ምሥጢረ ጥምቀት

Nov 06, 2016

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን መንፈሳዊ ጸጋ ዜውህባ ሾብዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣለዋኣ። ‘ምሥጢራት’ ምባለን ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይረአ ናይ እግዚአብሔር ጸጋን ክብርን ዜውህባ ብምዃነን እዩ። እተን ሾብዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃላ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ሜሮን፣ ምሥጢረ ንስሓ፣ ምሥጢረ ቀንዴል፣ ምሥጢረ ቍርባን፣ ምሥጢረ ክህነትን ምሥጢረ ተክሊልን እየን።

1. ምሥጢረ ጥምቀት

ጥምቀት ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዝተኣዘዘ ካብ እግዚአብሔር እንውለደሉ ምሥጢር እዩ። ንኻልኦት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ንምስታፍ ዝከኣል ድኅሪ ጥምቀት እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ። ብዛዕባ ጥምቀቱ ኣቐዲሙ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ኣሎ። (መዝ. 29፥3፤ 77፥16፤ 114፥3-4፤ 1ይቆሮ. 10፥2)

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብጥምቀቱ ንጥምቀትና ኪቅድስ ተጠምቀ። ጥምቀቱ፡ ኣይሁድ ከም ዝገብርዎ ናይ ምንጻሕ ልማድ ወይ ድማ ኃጥኣን መጸብሓን ካብ ዮሓንስ መጥምቅ ከም ዝተጠመቕዎ ናይ ንስሓ ኣይነበረን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ተጠሚቑ ካብ ማይ ድኅሪ ምውፃኡ፡ እግዚአብሔር አብ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ኢሉ ናይ ባህርይ ወዱ ምዃኑ መስከረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ውን ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተቐመጠ። (ማቴ. 3፥16-17) ኣብቲ መወዳእታ ናይ ትምህርቱውን “ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቑ” ኢሉ ጥምቀት ኣዚዙ እዩ። (ማቴ. 28፥19)

ካብ ጥምቀት ዝርከብ ክብሪ

1. ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ምውላድ (ውልድነት ምርካብ)፡ ጸጋ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዝወሃቦ ብጥምቀት ካብ ሥላሴ ክውለድ ከሎ ምዃኑ ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሓ. 3፥5፤ ገላ. 3፥27፤ ኤፌ. 5፥26፤ 1ይጴጥ. 1፥3-6)

2. ካብ ኃጢኣት ምንጻሕ፡ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት/ ኃጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” (ጸሎተ ሃይማኖት)።

ሰብ ብጥምቀት ካብ ኃጢኣት ብምፍላዩን፡ ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ምውላዱን መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ብቑዕ ይኸውን። (ሕዝ. 36፥25፤ ግብ. 2፥38፤ 1ይቆሮ. 6፥11)

ሥርዓተ ጥምቀት
1. ጥምቀት ብስም ቅድስት ሥላሴ እዩ
ሽም ሥላሴ ከይጸዋዕካ ዝፍጸም ጥምቀት ከም ኣብ ማይ ዝተኣልከ ቆርበት እዩ እምበር ካልእ ዝህቦ ዓስቢ ወይ ጥቕሚ የብሉን። (ማቴ. 28፥19)

2. ጥምቀት ብፈሳሲ ማይ እዩ
ካህናት፥ ስም ሥላሴ እናጸውዑ “አጠምቀከ በስመ አብ፣ አጠምቀከ በስመ ወልድ፣ አጠምቀከ በስመ መንፈስ ቅዱስ” እናበሉ ሠለስተ ጊዜ ኣብ ማይ ኣጥልቕ ኣውፅእ ኣቢሎም የጥምቕዎ።

