ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

Jan 25, 2019

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

* ጥንተ አብሶ እንታይ ማለት እዩ፧

ጥንተ አብሶ ማለት ካብ “ ‘ወጠነ፣ ‘አበሰ’ ” ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ ትርጕሙ ኸኣ ‘ጥንታዊ ወይ ቀዳማዊ ኃጢኣት’ ማለት እዩ። ጥንተ አብሶ ካብ ዲያብሎስ ዝተረኽበ ደኣ እምበር ካብ ባህርይ ኣዳም ዝተኸፍለን ዝተረኽበን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣንጻር ቅድስና ሕይወት ዝጐዓዝ ንሱ ኣብ ኣርዌ ምድር ኃዲሩ ንሔዋን ‘ካብዚ ኣብ ገነት ዘሎ ዕፀዋት ኣይትብልዑ’ዶ ኢልኩም እዩ፧’ ኢሉ ምስ ሓተታ፣ ንሳ ድማ ‘ይቤለነ ኢትብልዑ እምኔሁ ወኢትልክፍዎ ከመ ኢትሙቱ/ ምእንቲ ኸይትሞቱ ካብዚ ኦም በለስ ከይትበልዑ፡ ከይትትንከፍዎ ድማ በለና’ በለቶ። (ዘፍ. 3፡3፣ ኩፋ. 4፡24)።

ነዚ መልሲ’ዚ ምኽንያት ገይሩ ንኣዳምን ሔዋንን ሕጊ እግዚአብሔር ጥሒሶም ዕፀ በለስ ከም ዝበልዑን ምስ እግዚአብሔር ከም ዝበኣሱን ገበሮም። በዚ ኸኣ እቲ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚአብሔር ኣብኣቶም ተፈጸመ። መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን፣ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ከኣ ተፈርዶም። ስለዚ ጥንተ ኣብሶ ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ‘ብሰንኪ ሕጊ ምፍራስ ዝሰዓበ መርገም ወይ ድማ ዝተዋህበ ፍርዲ እዩ።’

* ጥንተ አብሶ ኣብ ዘመነ ብሉይ

በዚ ምኽንያት’ዚ ጥንተ አብሶ ካብ ዲያብሎስ መንጭዩ ናብ ኣዳም ወኃዘ፣ ብሰንኪ በደል ኣዳም ከኣ ኵሉ ዓለም 5500 ዘመን ብእኡ ተዀኒኑ ነበረ። “ወሶበ ኵነኔ ኃጢአት ወፂኣ እምላዕለ አሐዱ ብእሲ ኵሉ ተቀሥፈ ባቲ/ ብኃጢኣት ዝመጸ ፍርዲ (ጥንተ አብሶ) ካብ ሓደ ሰብኣይ (ኣዳም) ወፂኣ ንዅሉ ዓለም ኵነኔ ኣስዓበት” ይብል። (ሮሜ 5፡16)። ከምቲ ብሓንቲ ጨንገር ብዙኀት ዝግረፉ፡ ብጥንተ አብሶ ኸኣ ኵሉ ዓለም ተገርፈ።

በዚ ኸኣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ጥንተ አብሶ ብዘይካ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እንተ ዘይኮይኑ፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ስቅለተ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከም ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ፡ ከም ሐረግ ተጠምጢሙ፡ ከም ገመድ ቀፊዱ ኣሲሩ የማን ጸጋም ከም ዘይብሉ ጌርዎም ነበረ። ኵሉ ዝበደለን ዘይበደለን ግዙእ ሞት ኮይኑ ከምዝነበረ ክገልጽ ከሎ፡ ‘ወባሕቱ ኰነኖሙ ሞት እም አዳም እስከ ሙሴ ለእለሂ አበሱ ወለእለሂ ኢአበሱ በእንተ ይእቲ ኃጢአቱ ለአዳም/ ብሰንኪ በደል ኣዳም ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ነቶም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ገዚእዎም ነበረ።’ (ሮሜ 5፡14) ከም ዝብል፡ ንዅሎም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ገዚኡዎም፡ “ወኮነ ርኩሳነ ኵልነ ወከመ ጸርቀ ትክቶ ኵሉ ጽድቅነ፤ ኵላትና እነጸይፍን እነፈንፍንን ኮንና፤ ኵሉ ጽድቅና’ውን ከም ጨርቂ መርገም ኮነ።” (ኢሳ. 64፥6) እናበሉ፡ ናብ ሲኦል ይወርዱ ነበሩ።

