“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን/መሠረታ ካብ ቅዱሳን ኣኽራን እዩ” መዝ.86፡1

Aug 13, 2021

ኣኽራን ብተፈጥሮኦም ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብሉ፡ እቶም ብጸጋን ክብርን ኣብዛ ምድሪ ካብ ዝነብሩ ልዕል ዝበሉ ሰባት ብቅዱሳን ኣኽራን ይምሰሉ እዮም።

በዚ ድማ ክቡር ዳዊት ብዛዕባ መሠረት ሐረገ ትውልድ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ክገልጽ ከሎ “መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን/ መሠረታ ካብ ቅዱሳን ኣኽራን እዩ” ይብል። (መዝ. 87፡1) ዝተቐደሱ ኣኽራን ተባሂሎም ተመሲሎም ዘለዉ ከኣ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ከምኡ’ውን ብድኅሪኦም ዝተንሥኡ ካብ ቤተ መንግሥት ቅዱስ ዳዊት፡ ካብ ቤተ ክህነት ከኣ ከም ብዓል ካህን ኣሮን እዮም።

ነዚ ድማ ቀዳሞት ሃብተ ትንቢት ዝተዋህቦም ቅዱሳን ነቢያት ደኃር ድማ ሰበኽቲ ወንጌል ቅዱሳን ሓዋርያት ሓረገ ትውልድ ድንግል ማርያም ካብ ሥርወ ሃይማኖት ኣብርሃምን ሥርወ መንግሥት ዳዊትን ምዃኑ መስኪሮም እዮም።

ባዕሉ ልዑል እግዚአብሔር ካብኡ ተወሊዱ ንዓለም ከምዘድኅንን ከም ዝቕድስን ንኣቦና ኣብርሃም ከም ዝነገሮ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ክገልጽ ከሎ፡- “በዘርእከ ይትባረኩ ኵሎሙ አሕዛበ ምድር/ ኵሎም ኣሕዛብ ምድሪ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ይብል። (ዘፍ. 12፡3)

ኣቦና አብርሃም መሠረት ከም ምዃኑ መጠን ደኣ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ እምበር እዚ ቃል’ዚ ኣብ ሕቖ ኣብርሃም ንዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ዝምልከት እዩ። እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም “ኵሎም ኣሕዛብ ምድሪ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ክብሎ ከሎ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ካባኣ ብዝወሰዶ ሥጋ ቈሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ንዓለም ከምዘድኅንን ከም ዝቕድስን ዘረድእ እዩ።

ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ምዃና ከረድእ ከሎ፡- “እስመ አኮ እመላእክት ዘነሥኦ ለዘነሥኦ ዘእንበለ ዳዕሙ እምዘርአ አብርሃም/ እቲ ዝወሰዶ ባህርይ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ እምበር ካብ መላእኽቲ ኣይኮነን” ይብል። (ዕብ. 2፡16)

ሡር ንላዕልን ንታሕትን ይዋፈር። ንላዕሊ እንተ በልና ኣቦና ኣብርሃም፡ ንታሕቲ እንተ በልና ድማ ቅዱስ ዳዊት፡ መራኸቢኡ ድማ እሴይ እዩ እሞ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ብወገኑ ብዛዕባ ሐረገ ትውልድ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ክገልጽ ከሎ “ወትወፅእ በትር እምሥርወ እሴይ ወየዐርግ ጽጌ እምኔሃ/ ካብ ሡር እሴይ ጠጥዒ ክትጭብጭብ እያ፣ ካብኣ ድማ ጽጌ ክርከብ እዩ።” ይብል። (ኢሳ. 11፡1)

ነዚ እዩ ድማ ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብቲ ወለዶ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዘርዘረሉ አንቀጽ ናይ ድንግል ማርያም መሠረታ ኣቦና ኣብርሃምን ቅዱስ ዳዊትን ምዃኖም ገሊጽዎ ዘሎ። (ማቴ. 1፡1-16)

ወለዶ ልማድ ኣይሁድ ብወገን ሰብኣይ እምበር ብወገን ሰበይቲ ስለዘይቍጸር፣ ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ነዚ ሐረገ ትውልድ ክቘጽር ከሎ፡ ካብ ኣቦና ኣብርሃም ጀሚሩ ክሳብ ኣልኣዛር ዘሎ ወለዶ ይቘጽር። ድንግል ማርያም ከይትተርፎ ድማ ብናይ ቅጽል ተሰሓቢ ገይሩ ይጠቕሳ። መራኸቢኡ ጕንዱ ኣልኣዛር እዩ። ኣልኣዛር ንቅስራንን ማትያንን ይወልድ። ማትያን ንያዕቆብ፥ ያዕቆብ ድማ ንኣረጋዊ ዮሴፍ ይወልድ። ቅስራን ከኣ ንኢያቄም ይወልድ። ቅዱስ ኢያቄም ድማ ካብ ቅድስት ሓና ብሕጋዊ ሰብሳብ ብፈቃደ እግዚአብሔር፡ ብብሥራተ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል፣ እመ ብርሃን ድንግል ማርያም ዕለት 7 ነሓሴ ተፀኒሳ፣ ብ 1 ግንቦት ተወልደት።

እምበኣር ክቡር ዳዊት “መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን” ዝበለ፡ ካብ ቅዱሳን ዝተረኸቡ ንቅዱሳን ሥድራ ቤት ንቅዱስ ኢያቄምን ቅድስት ሐናን እዩ።

ናይ እግዝእትነ ማርያም ፍጹም ረድኤታን ልመናኣን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይኹን፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...