ምሥጢረ ሥጋዌ (1ይ ክፋል)

Dec 16, 2015

ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ሥጋ ዝለበሰሉን ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ፡ ኃሙሻይ ባህርየ ነፍስ ኣዋሓሒዱ ንኣዳም ናይ ፴/30 ዓመት ጐበዝ፡ ንሔዋን ከኣ ናይ ፲፭/15 ዓመት ጐርዞ ጌሩ ኣኽቢሩ ፈጠሮም። ብጀካ ዕፀ በለስ ካብ ኵሉ ኣብ ገነት ዘሎ ብልዑ ግዝኡ ኢሉ ክብሩ ክወርሱ ስሙ ክቕድሱ ፈቐደሎም (ዘፍ. ፪፥፲፮/ 2:16)። እዚ ኸኣ ናቱ ኣምላኽነት ናታቶም ፍጡርነት ናቱ ገዛኢነት ናታቶም ተገዛኢነት ኽፈልጡን ሥርዓት ንምግባርን ትእዛዝ ንኽቐውምን እምበር ዕፀ በለስ ዝኸልኦም በቒቑሎም ኣይኮነን። ብእኡ ኣቢሉ’ውን ሥርዓተ ጾም ንምምሃር ነበረ። ንሳቶም ግና ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ኣፍረሱ ሞተ ሥጋ ፡ ሞተ ነፍስ ተፈሪድዎም (ሮሜ ፭፥፲፩/5፡11) ካብ ገነት ተሰጉ ። (ዘፍ. ፫፥፩-፳፫/3:1-23)።

እግዚአብሔር ርኅሩኅ መፍቀሬ ሰብ መሓሪ ብምዃኑ ኣዳምን ሔዋንን ብዝገበርዎ ኣዝዮም ስለዝተጣዕሱ ንስሓኦም ተቐቢሉ ብኽያቶም ሰሚዑ “ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ” ዝብል ቃል ተስፋ ሃቦ። (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ ፲፫/13, መዝ. 89፡1, 2ይ ጴጥ. ፫፥፰/3፡8, ገላ. ፬፥፭/4፡5)

ነቶም ወረስቲ ተስፋኡ ውን ብመሓላ ኣጽንዓሎም (ዕብ. ፮፥፲፯/6፡17)፣ እቲ ዝተጠቕሰ ኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመት ምስ ተፈጸመ፡ ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝሃቦ ተስፋ ዘይከልእ ጐይታ ከምቲ ሱባኤ ዝተቘጽረሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ካብ ኣዴና እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሒዱ ኣብ ዘመነ ዮሐንስ መጋቢት ፳፱/29 ብዕለተ እሑድ ብኅቱም ድንግልና ተፀንሰ። ድኅሪ ፱ተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ዘመነ ማቴዎስ ታኅሣሥ ፳፱ ብዕለተ ሠሉስ ፍርቂ ለይቲ ብኅቱም ድንግልና ተወልደ።

ኣምላኽ ንምንታይ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ሕማምን ሞትን ተቐበለ፧

“ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር ኵሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ እንከሎ ንምንታይ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ብዘይካ ኃጢኣት ሰብ ዝፍጽሞ ዘበለ እናፈጸመ ንሕማምን ሞትን ተቐቢሉ ንሰብ ከድኅን መሪጹ እንተበልና፧” እዚኦም ዝስዕቡ መረድኢታት ካብ ብዙኅ ብውኁዱ ንረክብ። 
1. ብኣርኣያኡን መልክዑን ዝፈጠሮ ሰብ ምስ ተጋገየን ምስ ተጣዕሰን ግዙእ ኃጢኣት ኮይኑ ኪነብር ኣይኃደጎን እንታይ ደኣ ካብ ኃጢኣትን መርገምን ኵነኔን ዝድኅነሉ ተስፋ ሂብዎ ስለዝነበረ ንኪፍጽሞ’ዩ። (ዘፍ. ፫፥፲፭/3፡15, ፫፥፳፪/3፡22, ቀሌ. ገጽ ፲፫/13)።
2. እግዚአብሔር ዝገብሮ ኵሉ ብመደብን ሥነ ሥርዓትን ስለዝኾነ እዩ። (1ይ ቆሮ. ፲፬፥፴፫-፵/14፡33-40) 
3. ዝበደለ ሰብ በጃ ኮይኑ ከንጽሕ ስለዘይክእል ንሱ ባዕሉ ነዚ መደብ እዚ ብንጽሕናን ብቕድስናን ካብ ዝተሓለወት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንኺውለድ ምእንታና ክሒሱ ንኽዓርቀናን ንኽዕረቐናን ግድን ኮነ። “ካብ ድኻም ሥጋ ሕጊ ክፍጸም ንዘይከኣለ ብምሳሌነት እግዚአብሔር ወዱ ልኢኹ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ፈረደ” ከምዝበለ። (ሮሜ ፰፥፫/8:3)
4. ብምኽንያት ሰብ (ኣዳም) ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ ብምኽንያት ኃጢኣት ውን ሞት፥ ብሓደ ሰብ ውን (ክርስቶስ) ሕይወት መጽአ። (ሮሜ ፭፥፲፪-፲፰/5:12-18)

