“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ነበረት"

May 13, 2020

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሕሊናኡ ከምዝነበረትን ነቲ ዓቢይ መደባቱ ዝመደባ ምዃኑን ዘረድእ ኃይለ ቃል እዩ። ኣቦና ኣዳም ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ ካብ ገነት ምስ ተሰጐ፡ ብዙኅ ኃዘነ፣ ጐይታ ድማ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ስለዝፈጠሮ ስሌኡ ኃዘነ፣ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ቃል ተስፋ ድኅነት ሃቦ፦ “. . . . በኃምስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ፡ ወእድኅክ ውስተ መርኅብከ፡ ወእከውን ሕፃነ በእንቲአከ ወእትቤዘወከ በሞትየ ወበመስቀልየ” / ኣብ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ፡ ስሌኻ ሕፃን ኮይነ፡ ተሰቒለ፡ ሞይተ ከድኅነካ እየ. . . .” (ኣክሲማሮስ ዘዓ.)።

ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚሩ ድማ ኣቦና ኣዳም፡ ነዚ ተስፋ’ዚ እትፍጽም ካብ ሥጋኡ እትርከብ ምዃና ተረዲኡ፡ እቲ መዓልቲ ምድኃን ክሳዕ ዝኣክል ብተስፋ ተጸበየ። ኣባ ሕርያቆስ “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” / ኣዳም ካብ ገነት ኪስጐግ ከሎ ተስፋኡ ንስኺ ኢኪ ኔርኪ” ብምባል ዝገለጾ ነዚ እዩ። (ቅዳሴ ማርያም)።

ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ብስቕለት ክርስቶስ ዝተረኽበ ድኅነት ዓለም፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ክቡር ምዃኑን ቅድሚ ምሥራት ዓለም ተመዲቡ ምንባሩን ኪገልጽ ከሎ፦ “ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደኃንኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቅድሚ ምሥራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ”(1ይ ጴጥ. 1፥20) ይብል። እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ብባህርይኡ መጻእያት ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ንውድቀት አዳምን ደቁን ባዕሉ፡ መግለጺ ብዘይርከቦ ፍቕርን ምሥጢርን ከምዘድኅኖንን ከምዝመልሶን ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ዝመደቦ እዩ “ብደሙ” ክንድኅን ኣቐዲሙ ተመዲቡ ካብ ነበረ፤ እቲ ደምን ሥጋን ካብ መን ዝወሰዶ እዩ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ።

እቲ መርማርን ኣማኻርን ዘይብሉ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኪገብሮ ንዝመደቦ ነገራት ካብ ፈተውቱ ኣይኃብኦን እዩ። ንኣብነት፦ ኣጋዕዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ፡ ኣብ ቤት ኣብርሃም ድኅሪ ምእንጋዶም፥ ነቲ ኣብ ሰዶምን ገሞራን ከውርድዎ ዝሓሰቡ መዓት ንኣብርሃም ነጊሮምዎ እዮም። (ዘፍ. 18፡17) ከምኡ ድማ ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ብቓልነቱ ናብዚ ምድሪ ምምጻኡን ፍጹም ሰብ ናይ ምዃኑን ምሥጢር፡ ኣቐዲሙ ንቕዱሳን ኣቦታትና ብምሳሌን ትንቢትን ኣዛሪቡን ገሊጹን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ፡ ካብ ዘመነ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ልደት ክርስቶስ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌ፥ ብምሳሌን ትንቢትን ከምዝተነግረ ከረድእ ከሎ፦ “ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መንገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብዘን ዳኅሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና” (ዕብ. 1፥1) ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ንኣብነት፦ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ናብ እምባ ሲና ኣብ ዝደየበሉ ጊዜ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተገሊጹሉ ነበረ (ዘፀ. 3፡1-6)።

