ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅድመ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት እያ’ሞ ገና ኣፋ እኽሊ፡ ከብዳ ድማ ዘመድ ከይለመደ ካብ ሕቍፊ ኣደኣ ሓና ተወሲዳ፣ ንሥላሴ ከም ኣቦን ኣደን፡ ንመላእኽት ድማ ከም ኃውን ኃፍትን ገይራ ኣብ ቤተ መቅደስ ንክትዓቢ ብ3 ታኅሣሥ ተዋህበት።
ናብ ቤተ መቅደስ ምስ ኣምጽእዋ ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንካህናት ኣኪቡ ብዛዕባ መግባ ኽመክር ከሎ ቅዱስ ፋኑኤል መልኣኽ ኅብስት ሰማያውን ጽዋዕ ሰማያውን ኂዙ ተራእየ።
ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንኣይ ዝመጸ እዩ ኢሉ ክቕበል እንተ ተንሥኦ ንላዕሊ ረኃቐ፣ ቀጺሉ ናቱ ሰዓቢ ስምዖን’ውን ኽቅበል ደልዩ እንተ ቐረበ ንእኡ ኸኣ ረኃቖ። ጥበብ እግዚአብሔር ኣይፍለጥን’ዩ፡ ምናልባት ናብዛ ሕፃን ዝመጸ ሃብቲ ከይከውን ኢሎም ንበይና ገዲፎማ ድኅር እንተበሉ፣ ንሳ ድማ ደድኅሪ ኣደኣ ክትስዕብ ከላ፡ ብፍጥነት እቲ መልኣኽ ወሪዱ ሓደ ክንፉ ኣንጺፉ ንሓደ ክንፉ ጋሪዱ ክንዲ ቁመት ሰብኣይ ዝኣክል ካብ ምድሪ ክብ ኣቢሉ መጊብዋ ዓረገ። እምበኣር እዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩ ኢሎም ብ 3 ታኅሣሥ ናብ ቤተ መቅደስ ኣእተዉዋ። (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 38-44) ነዚ ንምኽባር ዓመት መጸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣደኣን ሠለስተ ዓመት ጸኒሓ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ 3 ታኅሣሥ ‘በአታ ለማርያም’ እናበለት ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተብዕሎ።
ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ጀሚራ ኣብ ቤተ መቅደስ መላእኽቲ ዘምጽኡላ ሰማያዊ ኅብስት እናተመገበት፡ ሰማያዊ መስተ እናሰተየት፡ ሓርን ወርቅን ኣሰማሚዓ እናፈተለት ብሞግዚትነት መላእኽቲ ዓበየት፣ እምበር ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ከምተን ቅድሜኣን ድኅሬኣን ዝኾና ሕፃናትን ኣዋልድን ብስሓቅን ጸወታን ዝዓበየት ኣይኮነትን። ቅዱስ ያሬድ፡ ‘ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመጽኡ ወትረ ሲሳየኪ፡ ከመዝ ነበርኪ ዓሠርተ ወክልኤተ ዓመተ እንዘ ትትናዘዚ እምኀበ መላእክት’ (ኣንቀጸ ብርሃን) ኢሉ ከምዝጠቐሶ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቅድስናን ብንጽሕናን እናኣገልገለት ኣብ ቤተ መቅደስ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ምስ ተቐመጠት፡ ልማድ ኣንስቲ ዘይብላ ንጽሕተ ንጹሓን ክነሳ ኣይሁድ ብመንቀኝነት ተላዒሎም ‘ንቤተ መቅደስና ከይተርክሰልና ትውፃእ’ በሉ።
ካህን ዘካርያስ ንእግዚኣብሔር ብጸሎት ሓቲቱ ብዝረኸቦ ጥበብ መሠረት ብሠለስተ መሰኻኽር እቲ ዘመዳ ዝኾነ ኣረጋዊ ዮሴፍ ምእንቲ ክሕልዋ ብሓደራ ተዋህበት። ሀብተ ንጽሕና ዝነበሮ ዮሴፍ ሓላዊኣ ኮይኑ ምስኣ እንተነበረ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ኣብ ሕልና ኣምላኽ ሰለዝነበረት፡ ንሓደ ኣካል ካብ ቅድስት ሥላሴ ንኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ብድንግልና ፀኒሳ ብድንግልና ከም እትወልዶ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣበሠራ፣ ንሳ ድማ ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ኣደ ኣምላኽ ክትከውን በቕዐት። (ሉቃ. 1፡26-28)
ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር እምንቲ መዝገብ ምሥጢር ኮነት፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ሠልጢኑ ዝነበረ ገዛኢ ጸልማት ዲያብሎስ ዝስዕር ኣማናዊ ብርሃን ፀሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ኣማናዊት ምሥራቅ ምኽንያት ድኅነትና ብምዃና ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ሥፍራ ኣለዋ። ድኅሪ ስም ሥላሴ ቀጺልና ናታ ስም ምጽዋዕ፡ ድኅሪ ንፈጣሪ ዝቐርብ ምስጋና ኣስዒብና ንኣና ምምስጋን፣ ናይ ወዳን ፈጣሪኣን ለውሃትን ተኣምርን ድኅሪ ምዝራብ ናታ ፍቕርን ተኣምርን ምዝራብ ልሙድ እዩ።
ስለዚ ነዛ እግዚኣብሔር ዘኽበራን ዝኃረያን (መዝ. 132፡13-14) ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ በዓላ (በአታ ማርያም ፫ ታኅሣሥ) እንተኣኽበርናን ብስማ እንተ ተማኅፀንናን ሰማያዊ ዓስቢ፡ በረከተ ሥጋ ወነፍስ ዘውህብ እዩ’ሞ ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክንከውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ጸሎታን በረከታን ምሕረት ፍቁር ወልዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን።