ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ንዓሠርተው ክልተኦም ናብኡ ጸዊዑ በብኽልተ ክልእኮም ጀመረ፣ ኣብ ልዕሊ ርኹሳን መናፍስቲ ኸኣ ሥልጣን ሃቦም። . . . ንሳቶም ድማ ወፂኦም ዅሉ ክንሳሕ ሰበኹ፣ ስለዚ ብዙኃት ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፣ ንብዙኃት ሕሙማት ድማ ዘይቲ እናቐብኡ ፈወስዎም” (ማር. 6፡7- 13)
ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ’ውን ኣብ መልእኽቱ “ እመቦ ዘይደዊ እምኔክሙ ለይጸውዕ ቀሳውስተ እለ ውስተ ቤተ ክርስቲያን ወይጸልዩ ላዕሌሁ ወይቅብእዎ ቅብአ ጸሎት በስሙ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ። ወጸሎተ ሃይማኖት ያሐይዎ ለድዉይ ወያነሥኦ እግዚአብሔር ወእመኒ ቦቱ ኃጢአት ይትኃደግ ሎቱ/ ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ ሰብ እንተሎ ንቀሳውስተ ቤተ ክርስቲያን ይጸውዕ። ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይጸልዩሉ፡ ዘይቲ’ውን ይቕብእዎ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። እግዚአብሔር’ውን ከተንሥኦ እዩ፣ ኃጢኣት ገይሩ እንተኾይኑ’ውን ክኅደገሉ’ዩ” ይብል። (ያዕ. 5፡14-15) ናይ ቀንዲል ፈዋስነት፡ ንሥጋ ጥራሕ ዘይኮነ ንነፍሲ’ውን ስለዝኾነ ብደዌ ኃጢኣት ነፍሱ ንዘሕመመ ሰብ ሥርየተ ኃጢኣትን ናይ ነፍሲ ምጽንናዕን ዘውህብ እዩ።
እዚ ምሥጢር’ዚ ብካህን ዝፍጸም ርእሱ ዝኸኣለ ምዱብ ጸሎትን ኣፈጻጽማ ሥርዓትን ኣለዎ። በብጊዜኡ ንዝሓመሙ ምእመናንን ምእመናትን ዝፍጸም ኣገልግሎት ብምዃኑ ዝደጋገም ሥርዓት እዩ። እቲ ሕሙም ዓቢይ ይኹን ንእሽቶ ኣብ ዘለወሉ ቦታ ይፍጸም።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!