 

ኣዳም ናጻ ወፅአ”ዚብል፡ ብሥራት ዓወት ናብ ዓለም ዚተኣወጀ፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ እዩ፤ ክርስቶስ እንተ ዘይትንሥእ ነይሩ፡ ሕማሙን ሞቱን ትርጒም ኣይምሃለዎምን። ስለዚ “ሞት ዚተሳዕረሉ፡ ትንሣኤና ዚተበሠረ ብምትንሣእ ክርስቶስ እዩ” 1ቆሮ፦ 15፡54፤ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኻብቲ ዓሚቚ ለውሃቱ ዚተላዕለ፡ ን5500 ዓመታት፡ ንሥጋና ኣብ መቓብር፡ ንነፍስና ኣብ ሲኦል፡ እናተቘራነየ ኺገዝኣና ኻብ ዚጸንሐ ጸላኢና ዲያብሎስ ኣላቒቑ፡ ንምልኣተ ኃጢኣት፡ ብኽቡር ደሙ ሓጸበና፡ ሎሚ እቲ ሰብ ብግሉ ዚፍጽሞ ኃጢኣት ደኣ እምበር፡ ሰብ ብምዃኑ ጥራይ ኃጢኣተኛ ምዃን ተረፈ፤ ኣርዑት ጸላኢ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ሰቢሩ ምእንቲ ብናጽነት ክንነብር ሓርነት ኣጓናጸፈና።

“ምእንቲ ብሓርነት ክንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ” ገላ፦ 5-1። ኣርዑት ባርነት ዚተባህለ፡ ኃጢኣት እዩ፤እዚ ሓርነት እዚ ኺርከብ፡ ዚኽእል፡  ባህርይ ኣምላኽነት ክርስቶስ ኣሚንካ፡ ንዓለም፡ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ንምድኃን ኢሉ፡ ዚተቐበሎ ጸዋትወ መከራ፡ ብምእማን፡ ብስም ቅድስት ሥላሴ ብምጥማቕን እምበር ኣብ ድኅነታዊ ሕይወት ምግዛርን ዘይምግዛርን፡ ዋላ ሓደ ቦታ ኸም ዘይብሉ፡ እቲ እቶም ቢጽ ሓሳውያን “ጥምቀት ብዘይግዝረት ኣይጠቅምን እዩ’ እናበሉ ዘደናግርዎ ዚነበሩ፣ ክርስቲያን ቦታ ኸምዘይህብዎ ድኅነት ብዛዕባ ሕግታት ኃጢኣት ብዙኅ እኳ እንተ ተደንገገ፣ መንፈሳዊ ድኅነት ብዘየውህብ ኣርዑት ሕጊ ብሉይ ኪዳን ከምዘይተኃዙ ንሰብ ገላትያ ቅዱስ ጳውሎስ ምሂሩ እዩ። ገላ፦ 6፡15, 1ቆሮ፦ 7፡19።

እዚ ጒዕዞ ምድኃን ዓለም፡ ደቂ ሰብ፡ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስን፡ ሓዊ ሲኦልን ተላቒቖም፡ ኣብ ሕቚፊ እግዚኣብሔር፡ ንዘለዓለም ዚነብሩሉ ምሥጢር ሕይወት እዩ፤ ወልደ ኣብ፡ ወልደ ማርያም ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ኣብ ጸቢብ ደረትን ሓፂር ቊመትን ተወሲኑ ኻብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ኣብቲ ናይ ሕፃንነት ዕድሚኡ ኻብ በረኻ ናብ በረኻ ተንከራቲቱ፡ ንኣዝማዱ እናተኣዘዘ በብቚሩብ ዓበየ፡ ብኢድ ዮሓንስ ኣገልጋሊኡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ኣብ ገዳመ-ቆሮንቶስ ጸለየን ጾመን፤ ዓሠርተው ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ተቐበለ፡ ንዘርኢ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ መግዛእቲ ናብ ሓርነት፡ መለሰና፡ ንዅሉ ኸኣ ብትንሣኤኡ ፈጸሞ። ሉቃ፦ 2፡6, ማቴ፦ 4፡2, ዮሓ፦19፡1።

