‘ነገረ ማርያም’

Dec 08, 2015

‘ነገረ ማርያም’ ዝብል ግእዛዊ ቃል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ታሪኽ ሕይወት ኣስፊሑ ዝገልጽን፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ኣደ ኣምላኽ እትምህሮ ትምህርተ ሃይማኖት ዘጠቓልል ዓሚቝ ትምህርቲ እዩ። ከምኡ ውን ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ካብ ትሕሰብ ጀሚሩ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዛዕባኣ ዝተመሰለ ምሳሌን ዝተነግረ ትንቢትን፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዘለዎ ኣማናዊ ትርጕም እናገለጸን እናተርጐመን ዝምህር፡ ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ትንሣኤኣን ዕርገታን ዘረድእ ትምህርቲ “ነገረ ማርያም” ተባሂሉ ይፍለጥ።

ስለምንታይ ቅድሚ ምሥጢረ ሥጋዌ ንነገረ ማርያም ምምሃር ይግባእ፧ እንተ ተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ሥጋ ዝለበሰ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝኾነ’ዩ። ንነገረ ማርያም ከይተማህረ ንምሥጢረ ሥጋዌ እንተ ተማህረ ኣምላኽ ካብ መን ሰብ ኮነ፧ ናይ መን ሥጋ ለበሰ፧ ንዝብል ሕቶ ኪምልስ ኣይክእልን’ዩ። ኣቐዲምና ነገረ ማርያም እንተ ተማሂርና ግና ንንጽሕናኣ፡ ቅድስናኣን ድንግልናኣን ፈሊጥና ካብኣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ ሥጋ ለበሰ ኢልና ንምሥጢረ ሥጋዌ ምምሃር ምፍላጥ ይከኣል።

 “ማርያም” ብዕብራይስጥ “ማሪሃም” ኪኸውን ከሎ፥ ትርጕሙ ድማ እመ ብዙኃን (ኣደ ብዙኃን) ማለት እዩ። እዚ ድማ "ኣብርሃም" ኣቦ ብዙኃን ተባሂሉ ከም ዝትርጐም ማለት እዩ። (ዘፍ ፲፯፥፭/ 17፡5) ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ክረአ ኸሎ ድማ ሊቃውንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኸምዚ ዝስዕብ ምሥጢራዊ ትርጕም ይገልጽዎ ።

ሀ) ማርያም ማለት ፍጽሞተ ሥጋ ወነፍስ / ብድንግልና ሥጋ ብድንግልና ሕሊና ንጽሕቲ ፍጽምቲ ማለት እዩ።

እዚ ክበሃል ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነቢብ፡ ካብ ገቢር፡ ካብ ሐልዮ ኃጢአት ንጽሕቲ እያ። ኣደነት ምስ ድንግልና፡ ድንግልና ምስ ኣደነት ኣጣሚራ ዝኃዘት ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ንጹሕ ስለ ዝኾነ ንእኡ ትበቅዕ ንጽሕቲ መኅደሪት እያ። እዚ ድማ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ወሶበ ርእየ ንጽሕናኪ ለሊሁ እግዚአብሔር አብ ፈነወ ኀቤኪ መልአኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል ወይቤለኪ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኀይለ ልዑል ይጼልለኪ፡ ወመጽአ ቃል ኀቤኪ እንዘ ኢይትፈለጥ እምሕፅነ አቡሁ” ከምኡ ድማ “ወሶበ ረከበ ሥጋሃ ቅዱሰ ወነፍሳ ቅድስተ ፈጠረ ሎቱ በመንፈስ ቅዱስ ሕያወ መቅደሰ” (ሃ.አበው) ከም ዚብል መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ኣማሊዳ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍሥ እተውህብ፡ ብድንጋሌ ሥጋ ብድንጋሌ ነፍስ ጽንዕቲ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም መኅደሪቱ ኽትከውን መረጻ። ብተወሳኺ ኣባ ሕርያቆስ ደጊሙ እታ እንኮ ፍጽምተ ሥጋ ወነፍስ ድንግል ማርያም ምዃና ከረድእ ከሎ “እግዚአብሔር ነፀረ ምሥራቀ ወምዕራበ፥ ሰሜነ ወደቡብ ወውስተ ኵሉ አጽናፈ ዓለም። አስተንፈሰ ወአጼነወ ወኢረከበ ዘከማኪ ሠምረ መዐዛ ዚአኪ ወፈተወ ሥነኪ ወፈነወ ኀቤኪ ወልዶ ዘያፈቅር” ኢሉ ኣነጺርዎ ይርከብ። በዚ መሠረት ድማ ‘ማርያም’ ማለት ፍጽምተ ሥጋ ወነፍስ ዝብል ትርጕም ይለብስ።

