ምሥጢረ ሥላሴ

Oct 01, 2015

መሠረታዊ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርትን እምነትን ከምኡ’ውን ዓምዲ ሃይማኖትና እተን ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢራት’የን። እዚኣተን ከኣ፦ ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ቍርባንን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታንን እየን።
            ምሥጢረ ሥላሴ
ምሥጢረ ሥላሴ፡ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ እንከሎ ከሎ፡ ሠለስተ’ዩ፣ ሠለስተ እንከሎ ድማ ሓደ’ዩ።

እዚ ማለት ድማ ሠለስትነቱ ብስም፣ ብኣካል ብግብሪ ክኸውን ከሎ፡ ሓድነቱ ኸኣ ብባህርይ፣ ብህልውና፣ ብፍቓድ፣ ብሥልጣን፣ ብመለኮት፣ ብምፍጣር እዩ። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት/ ሓደ እንከለዉ ሠለስተ፡ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ዝኾኑ፣ በኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ድማ ሓደ እዮም።” ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት።

• ዘፍ. ፩፥፳፯/1:27 “ኣምላኽ ድማ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር በለ” ይብል። ኣብዚ ጥቅሲ እዚ “በለ” ምባሉ ናይ እግዚአብሔር ሓድነት ክገልጽ ከሎ፡ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ድማ ሠለስትነቱ የረድኣና። ምኽንያቱ ብመልክዐይ ብምስለይ እንተ ዝብል ነይሩ ሓደ ኣካል ጥራይ’ዩ ምበልና። ገለ ገለ ተፃረርቲ ሥላሴ ነዚ ኣባሃህላ’ዚ ብጌጋ ብምትርጓም እዚ ቃል’ዚ ኣባሃህላኡ ብዝኂ ዘመልክት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ከም ልምዲ ነገሥታት ንባዕሉ ከኽብር ኢሉ ብብዝኂ አንቀጽ ገሊጽዎ እምበር ሠለስትነት ኣየመልክትን እዩ ይብሉ።እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። ከመይሲ! ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ ነገሥታት ንርእሶም ‘ንሕና’ እናበሉ ወይ ከኣ ብብዝኂ አንቀጽ ሰይሞም ኣይዛረቡን። ንምሳሌ፦ ፈርዖን ንዮሴፍ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ሸይመካ ኣሎኹ” በሎ እምበር “ሸይምናካ” ኣይበሎን። (ዘፍ. ፵፩፥፵፩/41፡41) ናቡከደነፆር “ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎን ትርጓሜ ናይቲ ሕልሚ ከፍልጡኒ ኣብ ቅድመይ ከምጽእዎም ኣዘዝኩ” በለ እምበር ‘ከፍልጡና፥ ኣብ ቅድሜና’ ኣይበለን። (ዳን. ፬፥፮/4፡6)

• ዘፍ. ፫፥፳፪/3፡22 እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ “እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ንጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮይኑ ኣሎ” በለ ከምኡ ውን (ዘፍ. ፲፩፥፯/11፡7) “ንዑ ንውረድ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ በለ” ይብል። እዚ ቃል እዚ ሓደ ኣካል ተዛሪቡ ክልተ ሰማዕቲ ከምዘለዉ የረድኣና። ነዚ ኣበሃህላ’ውን ፀረ ሥላሴ ዝኾኑ ወገናት ብጌጋ ክትርጒምዎ ይረኣዩ’ዮም። እዞም ወገናት ‘ዝዛረብ ዘሎ እግዚአብሔር ክኸውን ከሎ እቶም ሰማዕቲ ኸኣ መላእኽቲ’ዮም’ ይብሉ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግና ጌጋ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና’ዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ብባህርይኡ ድኻም የብሉን። ብመሠረቱ ኸኣ ሓገዝ ዝደሊ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን። ንከሃሊነቱ ደረት ዘይብሉ እግዚአብሔር ንቅዱሳን መላእኽቱ ‘ኪዱ ከምዚ ግበሩ’ ኢሉ ይእዝዝ እምበር ንዑናይ ከምዚ ንግበር ኣይብልን’ዩ። ከምኡ ውን ንእግዚአብሔር መማኽርቲ ከምዘይብሉ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና። (ኢሳ. ፵፥፲፪-፲፬/40፡12-14, ሮሜ ፲፩፥፴፫-፴፮/11፡33-34)