“እሙታን ተንሢኦ ሲኦለ ከይዶ በሞቱ ለሞት ደምሰሶ ወእምድኅረ ተንሥአ እሙታን በሣልሰት ዕለት አእኰቶ ለአብ እንዘ ይብል ዘአምላክ ቃል ጥዕጡዕ ከመዝ”፡ ትርጒሙ፡ “ካብ ምዉታን ተፈልዩ ተንሢኡ፡ ንሲኦል ብእግሩ ረጊጹ፡ ብሞቱ ንሞት ደምሰሶ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኻብ ምዉታን ተፈልዩ ምስ ተንሥአ ንእግዚኣብሔር ኣብ አመስግነካ ኣሎኹ” እናበለ ሥግው ቃል ኣመስገነ። (ሃይ.ኣበ.ገጽ 26፡ ትምህርተ-ኅቡኣት እልመስጦ አግያ)

ደጊሙ ኸኣ “ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ” ከም ብሓድሽ ውን፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሔር ኣብ ዝሃበኒ ውሉድን እኔና” ይብል፣ እቶም ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዚኾኑ፡ ኢየሱስ ውን ከምኦም ፍጹም ሰብ ኮነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዚነበሮ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፤ ነቶም ብፍርሃት ሞት ዕድሚኦም ምሉእ ባራዩ ኾይኖም ዚነበሩ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ፤ ከመይ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ኼድኅን ኣይመጽአን፡ “ከምኡ ድማ፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሔር ዝሃበኒ ውሉድን፡ ኣነ ብእኡ እኣምን እየ” በለ፤ እቶም ውሉድ ብሥጋን ብደምን ተኃባቢሮም እዮም እሞ፡ ንሱ ድማ ተኃባበሮም። ከም ብጻዮም ውን ኮነሎም፤ እዚ ኸኣ ንሞት ብሞቱ ምእንቲ ኺስዕሮ እዩ፤ እቲ ሞት ከኣ ሰይጣን እዩ። እቶም ብዘሎ ሕይወቶም ብፍርሂ ተሰዲዶም፡ ንባርነት ተገዚኦም ዚነብሩ ዅላቶም ምእንቲ ኼዕርፎም እዩ፤ ከመይ ባህርይ እቲ ዚወለዶ ኻብ ዘርኢ ኣብርሃም እምበር ካብ መላእኽቲ ኣይኮነን። ዕብ፦ 2፡13-16። ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተነግረና፡ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚነበረ ሊቀ ካህናት፡ ገዛእ ርእሱ ውን ኃጢኣተኛ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ብምጽላይ ካብ ሥጋዊ መቕሠፍቲ የምሕር፡ ካብ ፍጹምነቱ ዚተላዕለ፡ ክህነቱ፡ ንኽህነት መልከጼዴቅ ዚተመሰለ ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ግና፡ “ዘአልቦ ኀጢአት’ ስለ ዝኾነ፣ 

