ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (2ይ ክፋል)

Jan 30, 2019

ጥምቀተ ክርስትና

ጥምቀት ማለት ‘አጥመቀ’ ካብ ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ፦ ‘ኣብ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ማየ ገቦ ጠሊቕካን ተኣሊኽካን፡ ተሓጺብካን ምውፃእ’ ማለት እዩ። “ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ/ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝተቐበርና ፍለጡ” ከምዝብል። (ሮሜ 6፡4)። እዚ ድማ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝኸበርናን ከም ዝተቐደሰናን ፍለጡ ማለት እዩ። ስለዚ ግቡእ ሥርዓተ ጸሎተ ጥምቀት ተፈጺሙ፡ እቲ ካህን ‘፩ዱ አብ ቅዱስ፡ ፩ዱ ወልድ ቅዱስ፡ ፩ዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሉ ብመስቀሉ ምስ ባረኾ፣ ብኃይሊ እግዚአብሔርን ብሥልጣን ናይቲ ካህንን እቲ ተራ ማይ ናብ ማየ ገቦ ይልወጥ።

ሽዑ እቲ ካህን ናብዚ ማየ ገቦ ብምጥላቕ፡ ናይ ምቕባሩ ምሥጢር ይፍጸም፣ ካብዚ ማየ ገቦ ብምውፃእ ድማ ናይ ምትንሣኡ ምሥጢር ይፍጸም ኣሎ። ‘እም ከመሰ ዐረይነ ሕማመ ንዔሪ ክብረ ምስሌሁ’ ከምዝብል። (ሮሜ 8፡17)

እምበኣር ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣማናዊ ጥምቀት ዝርከብ ክብሪ፦ ውሉድነት ሥላሴን ሥርየት ኃጢኣትን እዩ።

1. ውሉድነት ሥላሴ፦ ካብ ሥላሴ ክብረ ውልድነት ረኺብና ሰማያዊ ርስቱ እንወርስ ብጥምቀት ምዃኑ ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሓ. 3፡5፤ ገላ. 3፡27፤ ኤፌ. 5፡26)። እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ክዛረቦ ከሎ፡ “ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።” ይብለና። (ዮሓ. 3፡5) ስለዚ ከምቲ ንሱ ዝተጠመቖን በቲ ንሱ ዝኣዘዞን፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ንጽሐ ጠባይዕ ዘለዎም ሕፃናት ንወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ንጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ እናኣጥመቐት ጸጋ ውልድነት ከም ዝረኽቡን ብርቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊዶም ብወልድ ውሉድ ብክርስቶስ ክርስቲያን ከም ዝስመዩን ትገብር።

2. ሥርየት ኃጢኣት፦ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት/ ኃጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” (ጸሎተ ሃይማኖት)። እዚ ቃል’ዚ ትምህርተ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ። በዚ መሠረት እምበኣር ጥምቀት ኃጢኣት ከም ዝድምስስ ዘየጠራጥር እሙን ነገር እዩ። እንተኾነ ግና ‘ነየናይ ኃጢኣት፧ ናይ መን ኃጢኣት ይድምስስ፧’ ኣነጺርካ ምፍላጥ ይግባእ።

ካብ ሡራ ተማሕያ ዝወደቐት ገረብ ዳግማይ ተተኺላ ለምሊማ ዓምቢባ ከተፍሪ ከምዘይትኽእል፡ ከምኡ ድማ ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ፡ ጥንተ አብሶ ብፍዳ ዘይኅዝን ዘይመኃላለፍን ስለዝኾነ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ (ዘመነ ሥጋዌ) ናብ ሕፃናት ዝኃልፍ ኣዳማዊ ኃጢኣት የለን። ነዚ ብምርዳእ እዮም ድማ ቅዱሳን ኣቦታት፡ ‘ወያቅድሙ አጥምቆ ሕፃናት/ ሕፃናት ንጽሐ ጠባይዕ ዘለዎም ኣምሳል መላእክት ስለ ዝኾኑ ፍጹም ኃጢኣት የብሎምን እሞ፡ ንሕፃናት ኣቐዲምኩም ኣጥምቕዎም’ ዝብል ሥርዓት ዝሠርዑልና። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ሣልስ)። ከምኡ’ውን ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ “ ተፀንሰ ወተወልደ በሥጋ ያሰስል ትካዘ ዘልደተ ደቂቅ ወያግዕዝ ትዝምደ እጓለ እመ ሕያው እምዘቀዳሚ መርገም/ ንሕፃናት ካብ ማኅፀን ጀሚሩ ይሳቕዮም ንዝነበረ ንኸርሕቕን፡ ንባሕርየ ሰብ ድማ ካብቲ ናይ ቀደም ፍዳ መርገም ንኸድኅንን ብሥጋ ተፀኒሱ ተወልደ። (ሃይ. አበው 86፡7)

