ምሥጢረ ጥምቀት (1ይ ክፋል)

Nov 05, 2015

‘ጥምቀት’፦ ካብ ‘አጥመቀ’ ዝብል ግእዛዊ ልሳን ዝተረኽበ ኮይኑ መላእ ሰብነትካ ብማይ ምሕጻብ ማለት እዩ። 
ጥምቀት፡ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠሚቑ ዝጀመሮ፡ ከምኡ’ውን “ዝኣመነ ዝተጠምቀ ይድኅን” (ማር. 16፡16) ክብል ዝመሃሮ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ እናኣጥመቕኩምን ዝኣዘዝኩኹም ዅሉ ኺፍጽሙ እናመሃርኩምን ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም”(ማቴ. 28፡19) ኢሉ ኣዚዙ ዝመሥረቶ እዩ።


በቲ ብጸሎት ናብ ማየ ጐቦ ዝተለወጠ ማይ፡ ብስም ሥላሴ ሠለስተ ሳዕ ኣቲኻ ብምውፃእ ጸጋ ውልድነት ሥላሴ ዘውህብ ዳግማይ ልደት እዩ። 

ጥቕሚ ጥምቀት

1. ድኅነት ብጥምቀት እዩ፦ 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተጠምቀ ሰብ ከም ዝድኅን፡ “እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ” (ማር. 16፡16) ክብል ምሂሩ’ዩ። እቲ ዘይተጠምቀ ሰብ ግና ድኅነት የብሉን። ጐይታ፡ ኣብ ትምህርቱ እቲ ዝኣመነ ጥራይ እዩ ዝድኅን ዘይምባሉ፡ ጥምቀት ንድኅነት ከምዘድሊ ነስተውዕል።

2. ብጥምቀት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ ንውለድ፦

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ሓለቓን መምህርን ኣይሁድ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ክምህሮ ከሎ፦“ሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰብ ዳግማይ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወሊዱ ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣይኣቱን’ዩ” በሎ። (ዮሓ. 3፡3-6)። በዚ ዝረአ ሥርዓት ማለት ብማይ ዝፍጸም ጥምቀት ደቂ ሥላሴ ናይ ምዃን ጸጋ እንተዘይረኺብና መንግሥተ ሰማያት ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ “ካብ ማይን ካብ መንፈስን ምውላድ” ሃይማኖታዊ ግዴታ’ዩ።

3. ብጥምቀት ሥርየት ኃጢኣት ይርከብ፦

ቅዱስ ጳውሎስ ኃጢኣቱ ዝተደምሰሰሉ ኣብቲ ሓዋርያ ኪኸውን ዝተጸውዓሉ እዋን ዘይኮነስ ድኅሪ ብኢድ ሓናንያ ምጥማቑ እዩ። ባዕሉ’ውን ኣብ መልእኽቱ ድኅነት ዝርከብ ብጥምቀት ምዃኑ ኪገልጽ ከሎ፦ “ገሌኹም’ውን ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” (1ይ ቆሮ. 6፡11)።
እምነት መሠረት’ዩ፣ ፍጹም ዝኸውን ግና ብጥምቀት እዩ። እምነት ጥራይ እኹል እንተዝኸውን ነይሩ “እመኑ ጥራይ ኃጢኣትኩም ክሥረየልኩም’ዩ” ምበሎም ነይሩ ክጥመቑ ኸኣ ኣይመገደዶምን ነይሩ። 318 ሊቃውንት’ውን ኣብ ዝደረስዎ ጸሎተ ሃይማኖት “ኃጢኣት ብዝሥረየላ ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” ይብሉ።

4. ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኃቢርና ንመውት ምስኡ ኸኣ ንትንሥእ፦

ኵሉ ክርስቲያን ንክርስቶስ ኪመስልን ኣርኣያነት ክስዕብን ይግብኦ’ዩ። ጐይታ ውን “ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ እዩ። ስለዚ ንሞቱ ብዝመስል ሞት ምስኡ እንተ ኃቢርና ንትንሣኤኡ ብዝመስል ትንሣኤ ኸኣ ምስኡ ኅብረት ይህልወና። “ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና ምስኡ ድማ ብሕይወት ከም ንነብር ንኣምን” ከምዝብል። (ሮሜ 6፡8)
 

5. ብጥምቀት ሓድሽ ሕይወት ይርከብ፦

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኸረጋግጽ ከሎ “እምበኣርሲ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ካብ ምዉታን ዝተንሥአ ኸምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ሕይወት ምእንቲ ክንመላለስ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና” ይብል። (ሮሜ 6፡4)። ሰብነትና ዝሕደስን ዝቕደስን፡ ሓድሽ ሕይወት’ውን እንረክብ ብጥምቀት እዩ።

6. ብጥምቀት ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ንኸውን፦

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንምእመናን ገላትያ ኪምህር ከሎ፦ “ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ክትኾኑ ምእንቲ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ” ይብል። (ገላ. 3፡27-28)። እምበኣር ነቲ ሓድሽ ሰብነት ንላበስን ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ንኸውንን ብጥምቀት እዩ።