ምእንቲ ንኃጥኣን ኪምሕርን ይቕረ ኺብልን ናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን እዩ። ዘፍ፦ 1፡1, ዮሓ፦ 1፡4, ዕብ፦ 7፡16-ፍጻሜ፤ ቅድሚ ዓለም ዚነበረ፡ ዓለም ኣኅሊፉ ንዘለዓለም ዚነብር፡ ንኩነተ ሥጋ ዚመጽአ፡ ከም ብሓድሽ ከኣ ነዚ ዓለም እዚ ንምኅላፍ ዚመጽእ፤ ዚሓመመ፡ ዚሞተ፡ ዚተቐብረ፡ ዚተንሥአ፡ ጻዕሪ ሞት ዘጥፍአ፡ ብሕይወትነት መንፈስ ቅዱስ ንኣዳም ዘኽበረ፡ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ፤ እቲ ንመዋቲ ሥጋ ተዋሒዱ ዘተንሥኦ፡ ናብ ሰማያት ዘዕረጎ፡ ንሞት ብሥጋ ዚሰዓሮ፡ ነቲ 5500 ዘመን፡ ነጊሡን ሠልጢኑን ዚነበረ ዲያብሎስ ዚሰዓሮ፡ ንሱ እዩ፤ ነታ ኃይሊ ዲያብሎስ ዚግለጸላ ዚነበረ ኃጢኣትን ፍዳን ደምሲሱ፡ ኣርዑት ባርነት ኣጥፍአ፤ ነቲ ገጹ ብጸልማት ዚተሸፈነ ዲያብሎስ፡ ሥልጣን ልደት ዘለዎ፡ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ምስ ሥጋ ድንግል ማርያም ተዋሒዱ፡ ናብ ሲኦል ወሪዱ ምስ ረኣዮ፡ ፈሪሁ ረዓደ፤ “ብዘይፍለ ምኽሩ ብሓንቲ ፍቓድ፡ ምስ ኣቦኡ ሰማያት ዚፈጠረ”፤ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናብ ሲኦል ዚወረደ፡ ብነፍሱ እዩ እምበር ብሥጋ ኣይኮነን፤ ንምድሪ ኣጽንዓ፤ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ምእንቲ ኼጽንዕ ደሙ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣፍሰሰ፤ ፍጥረታት ንምሕላው፡ ንሥጋ ኣብ መስቀል ብስቑሉ ኃደጎ፤ ብኣካለ ነፍሲ ድማ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብኡ ዚነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም፡ ንሲኦል ድማ በርበራ፤ ሥጋ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸሎ መቓብራት ተኸፍቱ፡ ፈጣሪኦም ምስ ረኣዩ ድማ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ሲኦል ሃዲሞም ፋሕ በሉ፤ ነቲ ብማዕፆ ሓጺን ዚተመሰለ ፍዳ፡ ሰበሮ። ነቲ ብመፍትሕ ሓጺን ዚተመሰለ ጽንዓት ፍዳ ውን ጨፍለቖ። መዝ፦ 106፡14።

“ወአውየዉ ኀበ እግዚአብሔር ሶበ ተመንደቡ፤ ወአድኀኖሙ እምንዳቤሆሙ፤ ወአውፅኦሙ እምጽልመት ወጽላሎተ-ሞት፤ ወሰበረ መዋቅሕቲሆሙ፤ ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፤ ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመ ሕያው፤ እሰመ ሰበረ ኖኃተ ብርት፤ ወቀጥቀጠ መናስግተ ዘሐጺን” ፡ ትርጒሙ፡ “ምስ ተሸገሩ ናብ እግዚኣብሔር ኣእወዩ፤ ንሱ ኻብ ሽግሮም ኣድኃኖም፡ ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውፅኦም፤ መቓውሖም ድማ ሰበረ፤ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዚገበሮ ተኣምራት ምሕረቱ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ” መዝ፦ 106፡14,ማቴ፦ 27፡5, 1ቆሮ፦ 15፡53። “ማዕፆ ሓጺን ከፊትካ ነቲ ኣብ መቓብር ዚጠፍአ ሥጋኦም ተተንሥኦ፤ ነቶም ብሕይወቶም ዚተታኸሱ ተንቅሖም፤ ነቶም ኣብ መሬት ዚደቀሱ ድማ ተተንሥኦም፤ ንኃጥኣን ባሮትካ ናጻ ትገብሮም፤ ነቶም ዚረስሑ ኸኣ ብምሕረትካ ተኽብሮም” (ቅዳሴ ቄርሎስ) እዚ ማለቱ፡ ብሥጋ ናብ መቓብር ብምውራዱ፡ ኣካል ሙታን ከም ዘተንሥአ፡ ብኣካለ-ነፍስ ናብ ሲኦል ብምውራዱ ኸኣ ነፍሳተ-ሙታን ናጻ ኣውፅአ።

ብዛዕባ ትንሣኤ ዝተነግሩ ትንቢታት፦

ሀ/ ‘‘ አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ወተንሣእኩ፣ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፣ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ እለ ዐገቱኒ ወቆሙ ላዕሌየ’’(መዝ. ፫፡፭/ 3፡5)ትርጉሙ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሠ መቃብር ኃደርኩ፤ እግዚኣብሔር ስለዘተንሥኣኒ ኻብ ብዝኂ እቶም ዓቀብተ መቃብር ኣይፈርህን እየ፤ እግዚኣብሔር ክብል ከሎ ስም ሓድነቶም ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንሠለስቲኦም የመልክት፤ ካብቶም ጸላእተይ ኣብ ልዕሊ መቓብረይ ውን ካብ ምዉታን ከይትንሥእ እምኒ ዚጸቐጡኒ ፡ ኣብ ኣፍ መቓብር ቆይሞም ካብ ዚሕልዉኒ ኣይሁዳውያን ኮኑ፡ ሮማውያን ጭፍራ ኣይፈርህን፡ መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበልኩ ብኣምላኽነተይ ተንሣእኩ፤ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ ከም ዘተንሥኦ ይገልጽ፡ ‘‘ እግዚአብሔር ኣተንሢእዎ ’’ ይብል፤ (ግ.ሓዋ. 2፡32) እግዚአብሔር ወልድ ብገዛእ ሥልጣኑ ኸም ዝተንሠአ ውን ይዛረብ፤ ‘‘ወአልቦ ዘየኀይደንያ አላ ለልየ እሜጥዋ በፈቃድየ፡ እስመ ብዉሕ ሊተ አንብራሂ ወእሢማ ወብዉሕ ሊተ ካዕበ አንሥኣ ትርጉም፡ ኣነ ባዕለይ ብፍቓደይ ኣኅሊፈ እህባ እምበር ካባይ ዝወስዳ የልቦን፤ ንነፍሰይ ካብ ሥጋይ ክፈልያ ኣዋሒደ ድማ ኸተንሥኣ ሥልጣን ኣሎኒ።    (ዮሓ. 10፡18) ስለዚ እግዚኣብሔር’ውን ኣተንሢኡኒ እዩ እሞ ተንሣእኩ ዝብል ኣዘራርባ ብእግዚኣብሔርነት ናይ ቅድስት ሥላሴ ሓድነት ንምርዳእ እምበር ንምፍልላይ ወይ ንምብልላጽ ከምዘይኮነ የረድኣና።

ለ/ ‘‘ይእዜ እትነሣእ ይቤ  እግዚአብሔር እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ ቃለ  እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ ’’ (መዝ. 11፡5) ትርጉሙ ሽዑ እግዚኣብሔር ወልድ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ኃዲረ እትንሥእ ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን እገብር፡ ኣብ ሞት(ኣብ ዲያብሎስ) ኃይለይ ብትንሣኤ አፍልጥ ማለት እዩ፤ ካብ መቓብር፡ ካብ ሲኦል፡ ካብ ሞትን ግዝኣትን ዲያብሎስ ንምእመናን አድኅኖም ንምባል እዩ፤ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ትንሣኤ ጐይታ ናይ በይኑ ኻብ ሞትን መቓብርን ምትንሣእ ዘይኮነ ንኣና ነዞም ግዙኣት ዲያብሎስ ዝነበርና ኻብ ሞትን ግዝኣት ዲያብሎስን ናጻ ዘውፅአ ትንሣኤ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፤ እዚ ድማ ብትንሣኤ ተጠቀምቲ ንሕና ደቂ ኣዳም ምዃና እዩ።

