ነገረ ድኅነት (2ይ ክፋል)

Jul 18, 2016

ነገረ ድኅነት (2ይ ክፋል)

መፍቀሬ ሰብ እግዚኣብሔር፡ ንኣዳም ካብ መሬት ዝፈጠሮ፡ ትእዛዙ ምስ ኣፍረሰ’ውን “ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኢሉ ናብ መሬት ዝመለሶ፡ በቲ ዝሃቦ ተስፋ’ውን ካብ መሬት ከልዕሎን ከድኅኖን ሥልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። በዚ ኸኣ እቲ ብመለኮቱ ዘይርአ እግዚአብሔር ንሰብ ምእንቲ ከድኅኖ ፍጹም ሰብ ኮነ፡ ብሥጋ ተጋህደ።

እግዚአብሔር ስለምንታይ ሰብ ኮነ፧

እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። ካብ ፍጥረታት ንዅሉ ኣምሊኡን ኣጠናቒቑን ኪፈልጥን ኪምርምርን ዚኽእል የልቦን። በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ኣበው ዝተናገርዎ ግና እንሆ፦

• እግዚአብሔር “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ከም መልክዕናን ኣምሳልናን ሰብ ንግበር” ኢሉ ንሰብ ካብ ሓመድ መሬት ፈጠሮ። እዚ ብናይ አብ ልቢ ሓሲቦም፤ ብናይ ወልድ ቃል ተዛሪቦም፤ ብናይ መንፈስ ቅዱስ እስትንፋስ ንዝፈጠርዎ ሰብ ምስ ወደቐ፡ “ንግበር ሰብአ” ኢሉ ዝተዛረበ ቃል ናብ ኣዳም መጽአ። ካብ መሬት ንኣዳም ዝገበረት ኢድ ድማ ተዘርግሐ። (መዝ. 144፡7)
• “ኦ ኣዳም መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት / ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ” ኢሎም ነቲ ሥላሴ ብናይ አብ ልቢ ሓሲቦም ፡ ብናይ ወልድ ቃል ፈሪዶም፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሕያውነት ኣጽኒዖሞ ዝነበሩ ፍርዲ ንኸልዕል እቲ ዝፈረደ ኣካላዊ ቃል ናብ ኣዳም መጽአ።
• ኣዳም ብሰንኪ ኃጢኣቱ ንድምፂ እግዚአብሔር ፈሪሁ ይነብር ነበረ። “. . . ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ ፈራሕኩ፡ . . .” (ዘፍ. 3፡10-13) ከምዝብል። ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ከረን ሲና ንነቢይ ሙሴ ኣብ ዝተዛረበሉ ጊዜ፦ “ንሰምዕ ኣሎና ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፡ ኣምላኽ ግና ምእንቲ ከይንመውት ኣይዛረበና” (ዘፍ. 20፡19) በልዎ። በዚ ድማ እግዚአብሔር ነቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዝነበረ ፍርሒ ኃጢኣት ንኸርሕቕ ሰብ ኾነ። ኣማኑኤል ቋንቋ ሰብ እናተዛረበ ሕጊ ጠባይኣውን መጽሓፋውን እናፈጸመ ብሥርዓት ሰብ ተመላለሰ። ንድምፁ ሰሚዑ ኣብቲ በለስ ንዝተኃብአ ኣዳም ደልዩ ረኸቦ። (ሉቃ. 15፡4-7)
• ሰብ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ትእዛዛትን ሕግታትን ኪፍጽም ኣይከኣለን። በዚ ኸኣ እግዚአብሔር ናባና መጺኡ፡ ኣተግቢሩ፡ ሠሪሑ ሓዲስ ሕገ ወንጌል ሃበና።

