ሕፅበተ መድኃኒት - ምሥጢረ ጥምቀት

Jan 18, 2021

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ።

ከም ኣምላኽነቱ ብሓንሳእ ናይ ዕብየት ተግባር ከይፈጸመ ድማ ሕጊ ጠባያኣውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ ብብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ ኣብ 30 ዓመቱ ብኢድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኽጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። “ አሜሃ መጽአ እግዚእ ኢየሱስ እምገሊላ ኀበ ዮሐንስ ከመ ይጠመቅ በፈለገ ዮርዳኖስ” (ማቴ. 3፡13)

ኣብቲ እዋን እቲ ከምቲ ኣቐዲሞም ነቢያት ዝተነበይሉ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸራጊ መንገዲ ኮይኑ ቀቅድሚኡ ዝመጸ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ እናመሃረ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቕ ነበረ። (ኢሳ. 40፡3፣ ሚል. 3፡1)

* ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ መሕፀቢ ድኅነትና ንሱ እዩ እሞ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክነሱ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ቅዱስ ዮሓንስ ስለ ብዙኅ ምኽንያት ተጠምቀ። ገለ ንምጥቃስ ፦

1. ቅድሚኡ ዘይተገልጸ ሰማያዊ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ሥላሴ ንምግላጽ ተጠምቀ። ኣብ ሓደ እዋን ሠለስተ ኣካል ማለት እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ተቐመጠ፡ እግዚአብሔር አብ ድማ ኣብ ደመና ኾይኑ ‘ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ዘቦቱ ሠመርኩ/ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ’ ዝብል ድምፂ ኣስምዐ። (ማቴ. 3፥13-17)

በዚ ኸኣ ቅድመ ዓለም ካብ አብ ኣካል ዘእምአካል ባህርይ ዘእምባህርይ ዝተወልደ፣ ድኅሪ ዓለም ድማ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ ብድንግልና ዝተወልደ እግዚአብሔር ወልድ ንሱ ቀዳማይን ካልኣይን ዘይብሉ ወልድ ዋሕድ ምዃኑ ተመስከረ። “ ኢይቤ ዘላዕለ ዝንቱ ወልድየ፡ አላ ይቤ ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ከምዝብል፣ እግዚአብሔር አብ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ገይሩ ደኣ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ በለ እምበር፡ ኣብዚ ኃዲሩ ዘሎ ወደይ እዩ ኣይበለን።” (ትርጓሜ ወንጌል ማቴ. 3፡17)
 
2. ኣቐዲሙ ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ‘ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድኅሪት እተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቕጢ።’ ክብል ዝተነበዮ ንምፍጻም ተጠምቀ። (መዝ. 114፥3-8)

3. ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝነበረ ‘አዳም ገብሩ ለዲያብሎስ፣ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ’’ ዝብል ዕዳ ደብዳቤ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንኽድምስሶ ተጠምቀ። (ሚክ. 7፡19 ፣ ቈላ. 2፡14)

4. ማያት ንምቕዳስን ንምብራኽን ተጠምቀ። ከምቲ ‘እነዝኃክሙ በማይ ንጹሕ/ ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም’ ዝበሎ እዩ። (ሕዝ. 36፡25-29) ነዚ ምሥጢር’ዚ ኽገልጽ ከሎ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ፡- “አኮ ፈቂዶ ለተጠምቆ ሐሰ ወዳዕሙ ከመ ያስተርኢ ወየሀበነ ጥንተ ልደት ዳግማየ፡ ወውእቱሰ አልቦቱ መፍቅድ በኀቤነ ለነ ለእጓለ እመ ሕያው/ ጥምቀት ኣድልይዎ ወይ ረብሓ ጥቕሚ ንክረኽበሉ ኣይተጠምቀን። ኣምላኽ ብሥጋ ተገሊጹ ጥንተ ልደት ዳግማይ ንኽህበና ደኣ እምበር ንሱስ ካባና ካብ ደቂ ሰባት ዝደልዮ ነገር የለን ” ይብል። (ሃይ. አበው 87፡15)

5. ብጥምቀቱ ኣርኣያ ኾይኑ ሥርዓተ ጥምቀት ንምሃብ ተጠምቀ። (ዮሓ. 3፡5) ብዘይ ጥምቀት ድኅነት ከምዘየለ ንምሕባር’ውን ‘ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።’ (ዮሓ. 3፡5) ብዝበሎ መሠረት፣ ሓደ ሰብ ናብ መንግሥተ ሰማያት ንምእታው ብሥርዓተ ጥምቀት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ተወሊዱ ብጸጋ ወዲ እግዚአብሔር ምዃን የድሊ። (ማር. 16፡16) ኣገዳስነት ጥምቀት ንምግላጽ ከኣ ድኅሪ ትንሣኤኡ ‘ ኪዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኪሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ኢሉ ንቅዱሳን ሓዋርያት ኣዘዞም።