ማይ ዘለዎ ዓሚቝ ቦታ ምስ ዘይርከብ ግና ማይ ቀዲሖም ወይ ከኣ ብኢዶም ሓፊኖም የጥምቕዎ። “ወይኩን ጥምቀት ውሥጠ ማይ ውኂዝ ወለእመ ኮነ ህየ ዐፀባ ይክዐዉ ማየ ዘረከቡ ቀዲሖሙ እምኀበ ምጥማቅ” (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ረስጠብ 34) 
“ወለእመ ኢተረክበ ማይ ዘይወኅዝ ርእሰ ለዘይጠመቅ ይንሣእ መጠነ ሠለስቱ ኅፍን እምነ ማይ ወይሕጽብ ርእሶ በስመ ሥላሴ” (ባስ. 107)
3. እቲ ዘጠምቕ ኤጲስቆጶስ ወይ ከኣ ቀሺ እዩ። ሥልጣነ ክህነት ዘይብሉ ከጥምቕ ኣይክእልን እዩ። “ኢያጠምቅ ዘእንበለ ኤጲስቆጶስ አው ቀሲስ” (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ድስቅ 21)

ሀ. ደቂ ኣንስትዮ ኣየጥምቓን እየን (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ድስቅ 201)
ለ. ኤጲስቆጶስ ኮነ ቀሺ ኣኽፊሉ ወይ ጉቦ በሊዑ ከጥምቕ ኣይግብኦን “ወኢይከውኖ ለአሐዱ ከመ ይጠመቅ በሕልያን” (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ጴጥ. 4)
ሐ. ዝኾነ ተጠማቒ ብሃይማኖት ካብ ዝተፈልዩ ሰባት ምስ ዝጥመቕ ክርስቲያን ኣይበሃልን። “እመቦ ብእሲ ዘተጠምቀ ጥምቀት እምዐላውያን ኢኮነ ውእቱ ምእመነ” (ፍት. ነገ. 3፣ ረስጣ 4)

ንጥምቀት ዝተወሰነ ዕድመ

ሀ. ንጥምቀት ዝተወሰነ ዕድመ ንደቂ ተባዕትዮ 40 መዓልቲ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ከኣ 80 መዓልቲ እዩ። እቲ ሕፃን ንሞት ዘስግእ እንተኾይኑ ግን ቅድሚ 40ን 80ን መዓልቲ ብሞግዚት ተወሲዱ ይጥመቕ። (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ሥ ር 2) 
ጥምቀት ብነገድ፡ ብወገን፡ ብዘርኢ ፍልልይ የብሉን፣ “ካብቶም ዝኣመኑ ሕዝብን ኣሕዛብን ኣወዳትን ኣዋልድን ብሓፈሻ ናይ ሰብ ዘርኢ ኵሉ ወገን ናይ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ይጥመቕ” (ማቴ. 28፥19)፡ “ጥምቀት ሥሩዕ ለዕደው ወለአንስት ንኡሶሙ ወዓቢዮሙ’ (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3) ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ “ኪዱ ንኣሕዛብ ምሃሩን ኣጥምቁን” ኢሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዞም ቃል ሰሚዖም፡ ንትምህርቱ ተከቲሎም ንሕዝብን ኣሕዛብን ኵሎም የጠምቑ ነይሮም። ቅዱስ ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ምስ ቤተ ሰቡ ኣጥመቆ። (ግብ. 10፥33-48) ቅዱስ ጳውሎስ ውን ንቤተ ሰብ እስጢፋኖስ  ኣጥመቆም። (1ይ ቆሮ. 1፥16)
ለ. ንምጥማቕ መዓልቱ ዝኣኸለ፡ ንጽባሕ ኢሉ ብዝኾነ ምኽንያት ክኃድርን ክቕንይን ኣይግባእን። (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 3)