• ዘፍ. ፲፰፥፩-፲፭/18፡1-15 እግዚአብሔር ንኣብርሃም ብሠለስተ ኣካል ከምዝተገልጸሉ “ኣብርሃም ቀትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ከሎ እግዚአብሔር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ፡ ኣዕይንቱ ቋሕ ኣበለ እንሆ ድማ ሠለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ክቕበሎም ጐየየ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ በለ ድማ “ጐይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተደኣ ረኺበስ በጃኻ ንባርያኻ ኣይትኅለፈኒ ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ኂደት ማይ ኮታ ከምጽኣልኩም፣ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትኃልፉስ ልብኹም ክትድግፉ ቍራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም ድኅሪ እቲ ትኃልፉ በለ። ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ከምኡ ግበር በልዎ።”
እግዚአብሔር ንኣብርሃም ክግለጸሉ ከሎ ከም ሠለስተ ሰብኣይ ከም ዝተራእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክዛረብ ከሎ ድማ እግዚአብሔር ብሓድነቱን ብሠለስትነቱን ከምዝተገልጸሉ ካብ ኣዛራርባኡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ሓደ አንቀጽ ሠለስተ ሳዕ ምድጋሙ ሓድነቱን ሠለስትነቱን ብንጹር የረድኣና። ትሕት ኢሉ ክልተ ሳዕ ልዕል ኢሉ ውን ኣርባዕተ ሳዕ ዘይምዃኑ ውን ነስተብህል። (ራእ. ፬፥፰/4፡8)

ሓድነት እግዚአብሔር

እግዚአብሔር ብባህርይ፣ ብህልውና፣ ብኣገዛዝእ፣ ብሥልጣን፣ ብመለኮት ነዛ ዓለም ብምፍጣርን ብምኅላፍን ሓደ እዩ።

ብምፍጣር፦ “እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” በለ እምበር ‘ፈጢሮም’ ኣይበለን። ዘፍ. ፩፥፩/1፡1

ብሥልጣን ብፍቓድ፦ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” (ዮሓ. ፲፥፴/10፡30)

ብህልውና፦ “ኣነ ኣብ ኣቦ ከምዘለኹ ኣቦ ውን ኣባይ ከምዘሎ እመኑ” (ዮሓ. ፲፬፥፲/14፡10) “ቃል ብመጀመርታ ነበረ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቃል ውን ኣምላኽ ነበረ እዚ ኣብ ኣምላኽ ነበረ” (ዮሓ. ፩፥፩-፪ /1:1-2)

መለኮት፦ “ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚአብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚአብሔር እዩ” (ዘዳ. ፮፥፬/6፡4, ኢሳ. ፵፩፥፮/41፡6, ማር. ፲፪፥፳፱/12፡29)

ሠለስትነት እግዚአብሔር

እግዚአብሔር ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ሠለስተ እዩ።

• ናይ ስም ሠለስትነት፦ ናይ ስም ሠለስትነቱ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይበሃል። (ማቴ. 28፡19) “አብ”፦ ናይ እግዚአብሔር አብ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። ስለዚ በይኑ አብ እምበር ወልድ ወይ ውን መንፈስ ቅዱስ በዚ ስም’ዚ ኣይጽዉዑን’ዮም። “ወልድ” ከኣ ናይ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። በዚ ስም ወልድ እምበር አብ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኣይጽዉዑን’ዮም። “መንፈስ ቅዱስ” ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። ስለዚ ውን በዚ ስም’ዚ በይኑ መንፈስ ቅዱስ እምበር ወልድ ወይ ውን አብ ኣይጽዉዑን’ዮም።

• ናይ ግብሪ ሠለስትነት፦ ናይ ግብሪ ሠለስትነቱ ከኣ አብ ወላዲ ወልድ ተወላዲ መንፈስ ቅዱስ ሠራፂ ማለት እዩ። ናይ አብ ግብሩ ንወልድ ይወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ የሥርጽ እምበር ኣይውለድን ኣይሠርፅን። ናይ ወልድ ግብሩ ከኣ ካብ አብ ይውለድ እምበር ኣይወልድን፣ ኣይሠርፅን፣ ኣየሥርፅን። ናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሩ ከኣ ካብ አብ ይሠርፅ እምበር ኣይውለድን፣ ኣይወልድን ኣየሥርፅን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ሠሪፁ ክበሃል ከሎ ንአብ ኣኺሉ መሲሉ ካብ አብ ብዘይ ምቅድዳም ተረኺቡ ማለት እዩ። “እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጽአ ግና ንሱ ክምስክረለይ’ዩ” (ዮሓ. ፲፭፥፳፮/15፡26)

• ናይ ኣካል ሠለስትነት፦እዚ ማለት ንአብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንወልድ ውን ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንመንፈስ ቅዱስ ውን ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። “ንአምን ከመ ቦሙ ለሥላሴ መልክዓት ጽዱቃት ዘውእቶን ኣዕይንት ወአእዛን አእዳው ወአእጋር ወኵሎንኬ እለ ተርፋ” ሠለስቱ ምእት “እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚአብሔር ኀበ ጻድቃኑ ወእዝኑሂ ኀበ ሥዕለቶሙ / ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ናብ ጻድቃኑ፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም’የን” (መዝ. ፴፫፥፲፭/34፡15) ኣካል ማለት ካብ ፀጒሪ ርእሲ ክሳብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ እዩ። ገጽ ማለት ከኣ ዓይኒ፡ ኣፍንጫ . . . ዝኃዘ ክፋል ኣካል’ዩ። መልክዕ ማለት ድማ ንገጽ ሓዊሱ ናይ ሰውነትና ቅርጺ (ኵነት) ዘጠቓልል’ዩ። ናይ ሥላሴ ኣካሎም ግና ከም ሰብ ኣካል ውሱን፣ ግዙፍ፣ ጸቢብ ኣይኮነን። ናይ ሥላሴ ኣካሎም፦ ምሉእ፣ ሰፊሕ፣ ረቂቅ’ዩ። እዚ ናይ ኣካል ሠለስትነት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ፍጹም ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ሰማያዊ ምሥጢር ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተጋህደ እዩ። “ጐይታ ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ ብኡ ንብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍቱ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ክዓልብ ተራእየ እንሆ ድማ ‘ብእኡ ዝሠመርኩ ፍትው ወደይ እዚ‘ዩ’ ዝብል ድምፂ ካብ ሰማይ መጸ” (ማቴ. ፫፥፲፮-፲፯/3፡16-17) እዚ ማለት ከኣ ወልድ ብዝተፈለየ ኣካሉ ተጠማቒ ኮይኑ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብፍሉይ ኣካሉ ብርግቢ ኣምሳል ተራእየ ከምኡ ውን አብ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ውሽጢ ደመና ኮይኑ “እቲ ዘፍቅሮ ወደይ” ኢሉ ምስክርነት ብምሃብ ሠለስቲኦም ኣካላት ብሓንሳብ (ኣብ ሓደ እዋን) ተራእዮም። ካብዚ ብምብጋስ ውን “ሓደ ገጽ” በሃልቲ ሰባልዮሳውያን (መናፍቃን) ትምህርቶም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ከምዘይኮነ ንርዳእ።

