Print this page

ኣብ ዘመነ መርዓዊ - ክርስቲያናዊ ኃዳር

Jan 27, 2021

ሰማያዊ መርዓዊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርድእቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ ከምዝባረኸ ንምዝካር ካብ መጀመርታ ወርኀ ጥር ክሳዕ ምእታው ዓቢይ ጾም ዘሎ “ዘመነ መርዓዊ” ይበሃል።

ኣብዚ ወቕት’ዚ ለአካለ መጠን ዝበጽሑ ብኦርቶዶክስ ሃይማኖቶም ዝጸንዑ፡ ብድንግልና ሰብነቶም ዝሓለዉ መርዓዊ ወመርዓት ጸሎተ ተክሊል ተደጊምሎም ሥርዓተ ተክሊል ይፍጸመሎም። ከምኡ’ውን ነቶም ብሥጋዊ ድቀት ድንግልናኦም ዘፍረሱ፡ ምስ ተነስሑ ጸሎተ መዓስባን በጺሕሎም ሥርዓተ መርዓ ይፍጸመሎም።

“የኀድግ ብእሲ አባሁ ወእሞ ወይተልዋ ለብእሲቱ ወይከውኑ ክልኤሆሙ አሐደ ሥጋ/ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣደኡን ይኃድግ፣ ንሰበይቱ ከኣ ይስዕባ። ክልቲኦም ድማ ሓደ ሥጋ ይኾኑ” (ዘፍ. 2፡24፣ ማቴ. 19፡5) ከምዝብል በዚ ሥርዓት’ዚ መርዓውን መርዓትን ሓደ ኣካል ኮይኖም ኃዳር ይምሥርቱ። “ብዝኁ ወተባዝኁ” ብዝበሎ ኣምላካዊ ቃል ከምኡ’ውን ቅዱስ ዳዊት “ ናሁ ጸጋሁ ለእግዚአብሔር ውሉድ ዕሤተ ፍሬሃ ለከርሥ” (መዝ. 126፡3) ከምዝበለ ተተካኢ ውሉድ ብምውላድ፡ ዓሥራት በኵራት ቀዳምያት ብምውፃእ፡ ሥጋኡን ደሙን እናተቐበሉ እስከ ኅልፈተ ሕይወት ክርስቲያናዊ ናብራ ይነብሩ፡ ክርስቲያናዊ ኃዳር ይመርሑ።

ክርስቲያናዊ ኃዳር፦

•  ብእግዚአብሔር ዝተዋህበ ዓቢይ ናይ ተዋሕዶ ምሥጢር እዩ።
“ወይቤ እግዚአብሔር ኢኮነ ለእጓለ እመሕያው ይንበር ባሕቲቱ አላ ንግበር ቢጸ ዘትረድኦ/ እግዚአብሔር ድማ ሰብ በይኑ ክነብር ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ንእኡ ደጋፊት ንግበረሉ በለ” (ዘፍ. 2፡22) ከም ዝብል፡ ኃዳር ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽወርሱ እግዚአብሔር ብአዳምን ሔዋንን ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። “ዓቢይ ውእቱ ዝ ነገር። ወአነ እብሎ ላዕለ ክርስቶስ ወላዕለ ቤተ ክርስቲያን/ ናይ መርዓዊን ናይ መርዓትን ተዋሕዶ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን ከምኡ’ውን ብትስብእትን ብመለኮትን መሲለ እዛረብ ኣለኹ።” ይብሎ። (ትርጓሜ ኤፌ. 5፡32) ስለዝኾነ ድማ ኃዳር ተጻመድቲ ተሰማሚዖም ዝምሥርትዎን ዘፍርስዎን ሥጋዊ ወግዒ ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈቐዶ ዝፍጸም ሥርዓት እዩ።

• ብጾምን ጸሎትን ተወሲንካ ሕጊ እግዚአብሔር እትሕልወሉ ፍኖተ ጽድቅ እዩ።
ጐይታ ባዕሉ፦ “ውሉደዝ ዓለም ይጠበቡ በዓለሞሙ/ ደቂ’ዚ ዓለም ኣብ ዓለሞም ይጣበቡ” ዝበሎም ደቂ ዓለም ዝተባህሉ ሰብ ኃዳር ኮይኖም ‘ይጣበቡ’ ዝበሎ ድማ ኃዳር መሥሪቶም፡ ቤት ሠሪሖም ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ብሥነ ምግባር ተጊሆም፣ ብጾም ብጸሎት ብንስሓ ብቍርባን ተወሲኖም መንግሥተ ሰማያት ይወርሱ ማለት እዩ። (ሉቃ. 16፡8) ክርስቲያናዊ ኃዳር ካብ ኃጢኣት ዘርኅቕ፡ ብንጽሕና ዘንብር ደምበ ጾምን ጸሎትን እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ካብ ቅዱሳን፡ “ወክልኤሆሙ ጻድቃን እሙንቱ በቅድመ እግዚአብሔር ወየሐውሩ በኵሉ ትእዛዙ ወሕጉ ወኵነኔሁ ለእግዚአብሔር ወንጹሐን እሙንቱ እምኃጢአት/ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክልቲኦም ጻድቃን ነበሩ። ብዅሉ ትእዛዙን ሕጉን ይኸዱ ነበሩ። ካብ ኃጢኣት ድማ ንጹሓን ነበሩ።” ተባሂሉ ንካህን ዘካርያስን ቅድስት ኤልሳቤጥን ተመስኪርሎም እዩ። (ሉቃ. 1፡6)

• ብምክረ ካህን እናተመላለስካ እትነብሮ ግብራዊ ሕይወት እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “ኵለኬ ዘይሰምዕ ዘንተ ቃልየ ወይገብሮ ይመስል ብእሴ ጠቢበ ዘሐነፀ ቤቶ ዲበ ኰኵሕ/ ኵሉ ነዚ ቃለይ ሰሚዑ ዝገብሮ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሓነፀ ጥበበኛ ሰብአይ ይመሰል” (ማቴ. 7፡24) ኢሉ ንዝመሃሮ፡ “ነዚ ቃለይ ሰሚዑ ዝገብሮ ብምኽሪ ካህን ዝመላለስ ብልሂ ሰብ ይመስል” ብምባል ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ተርጕሞም  ኣለዉ። እዚ ድማ “ወቀሳውስትኒ ከመ መምህራን/ ቀሳውስት መምህራን እዮም”፣ “ኦ ካህናት አንትሙ ውእቱ አዕይንተ እግዚአብሔር ብሩሃን/ ኦ ካህናት ብሩሃን ኣዕይንተ እግዚአብሔር ንስኻትኩም ኢኹም” ከምዝብል፡ ካህናት ንምእመናን ምሂሮም፡ ኣእሚኖም፡ ኣጥሚቆም፡ ኣነሲሖም፡ ኣቝሪቦም፡ ንመንግሥተ ሰማያት ድልዋት ዝገብሩ ሰማያዊ መፍትሕ ዝኃዙ እዮም።
ስለዚ ብምኽሪ ካህን ዝምራሕ ኃዳር እሳት ኃጢኣት ከይጸለዎ፡ ወራሲ መንግሥተ ሰማያት ዝገብር እዩ።

• ቃላተ ወንጌል ዝፍጸመሉ ናይ ተግባር ቤት ትምህርት እዩ።
ንቃላት ጐይታ ንትእዛዛተ ወንጌል ኽንፍጽም ክርስቲያናዊ ኃዳር እቲ ቀንድን ጥጡሕን ባይታ እዩ። ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል ዝበሃሉ “ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስቲኹምኒ፡ ጋሻ ኮይነ ተቐቢልኩምኒ፡ ዓሪቐ ኣልቢስኩምኒ፡ ሓሚመ በጺሕኩምኒ፡ ተኣሢረ እግዚአብሔር ይፍታሕካ ኢልኩምኒ” ከምኡ’ውን ቃል ኪዳን ወንጌል ዝኾነ “ዘተወክፈ ነቢየ በስመ ነቢይ ዐስበ ነቢይ ይነሥእ፣ ወዘተወክፈ ጻድቀ በስመ ጻድቅ ዐስበ ጻድቅ ይነሥእ። ወዘአስተየ ለአሐዱ እምእሉ ንኡሳን ጽዋዐ ማይ ቈሪር ባሕቲቶ በስመ ረድእየ አማን እብለክሙ ኢየኀጕል ዐስቦ/ ነቢይ ኢኻ ኢሉ ብስም ነቢይ ዝተቐበለ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ። ጻድቕ ኢኻ ኢሉ ብስም ጻድቕ ዝተቐበለ ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ብስም ወዲ መዝሙረይ ንሓደ ካብዞም ናኣሽቱ ጽዋዕ ማይ ጥራይ ዘስተየ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ዓስቡ ኣይጠፍእን እዩ” (ማቴ. 10፡40) ዝብል ብግብሪ ንመሃረሉ እዩ።

