Print this page

ምሥጢረ ተክሊል

Jan 12, 2018

ብቓል ኪዳንን ቡራኬን፡ ብጸሎተ ተክሊልን ሥጋኡን ደሙን ክልተ ዝነበሩ ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይን ዓቅመ ሔዋን ዝበጽሐት ጓል ኣንስተይትን ሓደ ዝኾንሉ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ተክሊል ይበሃል። “እዚ ምሥጢር’ዚ ዓቢይ እዩ” (ኤፌ. 5፡32) ከምዝብል ብጸሎተ ተክሊልን ጸሎተ ቅዳሴን ዝፍጸም፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘውህብ፡ ብምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ክርስቲያናዊ መርዓ እዩ። ንጸሎተ ተክሊል ተኸቲሉ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ መርዓውቲ ሥጋኡን ደሙን ይቕበሉ። (ፍት. መን. 24፣ ቍ. 899)

መርዓ ዝተጀመረ ብፍቓድን ቡራኬን እግዚአብሔር እዩ። . . . 

እግዚአብሔር፡ ኣዳም በይኑ ክኸውን ፍቓዱ ኣይነበረን፡ ስለዚ ሓጋዚት ትኾኖ ካልኣይቲ ኽገብረሉ ፍቓዱ ኮነ። በዚ መሠረት ድማ ንኣዳም ማእከለ ንዋም ወነቂሕ ገይሩ ካብ ዘይርአ ኣካሉ፡ ሓንቲ ዓጽሚ ካብ ጐድኑ ወሲዱ ናይ ጓል ኣካል ዘለዋ ገይሩ ንሔዋን ፈጠራ። ኣዳም ኸኣ ንሔዋን ምስ ረኣያ “እዚኣ ዓጺሚ ኻብ ዓጽመይ፡ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ እሞ ሰበይተይ ትኹነኒ” በለ። (ዘፍ. 1፡27) እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ “ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” እናበለ ባረኾም። (ዘፍ. 2፡23)

ከምኡ’ውን መርዓ ቅዱስ ብምዃኑ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ መርዓ ተረኺቡ ቀዳማይ ተኣምሩ ፈጸመ። (ዮሓ. 2፡1-11) ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ኸኣ “እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ‘ሰብኣይንን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም’ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣደኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይዋሓድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ’ . . . ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴ. 19፡3-7፣ ማር. 10፡2-9)። 

በዚ መሠረት ክርስቲያናዊ መርዓ፡ ሠለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ኣለዎ። እዚ ኸኣ፦

1. ባህርየ ሰብ ድኹም እዩ እሞ ሰብኣይንን ሰበይትን ነሓድሕዶም ንኽደጋገፉን ክተሓጋገዙን እዩ። (ዘፍ. 2፡18)።
2. ሰብኣይንን ሰበይትን ብቕዱስ መርዓ ተኸሊሎም፡ ብሕገ እግዚአብሔር ተመሪሖም ዘርኢ ንኽትክኡ፡ ውሉድ ንኽፈርዩ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ “ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ከምዝበለ። (ዘፍ. 2፡23)
3. ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይን ዓቅመ ሔዋን ዝበጽሐት ጓል ኣንስተይትን ጾር ዝሙት ይኅይሎም፡ ብሥጋዊ ፍትወት ይፍተኑ እዩ እሞ ብቕዱስ መርዓ ተወሲኖም ካብ ዝሙት ንኽሕለዉ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ስለ ካብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሃልዎ፡ ነፍስ ወከፍ ሰበይቲ’ውን ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ” ከምዝበለ። (1ይ ቆሮ. 7፡2)

እቶም ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ሓደ ዝኾኑ፡ ብሓሳብን ዕላማን ዝሠመሩ ሰብኣይን ሰበይትን ብካህናት ሥርዓተ ተክሊል ይፍጸመሎም። ብድኅር’ዚ ቅዱስ መርዓኦም ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ሓድነት ምሳሌ ስለዝኾነ ኣይፈርስን እዩ። ( ማቴ. 19፡6-9 ፣ ኤፌ. 5፡32) ብምኽንያት ሞት፡ ዝሙትን ክሕደት ሃይማኖትን እንተዘይኮይኑ ፍትሕ ኣይግባእን እዩ። ካብዚ ወፃኢ ግና ሰኒፋ፣ መኺና፣ ጸሊማ፣ ደኽያ . . . ብዝብሉ ዘይጠቕሙ ምኽንያታት እንተ ተፈላለዩ’ኳ ክዕረቑ ኣለዎም። ኣይንዕረቕን እንተበሉ ግና ብውልቆም ንጽሕናኦም ሓልዮም፡ ካብ ዝሙት ርሒቖም ንበይኖም ክነብሩ ኣለዎም እምበር ዳግማይ ኽምርዓዉ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣይትፈቅድን’ያ። (ሚል. 2፡14-16፣ 1ይ ቆሮ. 7፡10-27፣ 11፡12)። ምኽንያቱ ምሥጢረ ተክሊል ሓንሳእ ምስ ተፈጸመ ዘይድገም ምሥጢር እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!