ነዚ ድማ እታ ቈጥቋጥ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ኣብ ማእከላ ዝነበረ ሃልሃልታ ሓዊ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ኣብ ማሕፀና ኃዲሩ፥ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ከምዝዋሓድ ቅዱሳን ኣቦታት ይገልጹ። ቅዱስ ኤፍሬም ውን “አንቲ ውእቱ ዕፅ ዘርእየ ሙሴ በነደ እሳት . . . .” ብምባል ይገልጽ። (ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ)።

ኣምላኽ ሰብ ናይ ምዃን ምሥጢር፡ ዓለም ቅድሚ ምሥራቱ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ካብ ነበረ፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ውን ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩን ዘመን ቅድሚ ምቝጻሩን ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ተሓሲባ ምንባራ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ነዚ ውን ነቢያተ እግዚአብሔር ካብ ልቦም ኣንቂዖም ዘይኮኑስ፥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዝገለጸሎም ምሥጢር ኣብ ዘዘመኖም ብምሳሌ፡ ብሕብረ ነገርን ብግህዶን ገሊጾምዎ እዮም። ንኣብነት፦

* “ናሁ ድንግል ትፀንስ ወትወልድ ወልደ. . .”

“ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኪህበኩም እዩ፡ እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፤ ስሙ ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።” (ኢሳ. 7፥14) ብምባል ነቢይ ኢሳይያስ ካብቲ ብምሳሌን ሕብረ ነገርን ዝንገር ኃሊፉ፡ ብግህዶ ገሊጽዎ ይርከብ።

* መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን /መሠረታ ኣብቶም ቅዱሳን ኣኽራን እዩ”(መዝ. 87፥1)።

ዘማራይ ዳዊት ወሎዶ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ቅዱሳን ሥድራ ምዃኑን ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ውን ተሓሲባ ምንባራን፡ ብኣኽራናትን ኰረቢትን መሲሉ ይዛረብ። ኣኽራናትን ኰረቢትን፡ ዘለዎም ብራኸን ልዕልናን ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ቅርጺ መሬት ብምንጽጻር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ናይ ጽቡቕን ሕማቕን ምሳሌ ኾይኖም ይጥቀሱ እዮም። ንኣብነት፦ ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዝተነበዮ ትንቢት፥ ንትምህርቲ ቅዱስ ዮሐንስ ጠቒሱ ክዛረብ ከሎ፦ ኣኽራናትን ኰረቢትን ናይ መምለክያነ ጣዖት፡ ዕቡያት . . .ብፍላይ ከኣ ናይቶም ኣብ ጊዜ ልደት ጐይታ ልቦም ብትዕቢት ኣልዒሎም ዝነበሩ ጸሓፍት መምህራንን ፈሪሳውያንን ምሳሌ ገይሩ ኣቕሪብዎም ኣሎ (ኢሳ. 40፥4, ሉቃ. 3፥6)። ብኣንጻር ናይ’ዚ ቅዱስ ዳዊት፡ ነቲ መድኅን ዓለም ክርስቶስ፥ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ብኢደ ዮሐንስ ክጥመቕ ከሎ ዝተፈጸመ ድንቂ ሥራሕ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኪንበ ኸሎ፦ “አድባር አንፈርዐፁ ከመ ሐራጊት ወአውግርኒ ከመ መሐስአ አባግዕ/ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ’’(መዝ. 114፥4) ብምባል እቶም ዝተሰራሰሩ ደዓውልን ዕያውትን ብቐጥታ ግዑዛን ኣኽራናትን ኰረቢትን ዘይኮኑስ ናይ ቅዱሳን ሰባት ምሳሌ ኮይኖም ዝተጠቕሱ እዮም። ኣኽራናት ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ ሙሴን ኣሮንን፤ ኰረቢት ድማ ናይ ሰብዓ ሊቃናት ተምሳል ኪኾኑ ኸለዉ፥ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ኣኽራናት ናይ ሓዋርያት፤ ኰረቢት ድማ ናይ ሰብዓ ኣርድእት ምሳሌ ምዃኖም መተርጕማነ መጽሓፍት የረድኡ። ምስርሳሮም’ውን ብሥጋ ምዝላል ዘይኮነስ፣ ብመንፈሳዊ ስምዒት ሓጐሶም ምግላጾምን ምምስጋኖምን እዩ። ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶስ መጽሓፎም፥ ቅዱስ ያሬድ ድማ ኣብ ድጓዑ፡ ነቲ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ማሕፀን ኣደኡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ከሎ “ተሰራሰረ አንፈርዐፀ ዕጓል” ዝብል ቃል ሰገደ ኢሎም ይትርጉምዎ (ሉቃ. 1፥40)።