ስለዚ ሕፃናት ዝጥመቑሉ ምኽንያት “እስመ ዘተወልደ እምሥጋ ሥጋ ውእቱ፡ ወዘተወልደ እመንፈስ መንፈስ ውእቱ/ እቲ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፡ እቲ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ” (ዮሐ. 3፡6) ከም ዝብል ድኅነት ብጥምቀት ስለዝርከብ ደኣ እምበር ጥንተ አብሶ ስለ ዝኃለፎም ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ሰባት ሕፃናት ጥንተ አብሶ ዘይኃልፎም እንተኾይኑ ክጥመቑ ከለዉ ‘ . . . ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት’ ዘለዎ ጸሎተ ሃይማኖት ክድገመሎም ኣይግባእን’ዩ ዝብልዎ ስሑት ትምህርቲ እዩ። ‘ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት’ ዝበሎ በቲ ክርስቶስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ ብሰብነቱ ረጊጹ፡ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንሓዋሩ ዝደምሰሰልና ኃጢኣት እተሥተሥሪ ሓንቲ ጥምቀት ነኣምን ኢና ማለት እዩ። ቅዱስ ያሬድ ብወገኑ ‘ኃጢኣት ወመንሡት ወኵሉ ይደመሰስ በዮርዳኖስ’ ይብል እዩ። ከምኡ’ውን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ቅዳሴኡ (ቍ. 66)፦ ‘ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት/ ነቲ ኣዳማዊ ኃጢኣት ኣይትዘክረልና’ ይብል። እዚ ኸኣ ‘ፍዳ መርገም ይመኃላለፍ እዩ’ ዝብሉ ስሑታን ኣለዉ’ሞ ነዚ ከብርህ ‘አበሳነ ዘትካት’ በለ። ስለዚ እምበኣር እዚ ብቤዛነት ክርስቶስ ዝተደምሰሰ ጥንተ አብሶ፡ ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ ናብ ደቂ ኣዳም ናይ ምኅላፍ ሥልጣን የብሉን።

ከምቲ ‘ወአሥለጠ ዕዳ ዘኮነ ላዕለ ደቂቀ እጓለ እመ ሕያው ወቤዘዎሙ በርእሱ ወሞተ በእንቲአሆሙ ከመ ሰብእ ወተንሥአ ወአኅጐሎ ለዘቦቱ እዘዘ ሞት ዘውእቱ ዲያብሎስ ዝንቱ ግብር ይትሌዐል እምኵሉ ንባብ ንትወከፎ በሃይማኖት ወኢንሕትት በእንቲአሁ በተቃውሞ/ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ አዳም ዝነበረ ኵሉ ዕዳ ከፈለ፡ ሰብ ብምዃኑ ድማ ብርእሱ ተበጀዎም፡ ምእንታኦም ሞተ፡ ነቲ ሥልጣን ሞት ዘለዎ ዲያብሎስ ስዒሩ ተንሥአ። እዚ ሥራሕ’ዚ ካብ ምዝራብ (ምምርማር) ዝረቐቐ እዩ። ብሃይማኖት ደኣ ንቀበሎ እምበር ብዛዕባኡ ብምክርኻር (ብምቅዋም) ኣይንመርምር።’ (ሃይማኖተ አበው ዘኤራቅሊስ 48፡24-25) ዝብል ነዚ ትምህርቲ’ዚ ብእምነት ምቕባል እምበር ምቅዋም ኮነ ምክርኻር ኣይግባእን እዩ።