ለ) ማርያም ማለት ጸጋ ወሀብት ማለት እዩ ፡-

ንወለዳ ኢያቄምን ሓናን ውላድ ብምስኣኖም ብዅሉ ሕዝቢ ዝተዋረዱ ብምንባሮም ንጊዜኡ ንእኣቶም ጸጋን ሃብትን ኮይና ተዋሂባ እያ። ፍጻሜኡ ግና ነቶም ንኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ኣብ ትሕቲ ዲያብሎስ ተረጊጾም ዝነበሩ ኣዳምን ደቁን ጸጋን ሃብትን ኮይና ተዋሂባ እያ። ከምኡ'ውን ብኣማላድነታ ኣሚኖም ብቓል ኪዳና ተማሕጺኖም ንዝመጽኡ ምእመናን ጸጋን ሃብትን ኮይና ተዋሂባ እያ። እዚ ድማ ምልእተ ጸጋ ምዃና ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ "... ኣቲ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ'ሞ ባህ ይበልኪ...” ብምባል መስኪሩ እዩ።(ሉቃ ፩፥፳፰/ 1፡28-30)

ንኣቦና ኣዳም ከመይ ኢላ ጸጋን ሃብትን ኮይና ተዋሂባቶ እንተተባህለ፥ ጸጋኡን ሃብቱን ተገፊፉ ዝነበረ ኣዳም ጸጋኡን ሃብቱን ዝተመልሰሉ በቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነዚ ከረድእ ድማ ኣባ ሕርያቆስ “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እም ገነት” ትርጕም ኣዳም ካብ ገነት ኪስጎግ ከሎ ተስፋኡ ንስኺ ነበርኪ” ኢሉ ገሊጹ ይርከብ። ብተወሳኺ ንኣና’ኸ ከመይ ኢላ ጸጋን ሃብትን ኮይና እንተተባህለ፡-
1. ንሕና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንቕበል በቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተረክበ ኾይኑ ካብ ጐኑ ብዝፈሰሰ ማይ ገቦ ማለት ጥምቀት ስለ ዝኾነ እዩ።
2. ኣብ ወንጌል ዮሓ. ፲፱፥፳፮/ 19፡26 ተገሊጹ ከም እንረክቦ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኮይኑ ብቅዱስ ዮሓንስ ኣቢሉ ብኣማላድነታ ጸጋን ሃብትን ክትኮነና ሂቡና እዩ።

ሐ) ማርያም ማለት መርኅ ለመንግሥተ ሰማያት (ናብ መንግሥተ ሰማያት መሪኃ እተእቱ) ማለት እዩ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ናይ ሠሉስ ውዳሴ ማርያም “አክሊለ ምክሕነ ወቀዳሚተ መድኃኒትነ ወመሠረተ ንጽሕነ ኮነ በማርያም ድንግል/ ኣኽሊል ትምክሕትና፡ ጀማሪት ድኅነትና ፡ መሠረት ንጽሕናና ድንግል ማርያም እያ። ብድንግል ማርያም ኮነ” ከም ዝበሎ ብሰንኪ ሔዋን ተዓጽዩ ዝነበረ ኣፍ ደገ ገነት ንሳ ናይ ድኅነትና ጀማሪት ብምዃን ማለት ብደሙ ዓለም ዘድኃነ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ካብኣ ብምውላዱ ገነት ዝተኸፍተላ መኽፈቲ ጽድቂ (ኣፍ ደገ) ኮይና እያ። ደጊሙ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ኃሙስ ውዳሴኡ ፡ "በእንተ ሔዋን ተዐጽወ ኆኅተ ገነት ወበእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ዳግመ” ዝበሎ ኣዳምን ደቁን ናብ መንግሥተ ሰማያት መሪኃ ዘእተወት ኣደ እያ። ብተወሳኺ ንምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን ብኣማላድነታ ዚምሕጸኑን ብንጽሕናኣ ዚምክሑን ናብ መንግሥተ ሰማያት መሪኃ እተእቱ እያ'ሞ መርኅ ለመንግሥተ ሰማያት /መራኂት መንግሥተ ሰማያት ተባህለት።'' ነዚ ብዕምቈት ዝመርመረን ዝተረድአን ኣባ ጽጌ ድንግል ማርያም ድማ ኣብ ማኅሌተ ጽጌ "አልቦ ጸሎት ወአልቦ ትንበሌ እንበሌኪ ማርያም ዘየዐርግ ሉዓሌ/ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ብኣኺ ናብ ሰማያት ዚዓርግ ጸሎት ኮነ ልማኖ የልቦን" ብምባል መራኂት መንግሥተ ሰማያት ምዃና ኣብሪህዎ ይርከብ።

መ) ማርያም ማለት ልዕልቲ፥ ‘መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ (ካብ ፍጡራን ንላዕሊ ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ማለት’ዩ)’

ፍጥረት ኢልና ክንዛረብ ከሎና እቶም ኵሎም እግዚአብሔር ካብ እሑድ ክሳዕ ዓርቢ ዝፈጠሮም ፍጥረታት ማለት’ዩ። ካብዞም ፳፪/22 ሥነ ፍጥረት ስሙ ኣመስጊኖም፡ መንግሥቱ ኪወርሱ ዚተፈጥሩ መላእኽትን ሰብን እዮም። ማርያም ማለት መልዕልተ ፍጡራን ማለት እዩ ክንብል ከሎና እምበኣር ቅድስት ድንግል ማርያም ልዕሊ መላእኽትን ደቂ ሰባትን እያ። መላእኽቲ ንጹሓን እዮም እዚስ ከመይ ኢሉ ይኸውን እንተተባህለ፥ መላእኽቲ ንጹሓን እኳ እንተኾኑ ከም ቅድስት ድንግል ማርያም መለኮት ኪስከሙ ኣይተኻሎምን። ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ ምዕራፍ 6 ገሊጽዎ ከምዘሎ “--- በክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ ገጾሙ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይከደኑ እግሮሙ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይሰሩ አንጻረ ኅቡረ/ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ይኸድኑ ብኽልተ ኣኽናፈም እግሮም ይኸድኑ---።” ይብል እዚ ድማ ሊቀ ሊቃውንት ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዓንቀጸ ብርሃን ለኪ ይደሉ ትርጒምዎ ከም ዘሎ “እልክቱ ይከድኑ ገጾሙ ወእገሪሆሙ በአርአያ ትእምርተ መስቀል ከመ ይድኀኑ እምእሳት ዘይወፅእ እመለኮተ ወልድኪ/ ንሳቶም ካብ መለኮት ወድኺ ዚወፅእ እሳት ከየቃጽሎም ገጾምን እግሮምን ብኣርኣያ ትእምርተ መስቀል ይኸድኑ” ከም ዝበሎ እግዚአብሔር ብጸጋ ደኣ ኃዲርዎም እምበር እሳተ መለኮት ክጸሩስ ኣይተኻእሎምን። ንሳ ግና “አንቲሰ ኮንኪ ማኅደረ መለኮት ወኢያውዐየኪ እሳተ መለከት፥ ጾርኪ ነበልባለ እሳት ወኢያውዓየኪ ነበልባለ መለኮት” ቅዱስ ያሬድ ከም ዝበሎ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተዋሐሒዱ ንትሾዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማሕፀና ክትጸሮ ብቕዕቲ ኾይና ተረኺባ እያ’ሞ ቅዱስ ያሬድ ኣብ መእተዊ ደርሰቱ ኣብ ለኪ ይደሉ “ አንቲ ተዐብዪ እምኪሩቤል እለ ብዙኃት አዕይንቲሆሙ ወሱራፌል እለ ስድስቱ ክንፊሆሙ” ዝበለ። በዚ መሠረት ድማ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መልዕልተ መላእክት እያ። “ካብ ደቂ ሰባት’ከ ከመይ ኢላ ትዓቢ፧” እንተተባህለ፥ ካብ ደቂ ሰባት መለኮት ክጸውር ዝከኣሎ ዋላ ሓደ የልቦን። ንዕቤታ ድማ ኣብ መቅድመ ተአምረ ማርያም ብኸምዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ንረኽቦ። “አልቦ ዘጾረ እሳተ ወአልቦ ዘኢገብረ ኀጢአተ ዘእንበለ እግዝእትነ ማርያም፡ እግዝእትነ ማርያም ትነጽሕ እመላእክት፡ እግዝእትነ ማርያም ተዐቢ እምኵሉ ፍጥረት።” ብተወሳኺ ድማ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ናይ ረቡዕ ድርሰቱ “የዐቢ ክብራ ለማርያም እምኵሎሙ ቅዱሳን እስመ ድልወ ኮነት ለተወክፎ ቃለ አብ ዘይፈርህዎ መላእክት ወየአኵትዎ ትጉሃን በሰማያት፥ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብሪ ካብ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ክብሪ ይበልጽ፡ ከመይ ትጉሃን ኣብ ሰማያት ዘመስግንዎ፡ መላእኽቲ ዚፈርህዎ ኣካላዊ ቓል ንምቕባል ብቕዕቲ ኮይና ተረኺባ እያ፡” ብምባል መልዕልተ ፍጡራን ምዃና የነጽርዎ። በዚ መሠረት ድማ 'ማርያም' ዝብል ስም መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ዝብል ትርጕም ይለብሶ።