ቅድሚ ጥምቀት
ሀ. ቅድሚ ጥምቀት መጀመርታ ትምህርቲ፣ ቀጺሉ እምነት የድሊ። እቲ ተጠማቒ ብዕድመ ዓቢይ እንተኾይኑ ትምህርቲ ክርስትና ዝተማህረ ብሥላሴ ዝኣመነ ኪኸውን ኣለዎ። ጐይታና “ዝኣመነን ዝተጠመቀን ኪድኅን እዩ” ስለ ዝበለ። (ማር. 16፥16) እምነት መሠረት እዩ። እቶም ካልኦት ተግባራት ግን ሕንፃ እዮም። እምነቱ ንምግላጽ ዘይክእል ሕፃን እንተኾይኑ ግና ብኃላፍነት ወለድን ብናይ ክርስትና ኣቦ ወይ ኣደ ይጥመቕ። ምስ ዓበየ ከኣ ብኃላፍነቶም ይመኽርዎን ይምህርዎን።
ለ. ንኡሰ ክርስቲያን ቅድሚ ምጥማቑ ግብሩ ይምርመር፥ ተመርሚሩ እምነቱ ምስ ተረጋገጸ ይጥመቕ። (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ሥርዋጽ 2)


 ኣብ ጊዜ ጥምቀት

ሀ. ተጠመቕቲ፡ ኣብቲ ዝጥመቕሉ ቦታ ይቆሙ። 

ለ. ኤጲስቆጶስ ወይ ቀሺ ነቶም ተጠመቕቲ ገጾም ናብ ምብራቅ መሊሱ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽልየሎም። ብቅብኣ ቅዱስ ጸሎት የብጽሕ።

ሐ. እቲ ኤጲስ ቆጶስ ንቀሺ ቅብኣ ቅዱስ ይህቦ እሞ ብጸጋም ናይቶም ተጠመቕቲ የቐምጦ።
መ. ቀጺሉ ውልድነት ኣብ ዘጽንዕን መንፈስ ቅዱስ ዘኅድርን ሜሮን ይጽልይ።
ሠ. ምስ ጸለየሉ ንካልእ ቀሺ ይህቦ እሞ ብየማናይ ናይቶም ተጠመቕቲ የቐምጦ።
ረ. ተጠመቕቲ ፊት ናይቲ ማይ ኮይኖም፡ ናብ ሰማይ እናረኣዩ፡ ገጾም ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ይመልሱ።
ሰ. እቲ ኤጲስቆጶስ ወይ ቀሺ “ንዲያብሎስ ትኽሕዶ ዲኻ” እናበለ ንተጠመቕቲ ምስ ሓተቶም “እወ እኽሕዶ ኢየ” እናበሉ ነፍስ ወከፎም ይኽሕድዎ።
ቀ. ድኅሪ እዚ፡ እቲ ቀሺ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተጠማቒ የማናይ ኢድ ብምኃዝ ብፊት ናይቲ ማይ ኮይኑ ገጹ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ይመልሶ።
በ. ናብቲ መጠመቒ ቅድሚ ምእታዎም “ብአብ፡ ብወልድ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ትኣምን ዲኻ፧” እናበለ ንነፍሲ ወከፎም ይሓቶም “እወ እአምን” እናበሉ ነፍሲ ወከፎም ይምልሱ። ብድኅሪ እዚ ቅብኣ ቅዱስ ይቐብኦም፡ የጥምቆም፡ ውልድነት ይህቦም፡ ክጥመቑ ከለዉ ውን ክዳኖም ኣውፂኦም እዮም ዝጥመቁ። ደቂ ኣንስትዮ ክጥመቓ ከለዋ ጸጕረን ፈቲሐን፡ ናይ ክሳደን ኢደንን እግረን ሥልማት ኣውጺአን እየን ዝጥመቃ። (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ረስታ 34) ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ እትጥመቐሉ ጊዜ ጽግያት እንተመጺእዋ ክሳብ ትነጽሕ ትጸንሕ።
ተ. ተጠመቕቲ ምዝራብ ዝክእሉ እንተደኣ ኮይኖም ባዕላቶም እምነቶም ብምምስካር ጸሎተ ሃይማኖት ይደግሙ። ምዝራብ ዘይክኣሎም እንተ ኮይኖም ናይ ክርስትና ኣደኦም ወይ ኣቦኦም ብዛዕባ ሃይማኖቶም ይምስክርን ጸሎተ ሃይማኖት ይደግምን።
ነ. ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ክርስትና ኣቦ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ ናይ ክርስትና ኣደ ምዃን ኣይፍቀድን (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ረስጠብ 34 ፣ ዘኒቅያ 24)
ናይ ተጠመቅቲ መሥርዕ ብመጀመሪያ ናይ 40ን ናይ 80ን መዓልቲ ሕፃናት ይጥመቑ። ድኅሪኡ ንኡሰ ክርስቲያን ኣወዳት፡ ኣብ መወዳእታ ንኡሰ ክርስቲያን ኣዋልድ ይጥመቓ። (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ ረስጠብ 34)
አ. እቲ ካህን ተጠመቅቲ ምስ ተጠመቑ ሜሮን ይቀብኦም ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ከይተቐበሉ ዝኾነ ኣይልከፉ። ድኅሪ እዚ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ይቕባሉ። በታ ዕለት እቲኣ ዝተጠምቁ ካብቶም ካልኦት ቈረብቲ ቀዲሞም ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ይቕበሉ። “ወይትመጠዉ ቍርባነ እምቅድመ ሕዝብ” (ፍት.ነገ. ኣንቀጽ 3 ፣ በስ 105)
ከ. ንእትጥመቕ ንኡሰ ክርስቲያን ጓል ኣንስተይቲ ቅብአ ቅዱስን ሜሮንን እቲ ኤጲስቆጶስ ካብ ክሳዳ ንላዕሊ ምስ ቀብኣ ፣እቲ ዝተረፈ ሰብነታ እትቐብኣ ዲያቆናዊት ጓል ኣንስተይቲ ንኢድ ካህን ብምኃዝ እያ። (ፍት. ነገ ኣንቀጽ 3 ፣ ድስቅ. 34)

ኣፈጻጽማ ጥምቀት
ሀ/ ኣብ ልዕሊ ማይ መጽሓፈ ክርስትና (ጸሎተ ጥምቀት) ይበጽሕ።
ለ/ መስተብቍዕ ካብ በእንተ ዱያን ክሳብ በእንተ ሰላም ይጽለይ።
ሐ/ እቲ ካህን ጸሎተ ጥምቀት ክጽሊ ከሎ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ተጠማቓይ የንብሮ (ኣንብሮተ ኢድ ይገብር)።
መ/ እቲ ዝጥመቕ ሰብ ስመ ክርስትና ይወሃቦ። 
ሠ/ ጸሎተ አኰቴትን ጸሎተ ወንጌልን ኣብጺሑ፡ በእንተ ሰላም፡ በእንተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ በእንተ ማኅበር ዝተባህሉ ጸሎታት’ውን ይጽልይ። እቶም ሕዝቢ ከኣ ጸሎተ ሃይማኖት ይደግሙ።
ረ/ እቲ ካህን ንኢዱ ብኣምሳል ትእምርተ መስቀል ኣብ ልዕሊ ተጠማቒ ኣንቢሩ “ይኩን ስምከ እገሌ” እናበለ፡ ንሽም ጥምቀቱ 
ሠለስተ ጊዜ ይጽውዕ። 
ሰ/ “ብሩክ እግዚአብሔር ዘያበርህ ለኵሉ ሰብእ” እናበለ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ 3ተ ጊዜ ሜሮን ይውስኽ።
“ብሩክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኵሉ ዓለም አምላክነ ወብሩክ ወልድ ዋሕድ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒነ ወብሩክ 
መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ መጽንዒ ወመንጽሔ ኵልነ” እናበለ ብመስቀል 3ተ ጊዜ ነቲ ማይ ይባርኾ።
“አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ብልዑል ዜማ ብምዝያም ነቲ ማይ ይባርኾ፡ ይዓትቦ። 
ቀ/ “ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ኵልክሙ አሕዛብ” ንዝብል ካህንን ሕዝብን እናተቐባበሉ ከም ናይ ሥርዓተ ቅዳሴ ይፍጽሙ።
በ/ እቲ ዲያቆን ነቲ ዝጥመቕ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ የምጽኦ።
እቲ ካህን “አጠምቀከ በስመ አብ፡ አጠምቀከ በስመ ወልድ፡ አጠምቀከ በስመ መንፈስ ቅዱስ” እናበለ ሠለስተ ጊዜ የጠምቖ።
ተ/ እቲ ካህን ኣብ ገጽ እቲ ተጠማቒ “ንሣእ መንፈሰ ቅዱሰ” እናበለ ኡፍ ይብለሉ። ቀጺሉ ቅብኣ ሜሮን ይቐብኦ። 
እቲ ካህን ሜሮን ክቐብእ ከሎ ናይቲ ተጠማቒ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ኣካሉ እናፈለየ ብትእምርተ መስቀል 36 ሕዋሳቱ ይቐብኦ። 
ኀ/ ኣብ መጽሓፈ ጥምቀት ከምዝተገልጸ እቲ ካህን ነታ ምስ ዓበየት ኣሚና እትጥመቕ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ክሳዳ ንላዕሊ ዘሎ ኣካላ ይቐብኣ። ካብ ክሳዳ ንታሕቲ ዘሎ ኣካላ ድማ እታ ዲያቆናዊት ሰበይቲ ናይቲ ካህን ኢድ ኂዛ ትቐብኣ። ጸሎተ ቡራኬን ኣንብሮተ ኢድን ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠማቒ ይጽለይ።

