ምሥጢረ ጥምቀት (2ይ ክፋል) - ጥምቀት ጐይታ

Nov 06, 2015

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ተወልደ። ኣካላዊ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሓደ፤ ቅድምና ዘይነበሮ ሥጋ ቀዳማዊ ኣምላኽ ተባህለ፤ ብጐይትነት ዘይፍለጥ ሥጋ ብጐይትነት ተፈልጠ፡ እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ። ኣምላኽ’የ ኢሉ ንዕለቱ ኣይዓበየን፡ እንታይ ደኣ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ በብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ 30 ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወረደ፡፡ 

• ስለምንታይ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ ተጠሚቑ፧

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ እምበር፡ ልዕል ኢሉ ኣብ 40 ዓመቱ ወይ ትሕት ኢሉ ኣብ 20 ዓመቱ ዘይተጠምቀሉ ምኽንያት ነቲ ወዲ 30 ዓመት ኮይኑ ዝተፈጥረ ኣዳም ስኢንዎ ዝነበረ ጸጋ ውልድነት ንኽመልሰሉን፡ ውልድነት እተውህብ ኣፍ ደገ ምሥጢራት ዝኾነት ጥምቀት ባሪኹ ቀዲሱ ንምሃብን እዩ።

• ስለምንታይ ብኣገልጋሊኡ ቅዱስ ዮሓንስ ተጠሚቑ፧

ኣብቲ እዋን እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ከባቢ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ እናመሃረ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቕ ነበረ። ከምቲ ብትንቢት ኣቐዲሙ ዝተነግረሉ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ቀቅድሚኡ ጸራጊ መንገዲ ኮይኑ ንሕዝቢ ብማየ ንስሓ እናኣጥመቐ ንናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማናዊ ጥምቀት የዳሉ ነበረ። (ሚል. 3፥1፤ ኢሳ. 40፥3-5)

ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ ኢየሩሳሌምን ናብኡ ይመጹ ብኃጢኣቶም እናተናዘዙ ውን ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። (ማቴ. 3፥1-12፤ ሉቃ. 3፥1-20)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክነሱ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ቅዱስ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ብፍጹም ትሕትና ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። እዚ ኣርኣያ እዩ። ‘ከምቲ ኣነ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወሪደ ብኢድ ኣገልጋሊየይ ዝተጠመቕኩ፡ ንስኻትኩም''ውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድኩም ብኢድ ካህናት ተጠመቑ’ ንኽብል እዩ። ምኽንያቱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ዮሓንስ ‘መጺእካ ኣጥመቐኒ’ እንተዝብሎ ነይሩ ካብኡ ንደኃር ነገሥታትን መኳንንትን ንካህናት ‘መጺእኩም ኣጥምቑልና’ ምበልዎም ነይሮም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽጥመቕ ናብኡ ክመጽእ ዝረኣየ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ‘ኣነ እምበር ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብኣኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ’ ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ድማ ‘ወይደልወነ ከመ ንፈጽም ኵሎ ጽድቀ/ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና እዩ’ ኢሉ ብእኡ ንኽጥመቕ ፍቓዱ ከምዝኾነ ምስ ነገሮ ቅዱስ ዮሓንስ ንጐይታ እንታይ ኢሉ ከምዘጥምቖ ንምፍላጥ ‘ስም አብ ኣባኻ ህልው እዩ፡ ስም ወልድ ባዕልኻ ኢኻ፡ ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣባኻ ህልው እዩ፡ ንኻልእሲ ብስምካ አጥምቕ ንኣኻኸ ብስም መን ከጥምቐካ እየ፧’ ኢሉ ሓተቶ።(ሲኖዶስ ዘሓዋርያት) ጐይታ ኸኣ ‘ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፡ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ/ ወዲ ብሩኽ ከሣቴ ብርሃን ይቕረ በለልና፡ ከም ክህነት መልከ ጸዴቅ ዘለዓለማዊ ካህን ኢኻ’ እናበልካ ኣጠምቐኒ ምስ በሎ፡ ብኡ ንብኡ ኣጥመቖ። በዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንቅዱስ ዮሓንስ ‘መጥምቀ መለኮት’ ኢላ ከተኽብሮን ክትጽውዖን ከላ፡ ንትሕትና ኣምላኽና ኸኣ ‘ዕፁብ ድንቂ እዩ’ እናበለት ወትሩ ትሰብኽ።

• ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ቅድሚኡ ዘይተገልጸ ሰማያዊ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ሥላሴ ተገልጸ። ኣብ ሓደ እዋን ሠለስተ ኣካል ሥላሴ ማለት እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ተቐመጠ፡ እግዚአብሔር አብ ድማ ካብ ሰማይ ‘ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ’ ዝብል ድምፂ ኣስምዐ። (ማቴ. 3፥13-17)