• ምንጪ ቅዱሳን ውሉድ ዝኾነ ናይ ቅድስና ሕይወት እዩ።
“ወከመሰ ኢትዘምዉ ኵሉ ብእሲ ይንበር በብእሲቱ ወኵላ ብእሲት ትንበር በምታ/ ምእንታን ከይትዝምዉ ኵሉ ሰብኣይ ብሰበይቱ፣ ሰብይቲ ድማ ብሰብኣያ ተወሲና ትንበር” 1ይ ቆሮ. 7፡2 ከምዝብል ካብ ዝሙት ንኽሕለዉ ብቅዱስ ኃዳር ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ከምኡ ድማ ሰበይቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ሃሊዋ ብሕግን ሥርዓትን ይነብሩ። “ወለብእሲትኒ ዘበርቱዕ ይግበር ላቲ ምታ ወከማሁ ብእሲትኒ ለምታ/ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዝግባእ (ማለት ጊዜ ሕርሲ፡ ፅንሲ፡ ወርኃዊ ጽግያት፡ በዓላት፡ ኣጽዋማት) ሓልዩ ከምቲ ዝግባእ ይግበረላ ከምኡ ድማ ሰበይቲ ንሰብኣያ” ይብል። (1ይ ቆሮ. 7፡3) ነዚ ሓዋርያ ጳውሎስ “አውስቦ ንጽሕ ወምስካቦምኒ አልቦቱ ስዕበት/ መውስቦ ንጽሕ እዩ። ዓራቶም ድማ ርኽሰት የብሉን” ኢልዎ ኣሎ። (ዕብ. 13፡3) ብክቡር ኣውስቦን ብሕጋዊ ሩካቤን ዝምራሕ ኃዳር ምንጪ ቅዱሳን ውሉድ ይኸውን። እቶም ውሉድ ንእግዚአብሔር ዘሥምሩ፡ ርቱዓነ ሃይማኖት፡ ገበርተ ሠናይ፡ መፍቀርተ ሰብ፡ . . . ይኾኑ። ብቅድስና ንሴም ንካም ንያፌት ዝወለዱ ኣቦና ኖህን ሃይከልን ፡ ንነቢይ ሳሙኤል ዝወለዱ ሐናን ሕልቃናን፡ ንትምክሕተ ትዝምደ ሰብእ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝወለዱ ሐናን ኢያቄምን፡ ንጻድቅ አቡነ ተክለ ሃይማኖት ዝወለዱ ካህን ጸጋ ዘአብን እግዚእኃረያን . . . ከም ኣብነት ይጥቀሱ።