* ጥንተ አብሶ ኣብ ዘመነ ሓዲስ

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ማለት ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ ግና እቲ ብምኽንያት ሕጊ ምፍራስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሠልጢኑ ዝነበረ ጥንተ አብሶ ከምታ ካብ ሡር መሠረታ ተማሕያ ዝወደቐት ገረብን፡ በልያ ዝተደርበየት ጨርቅን ኮይኑ ከም ዘይተራእየን ከም ዘይነበረን ኮነ። ነተን ዲያብሎስ ብተንኮል ‘አዳም ገብሩ ለዲያብሎስ፣ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ’ ኢሉ ዘፈረሞም ክልተ እብነ ሩኳም ባዕሉ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ደመሰሰን። ነታ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝደርበያ ክጥመቕ ከሎ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ኣጥፍኣልና። ነታ ካልአይቲ ኣብ ሲኦል ዝደርበያ ድማ ሰዓት ትሸዓተ ዓርብ ስቅለት መለኮት ብኣካለ ነፍሲ ናብ ሲኦል ወሪዱ ደምሰሳ፣ ‘ወሖረ ኀበ እለ ሙቅሕታ ትነብር ነፍሶሙ ወሰበከ ሎሙ ግዕዛነ ለእለ ክሕድዎ ቀዲሙ/ ነቶም ኣቐዲሞም ዝኸሓድዎ ሰባት ናብቲ ነፍሶም ተኣሲራቶ ዝነበረት ቦታ ኸይዱ ናጽነት ሰቢኹ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ናብ ናጽነት ኣሰጋገሮም። (1ይ ጴጥ. 3፡20) በዚ ጊዜ’ዚ ጥንተ አብሶ ኃይሉ ደኺሙ ሥልጣኑ ተመንዚዑ ህልም ኢሉ ጠፍአ።

ነዚ ከረድእ ድማ ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ወደምሰሰ ለነ መጽሐፈ ዕዳነ በሥርዓቱ እምዕድውነ፣ ወአእተቶ እማእከሌነ ወቀነዎ በመስቀሉ/ ነቲ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ብኣምላካዊ ጥበቡ ካብ ኢድ ጸላኢና ዲያብሎስ መንዚዑ ካብ ማእከልና ኣርሓቖ፣ ብመስቀሉ ከኣ ሸንከሮ።” ይብል። (ቈላ. 2፡14) ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ኣብ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም፦ “እስመ ሠዓረ ዘትካት ወነሠተ ምክሮ ለጸላኢ/ ንምኽሪ ጸላኢ ዲያብሎስ ሥዒሩ ነቲ ናይ ቀደም መርገም ደምሰሰልና’ ብምባል ድኅሪ ዕለተ ዓርብ ጥንተ አብሶ ፈጺሙ ከም ዝተደምሰሰን ናብ ደቂ ሰባት ምምኅልላፍ ከም ዘቋረጸን ይነግረና።

ነዚ ትምህርቲ እዚ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ኣሥፊሮሞ ኣለዉ። መረዳእታ ንምጥቃስ፡- “ተሰቅለ ዲበ ዕፀ መስቀል ከመ ይሥዓራ ለኃጢአት/ ንኃጢኣት ምእንቲ ኪሥዕራ ኣብ መስቀል ተሰቕለ።” (ድርሳነ ማሕየዊ ዘዓርብ 5፥4) ክብል ከሎ፡ ቅዱስ ያሬድ ከኣ ንመዓልቲ ጥምቀት ኣብ ዝሠርዖ ድርሰቱ፡ “ከመ ይሥዓር መርገማ ለሔዋ ዲበ ዕፅ ተሰቅለ። መርገም ሔዋን ንምድምሳስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቕለ።” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

ብርግጽ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ክሳዕ ትንሣኤኡ ንዲያብሎስ ስዒሩ ንጥንተ አብሶ ደምሲሱ ንኣና ድማ ነቲ ናይ ቀደም ክብርና ከም ዝመለሰልና፡ አባ ብንያሚ ንቃል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ክጠቅስ ከሎ፡ “ወአትናቴዎስ ሐዋርያዊ ይቤ በድርሳኑ ዘነበበ በእንተ እሉ አርዮሳውያን፣ እስመ እግዚአብሔር ውእቱ አስተኃፈረ ኃጢአተ በዲበ ምድር፣ ወአእተተ መርገመ በዲበ መስቀል፣ ወነሠተ ሙስና በውስተ መቃብር፣ ወአብጠለ ሞተ በውስተ ሲኦል። ወበኵሉ መካን ዘኮነ ቦቱ ገብረ ለነ መድኃኒተ።/ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ ብዛዕባ አርዮሳውያን ኣብ ዝተዛረበሉ ድርሳኑ ከምዚ ይብል፡- ንሱ እግዚአብሔር እዩ’ሞ፡ ኣብ ምድሪ ንኃጢኣት ኣኅፈረ፣ ኣብ መስቀል ንመርገም ደምሰሰ፣ ካብ መቓብር ምብስባስ ኣጥፈአ፣ ንሞት ኣብ ሲኦል ኣጥፍአ። ኣብ ኵሉ ቦታ ብዝሠርሖ ሥራሕ ድኅነት ገበረልና።’ ይብል።(ሃይ. አበ. 89፡24) እዚ ትምህርቲ እዚ ብሰፊሕ ክትንተን ከሎ ድማ፦

