ምሥጢረ ክህነት

Feb 17, 2017

ምሥጢረ ክህነት

ምሥጢረ ክህነት ዓቢይ ምሥጢር’ዩ። ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ዘለዎ፣ ነቶም ካልኦት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዘኽብር . . . እግዚአብሔር ዝመሥረቶ እዩ።

‘ካህን’፦ ማለት ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ፣ ናይ ሕዝቢ መንፈሳዊ መራሒ፣ መምህር፣ ኣቦ እዩ። ‘ክህነት’ ዝብል ከኣ ካህን ምዃን፣ መንፈሳዊ ሢመት ምቕባል፡ ምግልጋል የመልክት። ሥልጣነ ክህነት፦ ንኵሉ ብክርስቶስ ኣሚኑ ንዝተጠምቀ ክርስቲያን ዝዕደል መንፈሳዊ ሢመት ዘይኮነስ ብፍቃደ እግዚአብሔር ብኣንብሮተ እድ ብፁዓን ጳጳሳትን ጥራይ ዝወሃብ መንፈሳዊ ሥልጣን እዩ።

ዝኾነ ምእመን ነቲ ንካህናት ጥራይ ዝምልከት ኣገልግሎት ኪፍጽም ኣይክእልን እዩ። ብሥልጣነ ክህነት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ኢሉ ከገልግልን መሥዋዕቲ ከቕርብን፣ ንሕዝቢ ክጽልን ከጥምቕን ከነስሕን ከቝርብን ክባርኽን፣ ንዋየ ቅድሳት ክቕድስን ከኽብርን . . . ሥልጣን ዘለዎ ካህን ጥራይ’ዩ።

ምሥጢረ ክህነት ዝተጀመረ በቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም’ዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ፈጢሩ ናይ ጸጋ ወዱ ጌሩ ኣኽቢሩ ነቢይን ካህንን ጌሩ ሸሞ። ብኦሪት ሥርዓተ ክሳዕ ዝውሰን ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳዕ ሙሴ ዝነበሩ ኣበው ብበረከተ አበው ካብ እግዚአብሔር እናተሸሙ ብነቢይነቶም ነቲ ዝኃለፈን ዝመጽእን ክነግሩ፣ ብክህነቶም ድማ መሥዋዕቲ ከቕርቡ፡ ብጸሎቶም ንኣምላኾም ክጽውዑን ቃል ብቓል ክዘራረቡን ነበረ።

ኣዳም ካብ ገነት ምስ ወፅአ፡ በቲ ዝሠርሖ ኃጢኣት ተጣዒሱ እናኃዘነን እናበኸየን ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ንምሕታት መሥዋዕቲ ኣቕረበ። “ኣዳም በታ መዓልቲ ካብ ገነት ምስ ወፅአ ጽቡቕ መኣዛ ጌሩ ንኽቕበሎ ንግሆ ፀሓይ ክወፅእ ከሎ ዕጣን ዓጠነ” (ኩፋ. 5፥1)።

ናይ ክህነት ተግባር ንእግዚአብሔርን ንሰብን ምግልጋል’ዩ። ንእግዚአብሔር ምግልጋል ማለት ካህናት ንቅዱሳን መላእኽቲ መሲሎም ብመዓልትን ብለይትን ንእግዚአብሔር ዘቕርብዎ ምስጋና’ዩ። ንሰብ ምግልጋል ማለት ከኣ ምጥማቕ፣ ምቝራብ፣ ምንዛዝ፣ ብሞት ንዝፍለዩ ጸሎተ ፍትሓት ምግባር . . . ብሓፈሻ ብስብከትን ብትሩፋትን ንክርስቶስ መሲሎም ኣርኣያ ምእመናን ምዃን እዩ። (ማቴ. 13፡1-14፣ ግብ.ሓዋ. 6፡4)

ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ሕዝበ እግዚአብሔር እስራኤላውያን ብኃጢኣቶም ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዝበኣሱሉ እዋን፡ መሥተስተረዪ ኃጢኣት መሥዋዕቲ ዘቕርቡ ዝነበሩ ካህናት እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፈ ሙሴ ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኃጢኣት ድማ ንመሥዋዕቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመሥዋዕቲ ኃጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚአብሔር ይቐርበሉ። እቲ ካህን ድማ ብዛዕባ ኃጢኣቱ የስተሥርየሉ” (ዘሌ. 5፡6)።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዝገበርዎ ኃጢኣት ሥርየት ካብ እግዚአብሔር ይረኽቡ ዝነበሩ ብካህናት ኣቢሎም ኔሮም። እቲ ሕዝቢ ኃጢኣቱ ንካህን ይናዘዝ እቲ ካህን ከኣ ስለቲ ሕዝቢ ኃጢኣት መሥዋዕቲ ብምቕራብን ብምጽላይን ሥርየት ኃጢኣት ከምዝረኽቡ ይገብር። (ዘሌ. 5፡4-10, ዘሌ. 4፡1-26)። ሎሚ ውን ምእመናን ንኃጢኣቶም ንኣበ ንስሓ ብምንጋር ካብ ኃጢኣቶም ይፍትሑ። ጐይታ “ኣብ ምድሪ ዝኣሰርክምዎ ኣብ ሰማይ ዝተኣስረ ይኸውን፡ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕክምዎ ኣብ ሰማይ ዝተፈትሐ ይኸውን” ብምባል ካብ ኃጢኣት ናይ ምፍታሕ ሥልጣን ሂብዎም’ዩ። (ማቴ. 18፡18)
ስለዚ ምእመናን ንኃጢኣቶም ንካህን ብምንጋር ካብቲ ካህን ዝወሃቦም ቀኖና (መቕጻዕቲ) ብዝግባእ ወዲኦም ካብ ማእሠርቲ ኃጢኣት በቲ ካህን ክፍትሑ ይግብኦም።

ኻልእ ሕዝቢ ክትንክፎን ክሠርሖን ዘይግብኦ ካህናት ጥራይ ዝሠርሕዎ ኣገልግሎት ኣለዎም። እንተኾነ ግና ሥልጣነ ክህነት ከይተሸሙ ብትዕቢት ነቲ ካህናት ጥራይ ኪፍጽምዎ (ክትንክፍዎ) ንዝግብኦም ፈጺሞም ወይ ተንኪፎም ቍጥዐ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኦም ዝነደደትን ዝተቐስፉን ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኾም ተመዝጊቡ ይርከብ።

- ክዓጥኑ ዝፈተኑ ዳታንን ኣቤሮን ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም። (ዘኁ. 16፡1-50)
- ንጉሥ ዖዝያን ኣብ መቕደስ ኣትዩ ብምዕጣኑ ክሳዕ ዝመውት ለምጻም ኮነ። (2ይ ዜና. 26፡19-25)።

ሢመተ ክህነት፦ ዲቁና፣ ቅስና፣ ኤጲስቆጶስ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ጳጳስ፣ ሊቀ ጳጳስ፣ ፓትርያርክ ኣሎ። ከከም ማዕረጉ ኸኣ ሥርዓተ ሢመትን ጸሎትን ኣለዎ።

ኣብ ኣፈጻጽማ ምሥጢረ ክህነት ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይረአ ጸጋ ይወሃብ። እቲ ጳጳስ ብኣንብሮተ እድ (ኢዱ ብምንባር) ብጸሎት ክሸይም ከሎ፡ እቲ ክህነት ዝቕበል ከኣ ብሰቂለ ሕሊና፣ ብሰፊሓ ኢድ፣ ብኣንቃዓድዎ ኣዕይንት፣ ብኣድንኖ ርእስ ተመሲጡ ይጽሊ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ውን “ነቲ ብቓል ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝተዋህበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ።” ተባሂሉ’ዩ (1ይ ጢሞ. 4፡14)።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ፡ ክቡር!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...