ሠ) ማርያም ማለት ተላአኪተ እግዚአብሔር ወሰብእ/ተላኣኺት እግዚአብሔርን ሰባትን ማለት እዩ፡/

ኣካላዊ ቃል ኣብ ማሕፀና ብምኅዳሩ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ትስብእት ምስ መለኮት ኣወሓሒዱ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ተገሊጹ። ንደቂ ሰባት ድኃነት ሂቡ እዩ’ሞ ንሰብ ናይ ምድኃኑ ምኽንያት ማርያም እያ’ሞ ተላኣኺት ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ተባህለት።

ረ) ማርያም ማለት እግዝእተ ብዙኃን /ኣደ ብዙኃን/ ማለት እዩ።

ኣብቲ ኣዳም ገብሩ ለዲያብሎስ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ ዝተባህለሉ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዓውደ ዲያብሎስ ተቖሪኑ ብኣጋንንቲ እናተረግጸ ዝነብረሉ ዝነበረ ዘመን እምበኣር ቅድስት ድንግል ማርያም አመተ እግዚአብሔር ተባሂላ ክትጽዋዕ በቕዐት። “ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፥ ጸጋ ዝተመላእኪ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ’ሞ ደስ ይበልኪ” ተባህለት። እዚ ማለት እግዚአብሔር ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተዋሓሒዱ፡ ነቶም አግብርተ ዲያብሎስ ዝተባህሉ ኣግብርተ እግዚአብሔር ዝገብሮም፡ ነተን አእማተ ዲያብሎስ ዝተባህላ ድማ አእማተ እግዚአብሔር ዝሰምየን ጐይታ ካብኣ ስለ ዝተወልደ ኣደ ብዙኃን ተባህለት። ከምቲ መቅድመ ተኣምረ ማርያም “ሕይወትየ ይቤላ ኣዳም ለብእሲቱ አእሚሮ ከመ ትወጽእ እግዝእትነ ማርያም እምሐቈሁ ወእምከርሠ ብእሲቱ” ኢሉ ተርጒምዎ ከምዘሎ ኣደ ኵሎም ሕያዋን ዝተባህለት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ’ሞ እግዝእተ ብዙኃን ተባህለት። ከምኡ’ውን ንዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽአ ንፍጡራን ብፀሓይ ኣብሲሉ ብማይ ኣብቂሉ ዝምግብ ጐይታ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልና ካብኣ ተወሊዱ እዩ’ሞ፥ ኣደ ኵሎም ፍጡራት ክትበሃል በቕዐት።

