በዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም  - 21 ጥር

Jan 29, 2020

እግዚአብሔር በቲ ዘይምርመር ጥበቡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንሰብ ከድኅን ኣብ ዝመደበሉ እዋን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ናይዚ ግብረ ምድኃን ኮነት። ከመይ! ንሳ ወሊዳ ዘረከበት፡ ሓዚላ ዝተሰደት ምስኡ ከርተት ኢላ ክሳዕ እግረ መስቀል ዝሰዓበት ኣደ እያ።

ግብረ ምድኃን እግዚአብሔር ኣብ እንሓስበሉ እዋን ንኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ክንገድፋ ኣይንኽእል ኢና። እመ ኣምላክ፡ ወላዲተ ኣምላክ፡ እመ ብርሃን . . . እናበልና ንጽውዓን ብኣማላድነታ ንምሕፀንን።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ፀኒሳ፡ ሠለሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ምስ ጐይታ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዓረፈት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ንኺቐብርዋ ናብ መካነ ዕረፍቲ ጌቴሴማኒ ኂዞምዋ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይሁድ ብኽፉእ መንፈስ ተላዒሎም፡ “ኣቐዲሞም ንወዳ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሢኡ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ዳኅራይ’ውን ተመሊሱ ነዚ ዓለም’ዚ ንኬኅልፍ ኪመጽእ’ዩ’ እናበሉ ብምምሃር ነቲ ሕዝቢ ፈጺሞም ወሲዶሞ’ዮም፡ ሕጂ ኸኣ ስቕ ኢልና እንተገደፍናዮም ንእኣ’ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ’ እናበሉ ብምምሃር ኪህዉኹና’ዶ ኣይኮኑን፧ ንዑ! ተኣኪብና ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ተማኺሮም መጽኡ። ካብ መንጎኦም ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጐበዝ ተመሪጹ ከይዱ፡ ነቲ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ዝተሰከሙሉ ዓራት ንኺግልብጥ ምስ ኃዞ፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ብሰይፈ እሳት ንኽልተ ኣእዳዉ ቈሪጽወን ኣብቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን ደኣ እምበር ታውፋንያ ብዝፈጸሞ ድፍረት ተጣዒሱ ናብኣ ስለዝተማሕፀነ ብተኣምር ኣእዳዉ ተፈዊሰን ከም ቀደመን ኮናሉ።

ሽዑ መልኣከ እግዚአብሔር ንሥጋ ኣዴና ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወሲዱ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣቐመጦ። ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ቅዱስ ዮሓንስ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ተመሊሱ፡ ሥጋ ኣዴና ኣብ ገነት ምህላዉ ነገሮም። ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ንሥጋ ኣዴና ንምቕባር ካብ ዝነበሮም ድልየት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ኪጾሙን ኪጽልዩን ድኅሪ ምቕናይ ኣብ መበል ዓሠርተው ኣርባዕተ መዓልቲ /መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ/ ጐይታና ንሥጋ ኣዴና ኣምጺኡ ስለዝሃቦም ወሲዶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌቴሰማኒ ቀበርዋ።

ኣብ ናይ ኣዴና ሥርዓት ቀብሪ ንከርክብ፡ ሓደ ካብቶም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢየሩሳሌም ኪመጽእ ከሎ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንትንሣኤኣ ካልኦት ቅዱሳን ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ “ወፈቀደ ይደቅ እምደመናሁ” ይብሎ ማለት ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ ሕጂ ኸኣ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ ኢሉ ካብቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ደመና ኪወድቕ ደለየ። ኣዴና ግና ብዘይካኡ ካልኦት ሓዋርያት ንትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ ነጊራ ኣጸናኒዓ፡ ከይዱ ንኣኅዋቱ ሓዋርያት ነቲ ኵሉ ዝኾነ ኪነግሮም ኣዚዛ፤ ንምልክት ምእንቲ ምስክር ኪኾኖ መግነዛ ሂባቶ ፈጺማ ብዝማሬን ይባቤን መላእክቲ ናብ ሰማይ ዓረገት።

ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ “ንኣዴና ቀቢርናያ” ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ድማ ከምዘይፈለጠ ኾይኑ “ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቐብሪ ከመይ ጌሩ ይኸውን፧” በሎም። “ንስኻ ብቐደሙ’ውን ንትንሣኤ ጐይታ ተጠራጢርካ ሕጂ’ውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ኢሎም ብቅዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ መካነ መቓብር ኣዴና ኂዞሞ ከዱ። ከርእይዎ መቓብር እንተኸፈቱ ንሥጋ ኣዴና ስኣንዎ። በዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ቶማስ “ኣይትኣምኑንን ኢኹም ኢለ’የ እምበር ኣዴናስ ተንሢኣ ዓሪጋ እያ” ኢሉ ኵሉ’ቲ ዝተፈጸመ ምስ ነገሮም ንመረጋገጺ ምልክት ኪኸውን ንዝሃበቶ መግነዛ ኣርኣዮም። ንሳቶም ከኣ ነቲ መግነዛ ንበረኸት ተማቒሎም ነናብ ኣህጉረ ስብከቶም ከዱ።

