ወርኀ ጽጌ

Oct 20, 2019

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ካብ መስከረም ፳፮(26) ክሳዕ ኅዳር ፮(6) ዘሎ 40 መዓልትታት ዘመነ ጽጌ እትዝክሮ ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ እዩ። ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘመነ ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምስ ተወልደ፡ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተላዕሉ ሰብ ጥበብ 'እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧' እናበሉ ኣብ ኢየሩሳሌም በጽሑ። ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሰሚዑ ኣዝዩ ሰምበደ፣ ናይ ንጉሥ ሞትን ናይ ፀሓይ ዕርበትን ንዅሉ ስለዝኾነ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ ተሸበረት።

ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኣርጊጹ ብዝተረድኦ ድማ ንጉሥ ሄሮድስ ነቶም ሰብአ  ሰገል ' ብዛዕባ እቲ ሕፃን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ፡ ምስ ረኸብክምዎ ኣነ ኸኣ መጺአ ምእንቲ ክሰግደሉ ንገሩኒ' ኢሉ ብተንኮል ናብ ቤተ ልሔም ኣፋነዎም። ናይ ክልተ ዓመት ጕዕዞ ተጓዒዞኦም ሠሚርሎም ነቲ ዝተወልደ መድኃኔ ዓለም ሰጊዶም፡ በቲ ዝተገልጸሎም ሕልሚ ንሄሮድስ ገዲፎም ብካልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ንጉሥ ሄሮድስ ከም ዘላገጽሉ ፈሊጡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ኣብ ተመን ተሠዊሩ ንኣዳም ዘስሓተ ዲያብሎስ ሕጂ’ውን ንሄሮድስ " እዚ ዝተወልደ ንጉሥ ናተይ ሥልጣንን ናትካ መንግሥትን ዝስዕር ስለዝኾነ ቅተሎ" ኢሉ ምስ መኸሮ፡ ሄሮድስ ነቲ መድኃኒ ሕፃን ጐይታ ዝረክብ መሲልዎ፡ ነዴታቶም ብረድኤት ቀለብን ክዳንን ኣታሊሉ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንብዘለዉ ንዅሎም ሕፃናት ቤተ ልሔምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታ ንዘለውን 144,000 ሕፃናት ኣቕተለ።” ማቴ. ፪፥፲፮/2፥16 ፣ ራእ ፲፬፥ ፩-፲፭/ 14፥1-15

ኣቐዲሙ እቶም ሰብአ ሰገል ምስ ከዱ ግና መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ 'ሄሮድስ ነቲ ሕፃን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንሥእ፡ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ' ምስ በሎ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዙ ምስ ሰሎሜ ብለይቲ ካብ እስራኤል ቤተ ልሔም ወጺኡ መንገዱ ናብ ሃገረ ግብጺ ኣቕንዐ።

እቲ ሕፃን ካብ ሞት ተሪፉ ናብ ግብጺ ከም ዘቕንዐ ዝፈለጠ ዲያብሎስ እናሰዓበን ልቦና ደቂ ሰባት እናኣትረረን፡ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ብዙኅ ፈተና። "እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። . . . ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ። . . . ገፊዑ ምእንቲ ክወስዳ ደድኅሪ እታ ሰበይቲ ከም ውኂዝ ዝመሰለ ማይ ብኣፉ ተፍአ "(ራእ. ፲፪፥፬-፲፭/ 12፡4-15) ዝብል ቃል ክሳብ ክንደይ ብክፍኣት ከም ዝተቓለሳን ዝበጽሓ ፀዋትወ መከራ ዓቢይን ብዙኅን ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ኣጻምእ ምድረ በዳ ሃሩር ቀትሪ ናይ ለይቲ ቍሪ መሪር ጥሜትን ጽምእን . . . ዝነበሮ ስደት ኣኅለፉ።

“ሰቆቃወ ድንግል” ኣብ ዝተባህለ መጽሓፍ፡ ምረት ናይቲ ስደት ክገልጽ ከሎ “. . . ዘበጽሑኪ ምንዳቤያተ ሶበ ይሰምዕ በዕዝን፡ ሰብእ አኮ እምበከየ እብን/ . . . ዝረኸበኪ መከራ ብዕዝኒ እንተ ዝሰምዕ ይትረፍ ሰብ እምኒ እኳ ምበኸየ ነይሩ።" ብምባል ንሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ግእዛን ፍጥረታት’ውን ከምዝስምዖም ይገልጽ።