ብተወሳኺ ቅዱሳን ኣቦታት ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ንኽገልጹ ናይ ስማ ፬ተ ፊደላት ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ተርጒሞሞ ኣለዉ፡-
ማ- ማኅደረ መለኮት
ር- ርግብየ ይቤላ
ያ- ያንቀዐዱ ኀቤኪ ኵሉ ፍጥረት
ም- ምስአል ወምስጋድ ወመስትሥርየ ኃጢአት

ናይ እግዝእትነ ማርያም ጣዕማ ኣብ ልሳንና ፍቕራ ድማ ኣብ ልብና ይኅድረልና!
                                                                                              ***

ዘመነ ማቴዎስ 30 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

March
Monday
8
ዝክር፦ ጲስ ወአላጲስ ወኣጋጲስ ወእሞን ሶፍያ፡ ወጳላግያ ወማርያ ወማርታ፡ ወኦርኒ ወማኅበራኒሃ፡ ወጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት፡ ወአክርስጥሮስ፡ ወሚናስ ሊቀ ጳጳሳት እምኍልቆሙ ለ፵ወ፯ቱ አበው። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይ ቆሮ. 11፡1-12። 1ይዮሐ. 3፡13-17። ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 17፡4-12 ምስባክ መዝ.111/112 ወንጌል ማቴ. 25፡1-13። ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ” (ኢዩ. 2፡14) - ዓቢይ ጾም

ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ፯/7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ዓቢይ ጾም (ጾመ ፵/40) እዩ።...

ትሕትና - “ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 (ካልኣይ ክፋል)

ትሕትና ማለት ብኃይሊ፡ ምሕረት፡ ጸጋ ፡ ጥበብን ፍቓድን እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ከንቱ ምዃንካ ፈሊጥካ፡ ንርእስኻ ምትሓት፡ ዘይምዕባይን ዘይምኽራዕን እዩ። እትፈልጥ ከሎኻ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ልምዓታዊ መደባት ንምስላጥ ዑደት ተኻይዱ!

ብዕለት 15 የካቲት 2013 ዓ.ም.ግ (22/02/2021 ዓ.ም.ፈ ) ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንልምዓታዊ መደባት ዝረድእ ዑደት ብኣባላት ቤት ጽሕፈት...

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ርያድ ስዑዲ ዓረብ ብድምቀት ተኸቢሩ!

16 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ሃገር ክኽበር...

ኣብ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ።

ኣብ ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ኣብ ኣሞክሮ ዝጸንሓ ሾብዓተ ኣኃት…

ብዕለት 13 የካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብኣቕራብነት እመምኔት ገዳም ኢታይ ወለተ መስቀልን ሽማግለ ገዳምን፡ ዓቃቤ...

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

“ዝደለይዎ ዝረኸቡ” - ሕዝበ ነነዌ

እቲ ክቡር ንጉሥ፡ መልእኽቲ ጥፍኣት ሃገሩ ምስ ሰምዐ ፈርሐን ረዓደን። ነዚ መልእኽቲ ብግብሪ እንተዘይፈጺምዎ፡ ሃገሩ ከምዘይነበረት ከም እትከውን፡ ካብ ሰብ...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 15 መጋቢት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

ዓቢይ ባሕታዊ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣባ ኃይለማርያም ብሰላም ዓሪፎም!

ባሕታዊ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣባ ኃይለማርያም ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ኣብ ገዳሞም ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...