ስለዚ ነቢይ ዳዊት “መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን” ክብል ከሎ፤ ኣኽራናት ዝተባህሉ እግዚአብሔር ስሙ ኪጽውዓሎም ዝኃረዮም ሕያዋን አብርሃም፡ ይስሐቅን ያዕቆብን ምዃኖም ምስትውዓል የድሊ። በዚ መሠረት ከኣ፡ ካብ ጥዑም ተኽሊ ወይኒ ጥዑም ፍረ ወይኒ ከምዚርከብ፣ (ሉቃ. 6፥44) ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ካብዞም ቅዱሳን ዝተሰምዩ ከምእትርከብ፡ ኣቐዲሙ ብኣምላኽ ዝተመደበን፥ ደቂ ሰባት ንኽፈልጥዎ ኸኣ ኣቐዲሙ ብነቢያት ከምዝተዘርበን ምፍላጡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

* እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ”(መዝ. 87፥5)

ጽዮን ማለት፥ እምባ ከውሊ መጸግዒ ማለት እዩ። እታ ዝቐደመት ጽዮን፡ ዳዊት ዝነገሠላን፣ ጽንዕቲ ዕርዱ ዝነበረት እምባ እያ። ንሱ ስለዝነገሠላ ድማ ኸተማ ዳዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ጽዮን፡ ናይ ዝተፈላለየ ነገራት ምሳሌ ኮይና ትጥቀስ’ኳ እንተኾነት፤ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ግና ጽዮን ዝተባህለት ወይ’ውን ብጽዮን ዝተመሰለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ምኽንያቱ፥ ንዅሎም ብኪዳና ንዝኣምኑ ጸወነ ሥጋ ጸወነ ነፍስ፤ ጸወነ ጻድቃን ወኃጥኣን ክትከውን ብኣምላኽ ዝተኃርየትን ልዕሊ ዅሎም ቅዱሳን ቃል ኪዳን ዝተቐበለትን ስለዝኾነት።

ነቢይ ዳዊት ብገዛእ ርእሱ መሲሉ ኣብ ዝተዛረቦ ትንቢት “አንሰ ተሰየምኩ ንጉሠ በላዕሌሆሙ በጽዮን በደብረ መቅደሱ/ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ጽዮን ኣብ መመስገኒ ቅዱስ ከረኑን ንጉሥ ኮይነ ተሸምኩሎም’’ ይብል (መዝ 2፥6)። ከረን ጽዮን ቅዱስ ዳዊት ኣብኣ ብምንጋሡ ኸተማ ዳዊት ከምዝተባህለት፤ ናይ ደብረ ጽዮን ምሳሌ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ አምላከ አማልክት መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፤ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ስለዝኸብረላ፡ ናይ ባህርይ ንግሥነቱ ተፈሊጡ ስለዝተመስገነላ ናይ ኣምላኽና ክርስቶስ ከተማ፡ ሀገረ እግዚአብሔር፡ኣደ ኣምላኽ ኢልና ንጽውዓ። ንግሥነት ቅዱስ ዳዊት ናይ ጸጋ’ዩ፣ ንግሥነት ክርስቶስ ግና ናይ ባህርይ እዩ። (መዝ. 110፥1, ማቴ. 22፥41-46) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “. . . ተበጃዊ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ. . .” እናበለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ ዝቐደመ ናይ ድኅነት ዓለምን መደቡ፤ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከም ዚፍጽሞ ይገልጽ፣ በዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ከምዝነበረት ንርዳእ።

ስለዚ ኣምላኽ ሰብ ናይ ምዃን ምሥጢር ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ኣብ ብሉያት ይኹን ሓዲሳት፥ ብሰፊሑ ቅድሚ ምግላጹን ምግሃዱን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ሕሊና እግዚአብሔር ዝነበረን ዝተመደበን ምዃኑ፣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ምንባራን፤ ንድኅነት ዓለም ዝተመደበት ምዃናን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኵሉ ብዛዕባ ፅንሰታ፡ ልደታ፡ በኣታ (ናብ ቤተ መቅደስ ምእታዋ)፡ ንኣምላኽ ምፅናሳን ምውላዳን፡ ስደታ፡ ….. ክሳዕ ስቅለተ ክርስቶስ ዝነበረ ጉዕዞኣ፡ ኪዳና፡ ንጽሕናኣ፡ ቅድስናኣ፡ ጸጋኣ፡ ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ፡ ክብራ…. ወዘይመስሎ ኣቐዲሙ ኣብ ብሉያት ትንቢት ዝተነግረሉን፤ ኣብ ሓዲሳት ድማ ከምቲ ዝተነግረሉ ምፍጻሙን ምስትውዓል የድሊ።

ኣቦታትና፥ “በመኑ በአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ” እናበሉ መሲሎም ምጽጋብን ምውዳእን ኣይተኻእሎምን’ሞ ንሕና’ውን፡ ካብ መንገዶም ከይወፃእና፡ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ባሕሪ ኑፋቄን ማዕበል ምጥርጣርን ከይተዓንቀፍና፡ ከም ቅዱሳን ኣቦታትና፤ ነቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባኣ ዝተነግረ ምሥጢርን ምሳሌን እናደገምና፡ ብሓጐስ እናወደስናያ ንንበር። ኣምላኽ ዓለም ቅድሚ ምሥራቱ መሠረት ድኅነትና ክትከውን ካብ ኵለን ኣንስቲ ፈልዩ መኅደሪኡ ክትከውን ኃርዩዋን ኣኽቢሩዋን’ዩ’ሞ፡ “ኦ ብፅዕት ጽዮን ኣዴና፤ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ብርኽቲ ኢኺ” ንበላ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣፍ ቅዱስ ያሬድ

• “ዘእንበለ ይትፈጠር ሰማይ ወምድር፥ ወዘእንበለ ይሣረር ምድረ ገነት፥ ሀለወት ስብሕት ቅድስት ወቡርክት ይእቲ ማርያም፥ እንተ ተሰምየት ሰንበተ ክርስቲያን፣ ጽዮን፣ ቅድስት፣ እሞሙ ለሰማዕት ወእኅቶሙ ለመላእክት/ምስግንቲ፡ ብርኽቲ ብንጽሕናን ድንግልናን ዝተፈልየት፣ ሰንበተ ክርስቲያን ዝተሰምየ፣ ኣደ ሰማዕታት፡ ኃውቲ መላእክት ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ሰማይን ምድርን ከይተፈጥረ፥ ምድረ ገነት ውን ከይተሠረተ ኸሎ ነበረት።

• “በቤተልሔም ተወሊዶ መድኅን ክብረ ቅዱሳን፡ ፍስሓ ለኵሉ ዓለም፡ ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ፡ ወይቤላ እግዚአብሔር ለማርያም “አዝማንየ አዝማንኪ፡ አምጣንየ አምጣንኪ፡ ማርያም ሐቀፍኪዮ ወአነ ዮም ወለድክዎ”/ንዅሉ ዓለም ሓጐስ ዝኸውን ናይ ቅዱሳን ክብሪ ዝኾነ መድኃኔዓለም፡ ኣብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ፡ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ሰንበት ሠርዐ። እግዚአብሔር ከኣ ንማርያም ከምዚ በላ፦ “ዘመነይ ዘመንኪ፡ መጠነይ ውን መጠንኪ እዩ፣ ኣነ ሎሚ ወለድክዎ ንስኺ ድማ ሓቖፍኪዮ”።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...