ቀዳሚሁ ቃል ውእቱ (ብመጀመርታ ቓል ነበረ)

ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ በዚ ኣገላልጻኡ ቃል ቅድሚ ዅሉ ከምዝነበረ፡ ቅድምናኡን ህላዌኡን የረድኣና። ንቕድምናኡ ኸኣ ጥንቲ ወይ መበገሲ የብሉን። ፍጥረት ዘበለ ኵሉ መበገስን መፈጸምታን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣለዎ። መበገሲ ኵሉ ወይ መምጽኢ (አምጻኤ ዓለማት) ፈጣሪ እግዚአብሔር ግና ቀዳማዊ እዩ። ንእኡ ግና መበገሲ ወይ መጀመሪ ዘይብሉ ኣልፋ (ቀዳማዊ) እዩ። ከምኡ ውን ፍጻሜ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ እዩ። (መዝ. 102፡25-27)
ስለዚ እዩ ድማ ወንጌላዊ ዮሐንስ ነቲ ቅድመ ሥጋዌኡ ዝነበረሉ መንነት ህላዌን ኵነታትን ኪገልጽ ከሎ ቃል ቀዳማዊ ኢሉ ቅድምናኡ ዘረጋገጸ። እዚ ቓል እዚ ድማ ከም ቃል ፍጡራን ዝርው (ኣካል ዘይብሉ) ዘይኮነስ ኣነ በሃላይ ገባሬ ኵሉ ኣካላዊ ቃል ምዃኑ ንኸረድእ “እቲ ቓል” ኢሉ ጸውዖ (ገለጾ)። በዚ ድማ ቃል ዝተባህለ ወልደ እግዚአብሔር ክርስቶስ ምዃኑ ክሕብር “እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ዳኅረዋይ ዘመን ድማ ብፍሉይ ኣካሉ ሥጋ ከምዝለበሰን ከምዝተወሓሓደን ከረድኣና ኸሎ “እቲ ቓል ሥጋ ኾነ” በለ (መዝ. 32፡6, ዮሓ. ፩፥፩-፲፬/1፡1-14, ዕብ. ፩፥፪-፫/1፡2-3, ቈላ. ፩፥፲፪-፲፯/1:12-17)

ነአምን በክልኤቱ ልደታት (ብኽልተ ልደታት ነኣምን)

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ አብ ናይ ባህርይ ወዱ እዩ። ቅድመ ዓለም ካብ አብ ብዘይ ኣደ፡ ድኅረ ዓለም ብዘይ ኣቦ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝተወልደ በዚአን ክልተ ልደታት ነኣምን (ሕዝ. ፵፬፥፩-፫/44፡1-3, ማቴ. ፩፥፲፰/1፡18, ምሳ. ፰፥፳፫፥፳፭/8፡23-25)

ተዋሕዶ

ተዋሕዶ ማለት ቃልን (መለኮትን) ሥጋን (ትስብእትን፡ ሰብእነትን) ካብ ክልተ ኣካልን፡ ክልተ ባህርይን ብተዋሕዶ ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርይን ከምዝኾነ ዘረድእ ምሥጢር እዩ።

ቅዱስ ቄርሎስ ብዛዕባ ተዋሕዶ ቃልን ሥጋን ከምዚ ይብል፦ “ቃል ሥጋ ኮነ ኪበሃል ከሎ ቃል ተለዊጡ ሥጋ ኾይኑ ማለት ኣይኮነን፡ ሥጋውን ናብ ኣምላኽነት ተለዊጡ ማለት ኣይኮነን” ብዘይምርመር ምሥጢረ ተዋሕዶ ሃብቲ ቓል ንሥጋ፡ ሃብቲ ሥጋ ንቓል ኮነ እምበር፡ እዚ ማለት ድማ ገንዘብ መለኮት ብተዋሕዶ፡ ገንዘብ ሥጋ ብተዋሕዶ ገንዘብ ቃል ኮነ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንቓል ዝንገር ዝነበረ ንሥጋ ይንገረሉ፡ ንሥጋ ይንገር ዝነበረ ንቓል ይንገረሉ። እዚ ማለት ቀዳማይን መወዳእታን ክበሃል ዝግብኦ ቃል ክኸውን ከሎ ሥጋ ግና ንገንዘብ ቃል ብተዋሕዶ ናይ ባዕሉ ጌሩ’ሎ እሞ ቀዳማይን መወዳእታን ኣነ እየ ክብል በቒዑ እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ዝነበረ ቓል ውን ሥጋ ሃብቱ ስለዝገበረ ዘመን ተቘጽረሉ። ወዲ ፲፪ ዓመት ወዲ ፴ ዓመት ተባህለ። 
ቅድሚ ተዋሕዶ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ዝተባህሉ መነ መን’ዮም፧
መለኮታዊ ኣካል፦ ረቂቕ፣ ዘይጭበጥ፣ ዘይድኅሠሥ፣ እሳታዊ፣ ምሉእ፣ ስፉሕ፣
ሥጋዊ ኣካል፦ ግዙፍ፣ ውሱን፣ ጸቢብ፣ ዝድኅሠሥ፣ ዝጭበጥ፣
መለኮታዊ ባህርይ፦ ቀዳማይን ዳኅራዋይን፣ መጀመርታን መወዳእታን፣ ፈጣሪነት፣ ኵሉ ክገብር ዚኽእል፣ ዘለዓለማዊ፣ ዘይመውት፣ ዘይሓምም፣ ዘይጠሚ፣ ዘይጸምእ።
እምበኣር ወልድ ንደቂ ኣዳም ካብ ዝወደቑሉ መንጸፈ ደይን፡ ካብ ዝተገዝኡሉ ባርነት ሰይጣን ናፃ ንኽገብሮም ምስ መጽአ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሓሓደ። እዚ ማለት ከኣ መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ ኣካልን ከምኡ ውን መለኮታዊ ባህርይን ሥጋዊ ባህርይን ተዋሓሓዱ። እቲ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ብዘይምልዋጥ ብተዋሕዶ መለኮት ንመለኮት ከይለቐቐ ሥጋ ንሥጋነቱ ከይለቐቐ በተዓቅቦ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮነ። በዚ ድማ ምንታዌ (ክልተነት) ጠፍአ። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ዝበሃል።

ትንታነ ቅዱስ ቄርሎስ ብምሳሌ ሓጺንን ሓውን

ንተዋሕዶ መለኮትን ሥጋን ቅዱስ ቄርሎስ ብሓጺንን ሓውን መሲሉ ይዛረብ። ሓጺን ናብ ሓዊ ኣትዩ ምስ ሓዊ ኪወሓሓድ ከሎ መጠኑ፡ ቅርጹ፡ ርጕዱን ቁመቱን ከይለቐቐ ባህርይ ናይቲ ሓዊ ወሲዱ ኵለንትናኡ ፍጹም ሓዊ ከምዝኸውን እቲ ሓዊ ውን ናይ እሳትነት (ሓዊነት) ባህርይኡ ከይገደፈ ብመጠን እቲ ሓጺን ንቕርጺ እቲ ሓጺን ከምዝኅዝ ዳኅራይ’ውን ሓጓዳይ ብመዶሻ ኺወቕዖ ብመጋዝ ኺቝርጾ ኸሎ ኣብ መንጎ ሓጺንን ሓጺን ምንም ፍልልይ ከምዘይረአ፡ ኅድረት ምልዋጥ ዘይብሉ ተዋሕዶ መለኮትን ሥጋን ውን ከምዚ’ዩ ኢሉ ኣረዲኡና።
ስለዚ ነቲ ሓደ ክርስቶስ ከፊልካ ሥጋ ናይ ሥጋ ሥራሕ ይሠርሕ፡ መለኮት ናይ መለኮት ሥራሕ ይሠርሕ ምባል ጊጉይ ትምህርቲ እዩ።

ይቕጽል . . . 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...