• ናይ ምክብባርን ምድግጋፍን መንፈሳዊ ናብራ እዩ።  
ኣብ ክርስቲያናዊ ኃዳር ሰብኣይ ግቡኡ፡ ሰበይቲ ግዴታኣ፡ ውሉድ ተራኦም ክፍጽሙ ይግባእ። ከምቲ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ዘፍቀራ ከምኡ ድማ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣካሉ ብምዃና ክሳዕ ዓረፍተ ዘመን ከፍቅራን ክሓልየላን ይግብኦ። ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእክተ ኤፌሶን፦ “ከማሁ እደውኒ ያፍቅሩ አንስቲያሆሙ ከም ነፍሶሙ፡ ዘአፍቀረ ብእሲቶ ርእሶ አፍቀረ። ወአልቦ ዘይክል ጸሊአ ሥጋሁ ግሙራ/ ከምኡ ድማ ሰብኡት ንኣንስቶም ከም ነፍሶም የፍቅሩ። ሰበይቱ ዘፍቀረ ንገዛእ ነፍሱ ኣፍቀረ። ንገዛእ ርእሱ ክጸልእ ዝኽእል ፍጹም የለን” ይብል። (ኤፌ. 2፡28) ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “ወከማሁ አንትሙኒ እደው እንዘ ትነብሩ ምስለ አንስቲያክሙ ኢታስተኃቅሩ አንስቲያክሙ እስመ ይደክም ፍጥረተ ዚአሆን ለአንስት አክብሩ አንስቲያክሙ እስመ ይወርሳ እማንቱኒ ክብረ ወሕይወተ ምስሌክሙ ከመ ኢትትዓቀፍ ጸሎትክሙ/ ከምኡ ድማ ኣቱም ሰብኡት ምስ ኣንስትኹም ክትነብሩ ከለኹም ተፈጥሮአን ድኹም እዩ እሞ፡ ኣይተቃልልወን። ንኣንስትኹም ኣኽብርወን። ንሳተን ምሳኹም ክብርን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝወርሳ እየን እሞ፡ ጸሎትኩም ምእንታን ከይዕገት ንኣንስትኹም ኣኽብርወን።” ይብል። (1ይ ጴጥ. 3፡7)
ከምኡ’ውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትገብሮ ዝግብኣ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ መጽሓፎም ዲድስቅልያ ኣን. 3፡1-2 “ርቱዕ ብእሲት ትትአዘዝ ወትተሐት ለምታ፡ እስመ ርእሳ ለብእሲት ምታ . . . ወአንትንሂ አንስት ተአዘዛ ለአምታቲክን። ወተቀነያ በክብር ወበፈሪሀ እግዚአብሔር። ወኣስተፍሥሐ ለአምታቲክን በሠናይ ቅኔ ከም ትርከባ ሞገሰ በኀቤሆሙ/ ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትእዘዝን ትሕት ክትብልን ቅኑዕ እዩ። . . . ኣንትን ኣንስቲ ንሰብኡትክን ተኣዘዛ። ብኽብርን ብፈሪሀ እግዚአብሔርን ተገዝኣ። ካብኦም ሞገስ ንኽትረኽባ ብሠናይ ኣገዛዝኣ ኣሐጕስኦም” ይብሉ። “ወብእሲትኒ ትፍርሆ ለምታ/ ሰበይቲ ንሰብኣያ ትፍራሃዮ” ከም ዝበለ። (ኤፌ 5፡28) ሰበይቲ ንሰብኣያ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን ከም ሣራ ንአብርሃም ሐራይ ኢላ ብፍጹም ትሕትና ክትእዘዝን ክትለኣኽን ግቡኣ እዩ።

እዞም ሰብ ኃዳር፡ ንውሉዶም ክኸዱላ ዚግብኦም መንገዲ ከርእይዎም ክርስቲያናዊ ግዴታኦም እዩ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “አበውኒ ኢታስተቍጥዑ ውሉደክሙ አላ ሕፅኑ ወገሥፁ በትምህርተ እግዚአብሔር/ ኣቦታት ድማ ንውሉድኩም ኣይተቘጥዕዎም። እንታይ ደኣ ብትምህርተ እግዚአብሔር ገሥፅዎምን ኣዕብይዎምን” ይብል። (ኤፌ. 6፡4) ‘ኢታስተቍጥዑ’ ክብል ከሎ ዝደለይዎ ናብ ጊጉይ ዝመርሕ ሥጋዊ ድሌታቶም ከሊእኩም ኣይተቘጥዕዎም ማለት ኣይኮነን። ወይ’ውን ከይበኽየኒ ከይሓርቀኒ እናበልካ ብሥጋ ሕንቃቐ ስዲ ምስዳድ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብትምህርተ እግዚአብሔር ገሥፅዎምን ብነፍሳዊ ሕንቃቐ ኣዕብይዎምን እምበር ደቂ ገሃነም ጌርኩም ከይተጕህይዎም ተጠንቀቑ ንክብል እዩ።

ውሉድ ድማ ብወገኖም “አክብር አባከ ወእመከ ከመ ይኑኅ መዋዕሊከ በዲበ ምድር/ ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንታን ክነውኅ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” (ዘፀ. 20፡12) ከምዝብል፡ ንወለዶም ብተኣዛዝነት ከም ንእግዚአብሔር ገይሮም ከኽብርዎምን ክእዘዝዎምን ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!