Print this page

ፅንሰታ ለማርያም - 7 ነሐሴ

Aug 12, 2020

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ።

ምስ ተወልደት’ውን ኣደ አምላኽ ከም ዝኾነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወፅእ በትር እምሥርወ እሤይ ወየዓርግ ጽጌ እምጕንዱ/ ካብ ጕንዲ እሤይ በትሪ ክትወፅእ ካብቲ ጕንዲ በትሪ ዕንባባ ጠጢዑ ክወፅእ እዩ” ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ። (ኢሳ. 11:1) ኣብዚ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትኸውን ከላ፣ ዕንባባ ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት’ዩ።ቅዱሳን ነቢያት በቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ረቂቅ ምሥጢረ ትንቢት፡ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በብወገኖም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙኃት እዮም። ንኣብነት፦ ቅድሚ ነቢይ ኢሳይያስ ዝነበረ ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚአብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ’ሞ መኅደሪኡ ክትኸውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ብሂገያ እየ እሞ ኣብዚኣ ክነብር እየ” ይብል። (መዝ. 132፡13-14) 'ጽዮን' ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።

ደጊሙ’ዉን ነቢይ ኢሳይያስ ብንጽሕናን ብድንግልናን አምላኽ ከም እትወልድ ክነግር ከሎ፦ “እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ እንሆ ድንግል ክትፀንስ እያ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ ስሙ ውን አማኑኤል ክትሰምዮ’ያ” በለ። (ኢሳ. 7:14) እዚ ትንቢት’ዚ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝውለድ ዝገልጽ’ዩ። ስሙ’ውን አማኑኤል ክትብሎ’ያ ኣማኑኤል ማለት ድማ እግዚአብሔር ምሳና ማለት ምዃኑ ንባቡን ትርጓሜኡን ጽሒፍዎ ኣሎ።

ኣቦና ኣዳም ውን ካብ ገነት ክስጐግ ከሎ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኽጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሽዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” ዝብል ተስፋ ድኅነት ተዋሂብዎ እዩ።(ዘፍ. 3፡14) እታ ተስፋኡ ኸኣ እታ ሰበይቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ነበረት፡ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ዝደረሶ ቅዳሴ “አንቲ ውእቲ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ።

እዛ ተስፋ አዳምን ንአምላኽ ከም እትወልድ ትንቢት ዝተነበዩላን ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

በጥሪቃን ቴክታን ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ውን ንእግዚአብሔር ዝኣምኑ ዝተፈትዉ ቡሩኻት ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚአብሔርን ብቑዓትን ብዙኅ ሃብቲ ዝነበሮምን ነበሩ። በጥሪቃ ብምድራዊ ሃብቱ ዝኸበረ ምግባሩ ዝጸበቐ ፡ ብሠናይ ግብሩ ኣብ ሃገሩ ዝፍለጥ፡ ንሕግታት ሙሴ ተጠንቒቁ ዝሕልው ጻድቅ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። ሰበይቱ ቴክታ’ውን ኣዝያ ጽብቕቲ፡ ብልባ ንእግዚአብሔር እትፈርሕ፡ ንሰብኣያ ከም ሳራ ጐይታይ ኢላ እትእዘዝ፡ ጥበብ ዝመልኣ ሰበይቲ እያ ዝነበረት።(ምሳ. 31፡10-) ሓደ መዓልቲ በጥሪቃ ኣብ ምድሪ ዝኸበረሉ ሃብቱ ኵሉ ጸብጺቡ ንሰበይቱ ‘እዚ ኵሉ ዝኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገብሮ ኢና፧ ዝወርስ ውላድ የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን’ በላ።

ንሳ ውን “ነቲ ኣምላከ እስራኤል ዝገብሮ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የለን፡ ካብ ካልእ ውለድ ከማይ ኣይትኩን” በለቶ። ንሱ ኸኣ ነዚ ኣይኮነን ክገብሮ ብልበይ ከም ዘይሓስቦ እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።” ክብል መለሰላ።