ትርጕም ሥርዓተ ጥምቀት

ሀ/ ብማይ እንጥመቐሉን እነጥምቐሉን ምኽንያት ክርስቶስ ባዕሉ ብማይ ስለ እተጠምቀን፡ ንሓዋርያት ውን ብማይ ከጥምቑ ስለ ዝኣዘዘን እዩ። (ማቴ. 3፥13-16፤ ማር. 1፥9፤ ዮሓ. 3፥5፤ ኤፌ. 5፥26፤ ቲቶ 3፥5፤ 1ይዮሓ. 5፥6-8)
ለ/ ጥምቀት ኣብ ዓሚቝ ማይ ክኸውን ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት ነቲ ተጠማቒ ንኸጥልቆ እዩ። 
ሐ/ ኣብቲ ማይ 3ተ ጊዜ ኣጥልቒና እነውፅኣሉ ምኽንያት ክርስቶስ ኣብ ከርሠ መቓብር 3ተ መዓልትን 3ተ ለይትን ኃዲሩ ናይ ዝተንሥኣሉ ምሳሌ እዩ። (ፍት.ነገ. ኣን 3 ድስቅ 34)
መ/ እቲ ተጠማቒ ኣብ ዝጥመቐሉ ጊዜ ንዲያብሎስ ክኽሕድ ከሎ ገጹ ናብ ሸነክ ምዕራብ የዙሮ። እዚ ውን ቦታ ዲያብሎስ ምዕራብ ስለዝኾነ እዩ። 
ሠ/ ተጠማቒ ገጹ ናብ ምብራቕ መምለሲ ኣዳም ኣብ ገነት ሸውዓተ ዓመት ምንባሩ ንምዝካር እዩ። ገነት ብሸነኽ ምብራቕ ስለትርከብ። ዘፍ. 2፥8
ረ/ ተጠማቒ ገጹ ናብ ምዕራብ ዝገበረሉ ምኽንያት ኣዳም ሲኦል ከም ዝወረደ ንምዝካር እዩ። ሲኦል ብሸነኽ ምዕራብ ስለትርከብ።
ሰ/ ተጠማቒ ፊት እቲ ማይ ደው ምባሉ ኣዳም ተስፋ ድኅነት ምስምዑ ንምዝካር እዩ። ምኽንያቱ ድኅነት ብጥምቀት ስለዝኾነ። “የማነ እዴየ መጠውክዎሙ ወኮነቶሙ ጥምቀተ” ከምዝብል (መጽሓፈ ኪዳን ፪ይ ክፍሊ) ካህን ናይቲ ተጠማቒ ኢዱ ኂዙ ገጹ ናብ ምብራቕ ዝመልሰሉ ምኽንያት ጐይታ ብጥምቀት ናብ ሸነኽ ምብራቕ ዘላ ገነት ከም ዝመለሰና ንምዝካር እዩ።
ቀ/ ደቂ ኣንስትዮ ክጥመቓ እንከለዋ ቁኖ ጸጕረን፣ ሥልማት ክሳደን እዝነን ኣጻብዐን ክፈትሕኦ ዝእዘዛሉ ምኽንያት እዚ ሥጋዊ መልክዕ ስለዝኾነ እዩ።
በ/ ብመጀመሪያ ናይ ኣርብዓን ሰማንያን መዓልቲ ሕፃናት ምስ ተጠመቁ ብምቕጻል ንኡሰ ክርስቲያን ዝጥመቑሉ ምኽንያት ሕፃናት ንጹሐ ጠባይዕ ኮይኖም ኃጢኣት ስለዘይተንከፎም እዩ። ንኡሰ ክርስቲያን ግን ተነሳሕያን ስለዝኾኑ እዩ።
ተ/ ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ኣቦ ክርስትና፣ ደቂ ኣንስትዮ ውን ንደቂ ተባዕትዮ ኣደ ክርስትና ንምኃዝ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ብፍትወተ ሥጋ ንከይደላለዩ፡ በብፆታኦም ንምስትምሃር ምሹእ ስለዝኾነ እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