• ስለምንታይ ብማይ ተጠሚቑ፧

ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብማይ ዝተጠምቀ ‘እነዝኃክሙ በማይ ንጹሕ/ ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም’ (ሕዝ. 36፡25-29) ዝብል ትንቢትን ዝተነግረ ምሳሌን ንምፍጻም እዩ። ብማይ እምበር ብጸባ ይኹን ብመዓር ዘይተጠምቀሉ ምኽንያት ከኣ መንጽሕን መጽረይን ዝኾነ ማይ ኣብ ዝኾነ ቦታን ብዝኾነ ሰብ ሃብታም ኮነ ድኻ ተረካቢ ስለዝኾነ እዩ። ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ሰብአ ትካት (ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበሩ ሕዝቢ) ኮነ ንግብጻውያን ብዘስዓቦ ጥፍኣት ማይ ንመዓት ከምዝተፈጠረ ይውሰድ ስለዝነበረ ንምሕረት’ውን ከምዝተፈጥረ ንምሕባርን ንማያት ንምቕዳስን ጥምቀቱ ብማይ ገበሮ።

• ስለምንታይ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ፧

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ዝተጠመቀሉ ምኽንያት ትንቢት ንምፍጻም እዩ። እዚ ድማ ብነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ‘ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድኅሪት እተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቕጢ።’ ክብል ተነብዩ ነበረ። (መዝ. 114፥3-8) ኣብነቱ ድማ ዮርዳኖስ ኣብ ላዕሊ ምንጩ ሓደ እዩ፡ ትሕት ኢሉ ግና ኣብ ክልተ ይምቀል፡ ድኅሪ እዚ ኸኣ ወሪዱ ናብ ሓደ መጺኡ ይራኸብ። ኵሉ ሰብ'ውን ትውልዱ ካብ ሓደ ኣዳም እዩ። ትሕት ኢሉ ግና እስራኤል በግዝረቶሙ (ብግዝረት) ኣሕዛብ ከኣ በቍልፈቶሙ (ብዘይ ምግዛር) ናብ ክልተ ተፈላልዮም ነበሩ። ዳኅራይ ግና ሕዝብን ኣሕዛብን ብናይ ክርስቶስ ልደትን ጥምቀትን ሞትን ኣሚኖም ብስም ሥላሴ ተጠሚቖም፡ ብጥምቀት ሓደ ከምዝኾኑ ንምግላጽ እዩ። (ኤፌ 2፥11)

ብካልእ ወገን'ውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀሉ ምኽንያት ማያት ንምቕዳስን ዕዳ ኣዳምን ሔዋንን ንምድምሳስን እዩ። ዲያብሎስ ነቲ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ‘ ኣዳም ገብሩ ለዲያብሎስ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ’ ዝብል ግዙኣቱ ምዃኖም ዘረጋግጸሉ ስም ባርነቶምን ዕዳ ደብዳቤኦምን ጽሒፉ ነቲ ሓደ ኣብ ዮርዳኖስ፡ ነቲ ሓደ ድማ ኣብ ሲኦል ደርቢዎ ነበረ። እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ ዮርዳኖስ ተደርብዩ ዝነበረ ዕዳ ደብዳቤ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንኽድምስሶ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። በዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ነቢይ ሚክያስ ‘ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ / ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ።’ ሚክ. 7፡19 ዝበሎ ትንቢት ተፈጸመ።

• ሠራዔ ሕግ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርኣያን ኣብነትን ኮይኑ ተጠሚቑ፡ ክብረ ውልድነት ንረኽበሉን ሰማያዊ ርስቲ ንወርሰሉን ጥምቀት ሠርዓልና። ‘ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።’ (ዮሓ. 3፡5) ድማ ይብለና። ስለዚ ከምቲ ንሱ ዝተጠመቖን በቲ ዝኣዘዞን፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ካብ ሥድራ ምእመናን ዝተወልዱ ወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ከምኡ’ውን ነቶም ኢኣማንያን ዝነበሩ’ሞ ደኃር ኣሚኖም ዝመጹ ካብ 40 መዓልቲ ክሳዕ 3ተ ዓመት ምሂራ ኣረዲኣ እናኣጥመቐት ጸጋ ውልድነት ከም ዝረኽቡን ብርቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊዶም ብወልድ ውሉድ ብክርስቶስ ክርስቲያን ተሰምዮም ዕለት ዕለት በታ ጸባብ ኣፍ ደገን ቀጣን መንገድን ዝኾነት ቅንዕቲ ሃይማኖት መስቀል ክርስቶስ ተሰኪሞም ንኽጐዓዙ ናብ ማኅበረ ምእመናን ከም ዝጽምበሩ ትገብር።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 19 መጋቢት 2012 ዓ.…

March
Saturday
28
ዝክር፦ አርስጦቦሎስ ዘእምሰብዐ ወክልኤቱ አርድእት፡ እስክንድሮስ፡ ወለእስክንድሮስ፡ ወአጋቢሁ፡ ወኒሞላ፡ ወሁንስጣ፡ ወዲዮናስዮስ፡ ወተላስዮስ፡ ወአስከናፍር። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ሮሜ 16፡1-16 3ይ ዮሐ. 1፡9-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 11፡1-10 ምስባክ፦ መዝ. 94/95 ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡20-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት።         *   *   *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

 ኣብ  ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሓፈሻዊ ግምገማ ስብከተ ወንጌል ተኻይዱ! 

02 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ናይ ዝረከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሓፈሻዊ ግምገማ ስብከተ ወንጌል ዘተኮረ ዓውደ ዘተ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...