እግዚአብሔር ሰብ ኮይኑ ንሰብ ብኸመይ ኣድኂንዎ፧

“እግዚአብሔር ንዓለም ካብ ዝፈጠረሉ ጥበብ፡ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ዝያዳ የደንቕ’ ይብል ቅዱስ ቄርሎስ። ከመይ! ሰብ ንምድኃን ንሕሊና ዘደንቕ ምሥጢር ተፈጺሙ እዩ።
• ኣዳም ካብ ኅቱም መሬት ተፈጢሩ ኪኃጥእ ከሎ፡ መድኃኔ ዓለም ግና ካብ ኅቱም ድንግልና ኣዴና ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንኣዳም ኣድኃኖ።
• ኣዳም ካብ ንጹሕ መርገም ካብ ዘይብሉ መሬት ተረኺቡ ክብድል ከሎ፡ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ግና መርገመ ሥጋን መርገም ነፍስን ካብ ዘይብላ እግዝእትነ ማርያም ተወሊዱ ኣድኃኖ።
• ኣዳም ካብ ዓለመ መላእክቲ ተሰዲዱ ኣብ መንጎ እንስሳታት ተረኸበ፡ መድኃኔ ዓለም ግና ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ።
• ኣዳም ብበደሉ ካብ ገነት ናብ ሲኦል ተሰዲዱ እዩ። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ድማ በደል ዘይብሉ እንከሎ ካብታ ብገነት ትምሰል ምድረ እስራኤል ናብታ ብሲኦል ትምሰል ምድረ ግብጺ ተሰደ።
• ኣዳም ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ ተፈጢሩ፡ 7 ዓመት ኣብ ገነት ነቢሩ፡ ብኽፉእ ምኽሪ ሰይጣን ተታሊሉ ውልድነቱ ክስእን ከሎ፡ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ግና ኣብ 30 ዓመቱ ተጠሚቑ ኣድኃኖ።
• ኣዳም ብምኽንያት ብልዒ ካብ ገነት ኪስጎግ ከሎ፡ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ድማ “ሰብ ብቃል እግዚኣብሔር እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ።” ኢሉ ንፍቓድ ሥጋን ስስዕትን ሰዓሮ።
• ዲያብሎስ ንኣዳም ኣብታ ካብ ምድሪ ተፈልያ ንእትርከብ ገነት ብብልዒ እንተሰዓሮ፡ ጐይታ ድማ ናብታ ካብ ከተማ ርኂቓ እትርከብ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ብጾም ሰዓሮ።
• ኣዳም ሕጊ ጥሒሱ ካብ ጸጋ እንተ ዓረቐ፡ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ድማ ጸጋ ኣዳም ኪመልስ ዕራቑ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቕለ።
• ኢድን እግርን ኣዳም ናብ ዕፀ በለስ ከምርሑ ኸለዉ፡ ኢድን እግርን መድኃኔ ዓለም ግና ብቕንዋት ኣብ መስቀል ተሸንከረ።
• ዕዳ ኣዳም ፍጡራን ክኸፍልዎ ኣይኸኣሉን። ወልደ እግዚአብሔር ሕያው ወወልደ ማርያም ሥግው ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ሰብ ኮይኑ ዕዳና ከፈለልና። ኣዳም ኪቕበሎ ዝግብኦ ኵሉ ባዕሉ ተቐቢሉ ንኣዳም ናጻ ኣውፅኦ።
• ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍጹም ካሕሳ ክሓሰና። ኣብቲ ዓፅሚ ኣዳም ዝዓረፈላ ጐልጐታ ተሰቒሉ፡ ካብ ሞት ኣድኃነና። ኃይሊ መቓብር ስዒሩ፡ ርኂቕና ንዝነበርና “ደቀይ” በለና። (ማቴ. 27፡33፣ 1ይ ቆሮ. 15፡56) ዝተዓጽወት ገነት ተኸፍተት፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ባሕሪ ኃጢኣት ጥሒሉ ዝነበረ ፊያታዊ ዘየማን ዓቢይ ብሥራት ተነግሮ፦ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ኣሎኻ” (ሉቃ. 23፡43) ዝብል። ገነት፡ ነቶም ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ ተመሊሶም ኣብ የማኑ ንዝቘሙ ምኽፉታ ኣበሠረና።

“እግዚአብሔር ሰብ ኮነ ክንብል ከሎና ብኸመይ እዩ፧”

ወልደ እግዚአብሔር ናብዛ ዓለም መጺኡ፡ ብሥጋ ማርያም ተገሊጹ ክበሃል ከሎ ኣብ ዙርያኡ ብዙኅ ክንፈልጦ ዝግብኣና ኣሎ።
ቅድሚ ዓለም ብዘይ ኣደ ካብ ናይ ባሕርይ ኣቦኡ አብ፡ ድኅሪ ዓለም ድማ ብዘይ አቦ ካብ ድንግል ማርያም ብሥጋ ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር፡ ሥጋ ተዋሒዱ ሰብ ዝኾነሉ ምሥጢር ዓቢይ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያ ጴጥሮስ “ንስኻ ኸውሒ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ” ዝበሎ፡ መሠረት ሃይማኖት ዝኾነ ትምህርቲ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ኢኻ።” ዝብል እዩ። (ማቴ. 16፡16-18) ኣብ ቅድሚኡ ቘይሙ፡ ወልደ አምላኽ ናይ ባሕርይ ወዲ ኢኻ ኢሉ ስለዝጸውዖ ብፁዕ ተባህለ።

ሎሚ’ውን ንሕና መለኮት ምስ ሥጋ ፍጹም ከምዝተዋሓደ ኣሚንና፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ፡ ንአብ ናይ ባሕርይ ወዱ እዩ ኢልና ምእማን ይግባእ። እቲ ዓስቢ ብፅዕና ዘውህብ እዚ ሃይማኖት እዚ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...