• እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ፈጣሬ ኵሉ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ካብ ሠለስተ ኣካል ሥላሴ እዩ። ሥላሴ፡ ብመለኮት ብኣገዛዝኣ ብባሕርይ ሓደ ክኾኑ ከለዉ ብስም ብግብሪ ብኣካል ከኣ ሠለስተ እዮም። ‘አብ’፥ ብኣካሉ ፈናዊ፡ ብዝተፈለየ ስሙ አብ፡ ብፍሉይ ግብሩ ወላዲ ኣሥራፂ፣ ከምኡ’ውን ለባዊ ኣለባዊ እዩ። ‘ወልድ’፥ ብፍሉይ ኣካሉ ተፈናዊ፡ ብፍሉይ ስሙ ወልድ፡ ብፍሉይ ግብሩ ተወላዲ፣ ከምኡ’ውን ነባቢ ኣንባቢ እዩ። ‘መንፈስ ቅዱስ’፥ ብፍሉይ ኣካሉ ተፈናዊ፣ ብፍሉይ ስሙ መንፈስ ቅዱስ፣ ብፍሉይ ግብሩ ሠራፂ፣ ከምኡ’ውን ሕያው ማሕየዊ እዩ። (ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ቍ. 54) መንፈስ ቅዱስ ከም አብን ወልድን ፍጹም ገጽ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ዘለዎ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣካል ዘይብሉ ዝርው ኃይሊ ኣይኮነን። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 3፡16 ከምዝተጠቕሰ ‘ብኣምሳል ርግቢ ምውራዱ’ ኣካላዊ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። (ዘፍ. 18፡1-6፣ ኢሳ. 41፡4፣ ዮሓ. 1፡1-4፣ ሃይማኖተ አበው ዘቅዱስ ቄርሎስ)
• መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ይሠርፅ እምበር ካብ ወልድ ኣይሠርፅን እዩ። “ወሶበ መጽአ ጰራቅሊጦስ ዘአነ እፌኑ ለክሙ እም ኀበ አብ መንፈሰ ጽድቅ ዘይወፅእ እም ኀበ አብ ውእቱ ሰማዕትየ/ እቲ ኣነ ካብ አብ ዝሰደልኩም ጰራቅሊጦስ መጸናንዒ ካብ አብ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጽአ ንሱ ኪምስክረለይ እዩ” ከምዝብል። (ዮሓ. 15፡26) መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ አብ ይሠርፅ ክበሃል ከሎ፡ ንአብ ኣኺሉን መሲሉ ተረኺቡ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ዝወርድ ዝወፅእ ዝኸይድ ዝመጽእ ተለኣኻይ ሕፁፅ ኣይኮነን። ‘ኣነ’ ክብል ዝኽእል ፍጹም ኣካል ዘለዎ ብሥልጣን ብኣገዛዝኣ ብመለኮት ምስ አብን ወልድን ሓደ እዩ። መለኮትሲ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዮም። አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ አምላኽ እዮም። ብመንግሥቲ፡ ብሥልጣን፡ ብግዝኣት ሓደ እዮም። “አብን ወልድን ኣብ ዘለውዎ ንመንፈስ ቅዱስ ንርእዮ ኢና፣ ኣብ አብን ወልድን ዘሎ ኽብሪ ኣምላኽነት’ውን ንመንፈስ ቅዱስ ገንዘቡ እዩ። እዚ ድማ ሕያውነት፡ ይቕሬታ፡ ፍልጠት፡ ቅድስና ሕይወት፡ ንጽሕና እዩ። (መዝ. 111፡2-4፡ 147፡5 ፣ ኢሳ. 6፡1-5፣ ዮሐ. 15፡26-27፣ 1ይ ቆሮ. 1፡30-31፣ ሃይማኖተ ኣበው ዘቅዱስ ባስልዮስ 33፡39)
• መንፈስ ቅዱስ ፈጣሪ እዩ። “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።” ከምዝብል (ዘፍ. 1፡1) አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ‘ለይኩን’ ኢሎም ፈጠሩ። ኣብ ዘፍጥረት 1፡26 “ኣምላኽ ኸኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር በለ” ከምዝብል ንሓድነት ሥላሴ ኽገልጽ ‘ኣምላኽ ኸኣ . . ’ ክብል ከሎ ‘ንፍጠር’ ኢሉ ድማ ንሠለስትነቱ የረድእ። ኣቦና ኢዮብ’ውን “መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፣ እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ ሕይወት ዝሃበኒ።” ብምባል መንፈስ ቅዱስ ፈጣሪ እግዚአብሔር ምዃኑ ይገልጸልና። (ኢዮብ 33፡4)
• መንፈስ ቅዱስ፡ ስሙ ዝባረኽን ዝቕደስን ምዃኑ ንኸረድኣና ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵልኹም ይኹን ኣሜን” ብምባል መንፈስ ቅዱስ ብህልውና ምስ አብን ወልድን ሓደ ስለዝኾነ ኅብረት ሓድነት ሂቡ ከጽንዓና ቃለ ቡራኬ ሃበና። (2ይ ቆሮ. 13፡13)
• ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ፈጣሪነትን ግብርን ኽገልጹ ከለዉ፡- “ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እም አብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት ” ብምባል ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ጠቂሶምልና ኣለዉ።
• እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ፥ መጽንዒ፡ መንጽሒ፡ ናዛዚ፡ ከሳቲ፡ መስተፍሥሒ፡ መስተሥረዪ እዩ። ንዝኃዘኑ ዘጽንዕ፡ ንዝደኸሙ ዘበርትዕ፡ ንውሉደ ክህነት ናብ ኣገልግሎት፡ ንምእመናን ናብ ጸሎትን ምጽዋትን፡ ንሰማዕታት ናብ ደም፡ ንመነኮሳት ናብ ገዳም ከምዝነቕሑን ከምዝለዓሉን ዝገብር እዩ። (ዮሐ. 16፡13) ጸጋኡ ዓቢይን ዝተፈላለየን እዩ እሞ ንቤተ ክርስቲያን ዝቕድስን ዘጽንዕን እዩ። (1ይ ቆሮ. 12፡1-11)
ጸጋኡ የብዝኃልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!