ንሳቶም ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘይሮም ወንጌል እናመሃሩ ኣጥመቑ። (ማቴ. 28፡20) ኣሰሮም ዝሰዓቡ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎም ካህናት ከኣ ክሳዕ ምጽኣት እናጥመቑ ይነብሩ ኣለዉ። ግቡእ ሥርዓተ ጸሎተ ጥምቀት ተፈጺሙ፡ እቲ ካህን ‘፩ዱ አብ ቅዱስ፡ ፩ዱ ወልድ ቅዱስ፡ ፩ዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሉ ነቲ ማይ ብመስቀሉ ምስ ባረኾ፣ ብኃይሊ እግዚአብሔርን ብሥልጣን ናይቲ ካህንን እቲ ተራ ማይ ናብ ማየ ገቦ ይልወጥ። ሽዑ እቲ ካህን ናብዚ ማየ ገቦ ብምጥላቕ፡ ናይ ምቕባሩ ምሥጢር ይፍጸም፣ ካብዚ ማየ ገቦ ብምውፃእ ድማ ናይ ምትንሣኡ ምሥጢር ይፍጸም። ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ/ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝተቐበርና ፍለጡ” (ሮሜ 6፡4)፣ ‘እም ከመሰ ዐረይነ ሕማመ ንዔሪ ክብረ ምስሌሁ’ (ሮሜ 8፡17) ከምዝብል ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ንኸብርን ንቕደስን።

* እዛ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሠለስተ ሳዕ ኣብ ማይ ጠሊቕካን ተኣሊኽካን፡ ብማይ ተሓጺብካን ብምውፃእ እትፍጸም ጥምቀት ሓንቲ ኮይና ዘይትድገም እያ። (ኤፌ. 4፡5) እንተኾነ ግና እዚ ዓመት መጸ 11 ጥር ዝበዓል በዓለ ጥምቀትን ንንጸጎ ማይን ካልኣይ ጊዜ ንምጥማቕ ዘይኮነስ ካብ ጥምቀት ጐይታ በረኸት ንምስታፍን ብጥምቀት ዝተዋህበና ጸጋን ኃላፍነትን ንምስትውዓል እዩ።  ብዋዜማ ካህናት ታቦት ተሰኪሞም ናብቲ ዝተዳለወ ባሕረ ጥምቀት ብምኻድ ይኃድሩ። ታቦት ናብ ባሕረ ጥምቀት ምኻዱ፡ ናይቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ የጥምቐሉ ዝነበረ ፈለገ ዮርዳኖስ ናይ ምኻዱ ምሳሌ እዩ። ኣብቲ ዕለቱ ስብሐተ ማኅሌት፡ ጸሎተ ቅዳሴ፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ . . . ምስ ተሠርዐ ካህናት በቲ ዝተባረኸ ማይ ይነጽጉ፣ ታቦታት ድማ ካብቲ ዝኃደርሉ ባሕረ ጥምቀት ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ይምለሱ።
 
* ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን! እዚ በዓለ ጥምቀት’ዚ ነቲ ብጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ብዙኅ ጸጋ ነስተውዕለሉ፡ ከምኡ’ውን እቲ ንሕና ወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ብጥምቀተ ክርስትና ዝተዋህበና ኣፍ ደገ ድኅነት ብእምነትን ሠናይ ግብርን ብዝግባእ ዓቂብና ክሳዕ መወዳእታ ንኸነብጽሖ ቃል ንኣትወሉ ዕለት እዩ።    

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ዘመነ ማርቆስ 11 ጥቅምት ነሓሰ 2014…

October
Thursday
21
አባ ያዕቆብ፡ ወቅድስት ጲላግያ፡ ወአርማሚ ሰማዕት። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይ ጢሞ. 4፡9-ፍጻሜ ያዕ. 3፡1-6 ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 20፡20-25 ምስባክ መዝ.106/107 ወንጌል ማር. 8፡1-9 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘእግዝእትነ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብፁዕ አቡነ ጳውሎስ ኣቐባብላ ተጌሩሎም!

ኣብ ዝነበርዎ ሃገረ ስብከት አውሮጳ ብጊዜያዊ ኣቦ መንበርነት ከገልግሉ ዝጸንሑ ደኃር መዓርገ ጵጵስና ዝተቐብዑ ብፁዕ አቡነ ጳውሎስ ብብፁዕ አቡነ ባስልዮስ...

2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ን/ሃ/ስ ካናዳ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ተካይዱ!

“ብጐይታ ኩሉ ሳዕ ተሓጐሱ ፡ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኩ ” ኤፌ 4፦4 ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ንክልተ መዓልቲ ዝወሰደ...

ኣብ ሀገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ፡ ኣብ ፋይናንስን ምኅደራን ከምኡ ድማ ንጉዳይ ጥሮታን መምርሒታቱን ዝምልከት ስልጠና፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ብድሙቕ…

“ኀበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” ዓመት መጽአ 30 መስከረም ክብረ በዓል አቡነ አብሳዲ ኣብ ገዳሞም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ...

“ኦ አርሴማ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥአን ቤዛነ” ብዝብል ድምቀት ክብረ በዓል…

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ደብረ...

“ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ . . . እቲ መሪር ስደታ”

ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ቅንያት’ዚ ንስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ...

ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ…

ብዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. (30/09/2021.ፈ) ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ ምትኅልላፍ ክተግሁ ኣብ ቤት...

ትምህርቲ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ!

ቀዳማይ ዕላማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ቃለ ወንጌል ንሰባት ብምምሃር ናብ ርቱዕ እምነት ከምዝመጹን ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ከምዝነብሩን ብምግባር ንዘለዓለማዊ መንግሥተ...

'ብዙኃን ማርያም'

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል። ኣብ ራብዓይ...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 2ይ ክፋል

ነገረ ጉባኤ እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ፣ ተኸሳሲ ንስጥሮስ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ትምህርቱ ከቕርብ ተሓተ። ጉባኤ ብምልኣት እንተዘይተአኪቡ ኣይመጽእን በለ። ሠለስተ ጊዜ...

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...