ናይ ሠለስትነት ምሳሌ

ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ብሓዊ፣ ብፀሐይ፣ ብማይ፣ ብባሕሪ፣ ብነፍሲ ሰብ ይምሰል። እዚ ማለት ግና ሰብ ብዝርድኦ መጠን ንምግላጽ ደኣ እምበር ካብ ዝኾነ ፍጥረት ንሥላሴ ዝኸውን ብቑዕ ምሳሌ ኣይርከብን። ኵሉ ምሳሌ ሕፁፅ ምዃኑ ክንርዳእ ይግብኣና። “ወአልቦ ዘይከውን ከማነ እስመ መልዕልተ ኵሉ ንሕነ. . . . . . . ወአልቦ ዘይትማሰለነ እስመ መልዕልተ አምሳል ንሕነ” ከምዝበለ ቀሌምንጦስ።

ሓዊ፦ ናይ ሓዊ ሠለስትነት ኣካሉ ዋዕዩ ብርሃኑ እዮም። እዚ ኸኣ ብኣካሉ አብ፡ ብብርሃኑ ወልድ፡ ብዋዕዩ ድማ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። “አቡየ እሳት ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ” (ቀሌም.) ከምኡ ውን “አብ እሳት ወልድ እሳት ወመንፈስ ቅዱስ እሳት ፩ዱ ውእቱ እሳተ ሕይወት ዘእምአርያም” (ቅዳሴ ማርያም) ሓዊ ሠለስተ ነገራት ይሃልዎ እምበር ሓደ ሓዊ እምበር ሠለስተ ሓዊ (እሳት) ከምዘይበሃል ከነስተውዕል ይግባኣና።

ፀሐይ፦ ናይ ፀሓይ ሠለስትነት ክበቡ፣ ብርሃኑ፣ ሙቀቱ (ዋዕዩ) እዮም። በዚ መሠረት ከኣ ብክበቡ አብ፡ ብብርሃኑ ወልድ፡ ብሙቐቱ (ዋዕዩ) መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። “አቡየ ፀሐይ ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ።” ከምኡ’ውን “ . . ወውስተ ፀሐይ ሤመ ጽላሎቶ” (መዝ. ፲፰፡፬) “አብ ፀሐይ፡ ወልድ ፀሐይ፡ መንፈስ ቅዱስ ፀሐይ ፩ዱ ውእቱ ፀሐየ ጽድቅ ዘላዕለ ኵሉ” (ቅዳሴ ማርያም)። ኣብዚ ውን ፀሐይ ብሠለስተ ነገራት እኳ ትግለጽ እንተኾነት፡ ሓደ ፀሐይ እምበር ሠለስተ ፀሐይ ኣይንብልን። በዚ ምሳሌ ውን ዋላ እኳ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ብሽም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ እንተኾኑ ሓደ ኣምላኽ እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ከምዘይንብል ክንርዳእ ንኽእል።

ነፍሲ ሰብ፦ ሰብ ብነፍሱ ሠለስትነት ኣለዎ። እዚአን ሠለስተ ባህርያት ከኣ ልብነት (ለባዊ)፡ ቃልነት (ነባቢ)፡ እስትንፋስነት ወይ ሕያውነት እዮም። ከምኡ ውን አብ ብልቢ፡ ወልድ ብቃል፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብእስትንፋስ ይምሰሉ። ካብዚ እንርድኦ ሰብ ብነፍሱ ሠለስተ ባህርያት ይሃልዎ እምበር ሓደ ነፍስ እምበር ሠለስተ ነፍስ ኣለዎ ተባሂሉ ከምዘይንገር፡ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ውን ብኣካል፣ ብግብሪ፣ ብስም ሠለስተ እንተኾኑ ውን ሓደ ኣምላኽ ኢልና ኢና እንኣምን። “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእስትንፋስ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ” (መዝ.፴፪፥፮)።