                                                                                                                        * * *

ዘመነ ማቴዎስ 30 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

March
Monday
8
ዝክር፦ ጲስ ወአላጲስ ወኣጋጲስ ወእሞን ሶፍያ፡ ወጳላግያ ወማርያ ወማርታ፡ ወኦርኒ ወማኅበራኒሃ፡ ወጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት፡ ወአክርስጥሮስ፡ ወሚናስ ሊቀ ጳጳሳት እምኍልቆሙ ለ፵ወ፯ቱ አበው። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይ ቆሮ. 11፡1-12። 1ይዮሐ. 3፡13-17። ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 17፡4-12 ምስባክ መዝ.111/112 ወንጌል ማቴ. 25፡1-13። ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ” (ኢዩ. 2፡14) - ዓቢይ ጾም

ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ፯/7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ዓቢይ ጾም (ጾመ ፵/40) እዩ።...

ትሕትና - “ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 (ካልኣይ ክፋል)

ትሕትና ማለት ብኃይሊ፡ ምሕረት፡ ጸጋ ፡ ጥበብን ፍቓድን እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ከንቱ ምዃንካ ፈሊጥካ፡ ንርእስኻ ምትሓት፡ ዘይምዕባይን ዘይምኽራዕን እዩ። እትፈልጥ ከሎኻ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ልምዓታዊ መደባት ንምስላጥ ዑደት ተኻይዱ!

ብዕለት 15 የካቲት 2013 ዓ.ም.ግ (22/02/2021 ዓ.ም.ፈ ) ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንልምዓታዊ መደባት ዝረድእ ዑደት ብኣባላት ቤት ጽሕፈት...

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ርያድ ስዑዲ ዓረብ ብድምቀት ተኸቢሩ!

16 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ሃገር ክኽበር...

ኣብ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ።

ኣብ ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ኣብ ኣሞክሮ ዝጸንሓ ሾብዓተ ኣኃት…

ብዕለት 13 የካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብኣቕራብነት እመምኔት ገዳም ኢታይ ወለተ መስቀልን ሽማግለ ገዳምን፡ ዓቃቤ...

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

“ዝደለይዎ ዝረኸቡ” - ሕዝበ ነነዌ

እቲ ክቡር ንጉሥ፡ መልእኽቲ ጥፍኣት ሃገሩ ምስ ሰምዐ ፈርሐን ረዓደን። ነዚ መልእኽቲ ብግብሪ እንተዘይፈጺምዎ፡ ሃገሩ ከምዘይነበረት ከም እትከውን፡ ካብ ሰብ...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 15 መጋቢት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

ዓቢይ ባሕታዊ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣባ ኃይለማርያም ብሰላም ዓሪፎም!

ባሕታዊ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣባ ኃይለማርያም ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ኣብ ገዳሞም ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...