* ‘አስተኃፈረ ኃጢአተ በዲበ ምድር’ - እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ንዲያብሎስ ሰዓሮ። ኣብ ጊዜ ጽንሰቱን ልደቱን ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ቘሪኑ ዝኅዝ ዝነበረ ዲያብሎስ፡ እንበለ ዘርአ ብእሲ ተጸኒሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣኅፈሮ። ብጥምቀቱ ከኣ ነታ ሓንቲ ናይ ዕዳ ደብዳቤ ደምሰሰ። ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ድማ ብሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ንዲያብሎስ ሰዓሮ። (ማቴ. 4፥1-10 ንባብ ምስለ ትርጓሜ)። “እስመ ሶበ አመከሮ ሰይጣን በገዳም ተዐገሠ አኮ ፈቂዶ መከራሁ አላ ከመ ያብጥል ኃይሎ ለዘያሜክሮ፤” ከም ዝበሎ እዩ።(ሃይ. አበ. ዘሳዊሮስ 85፥16) ብኪደተ እግሩ ንምድሪ ቀደሳ። በዚ ድማ ንሰይጣን ኣኅፈሮ።

* ‘ወአእተተ መርገመ በዲበ መስቀል’ - ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ወአእተቶ እማአከሌነ ወቀነዎ በመስቀሉ፤” ከም ዝበለ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ንዝነበረ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ካብ ማእከልና ኣርኃቖ። (ቈላ. 2፥14-15)። ነዚ ከኣ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ “በውኂዘ ደሙ ቅዱስ አንጽሖሙ ለመሃይምናን ወለሕዝብ ንጹሐን፤ በቲ ዝወኃዘ ቅዱስ ደሙ ነቶም ብዓፀደ ሥጋ ኣብዛ ምድሪ፣ ብዓፀደ ነፍስ ድማ ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ፈጺሙ ኣድኃኖም።” (ቅዱስ ኤፍሬም፣ ውዳሴ ማርያም ዘሰንበተ ክርስቲያን)፣ “ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ ተሐፂባ በደመ ክርስቶስ፤ ምድሪ ኸኣ ብደም ክርስቶስ ተሓፂባ ፋሲካ ተብዕል።” (ቅዱስ ያሬድ፣ ዘትንሣኤ) ብምባል፡ ብሰንኪ ኣዳም ዝተረግመት ምድርን ተሰካሚ መርገም ኣዳም ዝኾነ ዘርኢ ኣዳምን ናፃ ወፂኡ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ንሓዋሩ በዚ ዕዳ እዚ ዘይሕተት ከም ዝኾነ ገሊጾም ኣለዉ።

* ‘ወነሠተ ሙስና በውስተ መቃብር’ - ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም፡- “ወነሠተ ምክሮ ለጸላኢ፤ ንምኽሪ ዲያብሎስ ሰዓረ፤” ከም ዝበለ፡ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ፡ ‘ንሥጋ ኣብ መቓብር፡ ንነፍሲ ድማ ኣብ ሲኦል ገዚአየን ክነብር እየ፣’ ዝብል ምኽሪ ሰይጣን ንምጥፋእ፡ ነተን ዝመኸረለን ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ብምግባር ብትንሣኤኡ ምብስባስ ሥጋ ኣጥፈአ። እዚ ፍጻሜ እዚ፡ “አይቴ እንከ ቀኖትከ ሞት፡ ወአይቴ መዊዖትከ ሲኦል” ዝተባህለሉ ፍጻሜ እዩ። (1ይ ቆሮ. 15:55)

* ‘ወአብጠለ ሞተ በውስተ ሲኦል’ - እዚ ድማ ጐይታ ብኣካለ ነፍሲ ናብ ሲኦል ወሪዱ ንዲያብሎስ ብእሳት ሞቍሕ ኣሲሩ፣ ነታ ካልአይቲ እብነ ሩኳም ደምሲሱ፣ ንነፍሳት ሓራ ከም ዘውፅኦም ዝገልጽ እዩ።