ደጊምና ክንርድኦ ዝግበኣና ኸኣ አብ ልብ፡ ወልድ ቃል፡ መንፈስ ቅዱስ እስትንፋስ እንተተባህሉ ውን ንአብ ዝተፈለየ ቃልን እስትንፋስን፡ ንወልድ ከኣ ዝተፈለየ ልብን እስትንፋስን፡ ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ዝተፈለየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ነንሓድሕዶም ህልዋን እዮም።

አብ ብልቦናነት፡ ኣብ ወልድን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው’ዩ። ወልድ ብቃልነት፡ ኣብ አብን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው እዩ። ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ብሕይወትነት (ብእስትንፋስነት) ኣብ አብን ኣብ ወልድን ህልው እዩ።

ስለዚ አብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ልቦም እዩ፣ ወልድ ድማ ንአብን ንመንፈስ ቅዱስን ቃሎም’ዩ፣ ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ንአብን ንወልድን ሕይወቶም (እስትንፋሶም) እዩ። በዚ መሠረት ብአብ ለባውያን፡ ብወልድ ነባብያን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ሕያዋን እዮም።

“አብኒ ልቦናሆሙ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስ ወልድኒ ቃሎም ለአብ ወለመንፈስ ቅዱስ፡ መንፈስ ቅዱስሂ ሕይወቶሙ ለአብ ወለወልድ” ከምዝብል። (አቡሊድስ ዘሮሜ) ከም ሓደ ልቢ ሓሳቢ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ፡ ከም ሓደ እስትንፋስ ሕያዋን ኮይኖም ይሓስቡን ይናገሩን ይነብሩን ይፍጽሙን ደኣ እምበር ምፍልላይ የብሎምን።

ሠለስትነቱን ሓድነቱን ዘብርሁ ተወሰኽቲ ጥቕስታት

ሥሉስ ቃል ምስጋና፦ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ኵላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” (ኢሳ. ፮፥፫/6:3, ራእ. ፬፥፰/4፡8)

ብስም ሥሉስ ቅዱስ ዝወሃብ በረኸት፦ “እግዚአብሔር ይባርክኻን ይሓሉኻን፡ እግዚአብሔር ገጹ የብርሃልካ ጸጋ ኸኣ ይሃብካ፡ እግዚአብሔር ገጹ ይመልሰልካ ሰላም ድማ ይሃብካ” (ዘኁ. ፮፥፳፫-፳፬/6:23-24) “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን ኣሜን” (2ይ ቆሮ. ፲፫፥፲፫/13፡13) ኃይልን ምድኃንን እግዚአብሔር፦ “የማነይቲ ኢድ እግዚአብሔር ኃይሊ ትገብር የማነይቲ ኢድ እግዚአብሔር ኃይሊ ትገብር ኣላ” (መዝ. 118:16)

ብጥምቀት ካብ እግዚአብሔር ምውላድ፦ “ስለዚ ኪዱ ንኵሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ክሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ. ፳፰፥፲፱/28፡19)

መጠቓለሊ

1. አብ ንወልድ ስለዝወለደን ንመንፈስ ቅዱስ ስለዘሥረፀን ኣይበልጾምን፡ ኣይቅድሞምን’ዩ። ኣብ ሥላሴ ምቅድዳም ኮነ ምብልላጽ ዝበሃል የልቦን።
2. ሥላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ ክኾኑ ከለዉ ብሥልጣን፡ ብመለኮት፡ ብህልውና፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብፍቓድ ብባህርይ ግን ሓደ እዮም።
3. መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ እምበር ካብ ወልድ ኣይሠርፅን እዩ።
4. አብ ኣምላኽ እዩ፡ ወልድ ኣምላኽ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ። ግና ሓደ ኣምላኽ ደኣ እምበር ሠለስተ ኣማልኽት ኣይበሃሉን እዮም።

ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም።
ምስጋና ንአብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንዘለዓለም ዓለም፡ አሜን።

• • •

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...