Print this page

“ወጸውዑ ስሞ እንዘ ኢትፈልጡ እሞ/ ንኣደኡ ከይፈለኹም ስሙ ጸውዑ! ”

Aug 17, 2020

ናይ ጸሎታት ኵሉ መእሰርን መፈጸምታን “አቡነ ዘበሰማያት/ ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና” ኮይኑ ስዒቡ ብሓባር ምስኡ ዝጽለ ድማ “በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ/ ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ” ዝብል ጸሎት እዩ። ክልቲኡ ጸሎት ኣይፈላለይን እዩ።

“ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ እንዘ ኢትፈልጡ እሞ/ ንእግዚአብሔር ኣመስግኑ፣ ንኣደኡ ከይፈለኹም’ውን ስሙ ጸውዑ” (መልክዐ ቍርባን) ከምዝብል ስማ ካብ ስሙ፡ ምስጋናኣ ካብ ናቱ ምስጋና ኣይተርፍን እዩ።

‘በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ’ ዝብል ጸሎት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍት ዝተዋፅአ ብፍላይ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዝተረኽበ ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰላምታ፡ ምስጋና፡ ውዳሴ፡ ምኅፅንታን ኣማላድነታን ዝገልጽ እዩ። (ሉቃ. 1፡26-45)
ንቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋና ስለዝግብኣ ካብ ወገን መላእክት፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ሊቀ መላእክት ‘ቅዱስ ገብርኤል’ ብመንፈሰ እግዚአብሔር ተመሪሑ፡ ካብ እግዚአብሔር ብዝረኸቦ ቃል ምስጋና፥ “ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ ደስ ይበልኪ፣ ካብ ኣንስቲ’ውን ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ኢሉ ምስጋና ኣቕረበላ። (ሉቃ. 1፡28)

እዚ ዓይነት ሰላምታ (ምስጋና) ቅድሚኡን ብድኅሪኡን ንሰባት ኮነ ንመላእክት ንማንም ቀሪቡ ዘይፈልጥ ፍሉይ ስለዝነበረ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣንክሮ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታ ከመይ ይኾነለይ” ብምባል ኣድኒቓ እያ። (ሉቃ. 1፡29)

ደጊማ’ውን ንቅዱስ ገብርኤል ተኸቲላ ቅድስት ኤልሳቤጥ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ምስጋና ናይዚ መልኣኽ ብምድጋምን ምስክርነቱ ብምጽናዕን፥“ቡርክት አንቲ እምአንስት፡ ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ/ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፣ ፍረ ማኅፀንኪ’ውን ዝተባረኸ እዩ” ኢላ ኣመስገነታ። (ሉቃ. 1፡42)

ብሓደ መልኣኽን ብሓንቲ ቅድስትን ጥራይ ተመስጊና ስለዘይትተርፍ ድማ ናይ ክልቲኦም ቃል ምስክርነትን ምስጋናን ድኅሪ ምስማዕ፥ “እንሆ ኻብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኽብሉኒ እዮም፡ እግዚአብሔር ንኣይ ዓበይቲ ተኣምራት ገይሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ” ብምባል ካብ ኵሉ ወገን ምስጋና ኸምዝቐርበላ ትንቢታዊ ቃል ተዛረበት። (ሉቃ. 1፡46-55)

ነዚ መሠረትን ኣብነትን ገይሮም ድማ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን “መልኣኽ ካብ ወደሳ፣ ሰብ’ውን ካብ ኣመስገና፣ ባዕላ’ውን “ድኅር ሕጂ ዅሉ ወለዶ ኸመስግነኒ እዩ ካብ በለት” ብምባል በብዓይነቱ ድርሳን ምስጋና ኣምሊኦምን ኣስፊሖምን ጽሒፎም እዮም። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ንውዳሴኣ፣ ናይ ብሕንሳ ኤጲስቆጶስ ኣባ ሕርያቆስ ንቅዳሴኣ፣ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ንአንቀጸ ብርሃን፣ ጻድቅ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ንአርጋኖን፣ ብፁዕ ደቅስዮስ ንተኣምራ . . . ብምድራስ ኣመስጊኖማ እዮም።

እናተመስገነት’ውን ስለእትነብር ከምቲ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ውዳሴኡ ዘዓርብ፥ “በእንተዝ ንዌድሰኪ በከመ ገብርኤል መልአክ እንዘ ንብል/ ከም መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ ኢልና ነመስግነኪ ኣሎና . . .” ዝበለ፤ ንሕና ድማ ኣብ ወትሩ ጸሎትና “ኦ እግዝእትነ ማርያም! ብናይን ከምን ሰላምታ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላም እብለኪ ኣሎኹ፡ ሰላም ንኣኺ ይኹን” ንብል።

“ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ” ንኣና ካብ ባርነት ዲያብሎስ ናፃ ኣውፂኡ፣ ዝምግበናን ዝገዝኣናን ስለዝኾነ “እግዚእነ፤ ጐይታና” ንብሎ። ንኣደኡ ኸኣ “እግዝእትነ” ንብላ። ‘ማርያም’ ኢልና ከይዘንጠልና “እግዝእትነ ወይ እመቤትና ማርያም” ምባልና ዝግባእን ታሪኽ ዘለዎን እዩ። “ኦ እግዝእትየ ቅድስት ድንግል” እናበለ ቅዱስ ኤፍሬም ከስተምህር ከሎ መማህርቱ ስምዖን ዘዓምድ ይሰምዖ እሞ ‘‘ኦ እግዝእትየ’ዝብል ቃል ካብ መን ረኺብካዮ፧ መምህርና ኣይመሃረናን፣ ምሂርና እምበር እናተበሃሃሉ ናብ መቓብር መምህሮም ያዕቆብ ዘንጽቢን ምስ ከዱ፦ ብኡ ንብኡ ዓሠርተ ኣፃብዑ ከም ፋና እናብርሁ ተንሢኡ “በሕይወትየ እብለኪ ሰላም ለኪ ኦ ቅድስት ድንግል ከመ ስምዖን ዘዓምድ፥ ወድኅረ ሞትየሰ ኵሎሙ አዕፅምትየ ይብሉኪ ወይወድሱኪ ሰላም ለኪ ኦ እግዝእትየ ቅድስት ድንግል ከመ ኤፍሬም ሶርያዊ / ብሕይወተይ ከለኹ ከም ስምዖን ዘዓምድ ኦ ቅድስት ድንግል ሰላም ንኣኺ ይኹን እብለኪ ፣ ድኅሪ ሞተይ ድማ ኵሎም ኣዕፅምተይ ኦ እግዝእትየ ቅድስት ድንግል እናበሉ ከም ኤፍሬም ሶርያዊ የመስግኑኺ” ኢሉ መስከረ።

እግዝእትነ ማርያም፡ ድንጋሌ ሥጋን ድንጋሌ ሕልናን ከምኡ’ውን ድንጋሌ አዕይንትን አዕዛንን ልሳንን (ክፉእ ካብ ምርኣይን ምስማዕን ምዝራብን) ዝኃዘት ብኵለንትናኣ ድንግል፣ ብነቢብ ብገቢርን ብሓልዮን ንጽሕቲ፣ ብኣርባዕተ ወገን ቅድስቲ እያ እሞ ኣብዚ ጸሎትና “ድንግል በሕልናኪ ወድንግል በሥጋኪ” እናበልና ንምስክር። ሰብ ብነቢብ ኮነ ብገቢር እንተነጽሐ ብሓልዮ ግና ክነጽሕ ኣይክእልን እዩ። ንሳ ግና “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ድንግል በሕሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ/ ካብ ትፍጠር ኣትኂዛ ብዋላ ሓደ ኣይረኸሰትን፣ ብሕልናኣ ድንግል፣ ብሥጋኣ’ውን ድንግል እያ።” (ሃይ. አበው ዘቴዎዶጦስ 53፡22)

ንኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም “እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ/ ኣደ ልዑል ኣሸናፊ ኃያል እግዚአብሔር ሰላም እብለኪ ኣሎኹ” ኢልና ከነመስግና ከሎና መጽሐፍ ቅዱስ መሠረት ጌርና ኢና። ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ናይ ወዳ ኃያልነት ክምስክር ከሎ “ ግሩም መካር፡ ኃያል ኣምላኽ ዘለዓለማዊ ኣቦ መስፍን ሰላም“ (ኢሳ. 9፡6-7) ኢሉ እዩ።

ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ’ውን ፥ “ ወዘኒ ይትወለድ እምኔኪ ቅዱስ ውእቱ ወይሰመይ ወልደ እግዚአብሔር ልዑል/ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ክብሃል እዩ” ክብል ከሎ እቲ ቅድሚ ዓለም ካብ አብ ብዘይ ኣደ ዝተወልደ ንሱ ካብ ሠለስቱ ቅዱስ አሐዱ ቅዱስ እግዚአብሔር ወልድ እዩ ማለቱ እዩ። (ሉቃ. 1፡35)።

ቅድስት ኤልሳቤጥ’ውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ምሥጢረ እግዚአብሔር ተገሊጹላ ንድንግል ማርያም “ኣደ ጐይታይ ናባይ ኽትመጽኢ’ኸ ኣነ መን እየ፧” ብምባል ኣቐዲማ መስኪራ እያ። (ሉቃ. 1፡43) ‘ጐይታይ’ ዝበለቶ ነቲ ንኵሉ ዝገዝእ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ እያ። ናይ ዕንቆራ ኤጲስቆጶስ ቅዱስ ቴዎዶጦስ ብወገኑ ክምስክር ከሎ፡ “ወሰመያ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲቶ ወፂኦ እምከርሣ እንዘ ድንግል ይእቲ/ ብድንግልናኣ ካብኣ ተወሊዱ፡ ንእግዝእትነ ድንግል ማርያም ኣደይ በላ” ይብል። (ሃይ. አበው ዘቴዎዶጦስ 53፡22)

እዚ ኽብሪ’ዚ ዝተዋህበ ንእኣ ጥራይ እዩ እሞ “ቡርክት አንቲ እምአንስት/ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ብርኽቲ ኢኺ” ንብላ። ድንግልና ምስ ኣደነት፡ ድንግልና ምስ እመቤትነት ኣጣሚራ ዝኃዘት ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝኸበረት ፍልይቲ እያ። ንኻልኦት ኣንስቲ ነኽብረን ኣደ ፍሉጣት፣ ኣደ ዓበይቲ፣ ኣደ ጻድቃን፡ ኣደ ሰማዕታት፡ ኣደ ጳጳሳት. . .  ኢልና ኢና። ድንግል ማርያም ግና ንክርስቶስ ስለዝወለደቶ ‘ኣደ ፈጣሪ፣ እመ እግዚአብሔር ጸባዖት፡ ኣደ ጐይታ፡ ወላዲተ አምላክ’ እያ።

በዚ ምኽንያት “ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ብርኽቲ ኢኺ፣ ነቲ “ቡሩክ ዘይመጽእ፡ ቡሩክ አንተ በጽርሐ ስብሐቲከ፡ ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር. . . .”  እናበሉ ዘመስግንዎ ናይ ምስጋና ጐይታ፡ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ኣምላኽ ፀኒስኪ ስለዝተረኸብኪ “ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ/ ፍረ ማኅፀንኪ’ውን ዝተባረኸ እዩ” ኢልና ነመስግና። (ሉቃ. 1፡28፣ 1፡49)

ኣብ ዘመነ ፍዳ ዓመተ ኵነኔ ንሳ ምልእተ ጸጋ ምልእተ ክብር ኮይና እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሓደ ባህርይ ስለዝኾነ “ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ/ ኦ ጸጋ ዝተመላእኪ ደስ ይበልኪ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፡” እናበለ መልአክ ፍሡሐ ገጽ ገብርኤል ከምዝወደሳ’ውን ንውድሳ ኢና። (ሉቃ. 1፡28)

ነዚ ቃል ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ኣብነት ገይሮም ድማ ሰባክያነ ወንጌል ቅዱሳን አበው፡ ንሳ ምንጪ ሓጐስና ፡ መጸናንዒት ኃዘንና ምዃና መስኪሮም እዮም። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ፦ “ተፈሥሒ. . . ፡ ተፈሥሒ . . .፡ ተፈሥሒ . . . ” ኢሉ እዩ። (ሃይማኖተ አበው ምዕ. 68፡35)

ሊቅ ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ነቲ ኣብ ዕለተ ልደት ጐይታ መላእክት ዘቕረብዎ ናይ ሓጐስ ዝማሬ መበገሲ ብምግባር “ኃሤተ መላእክት ንዝኾነ ጐይታ፡ ዝወለድኪ ድንግል ማርያም ተፈሥሒ ደስ ይበልኪ።” እናበለ ከመስግና ከሎ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ድማ “ተፈሥሒ ኦ ሙኀዘ ፍሥሐ “ ክብል ወዲስዋ እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ኣደ ኣምላኽ ከም ምዃናን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ካብ ኣምላኽ ስለዝተዋህባን፣  ስማ ዝጸወዐ፣ ብቃል ኪዳና ዝተማኅፀነ ኵሉ፡ ድኅነተ ሥጋን ነፍስን ስለዝረክብ “ሰላም ለኪ፡ ተፈሥሒ፡ ሰአሊ ለነ ” ከይበላ ዝውዕል ዝኃድር ኦርቶዶክሳዊ የለን። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ክረድኦ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ንሰብ ተሰሎንቄ “ ጸልዩ ለነ/ ምእንታና ጸልዩ” (1ይ ተሰ. 5፡25) ካብ በለ፣ ንወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም “ ካብ ዝተፈተወ ወድኺ ምሕረት ለምንልና” ምባል ክንደይ ከምዘስልጥ ፍሉጥ እዩ። (ያዕ. 5:16)

በዚ ድማ ኣብ ጸሎትና ወትሩ “ጸልዪ ወሰአሊ ለነ ምሕረተ ኀበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ/ ኃጢኣትና ክሠርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ለምንልና” ንብላ። ኣብ ቤት መርዓ ቃና ዘገሊላ ከም ዝገበረቶ ንሳ ይቕረታን ምሕረትን ትልምነልና እሞ ፍቁር ወዳ ድማ ምሕረትን ይቕሬታን ይህበና። (ዮሓ. 2፡3-7)

ብልሳን ክቡር መልኣክ፣ ቅድስት ኤልሳቤጥን ቅዱሳንን ዝተወደሰትን ዝተመስገነትን “መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን/ ትሕቲ ፈጣሪ ልዕሊ ፍጡራን” ዝኾነት ድንግል ማርያም፣ ንእኣ ምምስጋን “ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኮነለይ!” (ሉቃ. 1፡41-43) ዘብል ዓቢይ ትዕድልቲ እዩ እሞ ነዚ ጸሎት’ዚ ዓይነ ልቦናና ሰቂልና ብትሕትናን ፍቕርን ጸኒዕና ኽንጽልዮ ይግባእ።

ጸሎታን በረኸታን ምሕረት ፍቁር ወዳን ኣይፈለየና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!