ኣብ ዓመቱ ‘ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ከይርኣና ንተርፍ’ ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣትዮም ኣብቲ መወዳእታ ሱባኤ 16 ነሓሰ ጐይታ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም መንበር፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቐዲሱ ንዅሎም ድኅሪ ምቝራብ ንዕርገት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምርኣይ ኣብቅዖም።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዋላ እኳ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ፡ ወላዲት ኣምላኽ፡ መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡሩን እንተኾነት፡ ሥጋ ለበስ ኵሉ ሞት ስለዘይተርፈሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ብዛዕባ ሞት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኪገልጽ ከሎ ማኅሌታይ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ፦ ‘ ኢያድለወ ክርስቶስ ለሥጋ አባሉ፡ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፡ ሞታ ለማርያም ይዓፅብ ለኵሉ / ክርስቶስ ነቲ ሥጋ ኣባሉ(ወገኑ) ’ውን እንተኾነ ኣብ ሞት ኣየዳለወን፡ ንመዋቲ ሰብ ኪመውት ዚግብኦ እዩ፡ ንሞት ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ንዅሉ ዘደንቕ እዩ ’ በለ። እቲ ‘ንዅሉ ዝደንቐሉ’ ምኽንያት ድማ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ስለ ድኅነት ዓለም ዝሞተ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ‘ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ እንድየ ወሲደ፡ ኣደይ ስለዝኾነት ሞት ክትጥዕም የብላን’ ከይበለ ዝተወሰነላ ዕድመ ምስ ኣብቅዐ፡ ብሞት ኣቢላ ናብ ሕይወት ክትሳገር ፍቓዱ ብምዃኑ እምብዛ ዘደንቕ እዩ። ከምኡ ድማ እቲ ሞት ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ዕፁብ ድንቂ’ ዘብል፡ ኵሉ ሥጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብሚዛን ሞት ማዕረ እዩ፡ ሥጋ ለበስ ሞት ይግብኦ ብምዃኑ ኣድለወን። ሞት እግዝእትነ ማርያም ከም ካልእ ሥጋ ለበስ ብሕማም ፡ብስቓይን ጻዕርን ዘይኮነስ ከም ጥዑም ድቃስ እዩ።

በዚ ኸኣ ዓመት መጽአ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት 21 ጥር ምኽንያት ብምግባር፡‘ ኣስተርእዮ ማርያም’ እናበለት ተብዕሎ። በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ኣስተርእዮ’ ምባሉ ድማ ኣብ ጊዜያት እዋን ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸሉን ዝተጠምቀሉን ስለዝኽበር እዩ።

ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ወላዲት ኣምላኽ፡ ናይ ደቂ ሰባት ምኽንያተ ድኅነት፡ ተስፋ ኃጥኣን ፍሥሓ ጻድቃን ብምዃና ናትና ናይ ኦርቶዶክሳውያን መመክሒት እያ። ወትሩ ድማ ብቓል ኪዳና ተማሕጺንና ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ እናበልና በዓላ ነኽብር ኣሎና።

ጸሎታን በረኸታን ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 30 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም…

May
Saturday
8
ማርቆስ ወንጌላዊ በኵረ ፸ወ፪ቱ አርድእት፡ ወሊቀ ጳጳሳት ዘሀገረ እስክንድርያ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት 2ይ ጢሞ. 4፡5-18 1ይ ጴጥ. 5፡6-ፍጻሜ ግብረሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 15፡36-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 115/116 ወንጌል ሉቃ. 10፡1-11 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘአበዊነ ሐዋርያት። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝውክሉ 7ተ ኣባላት ተመሪጾም!

26 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. 5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝውክሉ 7ተ ኣባላት ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብዝተገብረ...

ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2013 ዓ.ም.

ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ፳፻፲፫(2021 ) ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን...

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ዝተወደበ…

ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ዕለት ፳፩ ሚያዚያ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (29/04/2021) ኣብ ዝወደቦ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ልዕሊ 40 ዝኾኑ...

ጽልዋ ኮቢድ 19 ኣብ ክርስቲያናዊ ተልእኮ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለዋ…

ጽልዋ ዓለምለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ኣብ ሓፈሻዊ ክርስቲያናዊ ተልእኮን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዕዞ ሰላም ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘኸተሎን...

“ነሥአ ደዌነ ወፆረ ሕማመነ/ብሓቂ ንሱ ሕማምና ተቀበለ፡ ንሥቓይና ተሰከመ” …

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ዕለተ ዓርብ (ስቅለት) ኣብ ሥነፍጥረት ብዕለት ዓርቢ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” ፡ ከም መልክዕና ብምስልና...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ክልተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ማንዛዊ (zoom) ኣኼባ…

ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ወጻኢ ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት፡ ብዕለት 21/04/2021 ምስ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃን...

ከም መቐጸልታ ፯ ሚያዚያ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (15/04/2021) ዘውጽኦ መግለጺ ቅዱስ…

ከም ኣካል ሕግ ወሥርዓት ምርጫ መበል ፭ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መስርሕ ንምክትታል ምፍጻምን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመዘዞ ፯ተ...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ክልተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ማንዛዊ ኣኼባ ኣካይዱ!

ብዕለት 13 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ወፃኢ ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት፡ ምስ ንኡስ...

ንኣፈጻጽማ ስትራቴጂክ ውጥን ዝምልከት ሥልጠና ይቕጽል ኣሎ!

ብስትራቴጂካዊ ውጥን ኽትምራሕ ምኽኣል ርኁቅ ከተማዕድውን ናብ ሓደ መኣዝን ዓወት ክትጥምትን ዘክእል ብምዃኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ክሰርጽን...

ቤተ ማኅተም ማኅበር ሐዋርያት መሠረታዊ ለውጢ ንምግባር ይሥራሕ ኣሎ!

ቤተ ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሐዋርያት መሠረታዊ ለውጢን ሓፈሻዊ ምሕዳስን ንምግባር ይሥራሕ ኣሎ።

ገብር ኄር ወኒቆዲሞስ መምህር ተስፋሥላሴ ዘርአ እግዚእ

ቀደምት ሊቃውንት አበው ካብ ዕምቈት ፍልጠትን ምልከት ቋንቋን ዝተላዕለ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ንስብሐተ እግዚአብሔር፡ ንነገራት፡ ንጊዜ ፡ ንኵነታት፡ ንሥነ ፍጥረት፡...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...