Print this page

ኦ ድንግል በመኑ ወበአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ!/ ኦ ድንግል ብምንታይን መን ብዝመሰሎን ክንምስለኪ ኢና!

Nov 15, 2018

ኦ ድንግል በመኑ ወበአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ!/ ኦ ድንግል ብምንታይን መን ብዝመሰሎን ክንምስለኪ ኢና!

ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ብቐዳሞት ኣቦታት ካብ ዝቐረቡ ኅብረ ኣምሳል፡ ቅጽል፡ ምስጋናታት . . . ፦

• አክለለ ምክሕነ፡ ኣክሊል ትምክሕትና፡
• መሠረተ ንጽሕነ፡ መሠረት ንጽሕናና
• ሰዋስው፡ መሳልል
• ማኅደረ መለኮት፡ መኅደሪት መለኮት
• ገራህት፡ ዘርኢ ዘይወደቓ ግራት
• ኃሤቶሙ ለመላእክት፡ ንመላእክት ሓጐሶም

• ወላዲተ እግዚእ፡ ወላዲት ጐይታ
• ዜናሆሙ ለነቢያት፡ ንመላእክት ዜና ትንቢቶም
• ንጽሕት
• ወላዲተ ፈጣሬ ኵሉ ዓለም፡ ወላዲት ንዅሉ ዓለም ዝፈጠረ
• መድኃኒታ ለሔዋን፡ ንሔዋን መድኃኒታ
• እሞሙ ለኵሎሙ ሕያዋን፡ ንዅሎም ሕያዋን ኣደኦም
• ደብር ነባቢት በትሕትና፡ ብትሕትና እትዛረብ ደብሪ
• ዓፅቀ ንጹሐ፡ ንጹሕ ገረብ
• ወላዲተ አምላክ ድንግል ኅትምት፡ ንኣምላኽ ዝወለድኪ ብድንግልና ሥጋን ነፍስን ኅትምት
• እሙ ለብርሃን፡ ኣደ ብርሃን
• ክብርት፡ ክብርቲ
• እሙ ለቃለ አብ፡ ኣደኡ ንኣካላዊ ቃል
• ቡርክት፡ ፍልይቲ
• ርግብ ሠናይት፡ መልክዐኛ ርግቢት
• እሙ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
• እም ወአመት፡ ኣደን ድንግልን እመቤትን ገረድን
• ሰማይ ዳግሚት ዲበ ምድር፡ ኣብ ምድሪ ዘላ ካልአይቲ ሰማይ
• ኆኅተ ምሥራቅ፡ ኣፍ ደገ ምሥራቅ
• ሀገረ እግዚአብሔር፡ ሃገረ እግዚአብሔር
• ማኅደረ ለፍሡሓን፡ ናይቶም ተሓጒሶም ዝነብሩ ቅዱሳን መኅደሪት
• ትእምርተ ዋሕዱ፡ ምልክት ወዱ
• ምልእተ ጸጋ፡ ጸጋ ዝመልኣኪ
• ሙዳይ እንተ አልባቲ ነውር ፍጽምት ዘአልባ ርስሓት፡ ርኽሰት ኮነ ርስሓት ዘይብልኪ ንጽሕት ናይ ሽቱ ኣቕሓ
• ማኅደሩ ለክርስቶስ፡ ንክርስቶስ መኅደሪኡ
• ፀዋሪቱ ለዋሕድ፡ ንወልድ ዋሕድ ዝፆርኪ
• ከብካብ ንጽሕ ሥርግው በኵሉ ሥነ ስብሐት፡ ብፍጹም ሽልማት ዘጌጸ ንጹሕ ቤት መርዓ
• ዕፀ ጳጦስ እንተ ኢያውዐያ እሳተ መለኮት፡ ባህርየ መለኮቱ ዘይለወጠኪ ዕፀ ጳጦስ
• ታቦት፡ መኅደሪት
• ኢየሩሳሌም ሀገሮሙ ለነቢያት፡ ናይ ነቢያት ሃገሮም ኢየሩሳሌም
• ኆኅት ዘምሥራቅ ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም፡ ብዘደንቕ ቍልፊ ዝተቈለፈት ብሸነኽ ምሥራቅ ዘላ ኣፍ ደገ
• ትምክሕተ ኵልነ፡ መመክሒት ኵልና
• ዘበእንቲአሃ ተሥዕረ ዘቀዳሚ መርገም፡ ኣብ ባህሪና ሠሪፁ ዝነበረ መርገም ብእኣ ምኽንያት ጠፍአ
• ምድረ ኤፍራታ፡ ምድረ ኤፍራታ ዝኾንኪ ቤተ ልሔም
• ምክሖን ለደናግል፡ ሓበን ደናግል
• ሀገር መንፈሳዊት፡ መንፈሳዊት ሃገር
• ወላዲተ አምላክ ማእምንት፡ ንኣምላኽ ዝወለድኪ እምንቲ
• ቤተ መቅደስ፡ ቤተ መቅደስ
• ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር፡ መኅደሪት ናይቲ ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን
• ተንከተመ ለዕርገት ውስተ ሰማይ፡ ናብ ሰማይ ንምድያብ መሳልል
• ምሥራቅ ዘወፅአ እምኔኪ ኮከብ ብሩህ፡ ብሩህ ኮከብ ካባኺ ዝተወልደ ምሥራቅ
• ንጽሕት ወብርህት ወቅድስት በኵሉ፡ ብውሽጥን ብደገን፣ ብነፍስን ብሥጋን ብርህቲ ቅድስቲ
• ከብካብ ዘአልቦ ጥልቀት፡ ርኽሰት ኮነ ርስሓት ዘይብልኪ ቤት መርዓ
• ደብተራ እንተ ተሰመይኪ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ካብ ዝኸበሩ ዝኸበርኪ ቅድስተ ቅዱሳን ዝተበሃልኪ ደብተራ
• መሶበ ወርቅ እንተ መና ኅቡእ፡ ኅቡእ መና ዝኃዘት መሶበ ወርቅ
• እመ በግዕ ነባቢ፡ ኣደ ነባቢ በግዕ
• እሙ ለክርስቶስ ንጉሥ፡ ኣደ ንጉሥ ክርስቶስ
• ጽርሕ ንጽሕት፡ ንጽሕት ኣዳራሽ
• ልሕኵት ንጽሕት ክብረ ኵሉ ዓለም፡ ናይ ኵሉ ዓለም ክብሪ ዝኾንኪ ንጽሕቲ ጣሳ
• ብርሃን ዘኢትጠፍእ፡ ዘይትጠፍእ ፋና
• መቅደስ ዘኢትትነሠት፡ ዘይትፈርስ መቅደስ
• በትረ ሃይማኖት ዘኢትጸንን ምስማኮሙ ለቅዱሳን፡ ዘይትልወጥ ናይ ቅዱሳን ጽንዕቲ ሃይማኖት
• ዳግሚት ቀመር እንተ ትሰመይ ቅድስተ ቅዱሳን ወውስቴታ ጽላተ ኪዳን፥ ካብ ዝኸበሩ ዝኸበርኪ ቅድስተ ቅዱሳን ዝተበሃልኪ ሕጊ ዝተጻሕፎ ጽላት ዘለኪ ካልኣይቲ ክፍሊ
• ታቦት በወርቅ ልቡጥ፡ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት
• መቅደስ ዘይኬልልዋ ኪሩቤል፡ ኪሩቤል ዝጋረዱኺ መቅደስ
• መሶበ ወርቅ ንጹሕ እንተ ውስቴታ መና ኅቡእ፥ ኅቡእ መና ዘሎኪ መሶበ ወርቅ
• ተቅዋም ዘወርቅ እንተ ፆርኪ ማኅቶተ ፀዳል ኵሎ ጊዜ፥ ኵሉ ጊዜ ብርሃንነት ዘለዋ ፋና ዝተሰከምኪ ተቅዋመ ወርቅ
• ጽጌ መዓዛ ሠናይ፡ ሠናይ መዓዛ ዘለዋ ዕንባባ
• በትረ አሮን እንተ ሠረፀት ዘእንበለ ተክል ወኢሠቀይዋ ማየ፥ ከይተኸልዋ ዝተተኽለት፥ ማይ ከየስተይዋ ዝለምለመት ዝዓንበበት ዝፈረየት በትረ አሮን
• ምክሐ ዘመድነ፡ ሓበን ባህርይና፣