ጐይታ ንምንታይ ተሰደ፧

1. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንክገልጽ ተሰደ። ሕፃናት ብሄሮድስ ኪቕተሉ ከለዉ ንናትናኤል ኣዲኡ ኣብ ቆፎ ጌራ ኣብ ትሕቲ ገረብ ምስ ሓብኣቶ ዝረኣዮን ካብ ሞት ዘድኃኖን ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነቲ ዝተዋሓዶ ሰብነት ምኽንያት ንክህብ ካብ ሄሮድስ ሃደመ፡ ተሓብአን ተሰደን። ነዚ ከብርህ ከሎ ቴዎዶጦስ ኤጲስቆጶስ ናይ ዕንቈራ ፦ " ዝውእቱ ገባሬ ኵሉ ወበእንቲአነ ኮነ ሕፃን፣ ኢትነጽር ከመ ጐየ ኦ ዕልው አላ ነጽር ከመ ጕየተ ሕፃን አጕየዮ ለዲያብሎስ፣ እስመ ኢጐየ ፈሪሆ አላ ያስተአምን ትስብእቶ ከመ ኮነ ሰብአ በእንቲአከ።" / ትርጕም ንሱ ገባሬ ኵሉ ምእንታና ሕፃን ኮነ፣ ኣንታ ዝንጉዕ ነቲ ዝሃደሞ (ዝተሰጎ) ኣይትርአ፡ ምህዳም ናይቲ
ሕፃን ንዲያብሎስ ከም ዝሰጐጎ ደኣ ኣስተውዕል። ምእንታኻ ክብል ሰብ ከም ዝኾነ ነቲ ሰብነቱ ንከረድእ ደኣ እምበር ፈሪሁስ ኣይተሰደን።”
2. ጀማሪ ስደት ዝኾነ ኣዳም ብውርደት ካብ ገነት ናብ ሲኦል ተሰዲዱ ስለዝነበረ፡ ዳግማይ ኣዳም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስደት ኣዳም ስደቱ ገይሩ ናብቲ ዝቐደመ ናይ ክብሪ ቦታኡ ገነት ንኽመልስ ተሰደ።
3. ነቶም ምእንቲ ጽድቅን መንግሥተ ሰማያትን ክብሉ ምዉቕ ቤቶምን ድሙቕ ንብረቶምን መኒኖም ንዝስደዱ ጻድቃንን ሰማዕታትን ባሪኹን ጥዒሙን ንምሃብ እዩ። “ኮነነ በኵረ ወጥንተ ለኵሉ ምግባረ ትሩፋት/ ንምግባረ ሠናይ ፈላምን ኣርኣያን ኮነና።” ከምዝብል ናይ ግብጺ ዓለም ስቓይን ናይ ሄሮድስ ዲያብሎስ ተፃብኦን ተዓጊሥካ ምንባር ከም ዝግባእ ብስደቱ ምሂርና እዩ።
4. . . . ወዘይመስሎ።

ስለምንታይ ናብ ግብጺ ተሰደ፧

1. ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም እዩ። (ኢሳ. ፲፱፥፩-፫/ 19:1-3 ፣ ፲፬፥፲፱-፳፩/ 14:19-21 ፣ ሆሴ ፲፩፥፩/ 11:1) ከምዝፍለጥ ግብጺ፡ ብላሕሚን ዕንጨይቲ ጸሪቦምን ዘምልኹ ሰባት ዝበዝኃላ፡ ኵሉ ኣምልኮተ ጣዖት ዝነገሠላ ሃገር ብምንባራ፡ ኣምልኮተ ጣዖት ንምጥፋእ ናብ ግብጺ ተሰደ። ብኻልእ ወገን ድማ ብደኃራዋይ ጊዜ ሃይማኖት ኣብ ዝጐድለሉን ዝጠፍኣሉን ንእግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ምልክትን ምስክርን ኮይና ወልድ ዋሕድ ኢላ ብእምነት ትነብር ግብጺ ምዃና ንምግላጽ እዩ። ኢሳ. ፲፱፥፲፱-፳/ 19:19-20 ግብጺ ብስደቱ ስለዝተባረኸ ድማ ናይ ሎሚ ገዳማት ኣስቄጥስን ሲሓትን ብዙኃት ቅዱሳን ከፍርያ ክኢለን እየን።
2. ኪዳን መልከ ጼዴቅ ንምፍጻም እዩ። መልከ ጼዴቅ 'ንሕዝበይ መሓረለይ' ኢሉ ምስ ለመኖ ብዳኅራይ ዘመን፡ 'ንወደይ ናብ ግብጺ ምስ ጸዋዕክዎ ከድኅኖም እየ' ’ ኢልዎ ስለዝነበረ ነዚ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ግብጺ ተሰዲዱ፡ በኪደተ እግሩ ቀደሳ። ቅዱስ ቄርሎስ (መጽ. ሊቃውንት)
3. . . . ወዘይመስሎ።

ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ግብጺ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ሄሮድስ ምስ ሰዓብቱ ምስ ሞቱ ግና መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝሓበሮ መሠረት ጻድቕ ዮሴፍ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዙ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣተወ፣ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ድማ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መጺኦም ተቐመጡ። ማቴ. ፪፥፳፩-፳፫/ 2፥21-23

ኣብዚ ዘመነ ጽጌ (መስከረም ፳፮(26) - ኅዳር ፮(6)) ዝበጽሕ ስብሐተ እግዚአብሔር ' ማኅሌተ ጽጌ ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብአባ ጽጌ ድንግል ዝተደረሰ ማኅሌተ ጽጌ እናተባህለ ዝጽዋዕ መልክዕ ፡- ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብጽጌ (ዕንባባ)፣ ንፍቁር ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሬ እናመሰለ ኣብ ስደት ምድረ በዳ ዝበጽሖም ጭንቅን መከራን ልቢ ብዝሰብር ኃዘንን ዝምስጥ ጣዕምን ዘረድእ ክኸውን ከሎ፡- ኣብ ውሽጡ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ፡ ቅዱሳን መላእክት፡ ቅዱሳን ነቢያት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ቅዱሳን ሰማዕታትን ቅዱሳን ጻድቃንን ካብ ብሉይን ሓዲስን ከምኡውን ኣዋልድ መጻሕፍን ኣሰማሚዑ ዝገልጽ ድርሰት እዩ። ሊቃውንቲ ኮኑ ምእመናን፡ ንዘመነ ጽጌ ብተስፋ ክጽበይዎ ጸኒሖም፡ ጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ካብ ካልኦት ሰናብቲ ብዝተፈልየ መልክዑ ምሸት ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ምሉእ ለይቲ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስደታ ብምሕሳብ ብምስጋናን እግረ ልቦናን ምስኣ ኣብ በረኻታት ግብጺ እናተሰዱ ኃዘንን ሓጐስን ዝተሓወሰ ምስጋና ማኅሌተ ጽጌን ሰቆቃወ ድንግልን ከብጽሑ ይኃድሩ።

ካብዚ ዝተላዕለ እዚ ወርኂ እዚ ዝጠመየትሉን ዝጸምኣትሉን ብምዃኑ በረኸት ንክረኽቡ “ ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘኽሪ” ብምባል ብዙኃት ብፍቓዶም ይጾምዎ እዮም።

“ሶበ ሐለይኩ ፍልሰትየ ርኁቀ ብሔረ፡ ወሑረትየ እምዝ ኀበ ኢይገብእ ድኀረ፣ ብካየ ንግደትኪ ድንግል ኮነኒ መዝሙረ፣ ረስዪኒ ወትረ ማርያም ውስተ አፉኪ ዝኩረ፣ በሕሊናኪ ህልወ ወበልብኪ ኅዱረ፣ እስመ ዘእንበሌኪ ባዕድ አልብየ ማእምረ” እናበልና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵሉ ሕይወትና ንኸይትፍለየና ንማኅፀና። “ኃዘነ ዘፈተነ የአምር ኃዘነ/ ንኃዘን ዝፈተኖ እዩ ዝፈልጦ” ከም ዝብል ኃዘን ደቂ ሰባት እትፈልጥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከምቶም ኣቦታትና ብኣማላድነታ ኃዘንና ናዚዛ፡ ፍጹም ሓጐስ ከም እትዕድለና ርጉጽ እዩ። ነዘን ጊዜያት ብሰላም ክንፍጽመን ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኵሎም ቅዱሳን ጸሎት ረድኤት በረኸት ኣይፈለየና። ኣሜን ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...