ብሓቂ ጥምቀተ ክርስትና ንሕፃናት ብንጹሓቶም፡ ደጊም ኣብ ኣርዑት ባርነት ንኸይኣትዉ ደቂ ሥላሴ ገይራ፣ ንንኡሰ ክርስቲያን ድማ ካብ ዝነበሮም ምልኣተ ኃጢኣት ኣንጺሓ ኃይሊ እትህብ ምሥጢር እያ። ነዚ ከብርህ እዩ ድማ ሳዊሮስ ዘእስሙናይን ኣብ ድርሳኑ፡ “ወበጥምቀተ ክርስትና ይከውን ሰብእ አግዐዜ እምግብርናተ ኃጢኣት እምሥልጣነ ዲያብሎስ ወእምእጋንንቲሁ ርኩሳን። ብጥምቀት ኵሉ ሰብ ካብ ግብሪ ኃጢኣትን ካብ ሥልጣን ዲያብሎስን ርኹሳን ኣጋንንቱን ናፃ ይኸውን።” ዝበለ። እቶም ጥምቀተ ክርስትና ዘይተቐበሉ ግና እዚ ኃይሊ እዚ የብሎም። ከመይ! ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ዘይኄይሎም ይእዜ ለደቂቀ ከሐድያን/ ሎሚ ነቶም ደቂ ከሓድያን ገዚእዎም ዝነብር . . . ” (ኤፌ. 2፡2) ከም ዝበለ፡ ዲያብሎስ ባሮት ኃጢኣት ንምግባር እናኃየሎም ይነብር።

እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ብሰፊሑ ዝተገልጸ፣ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና እናተመኃላለፈ ኣባና ዝበጽሐን ዝቕጽልን ርቱዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

‘ንሕነሰ ንተሉ እምነተ አበዊነ ቅዱሳን እንበለ ተወላውሎ። ንሕናስ ብዘይ ጥርጥር ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ኢና ንስዕብ። (ሃይማኖተ አበው ዘቄርሎስ 70፥1)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ፡25 ኅዳር 2012 ዓ.ም.

December
Thursday
5
ዝክር ፦ መርቆሬዎስ፡ ወአቃርዮስ፡ ወሮማኖስ። ዘቅዳሴምንባብ፦ 2ይ ቆሮ. 7፡4-11። 2ይጴጥ. 1፡1-8። ግብ. ሐዋ. 16፡22-27። ምስባክ፦ መዝ. 82/83። ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡12-19። ቅዳሴ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h
Ad Right

  

: :
Queue is empty
-- / --

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሥልጠና ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተዋሂቡ!

ካብ 15-23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሜላ ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ ሥልጠና ንተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ኣብ ቤት ጽሕፈት...

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ…

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

እምነ ሰሎሜ

ወለዲ እዛ ቅድስቲ ኣደ እዚኣ ኣቦኣ ሕይወትብነ፡ ኣዲኣ ከኣ እምባመሪና ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ሰብ ቃል ኪዳን ውላድ ብምስኣኖም ብጸሎት ንእግዚኣብሔር...

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኅዳር ጽዮን 2012 ዓ.ም ብክብ ዝበለ ድምቀት…

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብብዝኂ ዓበይትን ናኣሽቱን በዓላት እተኽብረላ ወርኂ ኅዳር እያ። ብስፍሓትን ዕብየትን ዝብዓለሉ...

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ጋርካን ድባርዋን…

ዕለት 9 ኅዳር ክሳዕ 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ዝተቓንዐ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዮሐንስ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ዝመርሕዎን ሕጂ...

ኅዳር ጽዮን

ተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንፈቅድ...

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

ኣብ ዕሥራ ክፍለ ዘመን ብሩህ ኮከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘምድረ አግዓዚ ዝኾኑ ብፍሉይ ካብ ዝዝከሩ ኣቦታት ሓደ ብፁዕ ወቅዱስ...

ንድፈ ሕጊ ኣመራርጻ ፓትርያርክ ቀሪቡ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመዘዛ፡ ንዅሉ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን እትውከል ኮሚቴ ኣርቃቒት ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ ንመመላእታ ወርኂ መጽናዕቲ ድኅሪ ምክያድ 15 ዓንቀጽ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ፡ ን28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፡ ን8ተ ዲያቆናት…

ብዕለት 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ን28 ብመዓርገ ዲቁና፡ ን8ተ ድማ ብመዓርገ ክህነት ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከረን ብዋና ኣመኃዳሪ...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...