ቴክታ ናብ ውሻጠ ኣቲያ ተንበርኪኻ ናብ አምላኻ ብብኽያት ኣምሪራ ጸለየት፡ “ናይ ኣቦታተይ ናይ ኣብርሃም ይስሓቅ ኣምላከ እስራኤል ንዅሉ ንስኻ ትፈልጥ” ኢላ ተኣመነት። ንጽባሒቱ ናብ በጥሪቃ መጺኣ “ትማሊ ብሕልመይ ፃዕዳ ምራኽ (ብተይ) ካብ ማኅፀነይ ክትወፅጽእ እታ ፃዕዳ ምራኽ ውን ፃዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበለ ክሳብ ሾብዓተ ትውልዲ ክዋለዳ፡ እታ ሻብዐይቲ ንወርኂ ክትወልድ፡ እታ ወርኂ ድማ ንፀሐይ ክትወልድ ረኣኹ” በለቶ። ንሱ ውን “እቲ ራእይ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ ናብ ሕልሚ ዝፈትሕ ከይዱ ዝበለቶ ኵሉ ነገሮ። እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ ‘እግዚአብሔር ብምሕረቱ ርእይኩም እዩ። 7ተ ኣንስቲ ምራኻት ምውላድኩም 7 ኣዋልድ ዝውለዳ እየን፡ እታ ሻቡዓይቲ ንወርኂ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም ናይ ፀሐይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዎን’ በሎም።

ኣብቲ ወርኃት ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ቴክታ ፀነሰት፣ ኣብ 9ይ ወርኂ ጓል ወለደት። ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ 'ሄኤሜን' ኢሎም ሰመይዋ። ሄኤሜን ማለት “ረከብኩ ስእለትየ/ ዝለመንክዎ ረኸብኩ" ማለት እዩ። ሄኤሜን ውን ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ዴርዴ' ኢሎም ሰመይዋ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ቶና' ኢሎም ሰመይዋ። ቶና ማለት ራእይ ርኢና ነገር ረኺብና ንዝወለድናያ ማለት እዩ። ቶና ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሲካር' በልዋ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሲካር ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት፣ ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሴትና' ኢሎም ጸውዕዋ። ሴትና ማለት ሥራሓ ዝጸበቐ፡ ግብራ ዝሠመረ ጽብቕቲ ማለት እዩ። ሴትና ውን ብሥርዓት ዓብያ ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሔርሜላ' ኢሎም ጸውዕዋ። ሔርሜላ ማለት ካብ ክቡራን ካብ ሃብታማት ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሔርሜላ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሃና' ኢሎም ሰመይዋ። ሃና ማለት ብሃይማኖትን ግብርን ጽንዕቲ ብንጽሕና ብቅድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ፍጥረት ማለት እዩ። ናይ ኣዴና እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቝጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቈጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ እየን።

ሃና ውን ብሥርዓት ዓቢያ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት፡ ካብ ነገደ ይሁዳ ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ 'ኢያቄም' ኣመርዓውዋ። ሃናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ውላድ ክህቦም ኵል ሳዕ ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ብሓባር “ወዲ እንተወለድና ሓሪሱ ኵዒቱ የብልዓና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር የገልግል፥ ጓል ውን እንተኾነት ማይ ቀዲሓ መሶበ ወርቅ ሰፍያ ተገልግለና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር ተገልግል” ኢሎም ተማባጽዑ። ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ካህን ዘካርያስ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ጸሎቶም ኣዕረገሎም፡ “እግዚአብሔር ጸሎትኩም ይስማዕ፣ መብጽዓኹም ይፈጸመልኩም” ክብል ጸለየሎም።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ክልቲኦም መሥዋዕቲ ከነቕርብ ኢሎም ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ቀረቡ፡ ሮቤል ዝተባህለ ሊቀ ካህናት “ወኢይትዌከፍ መሥዋዕቶሙ ለመካናት/ መሥዋዕቲ መኻናት ኣይቕበልን’’ እንድዩ ዝብል፣ ንስኻትኩም ደኣ’ሞ “ብዝኁ ወተባዝኁ ወምልእዋ ለምድር/ ብዝኁን ተባዝኁን ንምድሪ ድማ ምልእዋ” ኢሉ ነቦና ኣዳም ዝሃቦ ቃል ዝኸልኣኩም እንዲኹም! እንተዝፈትወኩም እሞ ውላድ ምሃበኩም ነይሩ ስለዚ መሥዋዕትኹም ኣይቅበለኩምን እየ” ኢሉ መለሶም። ብኃዘን ተዋሒጦም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ኣዕሪፎም ከለዉ፡ ሓና ረጋቢት ምስ ደቀን ክጻወታ ዕፀዋት ዓምቢቡ ፈርዩ ርኣየት እሞ “ጐይታ ንረጋቢት ብባህርያተን ከም ዝባዝኃ ዕፀዋት ብባህርያቶም ከም ዝዕንብቡ ከም ዝፈርዩ ከም ዝገበርካ፣ ንኣይ ደኣ ውላድ ዝከላእካኒ ተፈጥሮይ ካብ እምኒ’ዶ ኾይኑ እዩ” ኢላ ኃዘነት። በዚ ኣምሪሮም እናኃዘኑ ናብ ገዛኦም ምስ ኣተዉ “ወዲ ይኹን ጓል እንተወለድና ንቤተ እግዚአብሔር ይኹን።’’ ኢሎም ተመባጽዑ።

ዕለት 30 ሓምሌ፡ ሃና ንኢያቄም “ፀምር ክዕጥቑኻ፡ መቆምያኻ ዓብያ ፈርያ ኵሉ ፍጥረት ክምገባ ርእየ” በለቶ። ኢያቄም ድማ ንሃና፥ “ፃዕዳ ርግቢት ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ መጺኣ ኣብ ርእስኺ ክትዓልብ፤ ብየማናይ እዝንኺ ኣትያ ኣብ ማኅፀንኪ ኽትዓርፍ ርእየ” በላ። ጊዜ ይፍትሓዮ ኢሎም ብተስፋ እናተጸበዩ ፍቓድ እቲ ዝነገርዎ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘይከልእ እግዚአብሔር አምላኽ ኮይኑ ብ7ተ ነሐሴ ብዕለተ እሑድ መልአከ እግዚአብሔር ‘ዓቢይ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም’ ኢሉ ኣበሠሮም። በዚ ዕለት'ዚ ኸኣ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲን ዝኸበረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተፀንሰት።

ምስ ተፀንሰት ብዙኅ ተኣምራት ገበረት። በርሴባ እትበሃል “ሐና እግዚአብሔር ረዲኡኪ እዩ’’ ኢላ ሰብነታ ዳኅሢሣ ዓይና ምስ ሓሰየቶ በርሃላ። ነዚ ኣብነት ገይሮም ኵሎም ሕሙማን ሰብነት ሃና እናዳኅሠሡ ተፈወሱ። ከምኡ’ውን ሃና ትፈትዎ ዝነበረት ሳምናስ ዝተባህለ ዘመዳ ሞይቱ ኣብ ሬሳኡ እናዞረት ክትበኪ ከላ፡ ጽላላ ዓሪፍዎ ካብ ሞት ተንሥአ።

እምበኣር ምእመናንን ምእመናትን፡ በዛ ሎሚ ዕለት ኣደ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፀንሰትሉ ዕለት ብምዃኑ ስማ እናዘከርና፡ ፍቕራን ርኅራኄኣን ረድኤታን ኣማላድነታን በረኸታን ስንቂ ጌርና ንሱባኤና ክንፍጽሞ ቅዱስ ፍቓድ እግዚአብሔር አምላኽና ይግበረልና። ኣማላድነታ ድማ ምስ ኵልና ይኹን፡ አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!