ስለዚ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ፡ ኣዳማዊ ኃጢኣት ተደምሲሱ፡ ማዕፆ ገነት ከም ዝተኸፍተልና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ “ሶበሰ ኢሞተ በሥጋ ከመ ሰብእ እም ኢያብጠለ ሞተ ከመ አምላክ ዘቦቱ ሥልጣነ ሞት ወእም ኢተደምሰሰ እምነ ማእከል መጽሐፈ ዕዳሁ ለአዳም። / ኣምላኽ ብሥጋ ሰብ እንተ ዘይመውት፡ ሥልጣነ ሞት ከም ዘለዎ መጠን ብኣምላኽነቱ ሞት ኣይመጥፈአን፤ እቲ ናይ ኣዳም መጽሓፍ ዕዳ ድማ ካብ መንጎ ሰብን እግዚአብሔርን ኣይምተደምሰሰን።”፤ ከምኡ’ውን፡ “ርኢከኑ ኦ ንጉሥ፣ እስፍንተ ሠናያተ ረከብነ እምኀቤሁ ንሕነ እለ ርኁቃን እምኔሁ በሕማማተ ወልዱ ቤዛነ።! በጠለ ሞት፣ ወጐየ ዲያብሎስ፣ ወተሀውከ ሲኦል፣ ወተፀርዐ ፍትሐ ዕዳ፣ ወተሠረወ ስሕተተ ሰይጣን ወኮነ ኅቡአ፣ ወተርኅወ ገነት፣ ወተከሥተ ዕፀ ሕይወት። ኦ ንጉሥ ካብኡ ርኂቕና ንዝነበርና ንኣና ቤዛና ብዝኾነ ሕማማት ወዱ፡ ካብኡ እንታይ ዓይነት ክብሪ ከም ዝረኸብና’ዶ ርኢኻ፧! ሞት ጠፍአ፣ ዲያብሎስ’ውን ተሳዕረ፣ ሲኦል ተረበሸት፣ ብኃጢአት ዝተፈርደ ፍርዲ ተፋሕቈ፣ ሰይጣን ዘምጽኦ ስሕተት ጠፍአ፣ ከም ዘይነበረ’ውን ኮነ፣ ገነት ተኸፍተ፣ ትንሣኤ ተጋህደ።” ኢላ ትምህረና። (ሃይ. አበ. ዘሳዊሮስ 84፥19 ፣ 85፥36)

ነዚ ትምህርቲ እዚ ቅዱስ ቄርሎስ፡ “እንከሰ አሐዱ ውእቱ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ዘተሣየጠነ በደሙ እመርገመ ኦሪት ወፆረ መርገመ በእንቲአነ በከመ ጽሑፍ ርጉም ኵሉ ዘስቁል ዲበ ዕፅ። ወመጽሐፈ ሕግሂ ያጤይቅ እስመ ዘሀሎ መትሕተ ዕልወት ወኃጢአት ርጉም ውእቱ። ወክርስቶስ ንጉሥ ዘኢየአምር ኃጢአተ ተኰነነ በእንቲአነ ወተዐገሠ ኵነኔሁ ለዐመፃ በእንቲአነ። ወተወክፈ ሕማማተ ዘይደልዎሙ ለእለ እሙንቱ መትሕተ መርገም። ዘኢመጠኑ ኵሉ ፍጥረት ሶበ ሞተ አእተተ ኃጢአተ እንተ ኮነት በዕልወት ቀዳሚ በዕልወት እምፍጥረተ ዓለም። እምበኣር፡ ‘ኵሉ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ርጉም እዩ፣’ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ምእንታና መርገም ኦሪት ተቐቢሉ፣ ካብ ፍዳ ኦሪት ብደሙ ዘድኃነና ወልደ እግዚአብሔር ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። መጽሓፈ ኦሪት’ውን ሕጊ ብምፍራስ ኣብ ኃጢኣት ዘሎ ርጉም ከም ዝኾነ የረድእ። እቲ ኃጢኣት ዘይብሉ ንጉሥ ክርስቶስ ምእንታና መከራ ተቐበለ። ስሌና ነቲ ብምኽንያት በደል ዝመጽአ ፍርዲ ብፍቓዱ ተቐበለ። ነቶም ኣብ ትሕቲ መርገም ኦሪት ዝነበሩ ሰባት ዝግባእ ዝነበረ መከራ ተቐበለ። እቲ ኵሉ ፍጥረት ዘይመጠጣኖ ምስ ሞተ፡ ዓለም ካብ ትፍጠር ጀሚራ ብምኽንያት ምፍራስ እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ ንዝመጽአት ኃጢኣት ኣጥፍአ።” (ሃይ. አበ. ዘቄርሎስ 79፥7) ብምባል ኣነጺሩ ምሂሩና እዩ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል . . . 

ምንጪ፦ ብጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተዳለወ ጽሑፍ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡አሜን!

ዘመነ ማቴዎስ 18 ኅዳር 2013 ዓ.ም.…

November
Friday
27
ዝክር፦ ዮና ቅድስት፡ ወአጥኑራንኒስ ድንግል፡ ወፊልጶስ ሐዋርይ፡ ወኤላውትሮስ።።               ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ቲቶ. 2፡1-8 ይሁ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ.  8፡5-13 መዝ. 64/65 ወንጌል፦   ዮሐ. 6፡5-14 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘአበዊነ ሐዋርያት።     * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...