ሐ/ ‘‘ ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፀሩ ወይጕየዩ ጸላእቱ እምቅድመ ገጹ ከመ የኀልቅ ጢስ ከማሁ የኀልቁ ወከመ ይትመሰው ሰምዕ እምቅድመ ገጸ እሳት ከማሁ ይትሀጐሉ ኀጥኣን እምቅድመ ገጹ ለእግዚአብሔር። (መዝ. 67:1-2) ኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዘመን ተፈጺሙ እግዚኣብሔር ወልድ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ኃዲሩ ብምትንሣእ ንጸላእቱ ኣጋንንትን ኣይሁድን መናፍቓን ደምሰሰ፤ከምቲ ትኪ ወፂኡ ዝጠፍእ እሞ ኣብዚ በጺሑ ውን ዘይበሃል ሞይቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ክፍረዶም ውን እዩ፤ እዚ ትንቢት እዚ ዘረድእ ትንሣኤ ጐይታና ንጸላእቱ ኣጋንንትን ኣይሁድን መናፍቓንን ውርደት፡ ንኣመንቱ ድማ ኽብርን ሕይወትን ምዃኑ እዩ፤ ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ ድኅሪ ሙማቱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸም ዝተንሥአ ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብተደጋጋሚ ዝገለጸሎም ነገር ድማ ምፍጻሙ ዝምህር ትምህርቲ እዩ፤ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ወንጌሉ ‘‘ ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸይድ ዓበይትን ካህናትን ጸሓፍትን ኣሣቕዮም ከም ዝቐትልዎ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ውን ክትንሥእ ምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ኺገልጸሎም ጀመረ፤’’ (ማቴ 16፡21) ይብል፤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ከም ዝተንሥአ ትንቢት ተነጊሩሉ ምሥጢር ዘለዎ ምሳሌ ውን ተመሲልሉ እዩ።

በዓለ ትንሣኤ ብኸመይ ከነብዕሎ ይግባእ

ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ሥርዓት ሰማያዊ ኽብርን ዘለዓለማዊ በረኸትን ዘውህብ ብምዃኑ ኽንሳተፎ ግቡእና እዩ፤ በዓለ ትንሣኤ  ኻብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ናፃ ዘውፅኣናን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝህበናን ስለዝኾነ፡ ኵሉ ሳዕ ንዝገበረልና ኸነመስግን፡ ካብ ኵሉ ባርነት ኃጢኣት ናፃ ወፂእና ብሓጐስን ፍሥሓን፡ ንዝሓመሙ ብጾትና እግዚኣብሔር ምሕረት የውርደልኩም፡ ንዝተኣስሩ እግዚኣብሔር የፍትሕኹም እናበልና፡ ነቶም ዘይብሎም ነዳያን ድማ ዓቕምና ብዝፈቐዶ እናተሓጋገዝና ብኃባር ከነኅልፎ ይግብኣና፤ እግዚአብሔር ንዘሎ ሕማም ኣርሒቁ ርሑስ በዓል ትንሣኤ ኪገብረልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

፳፬//፳፻፲፫ / 2/5/2021

 

 

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓለ እረፍት አቡነ ቦክረ ድንግል ኣብ ገዳም ኣቡነ ብፁዓ አምላክ…

ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድሥቲ ቤተ ክስቲያን ሓደ ካብቲ መለለይአ ዝኾነ፡ንቅዱሳን ዘለዋ ክብርን ዝኽርን እዩ።ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ  “ተዘከሩ መኳኒንክሙ ዘነገርኩሙ ቃለ...

መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብድሙቕ መንፈሳዊ…

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን...

ሓጺር መግለጺ ታሪኽ ሕይወትን ኣገልግሎትን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ…

`` ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር / እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ኣትኂዙ ኣተዓባብያኡ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እዩ...

ጸሎተ ፍትሓትን ሰማዕታተ ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ብጻዩ በጃ ዘሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቅሪ የልቦን፤ ዮሓ 15፥13 ኣብ ውሽጢ...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ሢመተ 5ይ ፓትርያርክ!

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ሢመተ 5ይ ፓትርያርክ!

ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ…

ሎሚ ዕለት ፮ ሰነ 2013 ዓ.ም (13/06/2021) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ኣብ ርእሰ ኣድባራት...

ጸሎተ ሠርክ ሥርዓተ ተቀብዓ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

5 ሰነ 2013 ዓ.ም. (12 ሰነ 2021 ዓ.ም.) ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዋዜማ ሥርዓተ ተቐብዖ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ምድላው ክዳውንቲ 5ይ ፓትርያርክን ተፈጺሙ!

ብደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና በራሪ ሃገረ ግብጽ ኣልባሳት 5ይ ፓትርያርክ ብልዑል ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ተዳልዩ፡ ብዕለት 4 ሰነ...

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን...

ኣብ ምቛም ቤተ መዘክርን ቤት ንባብን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን…

ብዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ልዑኽ ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበር...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም በለዛ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ 21 ግንቦት ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቅ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኩለን...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...