7. ብጥምቀት ኣባል ቤተ ክርስቲያን ንኸውን፦

ከምቲ ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ኣባል ሕዝቢ እግዚአብሔር ንምዃን ግዝረት ሃይማኖታዊ ግዴታ ኮይኑ፡ ኵሎም ደቂ ኣብርሃም ካብ ዝውለዱ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ኪግዘሩ ሕጊ ዝወፅአ፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ብጥምቀት ኣባል ቤተ ክርስቲያን ኴንና ብክርስቶስ ‘ክርስቲያን’፡ ብወልድ ‘ውሉድ’ ንስመ። ግዝረት ናይቲ ዝመጽእ ጥምቀት ኣብነት ነበረ። (ቈላ. 2፡11-13)

ናይ ጥምቀት ኣብነት ኣብ ብሉይ ኪዳን

ኖኅን ቤተ ሰቡን ካብ ጥፍኣት ዝደኃኑላ መርከብ፡ ናይታ ኣማናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ምዃና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብዛ ብመርከብ ዝተመሰለት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ጥምቀት ካብ ፍዳ የንጽሕ፡ ካብ ማእሰርቲ ዲያብሎስ የናግፍ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድኅነት ብጥምቀት ምዃኑ ኪገልጽ ከሎ “እዚ ማይ ጥምቀት ድማ ብተምሳሉ የድኅነኩም ኣሎ” ኢሉ’ዩ። (1ይ ጴጥ. 3፡20-21)

ግዝረት ናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ መፍለዪ ነበረ። ዘይተገዝረ ወዲ ኣብርሃም ኣይበሃልን ነበረ። ካብቲ ሕዝቢ ተፈልዩ ክጠፍእ እግዚአብሔር ኣዚዙ ነበረ። (ዘፍ. 17፡14) ስለዚ ግዝረት ንሕዝበ እግዚአብሔር ግዴታ ከም ዝነበረ፡ጥምቀት’ውን ንክርስቲያን ሃይማኖታዊ ግዴታ’ዩ። ግዝረት ነቲ ዝመጽእ ጥምቀት ኣብነት ምዃኑ ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ “ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ሥጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኮነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም፡ ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብኃይቲ እቲ ካብ ምዉታን ዘተንሥኦ እግዚአብሔር ብምእማንኩም ድማ ምስኡ ተንሣእኩም” (ቈላ. 2፡11-12)

ምስጋር እስራኤላውያን ንባሕረ ኤርትራ’ውን ናይ ጥምቀት ምሳሌ’ዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኪገልጽ ከሎ፦ “ኣኅዋተይ ነዚ ክትፈልጡ እፈቱ ኣቦታትና ኵላቶም ትሕቲ ደመና ነበሩ፡ ኵላቶም’ውን ብማእከል ባሕሪ ተሳገሩ ኵላቶም ድማ ሰዓብቲ ሙሴ ምእንቲ ኪኾኑ ብደመናን ብባሕርን ተጠምቁ” ኢሉ’ዩ። (1ይ ቆሮ. 10፡1-2) እስራኤላውያን ሰዓብቲ ሙሴ ንምዃን ብደበናን ብባሕርን ከምዝተጠምቁ ንሕና’ውን ሓድነትና ምስ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዝኸውን ብጥምቀት እዩ ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
           . . . ይቕጽል።

ዘመነ ዮሐንስ፦ 4 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Saturday
14
ዝክር፦ እንድርያስ ሓዋርያ ፡ አባ ፃእ፡ ወያዕቆብ፡ ወዘካርያስ፡ ወስምዖን፡ ወታዖድራ፡ ወታውፍልያ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ 2ይ ቆሮ. 11፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 4፡7-16-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 4፡29-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 98/99። ወንጌል፦ ማቴ. 4፡17-22። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ - ‘በኵረ ሓዋርያት፡ ተባዕ ለመስቀል’

• ‘እንድርያስ’ ፦ ‘በኵረ ሓዋርያት’ ማለት እዩ።ቅዱስ እንድርያስ ኃው ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ኣብ ዓዱ ቤተ ሳይዳ ብምግፋፍ ዓሣ ይናበር...

ክብረ በዓል በአታ ለማርያም ብድምቕ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ታኅሣሥ ዝኽበር ‘በአታ ለማርያም’፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብድምቀት ተኸቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብተን ብስም በአታ...

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ ኵነታት ቃለ ምጽንናዕ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነቲ ብዕለት 23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. (03 ታኅሣሥ 2019 ፈ.) ዘጋጠመ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰንብድን ልቢ ዝትንክፍን...

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’

‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዓ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ…

ዓመት መጸ 1 ታኅሣሥ ዝብዕል ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዓ አምላክ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ናይዚ ክብረ...

ዘመነ አስተምህሮ (6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ)

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

  ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና! ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ...

ዓመታዊ በዓል ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ብመሳጢ መንፈሳዊ መደባት…

28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.፡ ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ፣ “ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብ ልዕሊ...

አሥርቆት ዘወርኀ ዘታኅሣሥ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ታኅሣሥ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ታኅሣሥ ቡሩክ መዓልቱ ፱ ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ...

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60) እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ...

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...