እዚ ነቢየ እግዚአብሔር ደጊሙ “ኣነ’ውን ንሥፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኪመጽ፡ እቶም ዝነዕቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚአብሔር ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢሎም ኪሰምዩኺ’ዮም” ኢሉ’ዩ። (ኢሳ. 60፡13)
መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ገና ኣብ ማኅፀን ኣደኡ ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ ሰለዝነበረ ድምፂ ሰላምታ ድንግል ማርያም ንኤልሳቤጥ ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን ናይ ጸጋ ስግደት ንድንግል ማርያም፡ ናይ ኣምልኮ ስግደት ኣብ ማኅፀና ንዘሎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰጊዱ’ዩ። ነዚ ዝገበረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ።
ሎሚ’ውን መንፈሰ እግዚአብሔር ዘይተፈለዮ ኵሉ ንኽብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይንብርከኽ፡ ይሰግደላ’ውን እዩ።
ቅድመ ሥዕልኪ እሰግድ ወለሥዕለ ወልድኪ እገኒ፣
ማርያም ድንግል ማርያም እመ አዶኒ፣
ማዕበለ ጌጋይ ጽኑዕ ሶበ ለአስጥሞ በጽሐኒ፣
ሐመርየኒ ማዕዶትየኒ ሃይማኖትየኒ፣
ዘእንበሌኪ ማርያም አልብየ ምንትኒ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!