• እመ አዶናይ፡ ኣደ ኣዶናይ
• አንቀጸ ብርሃን፡ ኣፍ ደገ ብርሃን
• መዓርገ ሕይወት፡ መዓርገ ሕይወት
• መንጦላዕተ ብርሃን፡ መጋረጃ ብርሃን
• መንበረ ስብሐት፡ መንበር ክብሪ
• ዕፀ ሕይወት
• ዕፀ መድኃኒት
• ምልዕተ ውዳሴ፡ ምስጋና ዝመልኣኪ
• ምዕናም፡ ማእለማ
• ጽዮን
• መስተምሕትር፡ ኣማላዲት
• ተስፋሁ አዳም፡ ተስፋኡ ንኣዳም
• የውሃቱ ለአቤል፡ ለውሃቱ ንኣቤል
• ኂሩቱ ለሴት፡ ንሴት ሕያውነቱ
• ምግባራቲሁ ለሄኖክ፡ ንሄኖክ ምግባሩ
• ታቦት እንተ ኖኅ፡ ናይ ኖኅ መርከብ
• ቡራኬሁ ለሴም ወክፍል ሎቱ፡ ንሴም ክፍሊ ምርቓኡ
• ተናግዶቱ ለአብርሃም፡ ንአብርሃም ተስፋ ስደቱ
• መዓዛሁ ለይስሓቅ፡ ንይስሓቅ መዓዛኡ
• ሰዋስዊሁ ለያዕቆብ፡ መሳልል ያዕቆብ
• ናዛዚቱ ለዮሴፍ፡ ንዮሴፍ መጸናንዒቱ
• ጽላት ዘሙሴ፡ ናይ ሙሴ ጽላት
• ዕፀ ጳጦስ ዘሲና፡ ናይ ሲና ዕፀ ጳጦስ
• ሐውልተ ስምዕ ዘኢያሱ፡ ናይ ኢያሱ ሓውልቲ ምስክር
• ፀምር ዘጌዴዎን፡ ናይ ጌዴዎን ፀምሪ
• ሙዳየ ዕፍረት ወቀርነ ቅብዕ ዘሳሙኤል፡ ናይ ሳሙኤል ቀርኒ ቕብኢ ናይ ሽቱ ሙዳይ
• ሥርው ዘዕሤይ እንተ ባቲ ተመክሐ፡ ዕሤይ ብእኣ ዝተመክሐ ሡር
• ሠረገላተ አሚናዳብ፡ ሠረገላ ኣሚናዳብ
• መሰንቆሁ ለዳዊት፡ መሰንቆ ዳዊት
• አክሊሉ ለሰሎሞን፡ ኣክሊል ሰሎሞን
• ገነት ዕፁት ወዐዘቅት ኅትምት፡ ዝተሓጽረት ተክልን ዝተዓጽወት ዒላ ማይን
• መሶበ ወርቅ እንተ ኤልያስ ፡ ናይ ኤልያስ መሶበ ወርቂ
• መስብክት ዘኤልሳዕ፡ ቍራዕ ኤልሳዕ
• ፅንስ ምስለ ድንግልና ዘኢሳይያስ፡ ኢሳይያስ ፅንሲ ምስ ድንግልና ዝተነበየልኪ
• ብኵርና እንበለ ሩካቤ ዘዳንኤል፡ ዳንኤል ብዘይ ሩካቤ ከም እትወልዲ ዝተነበየልኪ
• ወደብረ ፋራን ዘዕንባቆም፡ ፋራን እትብሃል ናይ ዕንባቆም እምባ
• ምሥራቅ ዕፁት ዘሕዝቅኤል፡ ናይ ሕዝቅኤል ዕጽውቲ ምሥራቃዊት ኣፍ ደገ
• ሙጻኣ ሕግ ዘቤተልሔም፡ ናይ ቤተ ልሔም ምውፃእ ሕግ
• ምድረ ኤፍራታ ዘሚክያስ፡ ናይ ሚክያስ ምድሪ ኤፍራታ
• ፈዋሲተ ቍስሉ ለናሆም፡ ናይ ናሆም መሕወይት ቍስሉ
• ትፍሥሐተ ዘካርያስ፡ ናይ ዘካርያስ ፍሥሓ
• ጽርሕ ንጽሕት ዘሚልክያስ፡ ናይ ሚልክያስ ንጽሕቲ ኣዳራሽ
• አምሳል ወትንቢት ዘነቢያት፡ ትንቢትን ምሳሌን ነቢያት
• ሞገሶሙ ለሐዋርያት፡ ንሓዋርያት ሞገሶም
• እሞሙ ለሰማዕት፡ ንሰማዕታት ኣደኦም
• እኅቶሙ ለመላእክት፡ ንመላእክት ኃብቶም
• ትምክሕቶሙ ለወራዙት ወደናግል ወመነኮሳት፡ ንደናግልን መነኮሳትን ወራዙትን መመክሒቶም
• . . . ወዘይመስሎ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን !